Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ክወፍሩ መንግስቲ ሓገዝ ክግበር እዩ…

Investment1_9

መቐለ ግንቦት 04/2008(ድወት) ሱዳናውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዎም ተሳትፎ ንምዕባይ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

መንግስቲ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ሕርሻ፣ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ፣ ቱሪዝም ማኒፋክቸሪንግን ኻልኦት ግንባራትን ክወፍሩ ሓገዝ ከምዝገብር’ውን ምኽትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ተካ ገብረየስ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣባል ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ብምዃና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዕድል ዕዳጋ ንምጥቃም ጥራሕ እንተይኾነስ ምስ ኸባብያዊ ሃገራት ዝህሉ ዕድል ዕዳጋ ንምጥቃም ከምዝከኣል’ውን ተዛሪቦም።

ፕረዝዳንት ማሕበረሰብ ንግዲ ሱዳን ሚስተር ወግዲ ሚርጋኒ ማህጅብ ኣብ 2002 ልውውጥ ንግዲ ኽልቲኤን ሃገራት 2ሚልዮን ዶላር ከምዝነበረ ብምግላፅ ኣብ 2014ዓ.ም ፈረንጂ ናብ 184ሚልዮን ዶላር ከምዝዓበየ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን መሓለዊ ፅሬት ኣቑሑ ምግቢ፣ ፕላስቲክን ምግቢ ዘይቲ፣ ጡጥን ቖርበትን ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ኣእኻል ቅብኢ፣ ዓለባ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኻልኦትን ናብ ሱዳን ምልኣኽ ከምትኽእል እዮም ፕረዝደንት ሓቢሮም።

ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ሱዳን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ዲፕሎማስን ኽልቲኣን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ የካይድ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።