Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ኢትዮጵያ ሰፋሕቲ ፓርክታት ትሃንፅ ኣላ….


መቐለ ለካቲት 14/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ተፍርዮም ምህርታት ክብሪ ንምውሳኽ ዘኽእሉዋ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ብስፍሓት ትሃንፅ ከምዘላ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ባዕኸር ንዝህነፅ ዝተዋደደ ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ እምነ ሰረት ኣብ ዘቐመጥሉ እዋን ከምዝበሉዎ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ካብ ተፍርዮምን ናብ ወፃኢ ትልእኾምን ምህርታት ተጠቃሚት ከይኾነት ፀኒሓ’ያ።

ድሕሪ ሕዚ ትሃንፆም ኣብዘላ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ክብሪ ብምውሳኽ ሓረስቶት ኾኑ ልኣኽቲ ተጠቀምቲ ክኾኑ ሰፊሕ ዕድል ከምዝህሉ ብምግላፅ ፓርክ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ብኣውርኡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈሪ ምህርቲ ሰሊጥ ክብሪ ብምውሳኽ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምልኣኽ ዝሓሸ እቶት ንምርካብ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብዝሰገረ ኢሎም ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንነበርቲ እቲ ኸባቢ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ተጠቃምነት ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ንምዕባይ ዝለዓለ ግደ ክህልዎ’ዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዳስትሪ ዶክተር መብራህቱ መለስ ብወገኖም ኣብዚ ፓርክ ኢንዳስትሪ 120 ማእኸለዎት ፋብሪካታት ከምዝህነፁን ንልዕሊ 700ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን ሓቢሮም።

ፓርክ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ባዕኸር ስራሕ እንትጅምር ኣብ ዓመት 700ሽሕ ቶን ምህርቲ ብምውህሃድ 18ቢሊዮን ቅርሺ እቶት ክርከቦ ትፅቢት ይግበር።