ንሕና ልዕሊ 2000 እንኸውን ካድረታትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ህወሓት ከምኡ እውን ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተወከልቲ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ካብ ዕለት 03-09/05/2010 ዓ/ም ን7ተ መዓልቲ ኣብ 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስ ብምርካብ ዓሚቕ ገምጋም ብምስላጥ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዘይንሕስያ ዝገምገሞን ዝሃቦ ውሳነን መሰረት ገይርና ዝጐደለ እንተልዩ ክንምልእን ክነዕሙቕን፤ ካብዚ ሰጊርና ድማ ብኣንፃር ኣብ ህዝቢ፣ ውድብ፣ ክልልን ሃገርን ዘብፅሖናዮ ፀገም ብልክዑ ክንወስድን ምስ ነብስና ክነጣብቕን ክኢልና ኣለና፡፡ እቲ ልዑል ትዕግስትን ተፀዋርነትን ዘለዎ ህዝብና ኣብ ውድቡ ፅኑዕ እምነት ብምሓዝ ካብ እምነቱን ልምዱን ተበጊሱ ነዚ ዕድል ስለዝሃብና ልዑል ምስጋና ከየቕረብና ኣይንሓልፍን::
ክሳብ ሐዚ ኣመዝጊብናዮም ዘለና ክልላውን ሃገራውን ዓወታት፣ ሃገርና ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመር እናተመርሐት ዘመዝገበቶም ድሙቓት ፍፃመታት ምዃኖም ዘይካሓድ ሓቂ እዩ፡፡ ህዝብታት ክልልና፣ ሃገርናን ዓለምን ዝመስከሩሎምን ዝብህጉዎምን ዓወታት እናረገገፅና ንቕድሚት ንምርሽ ከምዘለና ፍሉጥ እዩ፡፡ ነዙይ ድማ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘረጋግፅዎ ሓቂ እዩ፡፡
ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ብምትሕብባር ኣብ መትከላዊ ሓድነትን ምትእስሳርን ዝተመስረተ ሓድነትና ብምጥንኻር ብሄር ብሄረሳባትን ህዝብታትን ሃገርና ብሓባር ኣብ ፅላል ህገ መንግስታዊ ስርዓትና ብምዕሳል ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ተሃድሶን ምርግጋፅ ትራንስፎርሜሽንን ንምዕዋት ለሚውን ከም ቀደምና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ከምንዐውቶ ኣይንጠራጠርን፡፡
እዚ ከምዘሎዎ ኮይኑ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ዘስክፍ መፃብብ ኣብ ዝኣተወትሉን ብዝፈጠርናዮ ፖለቲካዊ ሽግር ህዝብን ሃገርን ብልክዕ እቶም ዘመዝገብናዮም ዓወታት ኩለመዳይ ዓፀባ፣ ዕንወት ፣ ሞትን ምፍንቓልን ከምዘስዐበ፣ ህዝቢ ኣብ ውድቡን መንግስቱን ዝነበሮ ተስፋን ከጠዓዕሞ ዝጀመረ ልምዓትን ሰላምን ክስእንን መፃኢ ዕድሉ ፀልሚቱ ክረኣዩን ኣኽኢልናዮ ኢና፡፡ ተሳተፍቲ 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስ እውን እዚ ከምዚ ዝበለ ጥልመትን፣ ህዝባውነቱን ወያናይ ስብእንኡን ዝሸርሸሮ ሕመቕ ኣዝዩ ከምዘሐዘነናን፤ ብዝፈፀምናዮ ፀገም ልክዕ ድማ ህዝቢ ብተግባር ክንኽሕስ ቃልኪዳንና ኣሐዲስና ንርከብ፡፡ እዚ እንተዘይገይርና ድማ ተመሳሳሊ ዕድል ምሕዳስ ከምዘይንረክብን፤ ኣብ 1993 ዓ/ም ተሃድሶና ዘነፀርናዮ ኣርማገድዮን፣ ምጥፍፋእን ምትህልላቕን ከምዝስዕብ ብልቢ ኣሚና ተቐቢልና ኣለና፡፡
ብመሰረት እዚ ካብዚ ተጌሩ ዘሎ ገምጋም ብምብጋስ በብደረጅኡ ብገምጋምን ዓርሰ ነቐፌታን ብምዕሟቕ ብቐፃልነት መስተኻኸሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝተሰጣጠመ ምንቅስቃስ ከምዝገብር ተረዳዲኡ ኣኼብኡ ዛዚሙ ኣሎ፡፡
ከምቲ ዝፍለጥ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቅድሚ 43 ዓመታት ቓልሱ እንትጅምር ፤ እቲ ቓልሲ ነዊሕን መሪርን ዓወት ድማ ግድን ከምዝኾነ ኣሚኑ ኩለመዳይ ቓልስን መስዋእትነትን ብምኽፋል ሓያልነቱ፣ ህዝባውነቱን ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመሩ ብተግባር ዘመስከረ ውድብ እዩ፡፡
ኣብ ጉዕዞ ቓልሱ እውን ደውታን ዕንክሊልን እንተጓንፎ ስትራተጅካዊ ኣመራርሓን ራኢን እንዳቐመጠ ንውሽጣዊ ድኽመታቱ ብዘየላጢ ብምግምጋም ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ እንዳተሰጋገረ፤ እቲ መድረኽ ዝሓቶ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት እንዳኸፈለን ኣብ ህዝብን እቲ ተጋዳላይን ዘሉዎ ተቐባልነት የመና እንዳኾለዐ፤ ኩሉም ዓይነታት ድሕረታትን ውድቀታትን ብብልሓት እናሰገረ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስሰዐን ሰጋእ መጋእን፤ መስዋእቲ እንዳኸፈለ ምሩፃት ቐቢሩ ምሩፃት እንዳተከአ ዝመፀ ውድብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዴሞክራሲን ሰላምን ልምዓትን በብደረጅኡ እናረጋገፀ እንተመፀ እውን ሰኣን በብደረጅኡ ዝርከብ ስትራተጂክ መሪሕነትን ተራኡ ዘይምፅዋቱ ዳግም ናብ ፅግዕተኛ ምብስባስ፣ ሕመቕን ብልሽውናን ጥሒልና ህዝቢ፣ ውድብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ጫፍ ምብትታንን ምትህልላቕን ክኣቱ ጌርናዮ ኢና፡፡
በቢደረጅኡ ዝርከብ ካድረን ኣመራርሓን ልዕሊ ዕላማኡ ህዝቡን መስመሩን ውልቃውነት ወሪርዎ፤ ነቲ ቦኽርን ሕሳስ ልደን ሓንኩኹ ዝሃቦ ህዝቢ የመና ኣቖጢዕዎን በዲልዎን ከምዝኾነ ኣሚኑ ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ መጀመርታ 2009 ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቃስና ዓሙቑን ናብ ሰብ ተላጊቡን ብዘይምኻዱ ሕመቓት ፅግዕተኛ ምብስባስ ደጊሱ፣ ኔትዎርክን ምጥቕቓዕን ገንጊኑ፣ ስልጣን ከም መንበሪ ተወሲዱ ነቲ ኣመራርሓ ዘሪጉን ቀይዱን ስለዝሓዞን የግዳስ ብሓሶታዊ ፀብፃብ ልቡ ዝነፍሕን ዝጃሃርን ብውስን ዓወታት ዝሰኸረ ኣመራርሓን ከምዝተፈጠረ እቲ ኮንፈረሰኛ ብዝርዝር ተመያይጡን ተኻቲዑን ደምዲምዎ ኣሎ፡፡
መድረኻዊ ተልእኾናን ፖለቲካዊ ስብእናናን ረሲዕና፤ ሕመቓት ፅግዕተኛ ምብስባስ ናብ ነርእየሉ መድረኽ ዝተሰጋገርና ሙዃና ብጉድለትና ልክዕ ኣሚና ተቐቢልናዮ ኣለና፡፡ ከም ውፅኢት እውን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ፀረ-ዴሞክራሲ፣ ኔትዎርክን ዝዓብለሉ፤ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳር ዝተጓደለሉ፣ መትከላዊ ሓድነት ኣመራርሓ ዝለመሰሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ፡፡ ብሙኻኑ ድማ ንፅግዕተኛታት፣ ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርናሎም ኢና፡፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝነበሮ ብደም ዝተኣሳሰረን ከም እምኒ ዓረ ዝፀንዐን ርክብ ክሕርፍፍ ጌርዎ እዩ፡፡
ብዝኸፍኣ መልክዑ ድማ እቲ በቢደረጅኡ ዝርከብ ካድረን መሪሕነትን ናብ ሽኩትን ምንጥልን ስልጣን ኣትዩ ናብ ጫፍ ገዛኢ ደርብነት ዘስግር ዓቕምታት ኣዋህሊሉ ዝፀንሐ ምዃኑ ተሳታፋይ እዚ 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስ ዝኾነ ካድረን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ህወሓት ብዘይንሕስያ ገምጊሙ ኣረጋጊፁዎ ኣሎ፡፡ ስልጣን ከም መንበሪ ብምውሳድ ንፅግዕተኛ ምብስባስ ዝተሳጠሐ ሙዃኑ ብምእማን ነዚ ዝፈፀሞ ታሪኻዊ ስሕተት ኣሚኑ ህዝቡ ክኽሕስ ቃሉ ዘሀድሰሉ መድረኽ ኮይኑ ረኺብዎ እዩ፡፡
ስትራተጅካዊ ልእኽቱኡ ዝመኸነ ኣመራርሓ ቅድሚ ሐዚ ዝፀንሐ ዱፉን ትራንስፎርሜሽን ኣይተዓወተን ዝብል ልሙድ መዐሸዊን ለውጢ ዘየምፅእን ኣገማግማ ኣብ መሬት ዘየለ ፀብፃብን መረዳእታን ብምርኣይ፤ ብውስን ዓወታት ዝሰክር ብዝፈጠሮም ሕፅረታትን ብልሽታትን ድማ ክልልናን ሃገርናን ብዝኸፍአ ክትሕቆንን ክትዝረግን ናይ ባዕልትና ብፅሒት ኔርዎ እዩ፡፡ ብዓብዩ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብዘይበልዖን ዘይተቐየሮን ከምፅጉቡን ዝሓለፈሉን ዘምስል ቅጥፈታት እቲ ካድረ ንላዕለዋይ መሪሕነት እንዳመገቦ ምምፅኡ ንውሽጡ ፈትሹን ረጊሙን ንኸይድገም ንኽቃለስ ኣብ ስምምዕ በፂሑ ኣሎ፡፡ ልዕሊ 27.7% ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝነብር ህዝቢን ብኣውርኡ ድማ ብሚልየን ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ብሴፍቲኔት ዝመሓደርን፤ ኣብ ከተማ እውን እንተኾነ መሊኡ ካብ ድኽነት ዘይወፀ ህዝቢ ፀይሩ ኣብ ፍፁም ፀረ ህዝቢን መስመርን ቁርቁስ ዝኣተወ ካድረን መሪሕነትን ከምዝነበረ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኣየ መድረኽ ኮይኑ ኮንፈረንስና ተዛዚሙ ኣሎ፡፡
ተሳታፊ 7ይ ውድባዊ ኮንረፈንስ ብዝነበረ ዘይመትከላዊ ሓድነት ነቲ ጥሙርን ድልዱልን ሓድነትን ክብርታት ውድብና ከም ዝጐድኦ እቲ ተሳታፊ ካድረ ኣሚኑ ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡ ነዚ ክብርታት ውድብ እዙይ ምሽርሻር ቐንዲ ምንጩ ባዕሉ እቲ ላዕለዋይ ካድረን መሪሕነትን ሙዃኑ ብዘይንሕስያ ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡
ኣፍቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እውን እንተኾነ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ጐልቢቱ ከይወፅእ ተራ ዝነበረና ኮይኑ እዚ ድማ ዓቕሚ ውድብና ኣልሚሱ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዘይግቡእን ዘሕፍርን ተግባራት ክፍጠር ምኽንያት ኮይንና ኢና፡፡ ጥሙር ውሽጣዊ ዓቕሚ መሪሕነትናን ካድረናን ደኺሙ፤ ፀገም ህዝቢ ብቕልጡፍ ምፍታሕ ዝሰኣናሉን ብዕግበትን ግጉይ መረዳእታን ሓቀኛ ተጠቃምነት ህዝብና ኣብ ምጉዳእ ግደ ካድረና ዕዙዝ ምንባሩ ብዝርዝር ተገምጊሙን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑሉ ኣሎ፡፡
ኣብዘለናዮ ኩነታት ሰላም ተባራዒ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ንዓድን ህዝቢን ንምድሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዓልትና ንምድሓን እውን እንተዘይሰሪሕና፤ ኩነታት እንዳኸፍአን እንዳተዃስሐን ከይዱ ብህውከትን ዕግርግርን ከምንህሰን እቲ ዝኸፍእ መጉዳእቲን መከራን ኣባና ከምዝገድድ ርዱእ ሙዃኑ ተሳተፍቲ 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስ ብሙሉእ እምነት ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡ እዚ ሕቶ ምድሓን ዓዲ፣ ህዝብን ውድብን ኣጀንዳ ህወሓት ጥራሕ ዘይምዃኑ ብምእማን ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ብምፍጣር ነቲ ክሳብ ሐዚ ዝበደልናዮን ዘጉደልናዮን ንምክሕሓስን ርኡይ ለውጢ ንምምፃእን ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ነናይ ባዕልና ገዛ ዕዮ ብምፍፃምን ጉሓፍና ብምእላይን ንቕድሚት ክንምርሽ ኣለና፡፡ እዚ እንተይኮነ እንተተሪፉን ሓደ ውድብ ንቕድሚት እቲ ኻልእ ንድሕሪት ክስጉም እንተፈቲኑ ተተሓሒዝና ናብ ገደል ከምንኣቱ ፈሊጥና ካብ ምንቋርን ምውንጅጃልን ብምውፃእ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ክንሰጋገር ሙሉእ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ ኣመዝጊብናዮም ዘለና ክልላውን ሃገራውን ዓወታት፣ ሃገርና ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመር እናተመርሐት ዘመዝገበቶም ድሙቓት ፍፃመታት ንድሕሪት ከይምለሱ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ ህዝብታት ክልልና፣ ሃገርናን ዓለምን ዝመስከሩሎምን ዝብህጉዎምን ዓወታት ናብ ዘይኽበሱሉ ደረጃ ክነብፀሖም ሕድርና ክነጠናኽር ይግባእ፡፡ ዝጀመርናዮ ዘብህግ ልምዓትን ዕብየትን ሐዚ እውን ናይ ሞትን ሕየትን ገይርና ንምዕዋቱ ክንረባረብ ይግባእ፡፡
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን
ገምጋም 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስና ካፍቲ ዝተለመደ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ከም ውፅኢቱ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውድቡ ህወሓት መሊኡ ተስፋ እንተይቆረፀ፤ እኳ ድኣስ ውድብና ከምታ ልማዳ ክትዕርን ክትበራበርን ንዝብሎ ዝነበረ ባህጊ ኣለምሊምዎ ኣሎ፡፡ ብመሰረት ነቲ ዓቃል ፃዕራምን ርሑቕ ኣማትን ህዝብና ደጊምና ልዑል ምስጋናና እንዳቕረብናን ይቕሬታ እንዳሓተትናን ቃልና እንተየዕበርና ከምንክሕስ እናረጋገፅና ነዚ በዓል 12 ነጥቢ መግለፂ ቕዋም ኣውፂእና ኣለና፡፡
ዝኸበርኩም ኣሓትን መሓዙትን ዉድባት፤ እቱ ዉድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣጋጢሙዎ ዝፀንሐ ፀገም ናትና’ዉን ፀገም እዩ ኢልኩም ካብ ልቢ ብምእማን ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልቲታት ምሳና ኾይንኩምን ካብ ጎንና ከይተፈለኹምን ኣካል ከይዲ ገምጋማትና ብምዃን ንዝሃብኩምና ነፃነት ዝተመልኦ ሃናፂ ሪኢቶታትን ሓሳባትን ካብ ልቢ እናመስገንና፤ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፅግዕተኛ ሓይሊ፤ ብህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ዝንግድ፤ ናብ ካልኦት ዉድባት ብዘይ መትከላዊ መንገዲ ኢዱ ዝሰድድ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከም እንቃለሶን ከም ዘይንፃወሮን እናገለፅና ኣብ በቢ ከባቢኹም ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ ብሄርን ሃይማኖትን ብዘይፈሊን ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ብዘይልክምን ክትቃለሱ ፃዉዒትና ነቕርብ።
ክብሪን ሞገስን ንስዉኣትና!
ንህዝብን ንመስመርን ዝወገነ ይጉየ ዘይወገነ ይተኣለ !
ተሳተፍቲ 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
9 ጥሪ 2010 ዓ.ም
መአከቢ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ
መቐለ