Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ብምኽንያት መበል 29 ዓመት ዕለት ሰማእታት ትግራይ 15 ሰነ 2009 ዓ/ም ብቤት ፅሕፈት ማእላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ

  • ዝኸበርካ ኣብ ዉሽጥን ደገን እትርከብ ጅግና ተቓላሳይ  ህዝቢ ትግራይ
  • ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት
  • ዝኸበርኩም ጀጋኑ ስድራ ስዉኣትና

 ብመጀመሪያ እንኾዕ ውድብና ዳግም ብጥልቐት ኣብ እታ ህዳሰ ብዓወት ተፀንቢሉ ንመበል 29 ዓወት ዝኽረ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ 15 ሰነ 2009 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐኹም ኣብፀሔና ብምባል ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኾሚቴ ህውሓት መልእኽቱ እንትገልፅ ዳግም ቓልኪዳና ኣሕዲሰና ህዝብና ሒዝና ዘለው ፀገማትና ብቃልሲ እናፈታሕና ከምልማድና ተደራራቢ ዓወት ብምምዝጋብ ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ መወዳእቱኡ ከምእነብፅሖ ብምትእምማን እዩ።

ናብዚ መድረኽ’ዚ ንዘብፅሑና ጀጋኑ ሰማእታትና በብዓመቱ እናዘከርናን ቃል-ሕድሮም እናሐደስናን ኣድማዒ ዓወታት እናመዝገብና መፂእና ኢና። ናይ ሎሚዘበን ዝኽሪ መዓልቲ ጀጋኑ ሰማእታትና’ዉን ኣብ ፅባሕ ዓሚቕ ተሃድሶ ምክያድና ምዝካርና ንዝያዳ ዓወት ቃልና እነሐድሰሉ ብምኳኑ ፉሉይ ይገብሮ።

እዚ ዘለናሉ መድረኽ፤ መድረኽ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ኩለመዳያዊ ምዕባለን እዩ፡፡ እዚ ኩለመዳያዊ ዓወት ብተኣምር ዝመፀ ዓወት ኣይኮነን፡፡ ናይ ኣሸሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ዓበይቲ ሽማግለታት ኣቦታትናን ኣዴታትናን፣ እንኮላይ ህፃናት ወገናትና ደምን ኣዕፅምትን ከፊልና ክቡር ህይወት ከፊልና ዝረኸብናዮ ዓወት እዩ፡፡ ኣዐርዩ ዘስክሕ ኣረሜንያዊ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ተፈፂሙ፤ ህዝብና ብኣጋር ሰራዊት ይኹን ብነፈርቲ ተደብዲቡ ፣ተሓሪዱ ዝተረኸበ ዓወት እዩ፡፡

እቲ ዝተኸፈለ መስዋእትነት ፈፂሙ ክርሳዕ ዘይኽእልን ክርሳዕ ዘይብሉን ታሪክ እዩ፡፡ ምእንተ እዚ እዩ ውድብና ህወሓትን ክልላዊ መንግስትናን በብዓመቱ 15 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኾይኑ ክዝከር ዝወሰኑ፡፡ እዚ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ቁስልና እንሓከሉ ዘይኮነስ እዚ ዘለናሉ መድረኽ ፀረ-ድኽነት ዝጠልቦ ኹሉ ነገር ትሕቲ ህይወት ምኽፋል ከምዝኾነ ብምግንዛብ ካብቲ ሕሉፍ ህይወት ዝበልዐ ከቢድ መድረኽ ይከኣል እዩ! ቀሊል እዩ! ዝብል ንሎሚ ብዘለዎ ተሞክሮን ኣስተምህሮን ንምውሳድ ስለዝጠቅምን ብመስዋትና ዝረከብናዮም ዓወታት ንምዕቃብ ዝዓለመ እዩ፡፡  ምእንተ እዚ እዩ እቲ ኣብ ቅድመ ግንባር፣ ኣብ ጓጓ ፀላኢ፣ ኣብ ደጀን ህዝብና ዝተኸፈለ መስዋእትነት ፍፁም ክርሳዕ ዘይኽእልን ክርሳዕ ዘይብሉን ታሪኽ ዝኸውን፡፡

ኣብ ከተማታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተሳቐዩ፣ ኣብ ፅርጊያታት ዝተሰጥሑ፤ ኣብ ገፀር ኣብ ገዘኦም  ዝተሓረዱ፣ ናብ ገደል ዝተደርበዩ፣ ብኣልማሚት ዝተረሸኑ፣ ብሳንጃ ዝተዘልዘላ ጥኑሳት ኣዴታትና፣ ከም ዕንጉለ ዝተጨፍለቑ ህፃናት፣ ብፋሽስት ክላስተር ቡምባ ባሓደ ፃሓይ ኣብ ከተማ ሓውዜን ክሳብ 2500 ንዕዳጋ ዝወረደ ህዝቢ ዓፅመ ስገኦም ምስ ሓመድ ዝተሓወሰ..… ወገናትና ኣይንርሰዖምን፡፡ ምእንተ ህዝቢ ነቲ ግፍዐኛ ስርዓት ክምክቱ፣ ክድምስሱን ነዚ ብርሃን ዓወት እዚ ከብርሁልና ፎቖዶ በረኻታት ብፅምኢ ማይ፣ ብውሕጅ፣ ብቝሪ ህይወቶም ዝሓለፈ፣ ኣብ ዓውደ ኲናት ግንባሮም ንጥይት ሂቦም ኣዶ ጅግና ኣይትድፈርን! ኢሎም ዝወደቑ፣ ኣብ ልዕሊ ነቶግቲ ደቂሶም ሂወቶም ዘወፈዩ ጀጋኑና ብስለላ ተዋፊሮም ምስጢር ውድቦም ኣሕሊፎም ከይህቡ ክቡር ሂወቶም ዝከፈሉ ጀጋኑና…… ፍፁም ዘይርሳዕ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሓልፍ ዝግበኦ ናይ ፅንዓትን ጅግንነት ህያው ታሪክ እዩ፡፡

እቲ ዘሕስበናን ከሕስበና ዝግብኦን ነገር ደኣ እንታይ እዩ?! ሰማእታትና ዝሃቡናን ዝገደፉልናን ሕድሪ ኣብ ተግባር ነውዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን እዩ?! ሰማእታትና ዝገደፉልና ሕድሪ “ዝተሰዋእናሎም ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ከየብፃሕኹም ገፅኩም ከይትዓፅፉ” ዝብል እዩ፡፡ “ዝተሰዋእናሎም ዴሞክራሲያዊ ፓለቲካዊ ዕላማታት ተጠቒምኩም ዝወደቕናለን ሽንጥሮታትን ጎቦታትን ኣልምዕወን፣ ስጋናን ኣዕፅምትናን ድኹዒ፤ ደምና-ማይ ኾይኑ የለምልመን፣ ንሕና ተሰዊእና እቲ ቀፃላይ ወለዶ ኣብ ዝሓሸ ናብራ ክነብር ሓሊፍና ኣለና፣ ነዚ ሕድሪና እዙይ ከይተዕብሩ” ኢሎም እዮም ሓሊፎም-ጀጋኑ ስውእትና፡፡

ነዚ ሕድሮም እዚ ከየዕበርና ሰማእታትና ዝተሰውእሉ ዕላማ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት  መሪሕ ውድብ ህወሓት፣ መንግስቲ ትግራይን ፃዕራም ህዝቢ ትግራይን ተዋዲዶም ብዝገበርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ድማ ሙሉእ ሰላም ጨቢጥና፣ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ብሕገ መንግስቲ ተረጋጊፆም፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓወታት ተመዝጊቦም፣ እነሆ ትግራይ/ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣህጉርና ይኹን ዓለም ብኹለመዳይ ኣብነት ኾይና ንፅራሕ ኣለና፡፡ እዚ ዓወት እዚ ሙሉእን ናይ መጨረሻን ምኳኑ ዘርኢ ዋላ እንተዘይኮነ እቲ ዝሓዝናዮ መስመር ግን ክንደየናይ ትኽክለኛ፣ ህዝባውን ብሙሉእነት እንተተግቢርናዮ ድማ ናብ ዝበለፀ ዓወት ምዕባለ ከብፀሐና ከምዝኽእልን ዘረጋግፀልና ብተግባር ዝተረጋገፀ ሓቂ እዩ፡፡ ብልምዓታዊን ዲሞክራሲያውን መስመርና ዛጊድ ኣብ ልምዓት ሕርሻ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ጥዕና፣ ኣብ ልምዓት ከተማ፣ መጠን ድኽነት ኣብ ምንካይ፣ ኣብ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ወዘተ ኣመዝጊብናዮም ዘለና ዓወታት- ሕድሪ ሰማእታትና ከምዘየዕበርና ዘረጋግፁን ውፅኢት ፅሩይ መስመርናን ብቑዕ ኣመራርሓ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ውድብናን ምዃኖም ሓቂ እዩ፡፡ እቲ ቃልሲ ይኩን እቲ ዉፅኢት ኣብዚ ንክበፅሕ ህዝቢ ትግራይ ንዉድቡ ኣብ ሕቅፉ ገይሩ ዝገበሮ ምንቅስቃስ ኣብ ታሪክና መተኸእታ ዘይብሉ ወሳኒ ተራ ፈፂሙ’ዩ። ሕዚ’ዉን ከምቲ ልማድካ ነዚ ብደም ደቅካ ተረኪቡ ዘሎ መድረክ ሰላምን ልምዓትን ንምዝራግ ፃሕተርተር ንዝብሉ ዘለዉ ፀረ-ህዝቢ ሓይልታት ከምቲ ልማድካ ኣብ ጎኒ ዉድብካ ተሰሊፍካ ክትምክቶም ውድብካ ይፅዉዕ።

  • ዝኸበርካ ኣብ ዉሽጥን ደገን እትርከብ ጀግና ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ    
  • ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት
  • ዝኸበርኩም ጀጋኑ ስድራ ስዉኣትና

ብሓያልነት ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመርናን ተቓላሳይ ህዝብናን ኣብቲ መስመር ዓሲሉ ብዝገበሮ ምርብራብን እዞም ቅድም ክብሉ ዝተገለፁ መሰረታዊ ዓወታት ዋለ’ኳ እንተረጋገፅና ብሓደ ገፅ ብምኽንያት ባዕሉ እቲ ዘረጋገፅናዮ ዓወት ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ሕብረተሰባዊ ጠለባት እናዛየዱ ብምምፅኦም፣ ብኻልእ ገፅ ድማ ሓደጋ ስርዓትና ዝኾነ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ካብ ምንጮም በዘይምድራቖም ተሳትፎን ተጠቃምነትን መላእ ሕብረተሰብና ብፍላይ ድማ ተጠቃምነትን ተሳትፎን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮ ብዝድለ ደረጃ ኣብ ምርግጋፅ  ክፍተት ከምዘለና ኣብ ዘካየድናዮ ዓሚቕ መድረኽ ተሃድሶ ተገምጊሙ እዩ፡፡

ውድብ ህወሓት ካብ ሚስጥር ዓወታቱ ሓደ ገና ብጊሓቱ ባዕሉ ንባዕሉ እናኣረመ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡ ዓቂቡ ዝተጓዓዘን ዝጓዓዝን ምኻኑ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ውድብና መንግስትና ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ተሃድሶ ነዚ ዝተጠቐሰ ክፍተት ካብ ምልላይ ብዝሰገረ ነቲ ጉዳይ ቀዳምነት ብምስራዕ መሰረታዊ መፍትሕታት ብምቕማጥ ናብ ጭቡጥ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ብምእታው ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ዘኽእል ፓኬጅ ቀሪፁን ነዚ መፈፀሚ ፈንድ መናእሰይ ብምጥያሽን ቢልዮናት ቕርሺ መዲቡ ኣብ ምርብራብ ይርከብ፡፡ እዚ ብሙሉእነት ንክዕወት ድማ ተሳትፎ ናይቲ እንሃፆ ዘለና ስርዓት ተረካቢ ዝኾነ መንእሰይን ናይ ሕብረተሰብና ፍርቂ ኣካል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ወሳኒ እዩ’ሞ ተሳትፎኹም ብምሕያል ሕድሪ ኣያታትኩም ክትግብሩ ውድብ ህወሓት በዚ አጋጣሚ  እዚ ይፅውዕ፡፡

  • ዝኸበርኩም ጀጋኑ ስድራ ስዉኣትና

ናብዚ ዘለናሉ መድረኽ ሰላምን ልምዓትን ንክንበፅሕ ሽምዓ ኾይኖም ዝሓለፉ ጀጋኑና ካሕሰኦም፣ ደበሶም እቲ ተረጋጊፁ ዘሎ ሰላምን ልምዓትን እዩ፡፡ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝወደቑ ንሶም ተሰዊኦም ህዝቢ ንክሓልፈሉን ማዕረ ተጠቃምነት ህዝብታት ንምርግጋፅን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ናይ ጀጋኑ ስድራ ስውኣትና ካሕሳ ድማ ምስ ህዝቦም ማዕረ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ምችው ኩነታት ምፍጣር እዩ፡፡ ስድራ ስውኣትና ልክዕ ከም ሓደ ዜጋ ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን እቲ ሰላምን ልምዓትን ክኾኑ ግድን ስለዝኾነ ብፍላይ እቶም ዓቕምን ጥዕናን ዝስኣኑ፣ ዝሸምገሉን ጠዋሪ ዘይብሎምን ጀጋኑ ስድራ ስውኣትና ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ንምሕጋዝ ዘኽእል መደብ ተሓንፂፁ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረን ንቕድሚት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን እናረጋገፀና ንስድራ ስውኣት መናበዪ ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ ዝእከበሉ ስርዓት  ብዕሊ ተዘርጊሑ  ስሩዕ ስራሕ ከምዝጅመር ድማ ብኣጋጣሚ እዚ መዓልቲ ሰማእታት እንትንገልፅ፡፡ እዚ ስድራ ሰዉኣትና ካብቲ ዝምዘገብ ዘሎ ልምዓት ተጠቀምቲ ንክኾኑ  ብዉድብና፣ ክልላዊ መንግስትናን ብህዝብናን ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ተጠናኪሩ ከምዝቅፅል እናረጋገፅና። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ብደም ቀያሕትን ፀለምትን ደቅኩም ተረኪቡ ዘሎ ሰላምን ልምዓትን ተተኪሉ ዘሎ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ስርዓት ፌደራልና ብደመኛታት ፀላእትና ከይኩለፍ ከምቲ ልማድኩም ኣብ ጎኒ ዉድብኩም ተሰሊፍኩም ከም ብሌን ዓይንኹም ክትሕልዉዎን ኣናፀወዐ ዉድብኩም ኣብ ጎንኩም ምኳኑ ደጊሙ ብምርግጋፅ እዩ።

  • ዝኸበርካ ኣብ ዉሽጥን ደገን እትርከብ ጀግና ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ
  • ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ ውድብና ገና ብዕሸላ ሓብሒቡ ተንኸባኺቡ ካብፀላኢ ሓልዩ ክትጠናከር ብምግባር ብመሪሕ ውድብ ህወሓት እናተመርሐ ዝያዳ መስዋእቲ ብምኽፋል ወያነ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ  በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ  ክበፅሕ ዝገበረ ህዝቢ እዩ፡፡ ከምቲ ስሙይ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝበሎ “ህዝቢ ትግራይ ፅኑዕ ዕርዲ ወያነ ኢትዮጵያ ብምዃን ዝያዳ መስዋእቲ ዝኸፈለ ንኻልእ ክሕንግር ወይ ብኻልእ ክሕንገር ኣይኮነን ወይ ድማ ልዕሊ ኻልእ ህዝቢ ክኸውን ኣይኮነን፡፡  እንታይ ድኣ ኣይ ብላዕሊ ኣይ ብታሕቲ ማዕረ፣ ቀንጪ ዝሰፈና ሓዳሽ ኢትዮጵያ ንምምስራት እዩ፡፡ እቲ ዝተረፈ ከምቲ ልማዱ ካብ ላዕሊ ከይተፀበየ ባዕሉ ብፅፍሩ ክምልኦ እዩ” ኢሉ ነይሩ፡፡  ከምቲ ዝበሎ ድማ ኮይኑ፡፡  ህዝብታት ኢትዮጵያ ባዕሎም ንባዕሎም ዘመሓድርሉ፣ መንነቶምን ቋንቆኦምን ዘረጋገፅሉ፣ ማዕርነቶም ዘኽብርሉ ስርዓት ፌደራል ብምፍቕቓድ ሃኒፆም ብምክብባር ይነብሩ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፅፍሩ፣ ብጉልበቱ፣ ብኲናትን ብተፈጥሮን ንዘበናት ዝባደመ መሬቱ ንምልዋጥ ተረባሪቡ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ በፂሑ ይርከብ፡፡

እቲ ሓቂ እዚ ኾይኑ እናሃለወ ብቓልስና ዝሰዓርናዮም ፀላእቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ርእሶም ብምቕናዕ ‘’ልዕልነት ትግራይ ኣሎ” ዝብል ብዕራይ ወለደ መርዛም ወረ ብምንዛሕ ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫው ላሕ ይብሉ ከምዘለዉ ትፈልጥዎን ትከታተልዎን ዘለኹም ጉዳይ እዩ፡፡ ዕላማ እዚ ውዲት እዚ እንተኾይንሎም ፅኑዕ ዕርዲ ወያናይ  ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኾይኑ ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ካልእ ዝረኸቦ ነገር ዘየለ እናሃለወ ከምዝረኸበ ኣምሲልካ ቁስሉ ብምጉዳእ ክጉህይን ካብ ካልእ ህዝብታት ነፂልካ ብምውቃዕን ንስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝዓለመ እዩ፡፡ ነዚ ብዝግባእ ምርዳእ፣ ምግንዛብ፣ ብትዕግስቲ ምክትታልን ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና ብትረት ምቅላስን የድሊ፣ ይግባእ፡፡

ስለዝኾነ ነቲ ምርግጋፅ ጀሚርናዮ ዘለና ለውጢ ንድሕሪት ክመልሱን ናብ ሓደጋ ከእትዉናን ዝኽእሉ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብቐፃልነትን ብፅንዓትን እናመከትና፣ ምስ ኣሓትናን መሓዙትናን ዴሞክራሲያዊያን ውድባት ኢህወደግ ዘለና ወያናይን መትከላውን ዝምድና ብምጥንኻር ኣብ ሞንጐና ነቓዕ ንምፍጣር፣ ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫው፣ ጉዕዞ ህዳሰና ንድሕሪት ንምምላስን ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ንምፍራስን ንዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትምክሕትን ፀበብትን ንምምካት ብፍላይ ኣባላት ህወሓት ኣብ ፍልጦ፣ ምክንያታዉነት፣ ዴሞክራሲያዉን ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር መሰረት ዝገበረ ግዜ ዝጠልቦ ብቅዓትና እናዕበና ናይ መሪሕነት ግቡእና ብምዕራፍ ንቅድሚት ክንምርሽ ይግባእ። ብድምር ዕላማ ስውኣትና ኣብ ሸቶኡ ንምብፃሕ ኣብ ዉሽጥን ደገን እትርከብ ጅግና ህዝቢ ትግራይን ኣባላት ህወሓትን ኣብዛ መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ቃልኩም ብስም ስውኣት ኣሐዲስኩም ክትረባረቡ ውድብኩም ህወሓት ይፅውዕ፡፡

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጐስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

15 ሰነ 2009 ዓ.ም

መቐለ