Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ዶ/ር ኣርከበ ዕቁባይ ብዛዕባ ምንቅስቃስ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ከምዚ ይብል

“ብማኑፋክቸሪንግ ዓቕሚ ምፍጣር ብጣዕሚ ከቢድ ፈተና እዩ። ንምንታይ? እንተተባሂሉ፣ ቀዳማይ ነገር ማኑፋክቸሪንግ ሴክተር መን እዩ ዝፈጥሮ እንድሕር ኢልና ማኑፋክቸሪንግ ኢንቨስተር እዩ። ኢንቨስተር መዋእለ ንዋይ እንተፍስስ እዩ ናይ ማኑፋክቸሪንግ ስራሕ ዝፍጠር። ናይ ማኑፋክቸሪንግ ኣቑሑት ዝፈርዩን ኤክስፖርት ዝግበሩን እውን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዘፈር እዚ ብዝዋፈሩ ኢንቨስተራት እዩ። ስለዚ ነቲ ልምዓታዊ ኢንዱስትርያሊስት /በዓል ሃፍቲ/ ዝምቹ ኩነታት ከመይ ንፈጥር ዝብል ቁልፊ ጉዳይ ይኸውን። ከመይ ገይርና ንድግፎ ዝብል ሕቶ ኣቐዲምና ክነልዕል ይገብረና። ካልኣይ፣ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ክነተኩር ስለዝግበኣና ናይ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክንስሕብ እንወዳደር በይንና ኣይኮንናን። መላእ 54 ሃገራት ኣፍሪካ ክወዳደሩና እዮም። ኤሽያ ክወዳደሩና እዮም፣ ኣውሮፖ ባዕሎም ክወዳደሩና እዮም፣ ኣሜሪካ እውን ብተመሳሳሊ። ስለዚ ኢንቨስተር ዝመፅእ ንሕና ብልጫ ሒዝና እንቕርበሉ መዳይ እንተልዩ፣ ንሱ ጥቕሚ ዝረኽበሉ መዳይ እንተልዩ ጥራሕ እዩ። እዚ ዓውዲ እዚ ብባህሪኡ ምስ ካልእ ተወዳዲርካ ዝግበር ስለዝኾነ ካልኦት እንታይ ይገብሩ? ንሕናኸ እንታይ ገይርና ኢና ነዚ ብዝለዓለ ደረጃ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢልካ ምሕሳብ የድሊ። ንኣብነት ፅቡቕ ሰራሕተኛ እንተሃልዩ ዝሰልጠነ፣ ኣብ ስራሕ ውፍይ ዝኾነ፣ ዲስፕሊን ስራሕ ዘለዎ እንተኾይኑ መፍረያይነት እውን ክመሓየሽ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰራሕተኛ (Labour) እንድሕር ዘየዳሊና ኢንቨስተር ኣይመፅእን። መሬት ስለዝሃብና ኣይኮነን ኢንቨስተር ዝመፅእ። ልዕሊ ኹሉ ንበዓል ሃፍቲ ዘምፅኦ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ሓይሊ ሰብ ኣሎ ዶ የለን ዝብል ጉዳይ እዩ። እቲ ናይ መንግስቲ ቢሮክራሲ ዕንቅፋት ዝፈጥር ድዩ ወይስ ዝሕግዝ ዝብል ብጣዕሚ ቁልፊ ጉዳይ ገይሩ እዩ ዘልዕሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ከምንርድኦ፣ ዘሎ ዓለማዊ ውድድር ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ንኣብነት፣ ናይ ዓለባ ኢንዱስትሪ እንድሕር ወሲድና ዘለዎ ብፅሒት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ዕዳጋ እዩ። ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዝናበረሉ እዩ። እዚ ኢንዱስትሪ እዚ ክንሪኦ እንተለና ካብ እዋን ናብ እዋን እቲ ኢኮኖሚ ዝንቀሳቐሰ በደረጃ ዓለም ብናይ ቀረብ ሰንሰለት (Supply chain) ዝተኣሳሰረ እዩ። ፋሽን በብግዚኡ እዩ ዝቀያየር። እቲ ምህርቲ ክቐርበሉ ዝግባእ ግዜ እናሓፀረ እዩ መፂኡ። ገሊኦም እቶም ዓበይቲ ማኑፋክቸሪንግ ሕዚ ኣብ ክልተ ሰሙን እዮም ክቐርቡ ዝደልዩ። ትእዛዝ ምስሃቡ ኣብ ክልተ ሰሙን ናፍቲ ኣቑሑ ዝሽየጠሉ ሹቓት ክበፅሕ ኣለዎ። ስለዚ እዚ ንምግባር ምሉእ ቢሮክራሲ ናይ ጉምሩኽ፣ ናይ ባንክታት ኣሰራርሓ ብኹሉ ኣገልግሎታት ክረባረብን ብፍጥነት በደቓይቕ ኩሉ ስራሕ ክስራሕ ክገብርን ኣለዎ ማለት እዩ። ክልተ መዓልቲ እንድሕር ጠጠው ኣቢሉ ኣጓቲቱ ወይ ከኣ በዓል ጉዳይ መፂኡ እንድሕር ቆፀሮ ዝወሃቦ ኮይኑ፣ “ኣብ

ኣኼባ እዮም” እናተብሃለ እንድሕር ዝምለስ ኮይኑ እዚ ነገር እዚ ክመፅእ ኣይኽእልን። እቲ ብዓለም ደረጃ ናይ ማኑፋክቸሪንግ ኢንድስትሪ ምምፃእ ዝሓቶ ጠለብ ብጣዕሚ ዓብይ እዩ።

እቲ ምሩፅ ዝበሃል ኢንቨስተር ምምፃእ እውን ከቢድ እዩ። ሕዚ እቲ ዋና ቁምነገር ዝኸውን በቐዳማይ ደረጃ ካብ ምንታይ ንበገስ? . . . ከም ሸቶኸ እንታይ ኢና ሒዝና ዘለና ዝብል እዩ። ከም ዋና ዕላማን ራእይን ኢልና ወሲድና ዘለና ራእይ ወይ ድማ “vision 2025” እንብሎ ብፈረንጂ ወይ ከኣ ብ2017 ብናትና ኣቆፃፅራ፣ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ እታ ዝለዓለትን ዝዓበየትን ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ ክንገብር ኣለና ዝብል እዩ። እዚ ክንብል ከለና ኣጠቓላሊ ኢኮኖሚ ውሽጢ ዓዲ (GDP) በብዓመቱ ብ11 ካብ ሚእቲ ክዓቢ ኣለዎ። እቱ ማኑፋክቸሪንግ ሴክተር ከኣ 25 ካብ ምኢቲ በብዓመቱ ክዓቢ ኣለዎ ኢልና ኢና ንብገስ ዘለና። እዚ እንትንገብር ብፅሒት ማኑፋክቸሪንግ ኣፍቲ ኢኮኖሚ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ይዓቢ፣ ጥቓ ጥቓ ዒስራ ካብ ሚእቲ ይኸውን። እንደገና ድማ ኣብ ኤክስፖርት (ሰደድ) ዘለዎ ብፅሒት ካፍቲ ሕዚ ዘለዎ 12 ሚእታዊ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ዓብዩ ጥቓ ፍርቂ ይኸውን። እዚ እዩ እቲ ዕላማና ዝኒሀ። እዚ ክነዐውት ቀልጢፎም ዘልምዑ ሰባት ምእንታን ናብ ስራሕ ክኣትው ብቐዳምነት ኣቐሚጥናዮ ዘለና ስትራተጂ ኣብ ምሩፃት ኢንቨስተራት ነትኩር ዝብል እዩ። ብመሰረቱ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኢንቨስትመንት ኣይነተኩርን። ብዋናነት ኣብ ማኑፋክቸሪንግን ኣብ ዘመናዊ ሕርሻን ነትኩር። ዝዓበየ ርብርብና ኣብኡ ንገብር። አቲ ኻልእ ብርግፅ ኣይንሪኦን ማለት ኣይኮነን። ግን እቲ ዝዓበየ ሰማንያ ካብ ምእቲ ዓቕምና ኣብኡ ንረባረብ ማለት እዩ። ኻልኣይ፣ ሕድሕድ ሴክተር ክንርድኦ ክንክእል ኣለና። ማኑፋክቸሪንግ ማለት ኣብ ውሽጡ ብጣዕሚ ብዙሕ ሴክተራት ዘለውዎ እዩ። እቲ ናይ ሕድሕድ ሴክተር ኢንዱስትሪ ባህሪ እንታይ ይመስል? ብዓለም ኮነ ብዓድና ደረጃ ማለት እዩ፣ እንታይ እንታይ ብልጫታት እዩ ዘድሊ? እንመን እዮም እቶም ተወዳደርትና?፣ ኣብ ኣየኖት ኢናኸ ከነተኩር ዝግበኣና?- – – ዝብል ዝተማልአ ናይ ፖሊሲ ኣካይዳ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ተረዲእኻ ኢኻ ትሕንፅፅ ማለት እዩ።

ደድሕሪኡ እውን እቶም ዋና ኣብዚ ክነትኩረሎም ዝግበኣና እቶም ኢንቨስተራት ማለት ምሩፃት ኢንቨስተራት ኣበይ ዓዲ ዘለው እዮም፣ ኣየኖት ኩባንያታት እዮም እቶም ምሩፃት ኢልካ ምስሓብ የድሊ። ነዚኣቶም ምስሓብ ግና ቀሊል እዩ ማለት ኣይኮነን። ብደብዳበ ፅሒፍካ ወይ ባዕሎም ክመፁ ተፀቢኻ ዝግበር ኣይኮነን። ኮነ ኢልካ ናብ ዘለውዎ ከይድኻ ተደጋጋሚ ምይይጣት ምስኦም ኣካይድካ በብእዋኑ ዘልዕልዎም ፈተናታትን ሽግራትን ከመይ ከምዝፍትሑ ተረዳዲእኻ ኢኻ ናብ ምእታው ትበፅሕ። ስለዚ ሓዱሽ ምሩፅ ኢንቨስትመንት ብስፍሓት ምምፃእ ቁልፊ ስትራተጂ እዩ ማለት እዩ። እቲ ኻልኣይ ስትራተጂ፣ “እሺ ኢንቨስት ክንገብር ኢና” ምስበሉ ቀልጢፎም ምህርቲ ክጅምሩ፣ መብራህቲ ከይስእኑ፣ ማይ ከይስእኑ፣ ኩሉ መንግስቲ ዘቕርቦ ኣገልግሎታት ከይስኣን ዝተመቻቸወ ኹነታት ንኽረክቡ ድማ ኢንዱስትሪ ፓርክታት እናሰራሕና ንርከብ።

ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ይኣትው፣ ኹሉ ዘድልዮም ነገር ኣብኡ ይፍጠረሎም፤ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎታት እውን “ሓደ ማእኸል” እንብሎ ኣብኡ ይረኽቡ ማለት እዩ። ክልቲኡ እዚ ግና እኹል ኣይኮነን። እቶም ኢንዱስትሪ ፓርክ ካብዚ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንክልእኹ ሎጅስቲክስ የድሊ፣ ዘመናዊ ናይ ባንኪ ኣሰራርሓ የድሊ፣ መሰረተ ልምዓትና ተወዳዳራይ ክኸውን ኣለዎ፤ እዚ ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ድማ የድልየና ማለት እዩ። ኩሉ እዚ ክትገብር ዝሓትት ስለዝኾነ። ስለዚ ኣጠቓሊልካ እንትርአ እቲ ዝፀናሕናሉ መበገሲና ዝነኣሰ እዩ። ሒዝናዮ ዝፀናሕና ኣንፈታት እውን ናይ ባዕሉ ውሱንነት ኣለዎ። እቲ ሕዚ ክንከዶ ንሙኩር ዘለና ኣንፈታትና ብዝግባእ ኣስተኻኺልና ኢና፣ ኢንዱስትሪ ፓርክ መፍትሒ እዩ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሓፂር ግዜ እውን ክስራሕ ኣለዎ። ሓደ ፓርክ ንክንሰርሕ ሓሙሽተ ዓመት እንተወሲዱልና ሓደ “ጂ ቲ ፒ” ይውዳእ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ፓርክ እውን ኣብ ሓፂር ግዘ ከመይ ንሰርሕ፣ ኣብ ሓፂር ግዘ ምስራሕ ጥራሕ እውን እንተይኮነ ኩሉ ዘድሊ ቀረብ ኣማሊኡ ብዝለዓለ ደረጃ ፅርየት ዘለዎ ከመይ ንግበሮ፣ ከባቢ ዘይብክል ከመይ ይኹን፣ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምምፃእ ዝሕግዝ ከመይ ንግበሮ? ዝብል ንሱ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ክህሉ ኣለዎ። ብመሰረት እዚ መጀመርያ ከም ሞዴል ፓርክ ኢልና ዝሰራሕናዮ ሃዋሳ ፓርክ እዩ። ንሱ ኣብ ትሸዓተ ወርሒ ተሰሪሑ ኣሎ። እቱ ፓርክ ምስተሰርሐ ኣብኡ ኢንቨስተራት

ሒዝና ኢና ካብ መጀመርያኡ ኣቲናዮ። እቲ ፓርክ ምስተሰርሐ ድማ ንሳቶም መሽነሪ ኸእትው ኣለዎም፣ ሰብ ክቖፅሩ ኣለዎም፣ ከሰልጥኑ ኣለዎም። ሕዚ ዳርጋ እቶም ዝበዝሑ ነዚ ይገብሩ ኣለው እዮም። ኣብዚ ዘለናዮ ወርሒ ግንቦት ዳርጋ ብምሉኦም እቶም ፋብሪካታት ምህርቲ ጀሚሮም ኣለው። ምህርቲ እንትጅምሩ እንተለው ግና ካብ ዜሮ እዮም ዝጅምሩ ዘለው። እቲ ዝቑፀር ዘሎ ሰብ ናይ ኢንዱስትሪ ልምዲ የብሉን። ኢንዱስትሪያዊ ክእለትን ፍልጠትን ዝሓዘ ማእኸላይ መራሒ (middle management) ዝበሃል እውን የለን። ኩሉ ኣብ ስልጠና እዩ ዝምስረት ዘሎ። ስለዚ ንዕኡ እናብቃዕኻ፣ እናሰልጠንካ፣ መዓት ዘጋጥሙ ፈተናታት እውን እናፈታሕኻ ኢኻ ትኸይድ ማለት እዩ። ግን ድማ በዚ መንገዲ እዚ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ። ምስዚ ጎድና ጎድኒ በቲ ናይ ሃዋሳ ሞዴል ዝሰራሕናዮ መሰረት እተን ፓርክታት ኣጠናኺርካ ናይ ምስራሕ ስራሕቲ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ተጀሚሩ ኣሎ። ናይ መጀመርያ ጠመተና ክሳብ እቲ ናይ ሃዋሳ ፓርክ ዝውዳእ ፅንዓታት ክውዳእ ናይ ምግባር ስራሕ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሓሙሽተ ዓይነት መፅናዕቲ እዩ ዝግበር። ኢኮኖሚ ኣዋፃእነት /ፊዚቪሊቲ/፣ ኢንቫይሮመንት ሴፍጋርድ /ተፅዕኖ/ መፅናዕቲ፣ ሶሻል / ማሕበራዊ/ ሴፍጋርድ መፅናዕቲ፣ ማስተር ፕላንን ሃይድሮሎጂካልን /ማይ/ መፅናዕቲ ይግበር። እዚ ብኮንስልተንት /ኣማኸርቲ/ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ኮንሰልታንት ክትመርፅ ዝወሰዶ ግዘ ኣሎ። ሰለስተ፣ ኣርባዕተ ወርሒ። ካብኡ ድማ ነዚ ኹሉ መፅናዕቲ ንምግባር ክሳብ ሸሞንተ ወርሒ ዝወስደሉ ኩነታት ኣሎ። ድሕሪ እዚ እንደገና ነቲ ፅንዓታት መሰረት ገይርካ ፋይናንስ ደሊኻ ኮንትራክተር እትሓርየሉ ኩነታት ይመፅእ። ስለዚ እዞም ኩሎም ምድላዋት ተገይሮም ኣብ መቐለ፣ ኮምቦልቻ፣ ድሬዳዋ፣ ኣዳማ፣ ቅሊንጦ /ናይ ፋርማሴክቲካል ፓርክ/፣ ቦሌ ለሚ ሓሙሽቲኦም ፓርክ እዚኣቶም ህንፀቶም ተጀሚሮም እዮም ሓግዮም። ገሊኦም ቅድም ኢሎም፣ ገሊኦም ድሕር ኢሎም እዮም ጀሚሮም። መቐለ እንተወሲድና ሕዚ ኣብ ሰነ ይውዳእ ኣሎ። ኮምቦልቻ እውን ሰነ ይውዳእ ኣሎ። ኣብ ሰነ ክልቲኦም ክምረቑ እዮም። ድሕሪኡ ናይ ኦፕረሽን ምድላው፣ ኢንቨስተራት ናይ ምእታው ስራሕ እዩ ዝኸውን ማለት እዩ። ኣዳማ፣ ድሬዳዋ ክልቲኦም ፓርክታት ኣብ መስከረም ክውድኡ እዮም። ቅሊንጦ፣ ቦሌ ለሚ ክልተ፣ ድማ ኣብ መፃኢ ታሕሳስ /2010 ዓ/ም/ ክውድኡ እዮም። ሕዚ ድሕሪ ክረምቲ ድማ ፅንዓታት ወዲእና ክንጅምሮም ኢልና ምድላዋት ንገብረሎም ፓርክታት ከኣ ኣለውና። ስለዚ ዘዝረኸብናዮ ልምዲ እናደመርና ኢና ንጓዓዝ ዘለና። ሕዚ ሓደ ፓርክ ኣብ ውሸጢ ትሸዓተ ወርሒ ምስራሕ ኣብ ማንም ናይ ኣፍሪካ ዓዲ ይቕረ ኣብ ኤሽያ እውን እንተኾነ ዝተለመደ ኣይኮነን። ከምዚ ኣብ ሓፂር ግዘ ኣይስራሕን። እቲ ዝስራሕ ዘሎ ከኣ ብደረጃ ዓለም ከም ሞዴል ተባሂሉ ክውሰድ ዝከኣል ፓርክታት እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ኢንቨስተራት ምሩፃት ዝተብሃሉ ኢና ንስሕብ ዘለና። ሃዋሳ ፓርክ በይኑ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ብምሉእ ዓቕሚ ምፍራይ ክጅምር እንተሎ /ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ዘሎ ግዘ/ 60 ሽሕ ዕድል ስራሕ ይፈጥር። ሓደ ቢልዮን ዶላር ኤክስፖርት የምፅእ። እዚ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ፓርክ ጥራሕ እዩ። ምዕራፍ ክልተ ግን ኣለዎ እዩ ሃዋሳ። ኣፍቶም ካልኦት ከተማታት እውን ምዕራፍ ሓደ ምስጀመርና ንሱ ብኢንቨስተራት እንትመልእ ምዕራፍ ክልተ፣ ሰለስተ፣ . . .ፓርክ እናበለ እዩ ዝኸይድ። እዚ ትርጉሙ እንታይ እዩ እንድሕር ኢልና ኮይንና፣ ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመት ናይ ዓለባ ኢንዱስትሪ ክሳብ ሎሚ ብድምር ዝቖፀሮ ሰራሕተኛ ሓይሊ ሰብ 53 ሽሕ ጥራሕ እዩ። ሕዚ ግና ፓርክ ሃዋሳ በይኑ ጥራሕ እዩ 63 ሽሕ ዕድል ስራሕ ከፈጥር ንብል ዘለና። ካብ ዓለባ ኢንዱስትሪ ሕዚ ኤክስፖርት እንገብሮ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ጥራሕ እዩ። ካፍታ ናይ ሃዋሳ ፓርክ ጥራሕ ግና ሓደ ቢልዮን ዶላር ኢና ንብል ዘለና። ስለዚ እቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣንፈት ትኽክለኛ ምዃኑ ፅቡቕ መረጋገፂ እዩ እዚ። ሕዚ እውን ቀልጢፍና ተጊህና ኣመሓይሽና፣ መንግስቲ ክልል፣ እቲ ፓርክ ተሰሪሑሉ ዘሎ ከተማ ብዝለዓለ ደረጃ ዝጥቀስ ርብርብ ብምግባር ኩሎም ናብ ማኑፋክቸሪንግ ዝኣትው ኢንቨስተራት እናደገፍካ ምኻድ እዩ እቲ ዋና ዘድልየና። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንሰብ ሃፍቲ ውሸጢ ዓዲ ከምዝፍለጥ ናብ ፋብሪካ ምውፋር ከቢድ ዓቐበት እዩ። ብዝዓበየ ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት፣ ኣብ ንግዲ ዝኣመሰሉ ምስታፍ እዮም ዝደልዩ። ንዓዲ ዘልምዕ ግና ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ምእታው እዩ። ሕዚ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ይስራሕ ስለዘሎ፣ እቶም ናይ ደገ ፍሉጣት ኩባንያታት ድማ ምህርቲ ስለዝጅምሩ ምስኣቶም ተመጋጊቦም ክዓብዩ ኣለዎም፣ እንደገና እውን ተወሳኺ ደገፍ ክወሃቦም ኣለዎ። መንግስቲ ነዚ ዝምልከት ዝተማለአ ፕሮግራም ሒዙ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ብሓፈሻ እቲ ናይ ኢንዱስትራላይዜሽን ሽግግር በቲ ሕዚ እንኸዶ ዘለና ኣጠናኺርና ብቑርፀኝነት እንተሰሪሕና ዘይንዕወተሉ መንገዲ ኣይህሉን። ስለዚ ፃዕርና ክነጠናኽር ኣለና። ግዜ ይኸይድ እዩ ዘሎ። ግዜ ከየምልጠና ኣበርቲዕና ክንንቀሳቐስ ኣለና። ብዓይኒ ናይ ኢንድስትሪያላይዜሽን ኣንፈትና ግና ብትኽክለኛ ኣንፈት ኢና ንኸይድ ዘለና።

 

ቀዳማይ ነገር ኢንዱስትሪ ፓርክታት ልምዓት ኣብ ዝጣየሸለን ከተማታት እቲ ኢኮኖሚ ቀልጢፉ እዩ ዝንቀሳቐስ። በዚ መዳይ ሃዋሳ ፅቡቕ ኣብነት እዩ። እቶት ናይቲ ከተማ ወሲኹ። ታክስ (ቀረፅ) ስለዝወሰኸ ኣይኮነን እቶት ዝወሰኸ። ምስዚ ዘፈር ተኣሳሲሮም ዝራኣዩ ብጣዕሚ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ይካየዱ ብምህላዎም እዩ። ሆቴላት፣ ሬስቶራንት ብበዝሒ ብዝተኸፈቱ ቁፅሪ ብዙሕ ናይ ፋብሪካ መሰልጠናይ ይመፅእ፣ ተኻርዩ ዝነብር ሰራሕተኛ ቁፅሩ ቀሊል ኣይኸውንን። ኢንቨስተራት ብኸይዲ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ መዋእለ ነዋይ ከፍስሱ እዮም። ስለዚ እቲ ሓደ ዓብይ ነገር እዞም ኢንዱስትሪ ፓርክታት፣ ፋብሪካታት ምንቅስቓስ ክጅምሩ እንተለው ኣፍቶም ከባብታት ፍፁም ዘይንግምቶ ዓብይ ምንቅስቓሰ ኢኮኖሚ እዮም ዝፈጥሩ። ኣብ ሕድሕድ ሴክተር ድማ እንኸዶ ምትእስሳር (Linkages) ዘጠናኽር ስትራተጂ ተሓንፂፁ እዩ። ንኣብነት ፋብሪካ ዓለባ እንድሕር ድኣ ኮይኑ ዓለባ ምስፋይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝኸውን። ናይ ጨርቂ ፋብሪካ ክህሉ ኣለዎ።

 

ብተወሳኺ ድማ ፈትሊ ዝሰርሑ ክህልው ኣለዎም። ጡጥ እውን ክፈሪ ኣለዎ። ነዚ ኢንዱስትሪ ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ቀረባት መለዋወጢ (accessories) ክህሉ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ኩሉ ብቐረባ እንትህሉ ኣብ ሓፂር እዋን እቶም መፍረይቲ ሰደድ (Export) ምግባር ዝኽእለሉ ዕድል ይመቻቾ። ስለዚ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ኣብየ ሴክተሩ ይፈጥር። መሊሱ ድማ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ዝግበር ምትእስሳር ፍልጠት እውን ክህሉ ይገብር። ከባብያዊ ምትእስሳር (Local Linkages) እንብሎ እውን እናተፈጠረን እናተጠናኸረን ንምኻድ የኽእሎ። ከም ሬስቶራንት፣ ሆቴላት፣ ጋራዣት ወዘተ ዝበሉ ዓብይ ናይ ኢኮኖሚ ምልዕዓል ይፈጥር። ስለዝኾነ ናይ ከባቢ ምምሕዳር ይኹን ኣብ ቢሮክራሲ ዘሎ ሰራሕተኛ ይኹን እቲ መንእሰይ ብፍላይ እዚ ኣንፈት እዚ ብሕታዊ ናይ ልምዓት መንገዲ ምዃኑ ተረዲኡ ብውነ ክሰርሕ ኣለዎ። ብፍላይ ትግራይ ኣብዚ መዳይ እዚ ብልጫ ክህልወና ንምግባር ኣበርቲዑ ክንቀሳቐስ ኣለዎ።

ኣብ ትግራይ ክንመፅእ እንተለና ክንሪኦም ዝግብኡና ነገራት ኣለው። ሓደ፣ ካብ ማእኸል ዓዲ ርሕቕ ዝበለ ብምዃኑ ከም ምኽንያት እናኾነ መፂኡ እዩ። ይኹን እንበር እቲ ዝዓበየ ዕዳጋ ማእኸል ዓዲ ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ዕዳጋ ናይ ደገ ዕዳጋ እዩ። ኤክስፖርት ንዝገብሩ ኢንቨስተራት እዮም እቶም ናይ ፌደራል ፓርክታት ዝስርሑ ዘለው። ምህርቲ ኣቀነባቢሮምን ዋጋ ወሲኾምን ኤክስፖርት ንዝገብሩ ዘትኮረ እዩ። እዚ ዓዲ እዚ ኤክስፖርት / ናይ ወፃኢ ሸርፊ/ ብጣዕሚ የድልዮ እዩ። ኤክስፖርት እንተትሒቱ ስልጠት ልምዓት ከምቲ ዝተሓሰበ ክኸይድ ኣይኽእልን። ስለዝኾነ፣ ንኣብነት ካብ መቐለ ብኣፍደራ ገይሩ ንጁቡቲ ዝኸይድ መንገዲ ኣስፋልት ኣብ ስራሕ ውዒሉ ኣሎ። ጥቓ 600 ኪሎ ሜትር እዩ። እዚ ሓፂር ርሕቐት እዩ፣ ሓዱሽ ኣስፋልት መንገዲ እውን እዩ። ብዘይካ እዚ መንገዲ ባቡር ይስራሕ እዩ ዘሎ። ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን መሊኡ ናብ ስራሕ ዝኣትወሉ ዕድል ክፍጠር እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ። መንገዲ ኣየር እውን ከም ሓደ መማረፂ ኣሎ። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ /ኣሉላ ኣባ ነጋ/ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ግዘ ዝኣክል እየን ነፈርቲ ዝዓርፋ። ስለዚ ብዓይኒ መሰረተ ልምዓት ዘድሊ ነገር እናተማለአ ይመፅእ ኣሎ ማለት እዩ። ኢነርጂ ዝምልከት ልክዕ ከም ካልኦት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኣብ ዘለውሉ ዝስራሕ ዘሎ ብዘተኣማምን ናይ ምቕራብ መስርሕ ክህሉ እዩ። ኣቕርቦት ማይ ዝምልከት እውን እቲ ክልል መንግስቲ ይሰርሕ እዩ ዘሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብደረጃ መንግስቲ ፌደራል ዝግበር ሓገዝ እውን ብፍላይ ነቲ ማይ ዝኸውን ቀረብ ልቓሕ ኣብ ምምችቻው ዝስራሕ ስራሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ምስ ሎጅስቲክስን መሰረተ ልምዓትን ዝህሉ ዕንቅፋታት ብመጠኑ ዝቃለለሉ ዕድል ይመፅእ ኣሎ እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ እናሃለወ በቲ ኻልእ መዳዩ ክንግንዘቦ ዝግባኣና ነገር ድማ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ምኽታም ብጣዕሚ ቅልጡፍ እዩ። ሕዚ ካብ ኣርባዕተ ዜጋታት ሓደ ዜጋ ኣብ ከተማ እዩ ዝነብር ዘሎ። ኣናእሽተይን ዓበይትን ከተማ ሓዊስካ ማለት እዩ። ስለዚ ርብዒ ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ከተማ እንተድኣሃልዩ እዚ ንኢንዱሰትሪ ልምዓት ብጣዕሚ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ኢንዱስትሪ ቀልጢፉ

ዝዓቢ ዝተኣከበ ከተማ ኣብዘለውሉ እዩ። ኣብ ክልልና ብተነፃፃሪ እንትርአ ከተማታት ዝተቐራረበ እዩ። እዚ ብነዊሕ ግዘ ክንሪኦ እንተለና ንኢንዱስትሪ ልምዓት ዓብይ ዓቕሚ እዩ ዝፈጥር። እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ዝተመቻቸወሉ፣ እንደገና ድማ ብዙሕ ዜጋና ኣብ ትምህርቲ ስለዘሎ፣ ክእለታት ይሕዝ ስለዘሎ፣ ከም ክልል ሕዚ ኣብ ምንታይ ኢና ከነተኩር ዝግባኣና? ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ምምላስ ኣዐርዩ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። በዚ መንፅር ቀዳማይ ነገር እቲ ሕዚ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ልምዓታዊ ኢንቨስትመንት ብፍላይ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ትግራይ ብዝዓበየ ደረጃ ተጠቃሚ ክኸውን እዩ። ኮላይ ኣብ ዘመናዊ ሕርሻ እንተርኢና ብፍላይ ኣብ ፅብብ ዝበለ መሬት በሰፊሑ ኤክስፖርት ዝግበሩ ዓብይ ዋጋ ዘለዎም ምህርትታት ኣብ ዝፈርይሉ ከባቢታት እንታይ ንግበር? እንተኢልና ልዕሊ ኹሉ ከም ክልል በዚ ዕድል እዚ ተጠቀምቲ ክንኸውን ምእንታን ንባዕልና ንመቻቾ ኢልና ክንብገስ ኣለና። ምኽንያቱ እዚ ዓብይ ኣጋጣሚ እዩ። ነቲ መንእሰይ ዝፍጠር ስራሕ ብጋህዲ ምፍጣር ዝከኣል ኢንቨስትመንት እንድሕር ሃልዩ እዩ። ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት እውን ኣብ ምህርቲ ክሳተፉ እንድሕር ድኣ ደሊና ኣብ ከመይ ዓይነት ሰፊሕ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ዘለወሉ እዮም ዝዓብዩ እንተተባሂሉ ንዓኣቶም ዘድሊ ቀረብን ኣገልግሎትን እዮም ዝህቡ። ተኾናተርቲ (Sub Contractors) ይኾኑ። ስለዚ እዚ ዘፈር እዚ ወሳኒ እዩ እንድሕር ኢልና ኣሚንና ኮይንና፣ ኣፍቲ ክልል ድማ እቲ ውድብ፣ መንግስቲ፣ ህዝቢን ካልኦት ኣካላትን እንተኣሚኖምሉ ብዙሕ ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ህዝቢ ምዃኑ ኩላትና ኣብ ታሪኽና ንፈልጦ ኢና። ኩሉ ሓደ ልቢ ኮይኑ ነዚኣ እንተሰሪሑ ብልጫ ሒዝና ንክንቐርብ ዝግባኣና ነገር ክህሉ እዩ። ከም ኩሉ ክልል ማዕረ ኢንቨስትመንት ናይ ምስፋሕ፣ ማዕረ ናይ ምዕባይን ምጥቃምን ዕድል ኣለና እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ክነተኩር ኣለና። ከም ሞዴል ናይ ኢንቨስትመንት፣ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ብፍላይ ንማኑፋክቸሪንግ ብውሱን ደረጃ ድማ ናይ ሕርሻ ሞዴል ክልል ከመይ ንኸውን ኢልና ከም ሞዴል ክልል ኩሉ ዘድሊ ፃዕሪ ክንገብር ኣለና። “ንኢንቨስትመንት ዝምቹ ከባቢ እዩ” ኢሎም ኢንቨስተራት ዝፈትውዎ፣ “ኢንቨስተራት ደቂሶም ዝሓድርሉ ክልል ትግራይ እዩ” ኢሎም ዝምስክርሉ ክንገብር ኣለና። ኢንቨስትመንት እንትንብል እንተለና በይኑ እቲ ኢንቨስተር ኣይኮነን ክንርኢ ዝግባኣና። ኮላይ ክእለት እዩ። ክኢላታት ዝበሃሉ ምሩፃት ናይ ደገ ክኢላታት “ኣብ ትግራይ እዩ ምንባር ዝከኣል” ኢሎም ቤተሰቦም ሒዞም ክመፁ ምግባር የድሊ። ምኽንያቱ ናቶም ክእለት እንተልዩ እዩ ኢንቨስትመንት ዝድለ ልምዓት ዘምፅእ። ስለዚ “ትግራይ፣ ንክኢላታትን ንኢንቨስተራትን ዝምቹ ምሩፅ ክልል እዩ” ተባሂሉ ንሕና ንዛረቦ ዘይኮነስ ባዕሎም እቶም ኢንቨስተራት ዝዛረብሉ፣ ካልኦት ዲፕሎማትስ ዝምስክርሉ፣ ካልእ ተዓዛባይ መፂኡ ዘረጋግፀሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና። ከምዚ እንተገይርና ብዙሕ ርሕቐት ክንከይድ ንኽእል ኢና። በዓል ሲንጋፖር “ንኢንቨስትመንት ዝኸውን ምችው ሃዋህው (Environment) ዝፈጠሩ”፣ ተባሂሎም ቅድሚ ኩሉ እዮም ዝስርዑ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብዝገበርዎ ዝለዓለ ርብርብ ማለት እዩ። ንሕና እውን እዚ ክንገብር ክንክእል ኣለና። እቲ ካልእ ጉዳይ ኢንቨስትመንት ተመራፃይ ኣብ ምግባር ተጋሩ ኢንቨስተራት ናብ ትግራይ ክመፁ ዝግበር ፃዕሪ ኩላትና እንፈልጦ ነገር እዩ። እዚ ኮይኑ ኣብዚ ክንሪኦ ዝግበአና ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኢንቨስተር እውን ክንስሕብ ክንክእል ኣለና። ትግራዋይ ኢንቨስተር ምስሓብ ብተነፃፃሪ ዝቐለለ እዩ፣ ምኽንያቱ ዓዱ ስለዝኾነ። ግን ድማ እቲ ዓዲ ቀልጢፉ ክለምዕ ኣለዎ እንድሕር ኢልና ትግራዋይ ተወላዲ ዘይኮነ ኢንቨስተር ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኢትዮጵያ “መፂእኻ ስራሕ” ኢልና ክነተባብዖ ይግበኣና። ትግራይ “ ወዲ ኣበይ ተወላዲ ከይተበሃለ፣ ሌላን ጉሌላን ዘይግበረሉ፣ ኩሉ ኢንቨስተር ዝሕቆፈሉ ክልል እዩ” ኢሉ ኽርኢ ክንገብር ኣለና። ኢንቨስተር ካብ ኩሉ ክልላት ናይ ዝኾነ ተወላዳይ ቀትርን ለይትን ፅዒርና ክመፅእ

ክንገብር ክንኽእል ኣለና። ንሱ እንተገይርና እዩ ትግራይ ብሰፊሑ ዝለምዕ። ናይ ደገ ኢንቨስተራት ምስሓብ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸበደ እዩ። ናይ ደገ ኢንቨስተራት ዝምልከት ከኣ ብፌደራል መንግስቲ ዝግበር ፃዕሪ ኣሎ። እቶም ኢንቨስተራት ኣብ ዝመፅሉ ግዘ እቲ መማረፂ ኸባቢታት ኸይዶም ኽሪኡዎ እዩ ዝግበር። ስለዝኾነ ዝተመቻቸወ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና። ከም ሞዴል ክልል ክንገብሮ እንተይልና፣ ብፍላይ ነቲ ሕዚ ዝፅበየና ዘሎ ብኣማኢት ኣሽሓት ምሩቕ ናይ ዩኒቨርሲቲ፣ ቴክኒካል ቤት ትምህርቲ፣ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ከምኡ ድማ ምስ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ዕብየት ምኽታም ተኣሳሲሩ ኣብዚ ምርብራብ የድልየና።

እቲ ኻልኣይ ክነተኩር ዝግባኣና ብመሰረቱ ማኑፋክቸሪንግ ወይ ከኣ ሕርሻ ምስ መፍረይነት (Productivity) ዝተተሓሓዘ እዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ ሰባት ድልየት ስራሕን ትግሃትን እዩ ዝውስኽ። ክእለትን ድልውነትን እንተሃልዩ ብመንግስቲ ይኹን በቶም ኢንቨስተራት ስልጠና ይመቻቾ። ስለዚ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራሕተኛ ስራሕ ዘይፅየፍ እዩ፣ ንስራሕ ዘኽብር እዩ፣ ነታ ዘላ ዕድል ስራሕ ዝጥቀም እዩ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ዲስፕሊን ስራሕ ኣለዎ” ዝብል ሽም እንተሒዝና ብዙሕ ኢንቨስተር ብፍላይ ፋብሪካ ዘጣይሽ ናብ ትግራይ ክመፅእ ይኽእል እዩ። እዚ ምግባር እንታይ ይዓግተና?. . . እቲ ሕዚ እንገብሮ ዘለና ፃዕሪ ኣዐሪና ክነጠናኽሮ ኣለና። ኣብዚ እንተተረባሪብና እዚ ሕዚ ዘሎ ኩሉ መንእሰይ ፅቡቕ ዕድል ስራሕ ክረክብ ክንገብሮ ኢና። ሳልሳይ፣ ቅልጡፍን ደጋፋይን ቢሮክራሲ ክንፈጥር ኣለና። እቲ ቢሮክራሲ መንግስቲ ናይ ልምዓት ሓይሊ እዩ እንተይልና ኢንቨስተራት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ደገፍ የድልዮም እዩ። ስለዝኾነ ኢንቨስተራት ብዝግባእ ንምትእንጋድ ዝኽእል፣ ፅቡቕ ኣገልግሎትን ዝተማልአ ደገፍን ዝህብ ክኸውን ክንገብሮ ኣለና፣ ነቲ ስቪል ሰርቪስና ብፍላይ ከኣ ነቶም ወሰንቲ ናይ ልምዓት ኣካላት። እዚኦም እንድሕር ገይርና እዚ ሕዚ ንኣትዎ ዘለና ምዕራፍ፣ ምስቲ ሕዚ ናይ ኢንዱስትሪ ፓርክታት

ልምዓት ኣብ መቐለ ንጅምር ምህላውና፣ እቶም ዘድልዩን ቅድሚ ሕዚ ማሕንቖ ክበሃሉ ዝኽእሉን ብመጠኑ እናተቓለሉ ይመፁ ምስ ምህላዎም ብዙሕ ርሕቐት ክንከይድ ኢና ዝብል ራእይን ብሩህን ተስፋን እዩ ዘለኒ።  “

ፍልፍል፡ፍሉይ ሕታም መፅሄት ወይን