Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ታሪኹ ዘይነብር ፣ ንወያናይ ለውጢ ዝተሰለፈ ውድብ እዩ

ገሊኦምሓይልታትን ሰባትን ኣብ ሓደ መድረኽ ንህዝቢ ፅቡቕ ብምስርሖም ነዚ ኣብ ሓዱሽ መድረኽ ኣማዕቢሎም ከቕፅልዎ ብዘይምኽኣሎም ንዝሓለፈ ታሪኾም እናወቐሩ እንትነብሩ ይረአ።ገሊኦም ሓይልታትን ሰባትን ድማን ንኡሽተይ ኣዎንታ ዝበልዋ ክንዲ እንባ ገይሮም ናብ ስልጣን መቋናጠጢ እንትገብርዋ ንዕዘብ።ብዝኾነ ኣጋጣሚ ስልጣን ዝሓዙ ድማ ዝተሰርሐን ዘይተሰርሐን እናፀብፀቡ ንሓፋሽ እናዳናገሩ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ለይትን ቀትርን እንትፅዕሩ ንርኢ። ኣብ ዓለምና ይኹን ሃገርና ክንዲ ጐቦ ዝኸውን ጌጋታትን ሕመቓትን ሓዚሎም እናሃለዉ ነዚ ክሪኡ ዘየደልዩን ዘይደፍሩን መዓት ሓይልታት ኣብ ዘለውሉ ፣ ኣብ ክንዲ ናይ ባዕሎም ገዚፍ ሕመቕ ሪኦም ዘስተኻኽሉ ናይ ተፃራሪና ዝብልዎ ንኡሽተይ’ውን ጌጋ ኣልሾም በዚ ተበሊፆም ክነብሩን ናብ ስልጣን ክቋናጠጡን ዝደልዩ ሓይልታት ከም ቅንጥሻራ ኣብ ዝዓንበብሉ ዓለምን ሃገርን ንህዝቢ ፅቡቕ ዝሰርሐ ፣ መስተንክራዊ ዓወታት ዘመዝገበ ውድብ ገና ብዙሕ ኣይሰራሕኹን ዘይመላእኽዎ ኣለኒ ኢሉ ንመፃኢ ገዛ ዕዮ ዘብዝሕ ውድብ ደሊኻ ምርካብ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ብኽልሰ-ሓሳብ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተግባር’ውን በብመዓልቱ እንሪኦ ዘለና ተርእዮ እዩ።

ህወሓት ነቲ ናይ ትማሊ ፅቡቕ ነገር ክብሪ ይህብ ፤ ካብ ናይ ትማሊ’ውን ይማሃር። ግና ነቲ ናይ ሎሚን ናይ ፅባሕን ምችው ንምግባር ዝዕልም ውድብ እዩ። መበገሲኡናይህዝቢጭቆናንነዚጭቆና’ዚምውጋድንእዩ።መጀመርታን መወዳእታንዕላማ ህወሓትንህዝቢ ካብ’ዚ ድኽነትን ድሕረትን ምንጋፍ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ከቢድ ቃልስን መስዋእትነትን ከምዝሓትት ካብ ሰናይ ጕሓቱ ፈሊጥዎ ዝኣተወ እዩ ነይሩ ። ዝፀንሐ ጭርሑኡ’ውን ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ዝብል እዩ። ስለዝኾነ ህወሓት ንባዕሉ ይኹን ንኻሊእ እንትዕቅን ብኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ፣ ህዝቢ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ነፃ ናይ ምውፃእ ዕላማን ተግባርን እዩ ። እዚክሳኻዕዝኽእልድማኣብዝሓለፈታሪኽብምንባርእንተይኮነስሓደሽቲለውጥታትበብእዋኑብዘይምቁራፅብምምዝጋብጥራሕእዩ።

ህወሓት ዝተፈጠረሉን ዘለሉን ባይታ’ውን ንዘየቋርፅ ለውጢ ዝዕድም’ምበር ኣብ’ቲ ዝፀንሐ ክትነብር ዝገብር ኣይኮነን።ህወሓት ካብ ወከልቲ ድሕረት ብዝተፈለየ ከም ህዝባዊን ወያናይን ሓይሊ ኣብ’ቲ ዝፀንሐ ክነብር ኣይኽእልን ።በቲ ኣቐዲሙ ዘመዝገቦ ዓወት ሓበን ዝስመዖ ’ኳ እንተኾነ በዚ ኣይዓግብን።ናይ ርሑቕ ዕላምኡ እዩ ኩሉሻዕ ዝጥምት ።ካብ ንኣዎንታዊ ጐድንታቱ ኣብ ኣሉታዊ ጐድንታቱ ምፍታሕ እዩ ዝረባረብ።መደብ እንተውፅእ ለጢጡ ኣግዚፉ እዩ ዝሕዝ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተፃዒኑ ዘሎ ድኽነትን ድሕረትን ብዜካ ገዚፍ መደብ ሒዝካ ምትግባር ብኻሊእ መንገዲ ክራገፍ ስለዘይኽእል። ከም’ዚ ዝበለ መደብ ሒዙ ብዙሕ ፈፂሙ እናሃለወ’ውን ኣብ’ዚ ዝተርኣየ ድኽመት እዩ ነቒሱ ዘውፅእ። ህወሓት ካብ ዝሰርሖ ዝዛረብ ፣ ዝተረፎ ዝዛረብ ህዝባዊ ናይ ተግባር ውድብ እዩ። ህወሓት ንሓደሽቲ ዘየቋርፅ ለውጢታት ዝተሰለፈ ወያናይ ውድብ እዩ። ንዝሓለፈ ታሪኹ እናወደሰ ኣይነብርን ። በብእዋኑ ሓዱሽ ታሪኽ ንምስራሕ ዝተሰለፈ ወድብ እዩ። በዚ’ውን እዩ ተኸታታሊን መስተንክራዊን ዓወታት ኣመዝጊቡን ኣብ ምምዝጋብ ይርከብን።