ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጣየሸ “ማሕበር ረድኤትን ልምዓትን ራያ” ኣብ ከተማ ማይጨው ብልዕሊ 8 ሚልየን ቅርሺ ዝሃነፆ ቤተ መፃሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን ተመሪቑ።
ዋሽንግተን —
እቲ ማእኸል ኣብ ካልኦት ኣብያተ መጻሕፍቲ ብዙሕ ዘይተለመደ ብርሃን ዓይኖም ንዝሰኣኑ ወገናት እውን ኣገልግሎት ብዝህብ መልክዑ ከምዝተሃነፀ ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር መምህር ኣብርሃ ኣባይ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።
እቲ ኣብ ኣሜሪካ፣ካናዳን ኣውስትራልያ ዝርከቡ ተወለድቲ ራያ ዘጣየሽዎ ማሕበር ካብ ኣባላቱን ደገፍቱን ብዝተዋህለለ ገንዘብን ናውትን ዝተሃነፀ ማእኸል ብርክት ዝበሉ መምሀሪ መጻሕፍትን ኮምፒውተራትን ከምዝተማልእሉ መግለፂ መምህር ኣብርሃ ይሕብር።
መምህር ኣብርሃ ኣባይ ምረቓ እቲ ማእኸል ሎሚ ቕነ ምስ በዓል ጥምቀት ተደሪቡ ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ከምዝተኻየደን ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ውዑይ ምንቅስቓስ ንዝያዳ ስራሕ ከምዘበራብርን ልዑል እምነት ኣለኒ ኢሎም ።
እቶም ኣቦ መንበር ነቲ ቤተ መጻሕፍትን ማእኸል ሓበሬታን ኣብ ምህናፅ ኣባላት እቲ ማሕበር ንዘርአይዎ ዘይሕለል ፃዕሪ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም ።
“ማሕበር ረድኤትን ልምዓትን ራያ” ብናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ኣብ 2004 ኣብ ኣሜሪካ ዝተጣየሸን ንመኸሰብ ዘይሰርሕን ምግባረ ሰናይ ማሕበር ምዃኑ እቶም ኣቦ መንበር ገሊፆም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።