02-01-10 (ድምፂ ወያነ ትግራይ)
1) ኣብ 2008 ካብ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት/ኢህወደግ ቀፂሉ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝተርኣየሉ ዓመት ነይሩ። እቲ ጉባኤ ባዕሉ ኣብ ታሪክ ጉባኤታት ፍሉይ ምዕራፍ ኮይኑ ሓሊፉ። ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክሳብ ታሕቲ ሰፋሕቲ ናይ ፅሬት መድረኻት ኣስዒቡ። ኣብ 2009 እውን ኩሉ ኣመራርሓ ብዓይንን ሚዛንን ህዝቢ ኽሓልፍ ተገይሩ፡ ብዉሑድ ህዝቢ በዓል ዋና ስልጣን ምዃኑ ዘረጋገፀሉ ነይሩ። ካብኡ ተበጊሱ እውን ሕዚ ብፌደራል ተጀሚሩ ዘሎን ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ ናብ ክልላት እውን ክወርድ ከምዘለዎ ዝተወሰነን ገበነኛ ሽሞኛታት ናይ ምሓዝን ናብ ሕጊ ምቕራብን ከይዲ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ ዝተርኣየሉ ዓመት ነይሩ።
ስለዚ ህዝቢ ወናኒ ስልጣን ዝኾነሉን ውልቀ ሰባት ከም ድላዮም ዘይኾኑሉን ጅማሮ 2009 ኣብዚ ሕዝናዮ ዘለና ሓዱሽ ዓመት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።
2) ኣብ ሕሉፍ ዓመት ካብ ዘጓነፉ ዓበይቲ ተርእዮታት ሓደ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ኣነዋሪ ግፍዒ እዩ። እዚ ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝተርኣየ ተርእዮ ኣብ መንግስቲ ይኹኑ ኣብ ሓይልታት ደገ ተተኒጎም ናይ ዝኣተዉ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ውፅኢት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ህዝቢ ኣለዓዒልካ ከመይ ዓይነት ጥፍኣት ክፍፀም ከምዝኽእል መርኣያ ኮይኑ ሓሊፉ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣነዋሪ ተግባር መሪሕነት እዛ ሃገር ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣመራርሐኦም ከብስሉን ከፅርዩን ዕዮ ገዛ ሂቡ ዝሓለፈ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ዓመት በዚ ተግባር እዚ ዝተፈናቐሉ ወገናት እግሪ ዝተኽልሉ ገበነኛታት ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዝሕተትሉ ናይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ፀብፃብ ተሰሚዑ እዩ።
ስለዚ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝኾነ ክፋል ሃገሩ ብሰላም ኣትዩ ዝወፅኣሉን ሰሪሑ ዝህፍትመሉን ሕገ መንግስታዊ መሰል ስለዘለዎ ነዚ ዘዐንቅፍ ሓይሊ ብኣጋ ኣብ ቁፅፅር ዝውዕለሉ ኣሰራርሓን መሪሕነታዊ ግቡእን ምህላዉ ምርግጋፅ የድሊ። ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅን እውን ግድን ይኸውን።
3) ኣብ ሕሉፍ ዓመተ 2009 ካብ ዝተርኣዩ ድሙቓት ኣጋጣሚታት እቲ ሓደ ምምራቕ ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ እዩ። እዚ ገዚፍ ሓይሊ ሰብ ዝሕዝ፣ ቁጠባ ትግራይ ብሓፈሻ ዘንቀሳቕስን ኣብ ኢንዳስትርያላዊ ምዕባለ እዛ ሃገር ተደማራይ ዓቕሚ ዝፈጥርን ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዝነበረን ፓርክ እዩ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝርከቡ ማእኸላት ኢንዳስትሪ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉን ተስፋ ትግራይ ዝኾነ ኢንዳስትርያላዊ ምዕባለ ክሰፍሕን ክስራሕ ኣለዎ። ነዚ መገብቲ ዝኮኑ ንመንገዲ ባቡር ሓዊሱ ሰፋሕቲ ናይ መሰረተ ልምዓት ስርሓቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም።
4) ከም ሓደ ኣካል ሕዳሰን ለውጢ ናይ ምምፃእ ገስጋስን ኣብ ሕሉፍ ዓመት ኣብ ትግራይ ክልተ ፅቡቓት ነገራት ተፈቲነን እየን። እታ ሓንቲ ተኸታታሊ መድረኻት ሰናይ ምምሕዳር ምክያድ እንትትኸውን እታ ካልኣይቲ ድማ ምሁራን ናብ ኣመራርሓ ክመፁ ናይ ምግባር ስራሕ እያ። ካብ ካልእ ግዘ ብእተፈለየ መልክዑ ሰናይ ምምሕዳር ዝብል ቃል ባዕሉ ዓብዪ ኣጀንዳ ዝኾነሉ ዓመት እዩ። ድምፂ ወያነ ትግራይ እኳ ኣብ ልዕሊ 10 ዝኾና ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ኩሉ ሰብ ድላዩ ዝዛረበሎምን መራሕቱ ዝእርመሎምን ክፍቲ (ብዘይ መዐደሚ ወረቐት) መድረኻት ኣካይዳ እያ። ካልኦት ትካላት ሚድያ መንግስትን ውልቀን እውን ኣጀንድአን ገይረንኦ ሌባ ክስከፈሉ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ሰሪሐን እየን። ካልኣይ ካብ ካልእ ጊዜ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ምሁራን ናብ ኣመራርሓ ዝመፅእሉ፡ ሴክተራት ኣብቲ ዓውዲ ፍልጠት ብዘለዎም ኣካላት ክምርሑ ንምግባር ተፈቲኑ።
ስለዚ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት እውን እቲ ናይ ሕዳሰ ምንቅስቓስ ተግባራዊ ክኸውን እቲ ዛጊድ ዘይዛረየ ሕማቕ ተርእዮ ሰናይ ምምሕዳር ክቕንስ ክሳብ መወዳእታ ብዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ክውቀር ክኽእል ኣለዎ። ፅግዕተኛን ስልጣን ከም መንበሪ ዝጥቀምን ሓይሊ እናልዓልካ መናእሰይን ምሁራንን ናብ መሪሕነት ክመፁ ናይ ምብቃዕን ምምፃእን ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።
5) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተተኣናገዱ ዓበይቲ ዜናታት ምዕባለ እቲ ሓያል ሓይሊ ዝብሃል ሚድያ እዩ። ኣብ ታሪክ ንፈለማ እዋን ንትካላት ውልቀ ፍቓድ ቴሌቭዥን ዝተውሃበሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ሬድዮ ፋና፣ ድምፂ ወያነ ትግራይን ዋልታ ማእኸል ሓበሬታን ፍቓድ ካብ ዝረኸቡ ትካላት እዮም። እዚኦም ዓብዪ ዓቕምታት እዮም። ካብኡ ሓሊፉ ሃገራዊ ተበፀሓይነት ዘለዎም ካልኦት ናይ ምዝንጋዕ ቴሌቭዥናት ዝመፅሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ክልልና ትግራይ እውን 3 ዝኾና መጽሄታት ውልቀ ኣብ ስራሕ ኣለዋ።
እዚ ህዝቢ ከሳትፍ፣ ፎረም ምዕባለ ክኸውን ወዘተ ትፅቢት ዝግበረሉ ናይ ሚድያ ኢንዳስትሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዛይዱን ሰፊሑን ክኸይድ ትፅቢት ይግበሮ።
6) ሕሉፍ ዓመት ኣብ ምዕባለ ባህሊ ፅቡቓት ተርእዮታት ዝተርኣየሉ ዓመት እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንብርክት ዝበሉ ግዝያት እናወደቐ እናተልዓለ ዝፀንሐ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ናይ ምምስራት ሓሳብ ብዕሊ ተመስሪቱ ናብ ስራሕ ዝኣተወሉን ኣብ ምዕባለ ባህልን ቋንቋን ዓብዩ ትርጉም ዘለዎም ክልተ ሃገራዊ ዋዕላታት ዘካየደሉን ዓመት እዩ። ውፅኢት መፅናዕታት ክልቲኦም ዓበይቲ ዋዕላታት እውን ተሓቲሞም ኣለዉ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ንምዕባለ ባህሊ ዓብዪ ወሳናይ ግደ ዘለዎ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ካብ ኤጀንሲ ናብ ቢሮ ምስተሰጋገረን ከም ውፅኢቱ ድማ ባህላዊ በዓላት መስቀልን ኣሸንዳን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ድምቀቶም ክውስኽ ብዙሕ ዝተፀዓረሉም ውፅኢት ዝተመዝገበሉን ዓመት እዩ ነይሩ። ትካላት ንግዲ ትግራይ ፅሑፋተን ብቋንቋ ትግርኛ ክገብራ ድፍኢት ዝተገበረሉ ዓብዪ ናይ መንነትን ባህልን ዓመት ነይሩ እውን ምባል ይከኣል።
ስለዚ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ንባህልን መንነትን ትግራይ ክሕሎን ክምዕብልን ሓላፍነት ዝተውሃበን መንግስታዊ ትካላት ኩሉመዳያዊ ዓቕምን ኣወቓቕራን ክህልወን ክስራሕ ኣለዎ። ባህሊ ናይ ህዝቢ ብምዃኑ እቲ ወናኒ ዝኾነ ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ ንቁሕ ተሳትፎ ክህልዎ እውን ክስራሕ ይግባእ።
7) ዓመተ 2009 ናይ ሽልማት ዓመት ነይሩ ምባል ይከኣል። ኣብ ደገ ሽጋራ ምስታይ ብሕጊ ከምዘቕፅዕ ሕጊ ወፂኡሉ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ መቐለ ብዝነበረን (ዘሎን) ዕውት ትግበራ በዚ ስም ዓድና ክፅራሕ ዝኸኣለሉ ኩነት ርእይና። ብካልእ መዳይ ድማ ዓለም ለኸ ፉቸር ካውንስል ዝብሃል ሸላማይ ትካል ኣብ ዓለም ከባቢአን ብምሕዋይ በረኻነት ካብ ዝተኸላኸላ ሃገራት ኢትዮጵያ ዝመረፀ ፍሉይ ተመኩሮ ምሕዋይ ተፈጥሮ ከባቢ ትግራይ እዩ። እዚ ሽልማት ትማሊ 1 መስከረም ትግራይ ኣብ ሃገረ ቻይና ብኢድ መራሕቲ ትግራይ ተረኪባ ኣላ። እቲ ዓመት ኢትዮጵያውያን ንዓበይቲ ትካላት ዓለም ክንመርሕ ከምእንኽእል መርኣያ ዝኾነ ናይ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዓወት ዳይሬክተርነት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተርኣየሉ እውን ነይሩ።
ስለዚ እዚ ሓዱሽ ዓመት ፅቡቓት ስርሓትና ናብ ኣደባባይ ዓለም ወፅዮም ዓድታት ክምሃራሉ ናይ ምግባርን ሊቃውንቲ እዛ ዓዲ ፈርዮም እንርእየሉን ከይዲ ቀፃሊ ክኸውን ኣለዎ።
ድምፂ ወያነ ትግራይ፡ ምንጪ ፅፁይ ሓበሬታ