Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

አብ ኢድ ህዝቢ ዘሎ ውሕስና ብዕምቀት ምህዳሰ

አብ ኢድ ህዝቢ ዘሎ ውሕስና ብዕምቀት ምህዳሰ

ብዘስላሰ ግደይ (መቐለ)
ንዝተረኸቡ ዓወታት ንምዕቃብ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ዝፈጠሮ ናይ ምልዕዓል መንፈስን ናይዞም ዓወታት ምንጪ ዝኾነ ልምዓታዊ ዴሞክራሲ መስመርና ብዕምቀት ተረዲኡ ብዝለዓለ ዓቕሚ ንምፍፃም ዘለዎ ድልውነት በቢደረጅኡ ዘሎ መሪሕነት አብ ዝጀመሮም መድረኻት ይገለፅ አሎ፡፡፣ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊ መስምርና ዝቐስቀሶም ጠለባት ህዝቢ እቲ መሪሕ ንመድረኻዊ ዕማማቱ ብቑዕ ኾይኑ ክርከብ ብምግባር ናይ ህዝቢ ናይ ምልማዕ ተስፋን ምልዕዓልን ንኹለመዳያዊ ሰራዊት ልምዓት ዘለዎ ትርጉም አዝዩ ገዚፍ ምኻኑ ተረዲኡ ከምዝንቀሳቐስውን እናረጋገፀ ይርከብ፡፡

በቢብርኩ ኣብ ዘሎ ኣመራርሓ ዝተርኣዩ ጉድለታት ሰናይ ምምሕዳርን ጉዑዝይ ኣሰራርሓን ካብ ናይ ቃልሲ ምጉዳል፣ ህዝባዊ ውግንና ምሽርሻርን ዝብገሱን እቲ ዝሓዝካዮ ሓላፍነት አብ ክንዲ ንግልጋሎት ህዝቢ ንውልቀ ናብራ ማቻ ምውዓል ከምዘሎ ብግልፂ ብኣብነታት እናተደገፉ ኣብ ትካላትን ውዳበታት ህዝብን ዝተፈጠሩ ናይ ክራይ ኣካብነት ተርእዮታት እናቕረበ አብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፅርየት ናብ ዝልዓለ ብርኪ ይሰጋገር አሎ፡፡ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ካብዞም ጉድለታት ክወፅእ ዝገብሮ ዘሎ ቓልሲ፣ ህዝባዊ ውግንንኡ ንምስጥጣምን ዝሓዞ ሓላፍነት ንረብሓ ህዝቢ ከውዕሎ ዝፈጠሮ ድልውነትን ዘመላኽቱ እዮም፡፡

ህዝባዊ ውዳበታት ተነፃፃሪ ነፃነትን ሓልየን ነዚ ቓልሲ ኣብ መወዳእታ ከብፅሓ ንጠቕላላ ህዝቢ ኣብ ምንቕናቕን ካብቲ ልሙድ አካይዳ ብዝተፈለየ አገባብ ናይ ህዝቢ ሓደራ አጥቢቐን ክሕዛ ከምዘለዎን ፅኑዕ ዕምነት ተታሒዝሉ አሎ፡፡ቤት ምኽርታት ስርዓት ሚዛናውነትን መረጋገፂ ህዝባውነት ኾይነን ከይሰርሓ ዝነበረ ዓንቀፍቀፍ ቆፂርካ ዝቐረቡ ጉዳያት እናቕረበ በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ነዚ ከስተኻኽል ዘኽእሎ ምቅልላስ የካይድ አሎ፡፡

ሚዲያ ተነፃፃሪ ናይ ኤዲቶሪያል ፖሊሲ ነፃነቱ ተሓልዩ ንዝተርኣዩ ጉድለታት ኣመራርሓን ህዝብን ካብ ተመክርኦም ክመሓሩ ብዘኽእል ናይ ክትእ ከይዲ ዝብፃሕ ሓባራዊ ምርድዳእ ክሰርሓ ትካላዊ ዓቕሚ ክህነፅ ዘኽእሉ ተበግሶታት ክውሰዱ እዮም፡፡ እዚ ዝህነፅ ናይ ሚዲያ ዓቕሚ ብሉፃት ተመክሮታት ብዝተተንተነን ዕምቀት ዘለዎ አገባብ ብምቕራብ ኣብ ህዝቢ ናይ ምህዳስ መንፈስን ተስፋን ክዓቢ ብዘኽእል ኣገባብ አቀራርብኦም ከምሓይሹውን ክግበር እዩ፡፡

ህዝቢ ክቃለሰሎም ዝወፅኡ ኣሰራርሓታትን አወዳድባን ብምጥቃም ሰናይ ምምሕዳር ክነግስ ከም ቅድመ ኹነት ዝተቐመጡ ህዝቢ ናይ ምስማዕ፣ ብቑዕን ንፅሩን መብርሂ ኣብ ዘልዕሎም ሕቶታት ናይ ምሃብን ምውሳንን መምዘንታት አመራርሓ ብቑዕን ውፍይን መገልገሊ ህዝቢ ንምኻን ኩሉ ጊዜ በሩ ንተገልገልቲ ክፍቲ ብምግባር ክግለፅ ከምዘለዎውን ብዕምቀት ምርድዳእ ይብፅሓሉ አሎ፡፡ናይ መናእሰይን ደቂ አንስትዮን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ዝነበሩ ጉድለታት ክቃልዑ ብምግባር አብዚ መዳይ ጉድለት ዝነበሮም አካላትን ውልቀን ካብ ተግባር ክመሃሩን ካልኦት ክምሃርሉ ብዘኽእል አገባብ እናቐረቡ ቃልሲ ይግበረሎም አሎ፡፡

ይኹን እምበር እዚ ብዕምቀት ናይ ምህዳስ ከይዲ ካብቶም ቅድም ኢሎም ዝተፈፀሙ ናይ አመራርሓ ፅሬት መደብ ንዓቐብ ዕውት ክኸውን ንምግባር ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ መሰል ቀጥታ ተሳትፉኡ ብንቕሓትን ናይ ወሳንነት ዓቕምን ከዕርፍ አለዎ፡፡ ህዝቢ አብቶም ጉድለታት ዝነበሮ ግደ ብምልዓል ብዕምቀት ናይ ምህዳስ መድረኻዊ ዕማም ውሑስ ከምዝገብሮ ይግባእ፡፡ እዚ ብምግባር ብሓደ ወገን ዘንጊዑ ዝብል ሕቶ ዘለዎ ህዝብና ብውፅኢታዊ ህዳሰ ክትስፈው እዩ፡፡ እነተ እቶም ተስፋ ከቕርፁ ላዕልን ታሕትን ዘብሉ ስዓበቲ ሓይልታት ትምክሕቲ ከምቲ ልሙድ ክሓፍሩ እዮም፡፡

ብሱሩካ ብዛዕባ ብዕምቀት ምህዳስ ክዛረቡ ሞራል ካበይ ረኺቦም ዘብል ነገርውን ክልዓል ዘለዎ እዩ፡፡ ንመንታይሲ? ካብ ጎንደርን ከባቢኡን ዜጋታትና ብግፍዒ ትቕተሉን ትፈናቐሉን እንተለው ናይ ማእኸላይ መነገስቲ ኢድ አእታውነት አየድልን ኢሎም ዝተቓወሙ ስለዝኾኑ፡፡ ንመንታይሲ? ሀዝቢ ወልቃይት ዋላሓንቲ ሕቶ መንነት ዘይብሉ እናሃለወ ምስ ትመክሕተኛታት ኮይኖም ሪፈረንደም ከመይ ይካየድ ዘብል አዋጅ ዘአወጁ ስለዘኾኑ፡፡ ንምንታይሲ ትግራዋይሲ ብውልቀ መንነቱ እምበር ንብሄራዊ መንነቱ ዝተቓለሰሉ ብሄራዊ መንነቱ ትርጉም አልቦ ዝገበረ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝትሓንገጡ ስለዝኾኑ፡፡ ህዝቢ ትግራይ መሰልን ረበሓታቱን ዘለለይ ካብ ወያናይ ዴሞክራሲ ምዕይ ዘይብል ብምኻኑ እዚ ከይዲ ብዕምቆት ምህዳስ ብቐረባ እናተኸታተሎ እዩ ዘሎ፡፡