Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ለንደን (ነሓሰ 22/2009) አብ ከተማ ለንደን ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ መበል ሳልስይ ዓመታዊ ኮንፈረንስን ፌስቲቫልን ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ለንደን (ነሓሰ 22/2009) አብ ከተማ ለንደን ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ መበል ሳልስይ ዓመታዊ ኮንፈረንስን ፌስቲቫልን ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡
አብ ከተማ ለንደን ብዝተፈላለየ ምድላወት ክካየድ ዝቐነየ መበል ሳልሳይ ዓመት ኮንፈረንስን ፌስቲቫልን መሕበር ተጋሩ አውሮፓ ብዓወት ምዝዛሙ ጉዳያት ርክብ ህዝቢ እቲ ማሕበር አፍሊጡ፡፡
አብቲ ክሳለጥ ዝፀንሓ ኮንፈረንስ ላዕለዎት አመራርሓ ክልል ትግራይ ካብ ዝተፈላለያ ሀገራት አውሮፓ ምስ ዝተወከሉ ዳያስፖራ ተጋሩ ዘሳለጥዎ ዘተ ዝልዓለ ምርድዳእ ካብ ዝተገበረሎም መድረኻት እቲ ሓደ ምንባሩ ተገሊፁ አሎ፡፡ መራሒ እቲ ልኡኽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር አምባሳደር አዲስአለም ባሌማ አብቲ ዘተ ከምዝገለፅዎ አብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝትሃነፀ ኢንዳስትሪያል ፓርክ ሰብ ሀብቲ ውሸጢ ዓድን ወፃእን ብዝልዓለ ብርኪ ዝጠልብዎ እናኾነ ይኸይድ አሎ፡፡ (up sound ……)
ከምዚኦም ዝበሉ ቢሮራሲያዊ ዓንቀፍቀፍ ዘወግዱ ፓርክታት እናተጠናኸሩ ክኸዱ ንምግባር አብ ዞባ ምዕራብ መንግስቲ ክልልና በጀት መዲቡ ናይ አግሮ ኢንዳስትሪ ፓርክ ክህነፅ ምንቅስቓስ እናካየደ ምኻኑ ዝገለፁ ዶክተር አዲስ አለም ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ብተናፀልን ተወዲቡን ናብ ኢንቨስትመንት ክወፍር ከምኡውን ነዘን ትካላት ብምፍላጥ ብዝልዓለ ብርኪ ክነጥፍ ፀዊዖም፡፡
ናይቲ ዘተ ተሳተፍቲ ብወገኖም ማሕበሮም ብምጥንኻር አብ ኩሎም ዓውድታት ልምዓት ብንጥፈት ንምስታፍ ዘኽል ኩነታት ንምፍጣር አብ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምጥንኻር ዘኽእልዎም ውዳበታት ናይ ምጥንኻር ስራሕቲ ጎና ጎኒ እቲ ፌስቲቫል ምክያደሙን ንተግባራውነቶም ከምዝረባረቡን አፍሊጦም፡፡(up sound ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ……)
አቦ ወንበር ማሕበር ተጋሩ አውሮፓ መንእሰይ አክሊሉ ሓጎስ ብወገኑ እታ ማሕበር ከምብሓድሽ ካብ እትጣየሽ ንነዘ ንሳልሳይ ግዜ ዝተሳለጠ እዚ ኮንፈረንስን ፌስቲቫልን ፉሉይ ዝገብሮ ክንደይ ዝኣክል ናይ ሓድነትና መግለፅን ጥንክርናናን ምሕዝነትናን ዘድጉሕ ናይ ሓባር ዓብይ ጉዳይ ምኳኑ ዘመላክተና ጥራሕ ከይኮነስ ዘኹረዐናን ዘሐብነናን መዓልቲ እዩ
ተሰዊኦም ከም ጥዋፍ ነዲዶም ነዓና ብርሃን ኮይኖም ንዘሓለፉ ጀጋኑና ኣሰር ብምኽታል ‘’ንሕና እውን ማሕበረሰብ ተጋሩ ኣውሮፓ እቲ ዝሓለፈ ገድሊን ሓደራን ከይረሳዓና ሓድነትና ብምጥንኻር ግዴታናን ሓላፍነትናን ከይዘንጋዓና ኣብ ሙሉእ ኣውሮፓ መሓውርና ብምስፋሕን ህዝብናን ብምትሕብባርን ከም ብሓዱሽ ነቲ ዝነበረ ታሪካዊ ማተኤ ብቅርፂ ኣወዳድባ መስርሕን ብህንፃ ኣወዳድብኡን ፣ ኣብ መሰረታዊ እሴታቱን ራእዩን ብምሕዳስ ፣ በቢዓዱ ሃገራት ኣውሮፓ ጨናፍር ብምቁቋም ኣብ ዓድና ህዝብናን መንግስትናን ዝማኸረሉን ዝደጋገፈሉን ፣ ኣብ ሰላም ልምዓትን ዲሞክራሲን ብምጥማት ሃገራዊ ግልጋሎት ንምሃብ ምችው ኩነታት ተፈጢሩ አሎ ክብል አቦ ወንበር ማሕበር ማተአ አፍሊጡ ፡፡