Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ዩንቨርስቲ መቐለ-ውድድር ስፖርት መላእ ኣፍሪካ ከተኣናግድ ተመሪፁ…

university-mekele
መቐለ ሕዳር 09/2009(ድወት) ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ መወዳእታ 2010ዓ.ም ዝካየድ ታሽዓይ ውድድር ስፖርት ዩንቨርስታት ኣፍሪካ ከተኣናግድ ተመሪፁ።

ዩንቨርስቲ መቐለ እዚ ውድድር ከዳሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጋና ኣክራ ምስ ዩንቨርስታት ናይጀሪያ፣ ኣልጀርያ፣ ቤኒን ጋናን ተወዳዲሩ እዩ ተዓዊቱ።

ኣብቲ ብሾሞንተ ዓይነታት ስፖርት ዝካየድ ውድድር ልዕሊ 7ሽሕ ስፖርተኛታት ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ዩንቨርስቲ መቐለ ቅድሚ እዚ ኣህጉራዊ ውድድር ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010 ውድድር ስፖርትን ፌስቲቫልን ዩንቨርስታት መንግስቲ ከተኣናግድ እዩ።

ኣብቲ ዓመት ወርሒ ሓምለ ድማ ውድድር ስፖርት መላእ ዩንቨርስታት ኣፍሪካ ከተኣናግድ እዩ።