Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ፋብሪካ ዓለባ ቪሎሲቲ/ ብሕታዊ ውልቀ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ/

መንግስቲ ዕብየት እዛ ሃገር ጋህዲ ንምግባር ዓሊሙ ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ቁጠባ ዘሰጋግር ኣንፈት ሓንፂፁ ይንቀሳቐስ ኣሎ። እቲ ኣንፈት ክፍፀም ዝኽእል እውን ከም ሓደ ኣማራፂ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ክህነፁ እንትኽእሉ ስለዝኾነ ፓርክታት እናሃነፀ ንውልቀ ሰብ ሃፍቲ ንምርካብ ኣብ ምንቅስቓስ ከም ዝርከብ ንዕዘብ ኣለና። መንግስቲ ነዚ ሑቘ ዝጎዚ መደብ፤ ገዚፍ ገንዘብ መዲቡ እንትዓምም በዓልቶም መሰረተ ልምዓት ሃኒፆም ኢንዳስትሪ ካብ ዝሃንፁ ኣካላት “ሚስተር ሲዳርሰና” ዝበሃል ህንዳዊ በዓል ሃፍቲ ሓደ እዩ።

እዚ በዓል ሃፍቲ ንልዕሊ 25 ዓመት ኣብ ግብፂ ሓሙሽተ ገዘፍቲ ፋብሪካታት ዓለባ ከፊቱ፣ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ዓለም ድማ መሸጢ ማእኸላት ብምጥያሽ ዋልታ ልምዓት እናኾነ ዝርከብ “ኢንቨስተር” እዩ። ኣብ መቐለ ዝተኽሎ ፋብሪካ ድማ ብብርኪ ሃገር ብሕታዊ ዝኾነ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ፋብሪካታት ክሕዝ ዝኽእል ውልቀ ፓርክ ኢንዳስትሪ ይገብሮ። ፋብሪካ ዓለባ “ቮሎሲቲ” ብ250 ሚልዮን ዶላር ማለት እውን ልዕሊ ሓሙሽተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልዮን ብር ዝህነፅ ዘሎ ኣብ 11 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ገዚፍ ፋብሪካ እዩ። እዚ ፋብሪካ ካብ ጡጥ ምፍራኽ ጀሚሩ ክሳብ ዓለባ ዘፍርን እቲ ዓለባ እውን ብዝተፈላለዩ ቅዲ ኣሰፋፍያ ሰፍዩ ንወፃኢ ዓዲ እናቕረበ ሸርፊ ወፃኢ ዘምፅእ ትካል እዩ። ንቐፃሊ ድማ ቁርፅራፅ ጨርቂ ናብ ፍርናሽ ዝቕይር ፋብሪካ፣ ነቶም ዝዳለዉ ክዳውንቲ መዐሸጊ ዝኾነ ካርቶንን ከምኡ እውን ነቲ ዝምዝገብ ዘሎ ስሉጥ ኢንቨስትመንት ሃገርናን እታወት ዝኾን ሓፂን (ስቲል) ዘፍሪ ፋብሪካ ኣብ ውሽጡ ንምትካል ትልሚ ሒዙ ቦታ ብምርካብ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እዚ ህንፀት ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመት ዝገበረ ብሕታዊ ውልቀ ፓርክ ኢንዳስትሪ ዛጊድ ሕድሕዶም 5000 ካሬ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎም ክልተ መስርሒ ቦታን ከምኡ እውን መንበሪ ሰራሕተኛታትን ሃኒፁ ኣሎ። እቲ ሳልሳይ ህንፃ ድማ ንምስራሕ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ። እዚ ፋብሪካ ገና ኣብ ከይዲ ህንፀት እናሃለወ በቲ ሓደ መስርሒ ህንፃ ካብ 886 ክሳብ 25 ሽሕ ብር ዝኽፈሎም 610 ሰራሕተኛታት ቆፂሩ ስራሕ ዝጀመረ እንትኾን ኣብዚ ዓመት መወዳእታ 3000 ሰራሕተኛታት ንምብፃሕ መሽናት ገጣጢሙ ቁፃር የካይድ ኣሎ። ፋብሪካ ዓለባ ቮሎሲቲ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ 8000 ሓይሊ ሰብ ዝጠልብ እንትኾን ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝህነፁ ተወሰኽቲ ፋብሪካታት ሓዊሱ ክሳብ 15 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ከም ዝኽእል ካብቲ ዝሓዞ ትልሚ የረድእ።

ፋብሪካ ቮሎሲቲ ሕዚ በቶም ኣብ ኣርባዕተ መስመር መሽን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ገይሩ ኣብ ወርሒ 96 ሽሕ “ቲሸርትን” 33 ሽሕ “ጀንስን” ዘፍሪ ዘሎ ትካል ኮይኑ ህንፀቱ ምሉእ ንምሉእ ምስ ተወገነ 912 ሽሕ ቲሸርትን 369 ሽሕ ጅንስን ናብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ወፃኢ ሃገራት ዝልእኽ ገዚፍ ትካል ከም ዝኾነ ሓላፊ ምሕደራ ሓይሊ ሰብን ርክብ መንግስትን እቲ ትካል ኣይተ ኤፍሬም ሃይለ ይገልፁ።

ፋብሪካ ዓለባ ቮሎሲቲ ብመዳይ ስግግር ቴክኖሎጂ እንትረአ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝርከቡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፍርያት ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ጀርመንን ሲንጋፖርን ዝጥቀም እዩ። ብምዃኑ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ፋብሪካ ዝወነኖ ቴክኖሎጂ ንክመልኽ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ወፃኢ እናተገበረ ነዊሕ ዓመት ልምዲ ስራሕ ብዘለዎም ወፃእተኛታት እናሰልጠነ ይርከብ። እዚ ፋብሪካ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ስለ ዝጥቀም ካብ ማይ ጀሚሩ ዝውገዱ ነገራት ንከባቢ እንተይበከለ ዳግም እናሐደሰ ኣብ ረብሓ ከም ዘውዕል እቶም ሓላፊ የረድኡ።

እቲ ፋብሪካ ንካልኦት ፋብሪካታት ተመክሮ ዝኸውን ተግባር እውን ኣለዎ። ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ወነ ስረሖም ተሓዲሱ ንክሰርሑ ገና ኣብ ህንፀት እናሃለወ ካብ መሃያ ወፃኢ ንሰራሕተኛታት ምግብን ዕሹግ ማይን ዘቕርብ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ግዜን ወፃኢታትን ሰራሕተኛ ንምቑጣብ 1500 መንበሪ ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ እቲ ፋብሪካ ሰሪሑ መብራህቲ ንክኣትው ፍቓድ መንግስቲ ኣብ ምፅባይ ይርከብ። ጎድና ጎድኒ ህንፀት እቲ ፋብሪካ ሰራሕተኛታቱ ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ንክረኽቡ ዘኽእል ሆስፒታል ንምህናፅ ቦታ ዝተረከበ ኮይኑ ድሕሪ ምዝዛም ህንፀት እቲ ፋብሪካ ድማ ኣብ ነዊሕ እዋን ካብ መሃያ ሰራሕተኛ ዝቑረፅ ወለድ ኣልባ ልቓሕ ብምድላው ሕቶ መንበሪ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝምልስ ኣይተ ኤፍሬም የረድኡ።

ወ/ሮ መዓዛ ግደይ፣ ተጠቀምቲ ፍርያት ፋብሪካ ዓለባ ቮሎሲቲ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ባንግላድሽ ዝቖፀርዋ ሰራሕተኛ እያ። እታ ወገን ናብቶም ሰብ ሃፍቲ ዝኸይድ ክዳን ፅሬቱ እተረጋግፅ ኦዲተር ኮይና እቶም ሰብ ሃፍቲ ድማ ንእትህቦ ግልጋሎት 6000 መሃያን 500 ሞባይል ካርድን ሓዊሱ ካልኦት ወፃኢታት ከም ዝሽፍኑላ ትገልፅ። ብምዃኑ እውን እዚ ፋብሪካ ዓስራይ ክፍሊ ወዲኦም ኣብ ቴሞትስ ሰልጢኖም ንዝምረቑ ወገናት ዓብዪ ተስፋ ከም ዝኾነ እውን ተረድእ። ፋብሪካ ዓለባ ቮሎስቲ ሓደ ካብቶም ውሑስ ሰላምናን ንኢንቨስትመንት ዘተባብዕ ፖሊሲ ሃገርናን ዝስሕቦም ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዓዲ ሓደ እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ነብስሄር ኣርቲስት እያሱ በርሀ “ልዕሊ ኹሉ ዘሐጉሰኒ ንሱ እዩ እቲ ምግዳለይ፤ በይዛ ሓፋሽ በይዛ ዓለመይ ይከፈል እቲ ክቡር ደመይ” ዝበሎ ፍረ መስዋእቲ ቃልሲ 17 ዓመታት ደቂ ህወሓት/ኢህወደግ ዝፈጠሮ እዩ እሞ ፍረ ቃልስና ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ ንብል።
ፍልፍል፡ወይን ድህረ ገፅ