Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ዜና ዕረፍቲ መሰራቲ ድምፂ ወያነ ትግራይ ተጋዳላይ ጎይትኦም ታደሰ ወ/ማርያም ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

14993386_1076120315819477_4325887509973086872_n

መሰራቲ ድምፂ ወያነ ትግራይ ተጋዳላይ ጎይትኦም ታደሰ ወ/ማርያም ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡፡
ተጋዳላይ ጎይትኦም ታደሰ ወ/ማርያም ድምፂ ወያነ ትግራይ 30 መስከረም 1972ዓ.ም ኣብ ሬድዮ ድምፂ ሓፋሸ ኣብ ሳሕል ኤርትራ ፈነወ ካብ ዝጀመረላ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ እዛ ዕለት ንልዕሊ 37 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መደብ ስራሕን ደረጃታት ሓለፍነትን ተመዲቡ እናሰርሐ ዝመፀ ፅኑዕን ህርኩትን ተቓላሳይ ነይሩ፡፡
ብፃይ ጐይትኦም ታደሰ ካብ ወላዲኡ ኣይተ ታደሰ ወ/ማርያም ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ግደይ ገብረዕቁባይ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ጣብያ ዓዲ ደጎል 7 መስከረም 1945ዓ.ም ተወሊዱ፡፡ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 8ተ ዓመት ዕድሚኡ ጀሚሩ ካብ 1955ዓ.ም ክሳብ 1962ዓ.ም ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ከተማ እንዳስላሰ ሽረ ተማሂሩ ፤ድሕሪ እዚ ናብ ከተማ መቐለ ብምዝውዋር ካብ 1963ዓ.ም ክሳብ 1966ዓ.ም ካብ 9ይ ክፍሊ ክሳብ 12 ክፍሊ ተማሂሩ ኣጠቓሊሉ፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርግ 1989ዓ.ም ኣብ ቢዝነስ ኮሌጅ ብማንጅመንት ዲፕሎማ ኣብ 1999ዓ.ም ድማ ብማነጅመንት ባችለር ዲግሪ ተመሪቁ እዩ፡፡
ኣብቲ ወቅቲ ኣብ ዝተፈጠረ ውዑይ ወያናይ ምንቅስቓስ እናተሳተፈ ፀኒሑ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሃ/ስላሰ ርችት ሓርነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ በረኻታት ደደቢት ካብ ዝተወለዐሉ ፅባሕ ካብ 1968ዓ.ም ጀሚሩ ኣባል ስርዒት ብምዃን ክሳብ 1969ዓ.ም ብንጥፈታትን ተወፋይነትን እናተንቀሳቐሰ ፀኒሑ፡፡
ኣብ መስከረም 1969ዓ.ም ጀሚሩ ናብ መስርዕ ሰራዊት ህወሓት ተፅምቢሩ ኣብ ተዋጋኣይ ሓይሊ ተመዲቡ ግቡኡ እንትፍፅም ኣብ 5 መጋቢት 1970 ምስ ሰራዊት መስፍናዊት ኢድዮ ኣብ ከባቢ እንዳባጎና ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት ከቢድ መወጋእቲ ስለዘጋጠሞ ንሕክምና ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ኣብ ሳሕል ኣብ ሕክምና ፀኒሑ፡፡
ኣብ 30 መስከረም 1972ዓ.ም ድምፂ ወያነ ትግራይ ፈነወ እንትጅምር ብፃይ ጎይትኦም ሕክምንኡ ወዲኡ ስለዝፀንሐ ምስቶም ጀመርቲ ብፃት ሳልሳይ ኣባል ኮይኑ ካብቶም ፈለምቲ ጋዜጠኛታት ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓደ ንምዃን ታሪ< ዝሓረዮ ብፃይ ነይሩ፡፡
ብፃይ ጐይተኦም ፅኑዕ ውድባዊ እምነት ዝነበሮ ሓላልን መፍቀሪ ብፃቱን እንትኸውን ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 37 ዓመታት ኣብ መደብ ስራሕ ጋዜጠኛነት ፣ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ሬድዮ ብም<ትታል ፣ ውዳበታት ኣብ ምትሕብባር ፣ ስራሕቲ ምምሕዳር ኣብ ምምራሕን ሓላፊ ዋና ክፍሊ ምዕባለ ሓይሊ ሰብን ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ እናሰርሐ ፀኒሑ፡፡
ብፃይ ጎይትኦም ታደሰ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ሓገዝ ሕክምና ክግበረሉ ፀኒሑ ሎሚ ረፋድ 1 ሕዳር 2009ዓ.ም ዓሪፉ፡፡
ስነ- ሰርዓት ቀብሩ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10፡00 ኣብ እንዳማርያም ዓዲ ሽምድሑን መቐለ ክፍፀም እዩ፡፡
ንስድራቤቱን፣ ብፃቱን ፈተውቱን ፅንዓት ንምነ!!

One Response to ዜና ዕረፍቲ መሰራቲ ድምፂ ወያነ ትግራይ ተጋዳላይ ጎይትኦም ታደሰ ወ/ማርያም ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ