Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መንስኤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

ዘመነ መንግስቲ ኣኽሱም ኣብ’ቲ መዋእል ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ስልጣነታት ሓደ እዩ ነይሩ፡፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ስልጣነ ዝተሰርሑ ባህላዊን ኪነ-ጥበባዊን ስራሕቲ ዘኹርዑ ታሪኻትን ቅርስታትን ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናሰገሩ መፂኦም እዮም፡፡ ሕዚ’ውን ይቕፅሉ ኣለው፡፡

ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ኣኽሱም እቲ ምዕባለ ንቑልቁልእናወረደ ከይዱ ፣ ዳሓር’ውን ዘበነ መሳፍንቲ እዩ ተፈጢሩ ፡፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጎ መሳፍንቲ ብዝተፈጠረ ንሕንሕን ኲናትን ህዝቢ ትግራይ ብዘይምቁራፅ ህልቀትን ብርሰት ንብረትን በፂሕዎ እዩ፡፡ ዋላ’ኳ ህዝቢ ትግራይ ድከት እንተበፅሖ ሃገሩን ሃለዋቱን ንምርግጋፅ ፀረ-ባዕዳውያን ወረርቲ ከቢድ መስዋእትነት ከፊሉ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ሃፀይ ዮሃንስ (ስሙይ ራእሲ ኣሉላ’ውን ዝነበሩሉ) ትግራይ ዝሓየለት ግዝኣት እያ ነይራ፡፡

ድሕሪ ሞት ዮውሃንስ ግን ናይ ትግራይ ሓይሊ እናተዳኸመ መፂኡ፡፡ ትግራይ ኣብ ምድኻም ውዲት ጣልያንን ሚኒሊክን ዓቢዪ ተራ ነይርዎ፡፡ ብሽርክና ዝፍፅምዎ’ውን እዩ ነይሩ፡፡ ሚኒሊክን ጣልያንን ንመሳፍንቲ ተጋሩ ብዝተፈላለየ ጥቕምታት እናስድዑ ተጋሩ ሓድነት ስኢኖም ነንባዕሎም ክዋቕዑ ገይሮም እዮም፡፡ ሚኒሊክ ንህዝቢ ትግራይ ከፋፊልካ ፣ ኣደንቍርካን ኣድኪኻን ምግዛእ ዝብል ፖሊሲ ሓንፂፁ ነዚ ተግባራዊ ገይሩ፡፡ እዚ ኣብ እዋን ኲናት ስንቂ ዘይብሉ ሰራዊት ክዘምት ብምግባር /ዘበነ-ሸ/ ፣ ሰፍ ዘይብል ግብርታት ብምፅዓን ፣ ወራር እንትመፅእ ክሳብ ህዝቢ ትግራይ ዝዳኸም ስቕ ኢሉ ይፅበዮ’ሞ ህዝቢ ትግራይ ለሽ ምስበለ ሰራዊቱ ብምዝማት ይግለፅ ነይሩ፡፡

ሃፀይ ሃ/ስላሰ’ውን ከፋፊልካ ፣ ኣድኪኻን ኣደንቍርካን ምግዛእ ንዝብል ፖሊሲ ሚኒሊክ ብዘመናዊ ስልቲ እዩ ቀፂሉሉ፡፡ ትግራይ ሃይማኖት እዩ ዘድልዮ ብዝብል ሽጣራ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ቤተ-ክህነት ኣዛዊሩ መንቀሳቐሲ በጀት ስኢነን ክዕፀዋ ገይሩ፡፡ ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስወረረ ትግራይ እናተኳሸሐ እናሃለወ ራሕሪሕዎ ከይተዋግአ ሃዲሙ፡፡ ወራር ጣልያን ንምክልኻል ከቢድ መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን’ውን መግዛእቲ ሃ/ስላሰ ኣይጠዓሞን፡፡ ትግራይ ከፊእዎ ወያነ ምስ ኣልዐለ ብነፈርቲ እንግሊዝ ጨፍጪፉዎ ፣ ተወሳኺ ግብሪ ዳዕኒንዎ፡፡ ንትግራይ ኮነ ኢልካ ንምድኻም ናይ ራያ ፣ ፀለምትን ወልቃይትን መሬቱ ተመንጢሉ ተወሲዱ፡፡

ብሓፈሻ  ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆፂሩ ብድኽነት ፣ ብድንቁርና ፣ ብጥሜት ብድርቂ ፣ ብሕማም ተሳቐዩ፡፡ ቋንቋኡን ባህሉን ተናሽዩ፡፡ ኣደዳ ስደት ኮይኑ ፣ ብዙሕ ሽማሽም ወፂእዎ፡፡ መሰልና ይተሓሎ ዝበሉ ፈላጣት ዝበሃሉ ተጋሩ እናተሃደኑ ምቕታል ተጀሚሩ፡፡ ትምክሕተኛታት ገዛእቲ ደርብታትን ምሁራትን ኣምሓራ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እናዛብዑ ብዙሕ ምድንጋር ፈጢሮም፡፡ ንመራሕቲ ተጋሩ ኮነ ኢሎም ሽሞም ከይላዓሉን ክፅለምን ገይሮም።

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ፍታሕ ስለዘይረኸበ ድሕሪ 30 ዓመት ምፍሻል ወያነ’ውን እንተኾነ ምርጭኡ ዓመፅ ክኸውን ገይርዎ፡፡ ብለካቲት 1966 ዓ/ም ድማ ኣይግዛእን ኢሉ ዓመፀ፡፡ ናዕቢ ለካቲት 66 ግን ብኢትዮጵያ ደረጃ’ውን እዩ ነይሩ፡፡ ከም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣንፃር ገዛእቲ ዝዓመፁ ገባራት ባሌን ጎጃምን ወዘተ… ነይሮም እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ’ውን  ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ለካቲት 66 በብዝስመዖም ሕቶታት ሆ ኢሎም ዝተላዓዓሉሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ፡፡ ነቲ ዓመፅ ዝመርሕ መሪሕ ውድብ ስለዘይነበረ ግን እቲ ውዳበ ዝነበሮ ናይ ወታሃደራዊ መኮነናት ጉጅለ ደርግ ነቲ ናዕቢ ተበሊፁ ናብ ስልጣን መፂኡ፡፡ ደርግ ብዝገደደ ፀረ-ዲሞክራሲን ዓፋንን ዝኾነ ኣዋጅ ኣዊጁ፡፡ ደርግ’ውን ከም ዝሓለፉ ገዛእቲ ደርብታት ኣምሓሩ ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ንምሁራት ተጋሩ ድማ ብፍላይ ብዓይነ-ቘረኛ እናራኣየ ስጉምቲታት ክወስድ ጀሚሩ፡፡

One Response to መንስኤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ