Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ብዓል 11 ለካቲት 520 ስድራ ሰማእታትን ናይ ኢትዮ ሱዳን ወሰን ልምዓት ተሳተፍቲ አብዝተረኸብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ ዘስላሰ ግደይ (መቐለ)

ብዓል 11 ለካቲት 520 ስድራ ሰማእታትን ናይ ኢትዮ ሱዳን ወሰን ልምዓት ተሳተፍቲ አብዝተረኸብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ
ዘስላሰ ግደይ (መቐለ)
ብዓል 11 ለካቲት መበል 42 ዓመት ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከሉ 520 ስድራሰማእታት አብ ዝተረኸብሉ አብ ከተማ መቐለ ማእኸል ሓውልቲ ሰማእታት ብዝልዓለ ፅንብል ተኸቢሩ፡፡ እዞም ስድራ ሰማእታት ደጋጊሞም አብቲ ፅንብል ከምዝገለፅዎ አዕፅምቲ ደቆም ከም መስፍን ኢንዳስትሪል ኢንጂነሪንግ፣ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ፣ ማእኸል ኢንጅን ፋክትሪ፣ አሸጎዳ ናይ ንፋስ ሓይሊ መመንጨውን አብ ህንፀት ዘሎ መንገዲ ባቡርን ብምፍራዩ ደቆም ብሂወት ከምዘለው ከምዝቖፅሩ ገሊፆም፡፡
ካብቶም ስድራ ሰማእታት አብ ልምዓት ሳቲፎም ውፅኢታዊ ዝኾኑን ዳግም ናይ ልምዓት ሃርበኝነት ዘረጋገፁን ድማ ዝተፈላለየ ናይ መተባብዒ ሽልማት ተበርኪትሎም፡፡ ትእምት ክሳብ ሕዚ ንስድራ ሰማእታት ትገብሮ ዝነበረ ደገፍ ናብ ኩለ መዳያውነት ክብ ብምባል ብትኹረት ከምትሰርሕ አረጋጊፃ አላ፡፡ እቲ አብ ሓውልቲ ሰማእታት ዕንባባ ጉንጉን ብምንባር ዝተጀመረ ብዓል ናይ ሱዳን አርባዕቲአን ተዳወብቲ ክልላት ተወከልትን አምባሳደር ሱዳን አብ ኢትዮጰያ ከምኡውን ናይ ቤንሻንጉል ጉምዝ ክልል ፕሬዝደንትን ናይ አምሓራ ክልል ተወከልትን ነቲ ብዓል ፉሉይ ድምቀት ሂበምዎ፡፡ ናይ ሰማእታት ምስሊ ዝሓዘ ናይ ሓደራ ሽልማት ብምውሳድ ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም እዮም፡፡
አብዚ ብዓል ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ንስድራ ሰማእታት፣ ሓርበኛታት ጉድአት ኩናት፣ ተጋደልትን አባላት ህወሓት ከምእውን ብፉሉይ ነቲ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይን ወለዶ፣ ንምሓዙት ውድባት፣ አጋራትን ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጰያ፣ ንናይ ወፃኢ ምሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ አይተ አባይ ወልዱ ዘሕለፍዎ ሙሉእ መልእኽቲ ድማ እንሆ፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ፣
ዝኸበርኩም ሓበን ህዝቢ ትግራይ ዝኸንኩም ስድራ ሰማእታትና፣ ናይ ኪናት ሃርበኛታትን ተጋደልትን ፣
ዝኸበርኩም ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፣
ዝኸበርኩም ኣሓትን አጋር ውድባትን ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮÔያ፣
ዝኸበርኩም ተወከልቲ መንግስትን ህዝብን ሱዳንን ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ኩሉኩም ናይ ቓልሲ መሓዙትናን ፣
ከምቲ ጥይት ብቕድሜኹም እምበር ብድሕረኹም ከይወቐእኩም ኢልክን/ኩም ንመስዋእቲ ዝሰነኽምዎም እነሆ ቅያ ጅግንነት ዝስርሑለን/ዝሰርሓላን 11 ለካቲት ፍሪያት ሰላም ፣ዴሞክራሲን ልምዓትን እናገወደ ክፋእ ዝምነዮ ፀላእትና እናሰዓርና እንሆ ንመበል 42 ዓመት መዓልቲ ልደት ቓልስና በፂሕና ኣለና እንካዕ ኣብፅሐና፡፡እንካዕ ብሰለም ኣራኸበና፡፡

ፅንብል መበል 42ዓመት ልደት ህወሓት ምስ ስድራ ሰማእታት ናይ ሱዳን ሉኡኻት፣ ቤንሻንጉል ጉምዝ ፕሬዝደንትን ተወካሊ ክልል አምሓራን እንትኽበር


ስድራ ሰማእታት ንክልል ትግራይ ፕሬዝደንት አይተ አባይ ወልዱ እትንቕበሉ ካብ ዝተወሰደ¬ ምስ አዶ አግአዚ

የካቲት 11 ወርቃዊት ዕለት ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነትስ ወርቃዊት ዕለት ሓቢሮምና ዝተቓለሱ ኣሓት ውድባትን ህዝብታትን ኣብ ኩሉ ሸነኽ ዓለም ዝነበሩን ዘለውን ውፅዓት ህዝብታት ዓለም እውን እያ፡፡ ቅድም ቐዳድም ነታ ኣዝያ ካብ ዝማዕበለ ስልጣነ ናብ ምንቁልቃል ኢሉ እውን ሙሉእ ልመናን ተመፅዋትነትን ጢሒላ ዝነበረት ሃገር መሰረታዊ ፀገማትን መበገሲታቶምን ብምፍላይ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ብዝምራሕ ዕጥቃዊ ቓልሲ ናይ ሰላም ፣ዴሞክራሲን ልምዓትን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ዝፍትሐሉ ስትራቴጅያዊ ኣንፈታትን ፕሮግራም ዝሓዘ ሓቀኛ መሪሕ ውድብ ዝፈጠረት ለካቲት 11 እያ፡፡
እዛ ዕለት ንህዝቢ ትግራይ ፍሉይቲ ትኾነሉ ምኽንያት ድማ ነቲ ሽፁ ኣብ እንግድዕዑ ተፃዒኖም ኣደዳ ድኽነትን ድሕረትን ካብ ዝገበርዎ ገዛእቲ ደርብታት ንምንጋፍ ኣለናልካ ዝብልዎ ውድባት ቑፅሮም ቀሊል ዋላ ተዘይነበረ ንረብሕኡ ዝውክል ፅፁይ መስመር ዘለዎ ውድብ ንምምራፅ ግን ብዙሕ ዘይተፀገመ ምኻኑ እዩ ፡፡ካብ ኢድዩ ጠረናፊት ክሳብ ኢህኣፓን ግጋሓት መማረፂ ኢና ኢሎም ቀሪቦም ነይሮም እዮም ፡፡ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ነቲ ትኽክለኛ ሽግ ሓርነት ዝወለዓ መሪሕ ውድቡ ህወሓት ጥራይ ምኻኑ ካብ ብጊሓቱ ፈልዩ ፈሊጡ እቶም ካልኦት ዕንቅፋት እዚ ቓልሲ ኮይኾኑ ንቐደም ብናይ ሓሳብ ቓልሲ ሚዒድዎም እካ እንተነበረ ምኻን ምስ ኣበዩ ምስ ኩሎም ፅዕፁዕ ግጥም አካይዱ መስዋእቲ ከፊሉን ምስ መሪሕ ውድቡ ብዓወት ተፀንቢሉ ምውፅኡ ካብ ህሊናና ዘይፍለ መስተንክራዊ ስርሒት ደቅኹም፣ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ኮታስ ናይ መላእ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ ኾይኑ ኣብ ታሪክ ክታሙ ኣዕሪፉ ኣሎ፡፡እዚ ሑሉፍ ኩነታት ነዚ ወለዶ ክዘክሮ ምግባር መማረፂ የብሉን፡፡
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወሰንቲን ፈተንትን ምዕራፋት ብዓወት ምዝዛም መለለይኡ ዝኾነ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዕጥቒ ቓልሲ ልዕሊ 60 ሽሕ መናእሰይ ገቢሩ ኣሽሓት ኣካል ጉድኣት ኾይኖም ነቶም ዘይድፈሩ ዝመስሉ ዝነበሩ ፋሽሽታውያን ፣ትምክሕተኛታትን ፀበብትን ብብረታዊ ተጋድልኡ አምበረኪኽዎም ፡፡ ንብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ዝመርሑ ኣሓት ውድባት እናሓቐፉ ሃገራዊ ጭዋድኡ ዝተርንዓ ቓልስና ብድሕረትን ድኽነትን ፣ብማእሰርቲ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኣብ ዓለም ትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ራህዋ ሰላምን ዴሞክራስን ክትረክብ ዘኽኣለ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ ፡፡
አብቲ መሪር ናይ ዕጥቂ ቃልሲ እዋን አብዚ መድረኽ ምሳና ዘለው ላዕለዎት አመራርሓ መንግስትን ተወከልቲ ህዝብን ሱዳንን ፅኑዕ መሓዛና ነይሮም፡፡ ብፍላይ ስርዓት ደርጊ ንህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን አብ መንቀራቕር ምጥፋእ ህላውኡ ንምእታው ነቲ ናይ 1977 ድርቂ ምችው ኣጋጣሚ ረኺብና ኢሎም «ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንፃፍ ብዝብል´ ፋሽሽታዊ ጭርሖ ኣብ ልዕሊ ጥምየቱ ብደብዳብ ነፈርትን ኣጋር ሰራዊቶምን ከስኩንዎ ላሕ እንትብሉ ብሕታዊ መፅለሊ ጉሬቤትና መንግስትን ህዝብን ሱዳን ነይሮም ፡፡ ከምዝይ ዓይነት ወሳኒ ናይ ታሪኽ አጋጣሚ እናዘከርና ምሕዝነትና ናብ ዝልዓለ ብርኪ ክነሰጋግሮ ጉቡእ እዮም ብሽም ህዝቢ ትግራይ ሕዝውን ኣብዚ ንዝተረኸቡ ተወከልቲ መንግስትን ህዝብን ሱዳን ክነመስግኖም ብኽብሪ ይፅውዕ ፡፡
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ኩሉ ዓይነት ድሕረታትን ፋሽሽታዊ ተግባርን ክፍፅሙ ዝፀንሑ ናይ ዝሓለፉ ስርዓታት ተረፍ መረፍ ትምክሕተኛታት ፀበብትን ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ‘ውን ድቃስ ስኢኖም ካብታ ሒዝናያ ዘለና መንገዲ ህዳሴ እንተኺኢሎም ካብ መንገድና ከውፅኡና እንተዘይኪኢሎም ድማ ከዕንቅፉና ላዕልን ታሕትን ኢሎም እዮም። እቲ ዋና ዕላምኦም ድማ ካብቲ ብዴሞክራሲያ ሓድነት ዝጠመረና ፌደራላዊ ስርዓትን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንህዝቢ ትግራይ ነፂልካ ምውቃዕ እዩ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር ንሕና አብ 15 ዓመታት ጉኡዞ ህዳሰና መሰረት ብምግባር መላእ አመራርሓ፣ አባልናን ህዝብናን ብዕምቀት ናብ ምህዳስ ብምእታው ዝተዋደደ ናይ አርአእያን ተግባርን ሓድነትና አጠናኺርና ምውፅእ ብምጅማርና ፀላእትና ክፍተት ከይረኽቡ ንዝገበረ ልባም ህዝቢ ብዝልዓለ ብርኪ ክነመስግኖ ይግባእ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ሕዝውን እዚ ምንቅስቓስ ናብ ዝተማልአን መትከላዊ ጠንካራ ሓድነትን ኢኮኖሚያዊ ዓቕምና ምምዕባልን ንፃትውን ናብዘየማትእ ብርኪ ክነሰጋግሮ ይግባእ፡፡ እዝይ እንትንገብር ጥራይ እዩ እቶም ትማሊ ብሓያል ቓልስኻ ዝስዓርካዮም ፀላእቲ ምስ ግዳም ሓይልታት ትአሳሲሮም ክፈጥርዎ ዝፍትኑ ኩሉ ዓይነት ናይ ጥፋአት መንገዲ ብአግኡ ጠጠው ከብሉ ዝኽእሉ፡፡
ዝኸበርኩም መናእሰይ ትግራይ
አብዚ ብዕምቀት ናይ ምህዳስ ጉዕዞና ናይ አተሓሳስባ ለውጢ ዘድልዮም ካብ ዝነበሩ ጉዳያት ውሽጢ መስመር ተሃድሶና ዘነፀሮም ኣንፈታት ልምዓት ብፅንዓት ነኺስና፣ ኩሎም ሃፍተ ገነትናን ፀጋታትናን ተጠቒምናን ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብን ናይቲ እንሃነፆ ዘለና ስርዓት ተረከብቲ ዝኾንኩም መንእስይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ዝምልከት እዩ፡፡ አብዚ መዳይ ሕድሪ አያታትኩም ክትወርሱ ካብ ምግባር ጀሚሩ ንተሳትፎኹምን ተጠቃምነትኹምን ዕንቅፋት ዝነበሩ ፀገማት ብሙሉኦም ተነቒሶም ክወፅኡ ተገይሩ እዩ፡፡ ብናይ ባዕልኹኹም ተሳትፎ ዝተነፀሩን ብዝተወደበ ምንቅስቓስኹም ንዝልዓለ ተረባሕነት ክትበቕዑ ንምግባር ዘኽእል ናይ ህንፀት፣ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ፓኬጅ ተመሓይሹ እዩ፡፡
ከምቲ አብ በቢደረጅኡ ዝተኻየደ ናይ መናእሰይ ኮንፈረንስ ዝገለፅክምዎ ንመናእሰይ አብ እዋናዊ ጉዳይ ግልፅነት ዝፈጥሩ መድረኻት ብተኸታታሊ ምፍጣር፣ እቲ ዝተመሓየሸ ፓኬጅ መሰረት ገይሩ ዝወፅኡ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ አቕርቦት ልቓሕን መስርሕን መሸጥን ቦታ ንምጥቃም ዘኽእል ስልጠናታት ቐልጢፉ ናብ ተግባር ክእቶ አብ እንስጋገረሉ እዋን ንርከብ፡፡ ስለዝኾነ ናይቶም ልስን ፅንዓትን አብነት ዝኾኑ ሰማእታት አያታትኩም ሕድሪ በቢዝተዋፈርኩሙሉን ትዋፈሩሉን ዓውደ ስራሕ ሓርበኛታት ኾንኩም ክትወፅኡ ድማ ብሽም እታ ወርቃዊት ዕለት 11 ለካቲት ሓደራ ይብል፡፡
ዝኸበርኩም ሓበን ህዝቢ ትግራይ ዝኸንኩም ስድራ ሰማእታትና፣ ናይ ኪናት ሃርበኛታትን ተጋደልትን ፣ አባላት ውድብን
ኣብ ዕጥቂ ቓልሲ ተጋዳላይን ኣበልናን ፅቡቕ ዓወት ካብ ዘመዝግቡ ዝምሃር ፣ነዚ ዓወት አብ ምምፃእ ፍሉይ ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ዘኽብርን ኣስሮም ዝስዕብን እዩ ነይሩ፡፡ነዚ ውን እዩ ኩሉሻዕ ሰማእታትና እንትንዝክር ክብርን ሞጎስን ነቶም ዝኾነ ጉርዲ ዘይለግቦም ሰማእታትና እናብልና ብቐፃልነት ፅንዓቶም ፣ዝረኸብዎ ዓወታትን ህዝባዊ ክብሩ ሓልዩ ክቕፅል ንገብሮ ዘለና፡፡ ሕዝውን ሳላ ሰማእታትና በቢእዋኑ እናተጠናኸሩ ዝኾዱ ዘለው መሰረት ዘላቒ ሰላም ፣ልምዓትን ዴሞክራሲን እናተኸለዓ ክቅፅል መልኢና ካብ ድኽነት ክንናጋፍ እዩሞ ዓወታትና ክዕቀቡን ድኽመታት ብዘይንሕስያ ክእረሙን ምስ መላእ ህዝብና ብምኻን ንዘገብርክምዎ ምንቅስቓስ ውፅኢቱ ምርአይ ጀሚርኩም አለኹም’ሞ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብል ይፈቱ፡፡
ሓበን ቃልስና ዝኾንኩም ስድራ ሰማእታትና ብዘለኩም ዓቕሚ ተጠቒምኩም አብቲ ልምዓት ብዝገበርክምዎ ተሳትፎ ከም ህዝብኹም ናይቲ ልምዓት ተቓደስቲ ኢኹም፡፡ አብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ንሽልማት ዝተመረፅክንን ዝተመረፅኩምን ካብቶም ብዙሓት ናይ ልምዓት ሃርበኛታት ብመርአያነት ዝተወሰድኩም ምኻኑ ነዚ ዘረጋግፅ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ብዝተፈላለየ ምኽንያትን ዕድመ ምድፋእን ናይ ቀረባ ክትትልን ደገፍን ዝደልዩ ስድራ ስውአት ከምዘለው ብምግንዛብ ብዋናነት ትእምትን መንግስቲ ድማ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ድጋፍ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም፡፡ እዚ ፃዕሪ እዝይ ብኹለ መዳይ ጠመተ ስድራ ስውአት፣ ሓርበኛታት ጉድአት ኪናትን ተጋደልትን ዝጎድሉ ነገራት ከምዘለው ብምርዳእ ከምዚኦም ዝበሉ መድረኻት እናፈጠርና አብ ዘጋጥሙኹም ፀገማትን መፍትሕታቶምን ብቐፃልነት እናተረዳዳእና ከምንፈትሖም ደጊመ ከረጋግፀልኩም ይፈቱ፡፡
ዝኸበርኩም መቓልስትና አሓት ውድባት አጋራትን ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጰያ
ንፌደራላዊ ስርዓትና ዘይዋሓጠሎም ደንበ ትምክሕትን ፀቢብነትን ምስናይ ግዳም ፀላእትን ሓይልታት ፅንፍን ትአሳሲሮም ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ናይ ቃልኪዳን ሰነድና አብ ቅድሚት ዝፀርሖ ሰላምና ክዘርጉን ልዕልነት ሕጊ ዝብሃል ነገር ከይህሉን ዘይፍሓስዎ ውዲት አይነበረን፡፡ ካሊእ ተሪፉ ጊዜ ዝሓለፎ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምንቛር እንተኽአልና ኢሎምውን ዘርአዊ ምልዕዓል ንምግባር ፈቲኖም እዮ፡፡
ሃገርና ኢትዮዽያ ንኹሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ከምኡ እውን ሃይማኖታትን እምነታትን ዝነበሮም ዝፀንሐ ናይ ምእክእአል ክብሪ ናብ ኩሉ ህዝቢ ብማዕርነት፣ ብፍቕሪ ፣ ብምክብባርን ምትሕልላይን ዝነብረላ ብርኪ ተሰጋጊራ ሳላ ዝፀንሓት ፀላእትና ክድቲዝደልይዎ አይተሳኸዓሎምን፡፡ እዚ ዓወት ዓቂብና ብዘላቕነት ሰላምና እናረጋገፅና ጉዕዞ ህዳሰና ክቕፅል ከምወትሩ አብ ጎንኹም ከምዘለና ብሽም 11 ለካቲት ቃልና ከምነሀድስ ክነረጋግፀልኩም ንፈቱ።

ክብርን ሞገስን ነቶም ዝኾነ ጉርዲ ዘይለግቦም ሰማእታትና!