Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ዝኸበርካ/ኪ ርኢቶ ወሃባይ :ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጉንበት 7፣ 2009 ዓ.ም. መቐለ

ዝኸበርካ/ኪ ርኢቶ ወሃባይ

ንፅሑፈይ ኣንቢብካ ተገዲስካ ሪኢቶ ብምሃብካ ኣድናቆተይ ክገልፀልካ ይደሊ፣ ብጣዕሚ የመስግን፡፡

ንዝሃብካኒ ሪኢቶ ናተይ መልስን ኣረኣእያን ከምዝስዕብ ይመስል

ናይ ኤርትራ ታሪክ ቅድሚ 100 ዓመት ጀሚሩ ናብዚ ወይከዓ ናይ 100 ዓመት እዩ ኣይበልኩን፡፡ ቅድሚኡ ኣፄ ዮውሃንስ ምስ ራእሲ ኣሉላ የመሓድርዋ ከምዝነበረት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ኣነውን ነዚ ኣይከሓድኩን፡፡

ኣነ ክብሎ ዝደለኹ ሐዚ ኢትዮጵያ ንብላ ቅርፂ ድሕሪ ሀፀይ ዮውሃንስ ዝተፈጠረት ንምባል እዩ፡፡ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ናይ ትግራይ ታሪክ ንምግላፅ ቅድሚ 3000 ዓመት ጀሚሩ መንግስትነት ከምዝነበረና፣ ቅድሚ ሃገርና ስልጣኔ ከምዝነበረና ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፡፡ ምስ ታሪክ ኣተሓሒዝና ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ቅርፂ/ካርታ ክንዛረብ እንድሕር ኮይንና ናይ ኢትዮጵያ ቅርፂ ብጣዕሚ ብዙሕ ዓይነታት ቅርፅን ዶባትን ክዝረብ ይከኣል፡፡
ንኣብነት ናይ ሃገርና ኢትዮጵያ እንትንርኢ
1. ሓደ ክሳብ የመን ዝኸድ
2. ካሊእ ክሳብ ማእኸላይ ኣፍሪካ ዝኸድ ታሪክ ኣሎ፤
3. ካሊእ ኣቢሲንያ ዝብል ድማ ደቡብ ኢትዮጵያ እንተይሓወሰ፤
4. እንደገና ኢትዮጵያ ድማ ከምቲ ንፈልጦ ዋላ ንፁር ካርታ ኣይሃልዎምበር ሃፀይ ዮውሃንስ ዘመሓዳድርዎ ዝነበሩ፣
5. ካብኡ ቀፂሉ ድማ ካብ ምሊሊኽ ጀሚሩ ክሳብ ሃ/ስላሴ፣
6. ቀፂሉ ክሳብ ደርጊ፣
7. ሐዚድማ ኤርትራ እንተይሓወሰ፡፡

እቲ ኣነ ክብሎ ዝደለኹ /ብትኽክል ድማ ዝኣምነሉ/ ኣብ ተራ ቁ 2 ገፅ 4 ጀሚሩ እንተንቢብካዮ ኣነ ከመሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ዶብን ውዕላትን ዘይፍትሓዊ፣ ነኒባዕሉ ዝዋቓዕ፣ ብሄር፣ እምነታት፣ ዓሌታት ኣብ ክልተ ሰለስተ ዝመቐለ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ናይ ኣፍሪካውያን ሃገራት ቅድሚ ምቅርማት ኮለኒ ዝተፈላለየ ታሪክን ግዝኣትን ከምዝነበረ ይፍለጥ እዩ፡፡

ግን ድማ ሐዚ ድሕሪ ነፃነት ኣፍሪካውያን ምርግጋፅ ዶብ ንሓንፅፅ እንድሕር ኢልና፣ ቀያዲ መትከል እንተይኣቐመጥና ዶባት ንሓንፅፅ እንድሕር ኢልና ናብ ዘይንወፆ ሕድሕድ ኲናት ንኣቱ ማለት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ናይ ኢትዮጵያ እንተወሲድና ብውሑዱ ኣብላዕሊ ዝገለፅክዎ 1-6 ዓይነታት ቅርፂ ነይሩና ክንብል ንኽእል፣ ካልኦት ኣፍሪካ ሃገራትውን ካብኡ ዘይንእስ ዓይነታት ዶብ ከምፅኣ ይኽእላ፡፡

ስለዚ ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ነዚ ዘትዩ ኣውፂኡ ኣውሪዱ ኣብ መወዳእታ
“ዝተፈላለዩ ሮቛሒታትን ውዕላትን እንዳምፃእና ነንባዕልትና ንከይንዋዳእ ቅድሚ ናፃ ምውፃእ ዝነበሩ ናይ ቀረባ ውዕላት ብምኽባር ዝለዓሉ ናይ ዶብ ሕቶታት በዞም ውዕላት መሰረት ብሰላማዊ መንገዲ ክንፈትሕ”

ዝብል ስምምዕነት ተበፂሑ/ተገይሩ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝለዓሉ ናይ ዶብ ሕቶታት ድማ ቅድሚ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ምውፃኣ ዝነበረ ውዕላት ማለትውን 1902ን 1908ን /ካሊእ ስለዘየለ/ ብምኽባር ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ክንፈትሖ ይግባእ ማለት እዩ፡፡ ብኡ ድማ ፈቲሕና ተወዲኡ፡፡ ስለዚ ህወሓት ትብሎ ይኹን ኣነ ዝብሎ ትኽክለኛን ናይ ዓለም ሕጊ መሰረት ዝገበረን እዩ፡፡ ብታሪክ እናፀራሕካ መትከል ዘይብሉ ቀይዲ ዘይብሉ ሕቶታት ይግባኣኒ ተምፅእ እንተኾይንካ፣ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ከምኡ ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ታሪክ እናምፅኡ ናብ ዘይንወፆ ውግእ ንኣቱ፡ ስለዚ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ትኽክለኛ ፍታሕ ኣቐሚጡ፡፡ ናይ ኣግኣዚያን እውን ከም ፀገም ገይረ ዝወስዶ ዘለኹ በዚ ምኽንያት እዩ፡፡

ህወሓት ይኹን ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ናይ ሃፀይ ዮውሃንስ፣ ናይ ዘመነ ኣክሱም ታሪክ ካብ የመን ጀሚሩ ማእኸላይ ኣፍሪካ ዝበፅሕ ግዝኣት ታሪክ ጠቒስካ ብሓደ ምፅንባር ተፀሊኡ ኣይኮነን ሳፅቤኑ ዕንወት ስለዝኾነምበር፡፡ ሐዚ ኢህወዴግ ዝሰርሖ ዘሎ ናይ ቀደም ታሪክናን ዶብናን ብስልጡን ኣገባብ /ብኤኮኖሚያዊ ምትእስሳር/ ኣብ ዝተናወሐ ጋህዲ ምግባር እዩ፡፡ ብምዃኑውን ምስ ጎረባብትና ብጀካ ኤርትራ ፅቡቕ ጉዕዞ ንጓዓዝ ኣለና፣ ብመሰረተ ልምዓት ንተኣሳሰር ኣለና፡፡

ምስ ሰላምታ
ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ

this is to comment on your part 3 — “ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ከይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል” ኣብ ውዲት ኣግኣዚያን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትንተናዊ ፅሑፍ

on page 20 (of part 3) you stated as follows:
ህዝቢ ኤርትራ ሓውና ምዃኑ ማንም ዘይኽሕዶ ሓቂ እዩ ብሄረ ትግራይ፣ ኢሮብ፣ ዓፋር፣ ኩናማ፣ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከብ እዩ፡፡ ግን ድማ ብታሪካዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ን60 ዓመት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ /50 ዓመትን ብጣልያንን 10 ዓመት ብኢንግሊዝን /፣ ቀፂሉውን ድሕሪ ብዙሕ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ቃልሲን ናይ ሕቡራት መንግስታት ጣልቃ ኣታውነትን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተፀንቢራ ን30 ዓመት ብሃገርና ኢትዮጵያ ተማሓዲራ /ንሶም ከምዝብልዎ ተገዚኣ/ ብጠቅላላ ን100 ዓመታት ናይ ባዕላ መንግስቲ ዘይብላ ኣብ ትሕቲ ዘይኣመነትሉ ምሕደራ ትመሓደር ዝፀንሐት ሃገር እያ፡፡

My comment is, Eritrean history doesn’t start from 100 years ago. It was part of Abisniya for centuries. So, I believe your statement in here is misleading; or to say it accurately, it seems you are concurring with TPLF old song of “Ethiopia was colonizer of Eritrea” statement. If you really want to talk about history, you should have gone at least a little more than 100 and show how Asmara was founded by Emperor Yohanes IV’s general, Ras Alula Abanega (see ref. 1). In fact that was the only good thing about Agiazian’s statement, they really believe (or at least say it) that Yohanes IV the most recent ruler of Ethiopia who defended the integrity of pre-TPLF Ethiopia (see ref. 1, 2, and 3).

I think, it is good and it is timely to criticize Agazian movement; but you should also criticize TPLF for their blunders, such as in making the most populous country in earth a land locked by its ‘visionary’ leaders (see ref. 1, 2 and 3).

References:
1. Yohannes IV of Ethiopia: A Political Biography. by Zewde Gabre-Sellassie, Revised Edition, The Red Sea Press 2014
2. የኢትዮጵያና የኤርትራ መጻኢ እጣ ፈንታ, ያዕቆብ ኃይለ ማርያም (ዶ/ር), Addis Admas, May 14, 2017.
3. አሰብ የማን ናት፤2003 ዓ.ም, ያዕቆብ ኃይለ ማርያም (ዶ/ር)