Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ቅንዕ እንተዝብል እንታኮን ምበለ? ኣብ ናይ ህወሓት ስውእ ተጋዳላይ ኣልሚን ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመስረተ ጽሑፍ

ቅንዕ እንተዝብል እንታኮን ምበለ?
ኣብ ናይ ህወሓት ስውእ ተጋዳላይ ኣልሚን ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመስረተ ጽሑፍ

ሕግጋት ተፈጥሮ ተለዊጦም ወይ ድማ ከም ጌታና እየሱስ ክርስቶስ መንፈሳዊ ዓቐሚ ረኺቡ ንሞት ኣሸኒፉ ቅንዕ እንተዝብልሞ እቲ ሕዚ ከም ናይ ክራማት ቅንጥሻራ ኣብ መላእ ሃገር ሰፊኑ ንዜጋታት ዘስካሕክሕ ዘሎ ግዕዝይናን ጉቦን፣ምግሃስ ሰብኣውን ዴሞክራስያዊ መሰላትን ህረፍ ስልጣንን ስልጣን መደለቢ ውልቀ ሃብቲ ምግባርን እንተዝርኢ ኣልኣሚን እንታይ ኮን ምበለ?
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ከም ኣብነት ዝዝከሩ ብርክት ዝበሉ ጀጋኑ ሃርበኛታት ኣፍርዩ ንባዕሉ ተቓሊሱ ንህዝቢ ኣቃሊሱ ንዓወት ዝበቐዐ ውድብ እዩ። ካብዞም ኣሽሓት ጀጋኑ ሓደ ድማ ኣልኣሚን እዩ። ኣልኣሚን ኩል ግዜ ኣብ ቃሉ ስለዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ቃልኣሚን እናበለ እዮ ዝጽውዖ ነይሩ።
ኣልኣሚን ናይ ገድሊ ስሙ እዩ። ኣዲኡ ዘውጽኣሉ ስም ግን ዮሃላሸት እዩ። ዮሃላሸት ገ/መድህን ኣብ ሓጸቦ ወረዳ ናዕዴር እዩ ተወሊዱ። ናይ ቤተክህነት ትምህርቲ ዝኣኽሎ ሒዙ እዩ። ኣብ ዘመናዊ ትምህርቲ ድማ ናይ ኣዲስ ኣበባ መምህራን ኮሌጅ ምሩቐ እዩ ኔሩ። ኣልኣሚን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ዕብለላን ኣብ መላእ ሃገር ዝነበረ ደርባዊ መጽቀጥቲን ካብ ዘስካሕክሖም ዝነበሩን መፍቲሕኡ ድማ ዓጢቐካ ምቅላስ ጥራሕ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ካብ ዝነበሩን ሃርበኛታት ተጋሩ ሓደ ስለዝነበረ መምህር ኮይኑ ክሰርሕ ካብ ዝጸንሐሉ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳ ትግራይ ወጺኡ ናብ ገድሊ ትግራይ ተጸንበረ።
ኣልኣሚን ሓጺርን ድቕቕ ዝበለን ኮይኑ ብብስለቱ፣በተጻዋታይነቱን ብትብዓቱን ከም ኣብነት ዝጽዋዕ ወዲ ትግራይ እዩ። ኣልኣሚን ምብራቕ ትግራይ ሓዱሽ ግምባር ኮይኑ ምስተኸፈተ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ናይ ገድሊ ስራሕቲ ከተሓባብር ተመዲቡ እናሰርሐ እንተሎ ኣብ ክልተ ዓውላዕሎ ሓቢት ኣብ ዝተብሃለት ቁሸት ብጸላኢ ስለዝተኸበበ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ምስጢር ዶክሜንትታት ቀዳዲዱ ሽጉጡ ሰትዩ ህይወቱ ዘሕለፈ ጀግና ስውእ ተጋዳላይ ትግራይ እዩ።
ኣልኣሚን ኣብ ኤርትራ ከባቢ ናይ ክፍሊ ርክብ ስራሕ ክሰርሕ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ሻዕብያን [EPLF] ዓማን [ELF] ብዙሕ ስቅያት የብጽሑሉ ኔሮም። ምንሻውኳ መን ቆጺርዎ። ሓደ መዓልቲ ነዊሕ ምንሽር ተዓጢቚ ናብ ስርሑ ይወፍር። ምንሽር ዝጎርሶ ሓሙሽተ ጠያይቲ ኮይኑ በብሓደ ዝትኩስ ኣውቶማቲክ ዘይኮነ ናይ ቀደም ብረት እዩ። እቲ ምንሽር ነዊሕ ስለዝኾነ ድማ ንርእሲ ኣልኣሚን ሓሊፉ ንሰማይ ተወንጥሐ። ቁሩብ ምስከደ ምስ ክልተ ናይ ዓማ ተጋደልቲ ይራኸብሞ ሰላምታ ይለዋወጡ። ድሕሪ ቅሩብ ጸወታ ክፈላለዩ እንትብሉ ሓደ ካብቶም ናይ ዓማ ተጋደልቲ ናብታ ምንሽር እናጠመተ “ወይን! እዛ ብረትካ ከክንደይ ትትኩስ?” ይብሉ። ኣልኣሚን እቲ ሕቶ ንምትሓት ዝቐንዐ ምኳኑ ንምፍላጥ ግዜ ስለዘይወሰደሉ
“ዓማ!ንስዂም እናወረድኩም ንሕና እናደየብና ኣብ መንገዲ ክንራኸብ ኢናሞ ሻቡ ጠይቑኒ” ኢልዎም ሓለፈ። ሎሚ ቅንዕ ክብል እንተዝኽእልሞ ብረት ብዘይ ዕላማን ጽንዓትን ትርጉም ከምዘይብሉን ዓማ ድማ ማይ ንማይ ከምዝተረፈትን እንተዝርኢ እንታይ ኮን ምበለ? ሻዕብያ ድማ ተግባራት ገድሊ ከየሳልጥ ጸሚዶም ሒዞሞ ጸኒሖም ተጋዳላይ ህወሓት እናሃለወ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይኣስርዎ ስለዝነበሩ “Napoleon was a great warrior but not a revolutionary” ይብሎም ነይሩ። ሕዚ እዚ ናፖሊየናዊ ሓይሊ ነቲ ተጋዲለሉ ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ ከይተረፈ የሳቐዮ ከምዘሎ እንተዝርኢ እንታይኮን ምበለ?
ፍረ ጻማ ረሃጹ ሪኡ ዘይፍሳህ ወዲ ሰብ የለንሞ ኣልኣሚን ዕሸል ዕድመ ንእስነቱ ዘሕለፈሉ ቃልሲ ተስፋ ዝህብ ፍርያታት ኣፍርዩ እንተዝርኢ ሓጎስ ከምዝስመዖ ኣይጠራጠርን። ኣባይን ካልኦት ወሓዝቲ ሩባታት ሃገርና ተገዲቦም ሃይሊ እንተፍርዩ፣ ሃገርና ብመንገድታት ዓይኒ ዓራት ኮይና መዛወሪ መካይን ጥራሕ ዘይኮናስ ባቡራትውን ኮይነን፣ ናይ ሰማይ መጓዓዝያ ሃገርናውን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ስፍራ ሒዙ እንትርኢ፣ ሕክምናን ቤት ትምህርትን ፎቖድኡ ዓምቢቦም፣ መብራህቲን መራኸቢ ሓፋሽን ፎቖድኡ ኣትዩ፣ ናይ ድርቂ ፈተና እንተጋጥም ህዝቢ ክንክን ተገይርሉ ካብ መረበቱ ከይለቐቐ ካብ ቅዝፈት እንትድሕንን ከተማታት ሃገርና ዓምቢበን እንትርኢ ፍስሃ ከምዝወርሶኳ እንተዘይተጠራጠርኩ እዚ ንክመጽእ ስለዝተቓለሰ ምሒር ኣምተበርጠጠን።
ኣልኣሚን ናይ ገድሊ ሓላፍነት ወይ መዝነት [ስልጣን] ኩልግዜ ብቕዓት ብዘለዎም ተጋደልቲ ክተሓዝ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኔርዎ። ይትረፍዶ ስልጣን ክረክብ ሃንደፍደፍ ክብልስ ኣብ ዲማን ማይ ኣባይን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ውድባዊ ጉባኤታት ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኑ ከገልግል ተሓጽዩ ዓወት ንደሊ እንተኾይንና ካባይ ዝበለጹ ተጋደልቲ ኣለው ንሳቶም ክምረጹ ኣለዎም ኢሉ ኣኸሪሩ ተቓዊሙ ከይምረጽ ዝገበረ ተጋዳላይ እዩ። እዚ ተባዕ መርኣያ ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ዝኾነ ስውእ ብህዝቢን ተጋደልትን ፍቱው ብወግዓም ጸወትኡ ድማ ተሃራፋይ ነይሩ።
ኣልኣሚ ኣብ ቆላ ተምቤን ወረዳ መጠቓ ክፍሊ ህዝቢ ኮይኑ እናሰርሐ እንተሎ ካብ ልቢ ህዝቢ ዘይስወር ብዙሕ መስተንክራት ሓዲጉ እዩ። ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ ኣብ መወዳእታ 1971 ዓ/ም ኣብ ጫሞ ጸለይ ዝበሃላ ጣብያታት ከምህር ሓዲሩ ንጽባሒቱ ድማ ካብቲ ዝሓደረሉ ከባቢ ሓደ ሰኣትን ፈረቓን ብእግሪ ኬድካ ቃቕሜላ ኣብ እትበሃል ጣብያ እትርከብ ጉሮሮ ዝተበሃለት ቦታ ናይ ዞባ [ኣርባዐተ ጣብያታት] ኣኼባ ይጽውዕ። ኣልኣሚን ናብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብእዋኑ ክበጽሕ ስለዝደለየ ገስጊሱ ይለዓል። ኣብ መንገዱ ምስ ዝረኸቦም ገባራት በቲ ምቊር ወግዑ እናስሓቖም ደርነጻብ ኣብ ዝተብሃለት ጣብያ ይበጽሑ።
ኣልኣሚን በታ መንገዲ ክሓልፍ ምኳኑ ዝፈለጠ ሓደ ገባር ኣብ ወሰን መንገዲ ጸኒሑ ከመይ ሓደርካ ኢሉ ይጭብጦሞ ኢድ ኣልኣሚን ግጥም ኣቢሉ ሒዙ ኣብዚ ኣቦ ወይ ኣዶ የብልኩምን። ኣብ ኣኼባ ደሪቐካ ኢኻ ክትውዕል። ንገዛና ንኺድሞ ቁርሲ በሊዕኻ ክትከይድ ይብሎ። ኣልኣሚን ህዝቢ ተኣኪቡ ይጽበኒ ኣሎ ኣይክእልን ይብሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ገባራት ብዙሕ ክከራኸሮ ምስረአዩ ናብ ኣልኣሚን ቅርብ ኢሎም ንዓኻ ኢሉ ዘዳለዎ ምግቢ ከይበላሸዎ እዩ ክንድዚ ዝልምነካ ዘሎ ዝመስልሞ ጥዒምካሉ ዘይትመጽእ ይብልዎ። ኣልኣሚን ነቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ተቐቢሉ ምስቲ ገባር ተመራሪሖም ንገዛ እንዳቲ ገባር ይኣትዉ። ኣልኣሚን ዝቕረበሉ ምሳሕ በሊዑ ኣመስጊኑ ክትስእ እንትብል እቲ ገባር ተቐላጢፉ ናብ ማጀቱ ይኣቱሞ ንእሽተይ ዝተጠይአት ብይት [ንእሽተይ ዕትሮ] ሒዙ ይመጽእ። ናብ ኣልኣሚን ቅርብ ኢሉ እዚኣ ድማ እንትትዓርፍ ብልዓያ ጻዕዳ ወለላ መዓር እያ ይብሎ። ኣልኣሚን ተመሊሱ ከፍ ይብልሞ ነቲ ገባር ከፍ ኣቢሉ ስማዕ! ይብሎ። ንሓልዮትካ የቐንየለይ ግን ማዓር ንዓይ ዝገብረለይ የብሉን ሼጥካ ንደቅኻ ክዳን ግዝአሎም ይብሎ። እሞ እቲ ገባር ክሰምዕ ድዩ!ውሰድ ኣየድልየንን ክርክር ምቁራጽ ይኣቢ። እቲ ገባር እዛ መዓር ዓመት ተመጻቢዐ ንዓኻ ዘቐመጥክዋ እያ። ንዒቕካኒ ዲኻ? ኢሉ እንተዘይወሰድካያ ሞይተ እርከብ ኣለዂ ይብሎ። ኣልኣሚን ዘይልቀቕ ምዃኑ ምስፈለጠ ሓደ ነገር ናብ ርእሱ ይመጸሉ። ኣብቲ ዝሓደረሉ ከባቢ ጫሞ ኣብ ዝተብሃለት ጣብያ ኣብ ዝተጣየሸት ክፍሊ ሕክምና ደቂሶም ዝሕከሙ ውጉኣት ተጋደልቲ ከምዘለውን እቲ መዓር ናብኣቶም እንተሰዲድዎ ክጠቕሞም ከምዝኸእልን ውን ይብሎሞ እሺ ኢሉ ይቕበሎ። እቲ ገባር ቁሩብ ደቓይቕ እውን ኣይጸንሐን ኣልኣሚን ካብ መቐመጢኡ ከይተለዓለ ወድያው ነጸልኡ ኣወንዚፉ እዝጊሀር የርኢኻ! ኢሉ ጥርዓኑ ጀመረ። ኣልኣሚን ተደናገጸ። ተገረመውን። ኣልኣሚን ተመዓራርዩ ከፍ በለሞ መንከሱ ብኢዱ ደጊፉ ነቲ ገባር ብምግራም ክሰምዖ ጀመረ።
ተመልከት ተጋዳላይ ኣልኣሚን! በለ ገባር ኢዱ ገቲሩ በኣጻብዕቱ ናብ ገደንኡ [ከባቢ ገዝኡ ዝርከብ መሬቱ] ገጽ እናመላኸተ። ተመልከት እከለ ዝተብሃለ ጎረቤተይ ንገድሊ ትግራይ ብምንዓቕን ምግዳል ንዝኣበዩ ጎረምሳታት ደቁ ብምትእምማንን ገደናይ እናደፍአ ሓሪስዎ። ዝባን ገድሊ እንተበልክዎ ገድሊ ኣይፈልጥን ዘወር በል ኢሉኒ። ድኻ ተበደልኩ። በይዛኻ ፍትሒ ሃበኒ ይብሎ።
ኣልኣሚን ንዝዓበየ ይኹን ንዝነኣሰ እንትጽውዕ “ወዲ ኣያይ” እዩ ዝብሎ። ሕዝውን ወዲ ኣያይ ከፍ በልሞ ኢሉ ነቲ ገባር ከፍ ኣበሎሞ እቲ ምግቢ ይኹን መዓር ዝሃብካኒ ጉቦ ድዩ ኔሩ? ኣብሊዕኻ መዓር ሂብካስ ናብ ጥርዓን? እዚ ክነጥፍእ እኮ ኢና እንቃለስ ዘለና። ዓብይ ጌጋ ጌርካ ኢሉ ከርድኦ ሞከረ። እቲ ገባር ግና ኣነ ጉቦ ሓሲበ ኣይኮንኩን ጌረልካ በጃኻ ፍትሒ ሃበኒ ኢሉ ይልምኖ። ኣልኣሚን ብተግባር ናይቲ ገባር ኣብ ልዕሊ ምሕዛኑ ነጊርዎ ክሰምዕ ዘይደሊ ምዃኑ ስለዝረአየ ነታ መዓር ኣሸኪሙ ናብቲ ኣኼባ ሒዝዎ ከደ።
እታ ኣኼባ ድማ ብዘጋጠሞ ነገር ተጀመረት። ኣልኣሚን ነዞም ዝተኣከቡ ሰባት ከምዚ በሎም። “ንሕና ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ወያነ ኣቲና እንቃለስ ዘለና ህዝብና ዴሞክራስያዊ መሰል ስኢኑ፣ ትግራዋይ ብምዃኑውን ብዙሕ ስቅያት ተሸኪሙ፣ ፍትሒ ከም ሰማይ ርሒቕዎ፣ ፍትሒ ከም ኣቕሓ ሸቐጥ በገንዘብ ብጉቦ እናተሸመተን ንድኻ ዝሓሊ መንግስቲ ስለዝጠፍአን ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ናይ ህዝቢ ስልጣን ከምዝሓዙ እናረስዕዎ ስልጣኖም መምልኢ ጁበኦም ጌሮምዎ፣ ከፊኡኒ ተበዲለ ንዝበለ ወይ ተግባራቶም ንዝተቓወመ መልሶም እስራትን ጥይትን ኮይኑ። ነዚ ክንፈትሕ ኢና ከርተት እንብል ዘለና። እዚ ገባር እንትተበዲሉ ናብቲ ስሩዕ ናይ ጣብያታት ባይቶ ከይዱ ከመልክት ምኽኣለ። ባይቶታት የማን ጸጋም ዘሎ ክርክርን ቃል መሰኻኽር ሰሚዖምን እዮም ውሳኔኦም ዝህቡ። እዚ ገባር ግና ናብኡ ክኸይድ ኣይደለየን። ብኢኮኖሚኡ ካብ ጎረባብቱ ዝሓሸ ስለዝኾነ ነዛ ሃፍቱ ተጠቒሙ ንዓይ ብመግብን ብመዓርን ኣታሊሉ ብኣቋራጭ ዝደለዮ ክረክብ እዩ ወሲኑ። እዚ ድማ ጉቦ እዩ። ነዚ ኩላትና ክንኩንኖን ክንቃለሶን ይግበአና።” ይብልሞ ካብ ህዝቢ ሓደ ሓደ ሓሳባት ተቐቢሉ እቲ መዓር ሂቡ ፍትሒ ክረክብ ዝዓለመ ገባር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቕረታ ክሓትትን ዳግም ከይደግምን ኣጠንቂቑ ኩሉ ህዝቢ ካብዚ ክመሃር ከምዘለዎ ኣረዲኡ ናብ ጣጥኡ ኣተወ። ህዝቢ ጉድ በለ። ገሊኦምውን ይተኣሰር በሉ።
ኣልኣሚን እታ መዓር ነቲ ገባር ኣሸኪሙ ናብ ካልኦት ጣብያታትውን እናወሰደ ህዝቢ ክመሃረሉን ማንም ከምኣ ከይገብርን ኣምሂሩ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ንተጋደልቲ ብምግቢ ወይ ካሊእ መንገዲ ጉቦ ምሃብ ከም ነውሪ ክረአ ጀመረ። ንተጋደልቲ ምግቢ ዘቕርብ ሰብ ናይ ውልቁ ጥርዓን ምልዓልውን ከም ነውሪ ተወሰደ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣልኣሚን ምስ ብጾቱ እንትጻወት ኣብ ወረዳ መጠቓ ሎሚ ጉቦ ከመይ ኣሎ ይብልዎ። ሎሚኳ ምግቢ ኣቕሪቡ ጥርዓን ዘቕርብ ገባር ዳርጋ የለን ከም ነውሪ ይውሰድ ኣሎ። ሓደ ክልተ ዝኾኑ ኣመለኛታት ገባራት ግና ዝበልዐት ከብዲ ኣይትጭክንን እናበሉ ምግቢ የቕርቡልካሞ ሕዝኳ ጥርዓን የብለይን በሊዕኻ ናብ ስራሕካ ኪድ ካሊእ መዓልቲ እየ መጺአ ጥርዓነይ ዝነግረካ ኢሎም ዝስንዩ ንርኢ ኣለና ቀጻላይ ቃልሲ ዘድልዮ እዩ ደቂ ኣያይውን አእዳውኩም ኣክቡ ኢሉ ኣስሒቕዎም ከደ።
ሎሚ ዓይኒ ኣውጺኦም ገንዘብ እንተዘይሂብካ መብራህቲ ማይ ኣይነውትወልካን፣ ፍትሒ ኣይንህበካን እንትብሉ፣ ኩሉ መሓውር እንተዘይ ኣዂሊስካዮ ምንም ኣይሰርሕን፣ጨረታ እንትግበር፣ መሬት እንትመሓደር፣ ግብሪ እንትእከብ፣ ካብ ጉምሩኽ ኣቚሑ እንትወጽእ፣ ናይ ምህርቲ መረጋገጺ ውሕስና እንትወሃብ ኮታስ ንመን ኣልዒልካ ንመን ክትገድፍ ዋርድያኳ እንተይኮለሰ ኣየሕልፈካን እዩ ዝብል ዘረባ እንተዝሰምዕ ኣልኣሚን እንታኮን ምበለ?
ውድባዊ ስልጣን ዘይኮነስ ሓቀኛ ህዝባዊ ስልጣን ክምስርቱ ንዝወዳደሩ ጽዕንቶ እንትገጥሞም፣ ኣባላት ብሰላም ዝንቀሳቐሱ ናይ ፖለቲካ ውዳበታት ስም ኣስማት እናወጾም ካብ ምእሳር ክሳብ ሞት ሽግራት እንትገጥሞም፣ መራጻይውን ብዋህዮ ተቐይዱ ነጻነቱ ስኢኑ ንዝደለዩ ክመርጽ እንትሽገር እንተዝርኢ ፣ እቲ ዝተመረጸ ኣካልውን በብደረጅኡ ብተገዳስነት ሓላፍነቱ ክፍጽም ዘይደሊን ዘይኸእልን ኮይኑ እንተዝረኽቦ፣ ሃላፍነቱ ዘይፍጽም ብእዋኑ ክእረም ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓላፊውን ነዚ ብቐረባ ክከታተል ኩሎም ግቦኦም እንተዘይፈጺሞም ድማ ቦታን ስልጣንን ምቕያር ዘይኮነስ ግቡእ ስጉምቲ ዝውሰደሎም ኣብቶም ቁልፊ ኣካላት ዘይኮነስ እግራ እግሪ እንትግበር እንተዝርኢ፣ እሞ ኣብ ስልጣን ዝድይብ ከም ቁርዲድ ኣብታ ወንበር ለጊቡ ኣይለቅቕን ከይብል ሓደ ሰብ ብሕጊ ንዝተፈቐደሉ ዓመታት ጥራሕ ኣገልጊሉ ክወርድን ዳግም ተመሊሱ ናብ ስልጣን ክመጸእ ዘየግብር ኣሰራርሓ ዘይምትግባሩ እንተዝዕዘብ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት እንትገሃሱን ፍትሒ ብሸላውን ክዕደግ እንተዝርኢን ኣልኣሚን እንታይኮን ምበለ? እቶም ካልኦት ኣልኣሚናትከ እንታይ ምበሉ?
ኣልኣሚናት ቅንዕ ናይ ምባል ዕድል እንተዘይገጠሞምከ እቶም ሕድሮም ዝተቐበሉ መቓልስቶም ተጋደልቲ፣ኣባላትን ህዝብን እንታይ ይብሉ ኣለው?
ኣበሃህላ ኣልኣሚን ኣንዚኣ ክጥቀምሞ ደቂ ኣያይ ሓደ ደራፋይ ከምዝበሎ ሰብ ንኸብዱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብርሞ ኩላትና ሕድሪ ኣልኣሚናት ክንፍጽም ንለዓል።
ዘለዓለማዊ ኽብሪ ንሰማእታት ወያነ ትግራይ
መስከረም
ጁን 6/2017