Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

“ኦፕሬሽን ኣኽሱም”

ንሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምዉፃእ ዘክኣለ ዕዉት ወፍሪ ኣብ ዝተኻየደሉ ፅባሕ እዩ፡፡ እቲ ኦፕሬሽን ሽረ ዝተኻፈለን ኣብ ደደቢት ዝፀንሐን ሓይሊ ኣብ በረኻ ዊዳኽ ተኣኻኺቡ ኣሎ፡፡

እዞም ዉሑዳት ተጋደልቲ ነቲ ዝጀመርዎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገጠር ንምቕፃልን ናብቲ ዝድለ ሽቶ ንምብፃሕ ዘኽእል ፅንዓትን ዕላማን እኳ እንተነበሮም እኹል ዕጥቅን ስንቅን ግና ኣይነበሮምን፡፡ ብርግፅ ካብ መጀመርትኡ እዚ ዝበሃል ዕጥቂ ኣይነበሮምን ፡ሸ እተን ዘለዋ እዉን እንተኾና እናተመናመና እየን ከይደን ሓንፈሽቲ ነተን ዝነበራ ዕጥቂ እናሓዝወን ስለዝጠፍኡ ፀገም ዕጥቂ ነይሩ፡፡ ስንቂ እዉን እንተኾነ ኣይነበሮምን፡፡ እናተለቅሑ ዝዕንገልሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ እተን ዝነበረኦም ዉሑዳት ብረት ከምዝብርክታ ግና ሙሉእ እምነት ነይርዎም ነዚ እምነት እዚ ናብ ተግባረ ንምልዋጥ ድማ ካብ ወርሒ ግንቦት 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ኣድላዪ መፅናዕቲ እናተገበረ እዩ ፀኒሑ፡፡

እቲ ክካየድ ዝተሓሰበ ወፍሪ ክልተ ዕላማታት ንምስኻዕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ሃለዋት ህወሓት ክፈልጥን ብኡ ኣቢልካ ድማ ካብ ህዝቢ ክርከብ ዝኽእል ደገፍ ምርካብን ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ እንትኾን፣ ነቲ ዝነበረ ሕፅረት ስንቂ ምቅላልን መሳለጢ ቃልሲ ዝኸዉን ዕጥቂ ምርካብ እዉን ካልኣይ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ ነይሩ፡፡ ብመሰረት እዚ እዉን እቲ ወፍሪ ኣብ ባንክታት ኣክሱም፣ ሽረ፣ ዓድዋ ዘነፃፀረ ክኸዉን ምርድዳእ ተገቢረሉ፡፡

ብመሰረት እዚ አዉን ሙሴ፣ ንርአ፣ናፅናት፣ ኣሕፎሮም፣ሰበሮም፣ቀለበት፣ቆቋሕ፣ኣባይ ፀሃየ፣ኣስገደ፣ኣዉዓሎም፣ሃይሉ፣በሪሁ፣ግደይ ዝርከቡላ ሓይሊ ናብዚ ወፍሪ እዚ ተዳለወት ፍርቃ መፅናዕቲ እተካይድ፣ፍርቃ መጥቅዒት ኮይና እትኣቱ ኮይና እዉንኣብ ክልተ ተመቐለት፡፡ ነዚ መሰረት ብምግባር እዉን ሙሴ፣ኣባይ ፀሃየ፣ኣዉዓሎም፣ኣልኣሚን፣ በሪሁ፣ ሃየሉን ናፅነትን ኣቐዲሞም ንከፅንዑ ካብ ዊዳኽ ተበጊሶም ናብተን ከተማታት ኣተዉ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ እቲ ወፍሪ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ክኸዉን ተመረፀ፡፡

ብካሊእ ገፅ ድማ ሃፍቶም፣ሰበሮም፣ቀለበት፣ ኣሕፎሮም፣ ንርአ፣ ቆቋሕ፣ ኣስገደን ገደይ ዘርኣፅዮንን ዝርከቡላ ጉጅለ ንመጥቃዕቲ ካብ ዊዳኽ ተበጊሳ ናብ ኣኽሱም ኣምረሐት፡፡ ኣባላት እዛ ጉጅለ ካብ ዊዳኽ እንትብገሱ ነተን ዝነበራ ዕጥቂ ስለዝዓጠቁወን ነቲ ኣብ በረኻ ዝተረፈ ሓይሊ ዕጥቂ ኣይገደፍሉን፡፡ ስንቆም እዉን ካብ ገባር ብልቓሕ ዝረኸብወን ሽዱሽተ ኪሎ ዕፉን እየን ነይረን፡፡ ሓንቲ ክላሽን፣ ሓንቲ ሲሞኖቭ ፣ ሓንቲ ማስ፣ ሓንቲ ኡዚ፣ ሓንቲ ግንፅል፣ ሓንቲ ካርባይን፣ 3 ሽጓጉጥ/እተን ክልተ ዘይሰርሓ/፣ ከምኡ እዉን ሓደ ገዞሞ ዓጢቆም ገ/ዩሃንስ ካሕሳይ ዝተብሃለ መንእሰይ ገባር/ደሓር ዝተጋደለ /መንገዲ እናመርሖም፣ ሙሉእ ለይቲ ትጉዕዝ ሓዲሮም ዓዲ ኣቃይም ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምስ በፅሑ ወጉሑዎም፡ዓዲ ብዐራይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣድላዪ ዘበለ ምምስሳል እናገበሩ ክሳብ ስዓት 10፡00 ናይ ኣጋግዘ ፀንሑ፡፡ እቲ ዝገበርዎ ምምስሳል ዘመቲ “እድገት በህብረት” ንምምሳል ስለዝነበረ “መሄድ ነዉ ዘመቻ መሄድ ነዉ ገጠር”ዝብል መዝሙር እናዘመሩ ካብ ዓዲ ብዕራይ ነቒሎም ናብ ዉቅሮ ማራይ ኣተዉ ካብኡ ድማ ፀልማት ጉልባብ ገይሮም ናብ ኣንፈት ከተማ ኣኽሱም ጉዕዞ ጀመሩ፡፡ ኣብ ከባቢ ዱራ ምሰ ዝፀንሖም ሓደ ኣባል ናይታ ኣቐዲማ ዝኣተወት መፅንዒት ጉጅለ ተተሓሒዞም ናብ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ኣተዉ፡፡

መፅንዒት ጉጅለ ኩሉ ስርሓ ወጋጊና ናይታ ካብ በረኻ እትኣትዉ ጉጅለ ምምፃእ እያ እትፅበ ፀኒሓ፡፡ እቲ ኦፕሬሽን እታ ካብ በረኻ ዝተበገሰት ጉጅለ ዕለት 26 ነሓሰ 1967 ናብ ከተማ ኣኽሱም ምስኣተወት ንፅባሒቱ ኣጋግዘ ከካየድ እዩ ተሓሲቡ ነይሩእንተኾነ ግና ከምቲ ዝተሓሰበ ከይኮነ ተሪፉ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ኦፕሬሽን ክካየድ ዝተሓሰበ ዕለት 27ነሓሰ 1967ዓ/ም ቀትሪ ካብ ባንኪ ኣኽሱም ሓደ ሚሊዮን ቅርሺ ወፂኡ ዉዒሉ፡፡ በዚ ምክንያት እዚ እቲ ኦፕሬሽን ክናዋሕ ተገበረ፡፡

ዕለት 28 ነሓሰ መፅንዒት ጉጅለ ኣድላዪዘበለ መረዳእታ ኣብ ምትእኽኻብ ዉዒላ፡፡ ኣብቲ ዕለት ናብ ባንኪ መጠን ዝኣተወ ገንዘብ ሓበሬታ ምስረኸበት እቲ ወፍሪ ንፅባሒቱ ኣብ ዝነበረ ዕለት ስዓት 10፡00 ክካየድ ተወሰነ

ካብ ኣባላት እታ መጥቅዒት ጉጅለ ገሊኦም መሓመድ ሓኽፈንን ፋኑስን ዝተብሃሉ ኣባላት ስርዒት ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ እዮም ኣዕቑቦም ዉዒሎም፡፡ ገሊኦም ድማ ካብታ ከተማ ኣስታት ሓደ ኪ/ሜትሮን ፈረቓን ዉፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ /ማይ ኮሖ/ ክዉዕሉ እዩ ተገይሩ፡፡እቲ ዝሓዝዎ ብረት ኣብ እግሪ ዒቃሹጉጦም ስራሕ ፃህያይ ዝደልዩ ሸቃሎ መሲሎም እዮም ይረኣዩ ነይሮም፡፡ ስዓት 10፡00 ክኸዉን ቁርብብ ደቓይቕ ምስተረፎ ኩሎም በብወገኖም ነናብ ዝተመደብሉ ቦታ ምንቅስቓስ ጀሚሩ፡፡

እቲ ዝርከብ ገንዘብ ዕጥቅን ካብ ከተማ ሒዝካ ንምዉፃእ መኪና ኣድላዪ ስለዝነበረ ንርአን ብርሃነ መስቀልን መኪና ናይ ምጭዋይ ዕማም ሒዞም እዮም ተዋፊሮም፡፡ ኣስገደ ጥርዓን ዘለዎ መሲሉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ ተመደበ፡፡ ግደይ ነታ ዝሓዛ ኡዚ ብድርዕቶ ሸፊኑ ለማኒ መሲሉ ኣብ ደገ ኣፍ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሕ ፣ ኣልኣሚን እዉን ብወገኑ ተመሳሲሉ ኣብ ከባቢ ባንኪ ክፀንሕ፣ ሃይሉ ሽኮር ይዕደሉ ምስዝነበሩ ተመሳሲሉ ክፀንሕ፣ሰበሮም ሓዉሲ ወዲኒ ኮይኑ ንየን ነዘን እናበለ ኣብቲ ከባቢ ከማሲ፣ኣባይን ናፅነትን ገዞሞን ሓንቲ ሽጉጥን ሒዞም ኣብ ከባቢ ቴሌኮሚኒኬሽን ክፀንሑ ተገበረእቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ከባቢ ማይ ኩሖ ፀኒሖም ንርአ ወይ ብርሃነ መስቀል መኪና ምስረኸቡ ምስታ መኪና ናብቲ ከባ ክበፅሑ እዩ ተገይሮም፡፡

ብርሃነ መስቀል እታ ዝኸዳ መኪና ተበላሽያ እያ ፀኒሓቶ፡፡ እቲ ዝተረፈ መኪና ዕድል ምርካብ ናይ ንርአ ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ንርአ ካብ ጣብያ ጥዕና ኣኽሱም መኪና ከምፅእ እዩ ወፊሩ ነይሩ፡፡ ንርአ ከተማጨመታይ ዘምስሎ ምምስሳል ገይሩ ነቲ ሓላፊ ናይቲ ጣብያ ጥዕና ዝነበረ ዶ/ር ረኸቦ፡፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንዕረፍቲ ናብ ኣኽሱም ከምዝመፀን ከም ኣጋጣሚ ግና ኣብ ከባቢ ሓፀቦ /ካብቲ ከተማ ዉፅእ ኢላ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓፍቱ ብሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ትሳቐይ ምህላዋ ድሕሪ ምንጋር መኪና ክህቦም ናብ ሕክምና ከምፅኣ ሓተቶ፡፡ እቲ ዶ/ር መኪና ኣይህብን በሎ፡፡ ብዙሕ ለሚንዎ፡፡ ፈፂሙ ከምዘይህቦ ኣቕበፆ፡፡ ንርአ እናለመነ እቲ ዶ/ር እምቢ እናበለ ቁርብ ደቓይቕ ጠፍአ፡፡ ነዚ ኩነታት ርሕቕ ኢሉ ዝከታተል ዝነበረ ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ዝሰርሕ ሓደ ሓኪም ሕዉስ በሎም፡፡ እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህይወት ምዃኑ፣ ሕክምናዊ ስነ-ምግባር እዉን ነዚ ንምፍፃም ዘገድድ ምዃኑ ብምብራህ እቲ ደ/ር ንንርአ መኪና ንክፈቕደሉ ገበረ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ብዛዕባ እቲ ወፍሪ ዝፈልጥ ሰብ እንትኾን፣ ኣብቲ እዋን ኣባል ስርዒት ህወሓት ዝነበረን ኣብ 19 ዓ/ም ዝተጋደለን ተጋደላይ ኣባዲ መስፍን እዩ፡፡

ንርአ ላንድሮቨር ዝዓይነታ መኪና ምስ መራሒኣ ምስተፈቐደሉ ሒዝዋ ናብቶም ምምፃእ ናይታ መኪና ዝፅበዪ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተሓወሰ፡፡

እቶም ነታ መኪና ዝፅበዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብወገኖም ዘድሊ ምምስሳል ወታደራት እዩ ኣምሲልዎም፡፡ እታ መኪና ምስመፀት ኣብ ልዕሊኣ ተሰቒሎም ናብ ቤት ማእሰሪ ኣኽሱም ኣቕንዑ፡፡ እዚ ዝኸዉን ዘሎ ስዓት 10፡00 ኣጋግዘ እዩ፡፡

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ 20 ዝኾኑ ፖሊስ ኣብ ሓለዋ ነይሮም፡፡ እታ ተጋደልቲ ዝፀዓነት መኪና እናተሓምበበት መፂኣ ኣብ ደገ ኣፍ እንዳ ፖሊስ እንትትበፅሕ ምንም ዝጠርጠርዎ ነገር ሰለዘይነበረ በብዘለዉዎ ኮይኖም ወታደራዊ ሰላምታ ሂቡ፡፡ ኣብቲ ቅፅበት እቶም ተጋደልቲ ካብታ ላንድሮቨር ዘዘሊሎም እናወረዱ ተኹሲ ጀመሩ፡፡ ኣቐዲሙ ተኹሲ ዝጀመረ ሙሴ እዩ፡፡ እታ ዝሓዛ ክላሽን ጠያይት ክትተፍእ ምስጀመረት እቶም ፖሊሳት ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ሰኣኑ፡፡ ሓደ ዋርድያን ኣዛዚ ፖሊስ ጣብያ ዝነበረ ሻለቃን ተቐተሉ፡፡ ሓደ ሓላ ዓሰርተ ተወጊኡ፡፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዉሽጢ ደቓይቕ ተማረኹ፡፡

እቶም ዝተማረኹ ፖሊሳት ኣብ ሓደ ገዛ ተዳጎኖም ንድሕሪት ክዕፀዉ ተገበረ ፡፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተረኸበ 70 ዝኸዉን ብረትን ካልእ ንብረትን ናብታ መኪና ክፀዓን ጀመረ፡፡ እዚ እንትኸዉን ድምፂ ተኹሲ ሰሚዖም ንሓገዝ ዝመፁ ዕጡቓት ንከየርክቡ ቀለበት ሲሞኖቭ ብረቱ ሒዙ ኣብ ምክልኻል እዩ ዘሎ፡፡ ኣሕፈሮም እዉን ማስ ምስ 20 ጥይታ ሒዙ እናተኸላኸለ እዩ፡፡

እቶም ኣብ ከባቢ ቴሌኮሚኒኬሽን ባንኪን ዝተመደቡ ተጋደልቲ ብወገን ፖሊስ ጣብያ ድምፂ ተኹሲ ምስ ሰምዑ ስርሖም ጀሚሮም እዮም፡፡ ኣባይን ናፅነትን እዉን ኣብ ቴሌኮሚኒኬሽን ዉራዮም እናፈፀሙ እዮም፡ በቲ ዝሓዝዎ ገዞሞ ነቲ መራኸቢ ገመድ እናበተኹ እቶም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰበስልጣን ደርግ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቶም ከይራኸቢ ናይ ምግባር ተግባር ፈፀሙ፡፡

እቶም ኣብ ባንኪ ዝተመደቡ እዉን ተግባሮም እናሳለጡ እዮም፡፡ ቁልፊ ናይ ካዝና ተቐቢሎም እቲ ዝነበረ ኣቕራሽ ናብ ከረጢት መሊኦም ምምፃእ ነታ መኪና ክፅበዩ ጀመሩ፡፡

እቲ ወፍሪ ኣብ  ደቒቓ ምሉእ ብሙሉእ ተዛዘመ፡፡ እቲ ወፍሪ እንትዛዘም ግን ካልእ ዘይተሓሰበ ፀገም ኣጋጠመ፡፡ እታ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተሃጀመ ብረት ዝፀዓነት መኪና ምንቅስቃስ ኣበየት፡፡ መራሒ ናይታ መኪና ኮይኑ ዘሎ ብርሃነ መስቀል እዩ፡፡ ፀገም ናይታ መኪና ፈሊ ፍታሕ ክናድዩ ጀመሩ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ እታ መኪና ክትለዓል ዘይከኣለትሉ ምኽንያት ምድካም ባተሪ ምኻኑ ተረዲኡ፡፡

ድሕሪ እዚ ድማ ደፊእኻ ክትለዐል ከምትእክእል ገመቱ፡፡ እዚ እዉን ባዕሉ ዝኸኣለ ፀገም እዩ ነይሩ ንሳቶም እንተደፍኡ ካሊእ ዘጥቅዕ ሓይሊ እንተመፀ ኸ መን እዩ ክከላኸሎ? ዝብል ሕቶ ኣልዐለ፡፡ ነዚ እዉን ሓደ ፍታሕ ኣቐመጥሉ፡፡ ካብቶም ተማሪኾም ንድሕሪት ዝተዓፀዉ ፖሊስ ዝተወሰኑ ወፂኦም ክደፈኡ ተገበረ፡፡ ምሩኻት ኣብ ምድፋእ መኪና ሓጊዞም እታ መኪና ምስተልዓለት ናበታ ዝነበርዋ ክፍሊ ተመሊሶም ክዕፀዉ ምስተገበረ እታ መኪና ናብ ባንኪ ኣምረሐት፡፡ እቲ ኣብ ከረጢት ተቛፂሩ ዝፀንሐ ቅርሺ ተፅዓነ፡፡ እተም ኣብቲ ኦፕሬሽን ዝተኻፈሉ ተጋደልቲ ተኣካኺቦም ንከተማ ኣኽሱም ንድሕሪት ገዲፎም ወፁ፡፡ በታ መኪና ዝተወሰነ ርሕቐት ምሰተጉዓዙ ነታ መኪና ኣብ በረኻ ገዲፎም ናብ መደባይ ወለል ገፅ ኣምርሒ፡፡ ኣብ መደባየ ወለል ሓዲሮም ንቖላ ሚሓ ወረዱ፡፡ ንብረትን ቅርሺን “ደሳለኝ” ኣብ ዝተብሃለ ብቕልን ክልተ ኣእዱግን ፅዒኖም ብሃሌሉያ ኣቢሎም ናብ መዋፈሪኦም ኣተዉ፡፡

እቲ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን መኽሰብ ንምርካብ ዓሊሙ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ኣኽሱም ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ በቲ ኦፕሬሽን ተብዓት፣ ብልሓትን ፅንዓት ተጋደልቲ ህወሓት ከመ እንደገና ኣብ መላእ ትግራይ ኣጋዊሑ ነዚ ዘጋጥም ዝነበረ ፀገም ስንቂ ዘቃልል ቅርሺ ተረኺቡ፡፡ ዕጥቂ ዘይነበሮ ተጋደላይ ኩሉ በዓል ዕጥቂ ኮይኑ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ዓቕሚ ረኺቡ፡፡

ፍልፍል፡- ካብ ወይን መፅሄት መበል 30 ዓመት ህወሓት ለካቲት 1997ዓ/ም ካብ ዝተዳለወ ዝተወሰደ