Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለፂ

ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለፂ

አብ አዲስ አበባ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ፉሉይ ሽሙ ቆሼ እናተብሃለ አብ ዝፍለጥ ከባቢ መጋቢት 2/2009 ምሸት ብዝትፈጠረ ምድህማስ ኩሙራ ጉሓፍ አብ ልዕሉ 46 ሰባት ዝበፅሓ ናይ ሞት ሓደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓዘኑ ገሊፁ፡፡

እዚ ሓደጋ ዘብፅሖ ሳዕቤንን ንስድራ ሞቲ ንምሕጋዝ ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ አብ ሸትኡ ክበፅሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ አብ ጎኒ ህዝቢ አዲስ አበባን እቲ ምምሕዳርን ጠጠው ከምዝብል አፍሊጡ፡፡

አብ መወዳእታ ንቤተሰብ ግዳይ እዚ ሓደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፅንዓት ይሀቦም አሊ፡፡