Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

“ ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ንምብቃዕ ብዕሙቀት ንተሃደስ ! ንጋደል ! ”

መግለፂ ቅዋም

መድረኽ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት

26 ጥቅምቲ 2009 ዓ/ም

መቐለ

  1. መእተዊ

ሎሚ ብመሰረት ብዕሙቀት ንተሃደስ ዝብል ዉሳነ ዉድብና ካብ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ ቀፂሉ መድረኽ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድብና ተኻይዱ ዘሎ፣ ብሓደ ገፅ ብሓያልነት ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመርናን ኣመራርሓና፣ መላእ ኣባልናን ተቃላሳይ ህዝብናን ኣብቲ መስመር ዓሲሎም ብዝገበርዎ ተሳትፎን ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ክልልና ይኹን ሃገርና ብዙሓት ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ኣብ ዝተመዝገብሉ ፤በቲ ካልእ ገፅ ድማ፣ ባዕሉ እቲ ዘረጋገፅናዮ ዓወት ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ሕ/ሰባዊ ጠለባት ብኣግባቡ ብዘይምምላስናን ሓደጋ ስርዓትና ንዝኮነ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፅንዓት እናመከትና ብዘይምኻድናን ዉሽጣዊ ጉድለታትና እናረዘኑ ዕግበት ህዝብና ብሙልእነት ኣብ ዘይተረጋገፀሉን፤ ፀላእቲ ብፉሉይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት/ህዝቢ ትግራይ ዝረባረብሉ ዘለዉን እዋን ምኳኑ ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባ ተሃዲስና ክንጋደል ዝጥለበሉ እዋን’ዩ፡፡    

  1. ድባዊ መድረኽ ተሃድሶና ዝዘተየሎም ሓፈሻዊ ዛዕባታት

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዉሽጢ ወርሒ መስከረም 2009 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ዓወታት ጉዕዞ ህዳሴናን ኣብ ውድብና ዘለው ሓደጋታትን ፈተናታትን፣ ምንጮም፣ ፖለቲካዊ ትርጉሞምን መፍትሒኦምን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ብዕሙቀት ድሕሪ ምግምጋም ነቶም ዓወታትና ብምዕቃብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘንፀላልው ዘለው ፀገማት ድማ ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባ ንክፈትሕ ወሲኑ ከምዝወፀ ዝዝከር’ዩ፡፡ ካብ’ቶም ዉሳነታቱ ‘ ነቲ ሐዚ ዘሎ ጭቡጥ ፀገምን ሕመቕን ውሽጢ ውድብ ንምፍታሕ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ  ውሽጢ ውድብ ቀፃልን ሰፊሕን ቓልስን ፅሬትን ብምክያድ ዘየቋርፅ ዝተወደበ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ምውላዕ’ ዝብል ሓደ’ዩ፡፡ እዚ መድረክ’ዚ ድማ ኣካል’ዚ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ዩ ። እዚ ኣብ መላእ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዝርከቡ ልዕሊ 1200 ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብና፣ኮር ኣመራርሓ ወረዳን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ዉዳበታትን ዝተሳተፍሉን “ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ንምብቃዕ ብዕሙቀት ንተሃደስ! ንጋደል!” ብዝብል መሪሕ ቃል ተሰንዩን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም ንሾመንተ መዓልቲታት ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዉድባዊ መድረኽ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፣ ጉዕዞ ህዳሰናን ኣብ ዉድብና ዘለዉ ፈተናታትን ሓደጋታትን፣ ገምጋም ፈፃሚት ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ህወሓትን ቀፃሊ ኣንፈት ቃልስን ዝብሉ 3 ዛዕባታት ብዕሙቀት ሪኡ’ዩ።

  1. ዉድባዊ መድረኽ ተሃድሶና ዝዘተየሎም ቀንዲ ዝርዝር ዛዕባታት

3.1. ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመር ተሃድሶና ዝዓተርናዮም ዓበይቲ ዓወታት

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 15 ናይ ተሃድሶ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት እንትግምግም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመር ውድቡ ዓሲሉ ብሓያል ዝተወደበ ተሳትፍኡ ኣብ ገጠርን ከተማን ኣብ ዙርያ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን ኣብ ክልልና ይኹን ብብርኪ ሃገር ብዙሓት ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ብምርግጋፅ ህዝባዊነት መስመር ተሃድሶና ህያው ከምዝኮነ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ህዝብና’ዉን ፍትሓዊ ተጠቃሚ ምዃን ስለዝጀመረ ነቲ ዝረኸቦ ረብሓ እናስተማቐረ ተወሰኽቲ ረብሓታት ንኽረጋገፀሉ ዘየቋርፅ ጠለባት ዘቕርበሉን ቐፃሊ ዕብየትን ለውጥን ንምምፃእ ብቐፃልነት ድፍኢት ዝፈጥረሉን ስለዚ ድማ ጉዕዞ ተሃድሶና ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ኻሊእ ምዕራፍ እናተሰጋገረ ዝቅፅለሉ መሰረት እናደልደለ ዝኸደሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡

ካብ’ቶም ሓያልነት ልምዓታዊን ዴሞክራሲያውን መስመርና ዘመስከሩ ብዙሓት ዓወታትና ነቶም ቀንዲ ንምጥቃስ፣ ቕልጡፍ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ኩሉ ህዝቢ በብደረጅኡ ተጠቃሚ ክኸውን ዝገበረን በዓል ድርብ ኣሃዝ ዕብየት ብምምዝጋብና ኣብ ክልልና ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ናይ ዝነብር ህዝቢ ቁፅሪ ኣብ 1991 ዓ/ም ካብ ዝነበሮ 56 ሚኢታዊት ኣብ 2007 ዓ/ም ናብ 23 ሚኢታዊት ወሪዱ እዩ፡፡

ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ትግራይ መነባብርኡ ንምቕያር ብውድቡ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝተሓንፀፀ ሕርሻ ዝመርሖ ስትራተጂ ልምዓት ንምትግባር ብልምዓታዊ ሰራዊት ኣብ ዝገበሮ ቓልስን ምንቅስቓስን ጭቡጣት ዓወታት ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ነታ ብኹናትን ድርቅን ዝተሃሰየት ትግራይ ብሓምለዋይ ልምዓት ንምቕያር ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝወለዖ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስን ዝተረኸበ ውፅኢትን ንናይ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ስራሕትና መሰረት ከምዘንፀፈን ፍልፍል ብሉፅ ተሞክሮ እናኾነ ከምዝመፀን ተረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተረኸበ ዓወትን ውፅኢትን ናይ መስኖ ዓቕምታትና ንኽጉልብትን ድርቂ ዝፃወር ቁጠባ ሕርሻ ትግራይ እናተሃነፀ ክኸይድን ኣብ ምግባር ዝለዓለ ተራ ከምዝነበሮ እውን ተረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ሓረስታይ ትግራይ መሬቱ፣ጉልበቱን እታዎት ቴክኖሎጅን ኣዋዲዱ ብምጥቃም ብዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ቅድሚ ተሃድሶ ካብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኩንታል ዘይበዝሕ ዝነበረ ተጠቃምነት ዘመናዊ ድኩዒ ኣብ 2006/07 ዘበነ ምህርቲ ንናይ ክረምቲ ዝራእቲ ጥራሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኩንታል በፂሑ ኣሎ፡፡ ናይ ክልልና መጠን ምህርቲ ኣናእሽቲ ሓረስቶት ኣብ 1993/94 ከባቢ 4 ሚልዮን ኩንታል ዝነበረ ኣብ 2006/07 ናብ 17.5 ሚልዮን ኩንታል ዓብዩ ኣሎ፡፡ ሓረስታይና ንማይ ዝህቦ ዘሎ ዋጋ ብምዕባዩ ቕድሚ ተሃድሶ ብመስኖ ዝለምዕ ዝነበረ ስፍሓት መሬት ልዕሊ 4,700 ሄ/ር ዝነበረ ኣብ 2007 ዓ/ም ናብ ልዕሊ 270 ሽሕ ሄክታር ብምዕባይ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምሕፋስ ዝከኣለሉ ብርኪ ተበፂሑ’ዩ፡፡ ሓረስታይ ትግራይ በብዓመቱ ነፃ ጉልበት እናወፈየ ክሳብ ሎሚ ብዘካየዶ ዝድነቕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሄክታር ስትራክቸራት መፋሰስን ልዕሊ 120 ሽሕ ኪ/ሜ ምሕዋይን ምልማዕን ጉህምን ሰሪሑ’ዩ፡፡እዚ ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ትግራይ ዝተሃነፀ ልምዓታዊ ሰራዊት ኣብ ክልልና ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ሃገር’ውን ብኸመይ ልምዓታዊ ሰራዊት ምህናፅ ከምዝከኣል ተመኩሮ ዝተወሰደሉ ዕውት ስራሕ’ዩ፡፡

ኣብ ልምዓት ሕርሻ እዞም ቅድም ክብል ዝተገለፁ ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገቡ ኾይኖም ሕዚ እውን ትኹረት ክግበረሎም ዝገብኡ ድክመታትን መሓንቓትን ከምዘለው ተነፂሩ እዩ፡፡ ብዋናነት ዝጥቀስ ሓረስታይ ነቲ ዝቐርበሉ ቴክኖሎጂ ብዘይምንም ፅዕንቶ ኣድላይነቱ ኣሚኑሉ በቲ ዝድለ መጠን ዘይምጥቃምን ከም ዉፅኢቱ ድማ ብድምር ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኽረጋገፅ ተተሊሙ ዝነበረ መሓውራዊ ለውጥን ዝላን ዘይምዕዋት ከም ቀንዲ ድክመት ዝጥቀስ’ዮ።

መስመር ተሃድሶና ንናይ ከተማ ህዝብና ናብራ ኣብ ምቕያር ቑልፊ ብፅሒት ዘለዎ ስትራተጂ ልምዓት ደኣንት ብምሕንፃፅን ተግባራዊ ብምግባርን እውን ኣብ ስራሕቲ  ልምዓት ከተማ ተስፋ ዝህብ ለውጢ ኽምዝገብ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ብውፅኢቱ ድማ ኣብ ከተማታትና ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ስራሕ ከይነዓቑ መስመር ተሃድሶና ዝፈጠረሎም ዕድል ተጠቒሞም ብፃዕሮምን ረሃፆምን ናብረኦምን ናብራ ነባራይ ከተማታትናን እናተመሓየሸ ክኸይድን ከተማታትና ማእኸል ኢንቨስትመንትን ንግድን ንክኾና መሰረት የንፅፋ ምህላዎምን ተገምጊሙ ኣሎ፡፡ ኣብዚ መዳይ ዘመዝገብናዮም ለውጥታት ናይቲ ዝተሓንፀፀ ስትራተጂ ልምዓት ደ.ኣ.ን.ት ትኽክለኛነት ዘረጋግፅ’ዩ። ኮይኑ ግን እቲ ለውጢ ውሱንነት ዘለዎን ብቐፃሊ ብዙሕ ፃዕሪ ዝሓትትን ምኳኑ ተገምጊሙ’ሎ፡፡

ኣብ ልምዓት ከተማ ዝጥቀስ ቀንዲ ድምር ድክመት ማሕበረ ቁጠባዉን ፖለቲካዉን  ምንቅስቓስ ከተማታትና ብሞዴላት ደ.ኣ.ን.ት ክምራሕ ኣብ ምግባርን ኣብ ምስፍፋሕ ማኒፋክቸሪንግን መሰረታዊ ክፍተት ምህላዉ ተነፂሩ’ዮ፡፡

ብመዳይ ማሕበራዊ ልምዓት ትምህርትን ጥዕናን’ዉን መሰረታዊ ትርጉም ዘለዎም ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም፡፡ ንፓኬጅ ፅሬት ትምህርቲ መሰረት ብምግባር ‘ድሕረትን ድኽነትን ብናይ ፍልጠት ጥይት እዩ ዝቕተል’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተወለዐ ምንቅስቓስ ሎሚ ኩሎም ህፃናት ትግራይ ኣብ መኣዲ ትምህርትን ፍልጠትን ዝውዕልሉን ትምህርቲ መሰረት ምዕባለና ዝኾነሉን ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኹሉ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ዝኣኸለ ህፃን ብማእኸላይ 2.87 ኪ/ሜ ተጓዒዙ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝውዕለሉ ኩነታት ተመቻችዩ ይርከብ፡፡ ከም ዉፅኢቱ ድማ ኣብ ክልልና ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ህፃናት ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ኣለው፡፡ ኣብ ቀዳማይ ይኹን ኻልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ምዃን ደረጃ በፂሑ ይርከብ፡፡

እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብ ትምህርቲ ሕዚ እውን ዘይተሰገሩ ፀገማት ምህላዎም ግልፂ’ዩ። እቲ ቀንዲ ድምር ድክመት ኣብ ምርግጋፅ ፅርየት ትምህርቲ ክፍተታት ምህላዉን ብፍልጠቱ፣ ክእለቱን ስነ-ምግባሩን ዝወዳደር ዝተምሃረን ክኢላን ሕ/ሰብ ንምህናፅ ብፍላይ ልምዓታዊ ሰራዊት ትምህርቲ ንምህናፅ ብብቕዓት ክምራሕ ዝግበኦ ጉዳይ ምኳኑ ተነፂሩ’ሎ፡፡

ኣብ ጥዕና እውን ብተመሳሳሊ ምክልኻል ማእኸሉ ዝገበረ ዝተቐረፀ ፓኬጅ ጥዕናን ስርዓት ኤክስተንሽን ጥዕናን ብምትግባር ብፍላይ ብደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተወለዐ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ጥዕንኡ ዝሓለወ መፍረይ ዜጋ ኣብ ምህናፅን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ምንካይን ዝለዓለ ዉፅኢት ተመዝጊቡ’ዩ። ከም ዉፅኢቱ ድማ ኣብ ትካላት ጥዕና ግልጋሎት ወሊድ ናይ ዝረክባ ኣዴታት ቁፅሪ ኣብ 1992 ዓ/ም 7 ሚኢታዊት ጥራሕ ዝነበራ  ሎሚ ናብ 76.7 ሚኢታዊት ዓብዩ ይርከብ፡፡ኣብ ክልልና ሞት ኣዴታት ኣብ 1992 ዓ.ም ካብ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ 1000 ዝነበረ ሎሚ ናብ 266 ፣ ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ብህይወት ዝተወለዱ ህፃናት ካብ ሓደ ሽሕ 171 ዝነበረ ሎሚ ናብ 45 ወሪዱ ይርከብ፡፡

ኣብ ጥዕና እቶም ቅድም ክብል ዝተጠቐሱ ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገቡ ዋላ እንተኾኑ ብድምር ፍትሓዊ ተበፃሕነት ዝምልከት ብፍላይ ኣብ ርሕቕ ዝበላ ገጠራት መሊኡ ዝተሰገረ ዘይምኳኑን ኣብ ፅርየት እቲ ዝወሃብ ግልጋሎት ሕፅረታት ከምዘለዉን ተገምጊሙ’ሎ፡፡

ብመዳይ ህንፀት ዴሞክራሲን ትካላት ዴሞክራሲን ድማ ኣብ ሃገርና ይኹን ክልልና ዱልዱል ሕገ መንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ብዝተኻየደ ፃዕሪ ህዝብና ዲሞክራሲያዊ ባህሉ ዘማዕብለሉን ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዝጠናኸራሉን ስራሕቲ ምስላጦምን እቶም ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጡ መሰላትን ንሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዝወፁ ዝርዝር ሕግታትን ብምትግባር ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ክልልናን ሃገርናን ዘተኣማምን ሰላም ክሰፍን ኽኢሉ እዩ፡፡

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ሕዚ እውን ህንፀት ዴሞክራሲናን ዴሞክራሲያዊ ትካላትን ኣብቲ ክበፅሖ ዝግባእ ደረጃ ኣይበፅሐን፡፡ናይዚ ውፅኢት ድማ ህዝብና ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ዘማርረሉን ቅሬታ ዝሕዘሉን፣ኣብ ሞንጐ ህዝብን ውድብን፣ ህዝብን መንግስትን ዝነበረ ብጣዕሚ ፅኑዕ ሓድነትን ምትእምማን ብዝተፈላለየ ደረጃ ምሽርሻር ዝተርኣየሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ተገምጊሙ’ሎ፡፡

ንምጥቕላል ብልምዓታዉን ዴሞክራሲያዉን መስመር ተሃድሶና ዛጊድ ዓቲርናዮም ናይ ዘለና ዓወታት ፍልፍል፣ ፅሩይ መስመርናን ብቑዕ ኣመራርሓ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ውድብናን እዩ፡፡ ምንጪ ዓወታትና ፖለቲካዊ ብቕዓቱ ዘመስከረ ውድብ ዝመርሖ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ፡፡  ምስጢር ዓወታትና ባዕሉ ንባዕሉ እናአረመ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡ ዓቂቡ ዝተጓዓዘ ውድብ እዩ፡፡ ፍልፍል ዓወታትና ንኹሎም ፈተናታት ብብስለትን ብፅንዓትን ዝሰገረ ውድብ ዝመርሖ ጉዕዞ ተሃድሶና ምኳኑ ተሰሚሩሉ’ዩ፡፡

3.2. ጉዕሶ ህዳሰናን ኣብ ውድብና ዘለው ፈተናታትን ሓደጋታትን

ብሓያልነት ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመርናን  ተቃላሳይ ህዝብና ኣብቲ መስመር ዓሲሉ ብዝገበሮ ተሳትፎን እዞም ቅድም ክብል ዝተገለፁ መሰረታዊ ዓወታት ዋላ እኳ እንተረጋገፅና ብሓደ ገፅ ብምኽንያት ባዕሉ እቲ ዘረጋገፅናዮ ዓወት ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ሕ/ሰባዊ ጠለባት ብኣግባቡ ዘይምምላስና፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ነቲ ኣብ እዋን ተሃድሶና ዘነፀርናዮ ናይ ስርዓትና ሓደጋ  ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፅንዓት እናመከትናን ካብ ምንጩ እናድረቕናን ብዘይምኻድና ነቲ ምርግጋፅ ጀሚርናዮ ዘለና ለውጢ  ንድሕሪት ክመልሱን ናብ ሓደጋ ከእትውናን ዝኽእሉ ጉድለታት ኣመራርሓ ከምዘለውና እውን ግልፂ ኮይኑ’ሎ፡፡

ብምኽንያት’ዚ ህዝብና ሰናይ ምምሕዳር ክነንግሰሉ ብዘይምኽኣልና ዘማርረሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ፣ ናይቲ እንሃንፆ ዘለና ሰርዓት ተረካቢ ዝኾነ መንእሰይ ብናይ ባዕሉ ዝተወደበ ተሳትፎ ተጠቃምነቱ ንምርግጋፅን ንኣጠቓላሊ ህንፀቱን ዝተገበረ ቓልስን ምንቅስቓስን ድኹም ከምዝኾነ፣ ነተን ፍርቂ ኣካል ሕ/ሰብና ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኩለመዳያዊ ተሳትፎአንን ተጠቃምነተንን ኣብ ምርግጋፅ ጉድለት ምንባሩ፣ ንሽቶታት ዕብየትን መሰረታዊ ለውጥን በቲ ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገበርሉ ደረጃ ከምዘየዐወትናን ናይ ህዝብና ዕግበት ከምዘየረጋገፅናን ተገምጊሙ ኣሎ፡፡

ኣብ መስመር ተሃድሶና ዘነፀርናዮ ናይ ውድብናን ስርዓትናን ቀንዲ ሓደጋ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብዘየቋርፅ ቓልሲ እናመከትናዮ ብዘይምምፃእና ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ውድብ በቢግዚኡ ቦታ እናሓዘ ዝመፀ ፀረ-ዲሞክራሲ ኣረኣእያን ተግባርን፣ በለፅን ምክእኣልን ነቲ ኣብ ውድብ ዝነበረ ደርባዊ ቓልሲ እናፋዘዘ ዝመፀሉ ኩነታት ፈጢሩ እዩ፡፡ ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን እውን ካሊእ ሕመቕ ኮይኑ ተገምጊሙ ኣሎ፡፡ ንውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ዝገልፅ’ኳ እንተዘይኮነ ናይ ፀቢብነት ተርእዮታት ከምዘለው፣ ብፍላይ ከባቢያዊነት ጎሊሁ ዝረአ ፀገም ከምዝኾነ ተነፂሩ’ሎ፡፡

ነዞም ግጉያት ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስና ወያናይ ፖለቲካዊ ሂወትና ብምሕላዉ ንፃት’ውን ከይተዘናጋዕና ብዘየቋርፅ ቓልሲ እናመከትናዮም ብዘይምምፃእና ምኽንያት ብድምር ዝሓዝካዮ ስልጣን ንረብሓን ኣገልግሎትን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምውዓል ንውልቀ ረብሓኻን ክብርኻን መረጋገፂ ገይርካ ምውሳድ’ ምንጪ ኩሎም ጉድለታትና ምኳኑን ብትረት ክንቃለሶ ከምዝግባእን ኣብ ሓደ መደምደምታ ተበፂሑ’ሎ ፡፡

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት በዚ ቅድም ክብል ዝተገለፀ ኣገባብ ነቶም ዓወታትን ሓደጋታትን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም፣ ነቶም ዓወታትና ብምዕቃብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘንፀላልው ዘለው ሓደጋታት ድማ ብናይ ግዜ የለን መንፈስን ኣተሓሳስባን ንምፍታሕን ርኡይ ለዉጢ ንምምፃእን ወሲኑ ኣሎ፡፡ ነዞም ፀገማት ንምፍታሕ ንስራሕቲ ህንፀት ዓቅሚ ዉሽጢ ዉድብ፣ ንልምዓታዉን ዴሞክራሲያዉን መንግስትን ንትካላት ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ምጥንካር ፉሉይ ትኩረት ሂብካ ምንቅስቃስ ወሳኒ ምኳኑ ኣንፈት ቃልሲ ኣነፂሩ’ሎ።

  1. ዉሳነ መድረክ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድብ

ነቶም ኣጋጢሞምናን ዘንፀላልውና ዘለውን ፈተናታትን ሓደጋታትን ንምምካትን ዕግበት ህዝብና ንምርግጋፅን ኣብ ፅላል መስመር ተሃድሶና ዓሲልና ወያናይ ፖለቲካዊ ስብእና ተላቢስና ዉሽጠ ዉድብ ዴሞክረሲ ብምዕሟቅን ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝተወዓዓየ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምፍጣርን ምቅላስን ግዘ ዘይህብ ጠለብ ህዝብናን ጠለብ እዚ መድረክ እዝይን ኮይኑ ይርከብ፡፡ ‘ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ንምብቃዕ ብዕሙቀት ንተሃደስ! ንጋደል !’ ዝተብሃለሉ ምክንያት’ዉን እዚ’ዩ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ዝስዕብ በዓል 10 ነጥቢታት ውሳነ ኣሕሊፍና ኣለና፣

 

  1. ዉድብና ንምድረካዊ ተልእኩኡ ንምብቃዕ ቅድሚ ኹሉ ንባዕልና ብምህዳስ ኣብ ፅላል መስመር ተሃድሶና ዓሲልና ብግዜ የለን ኣተሓሳስባ ክንጋደል ወሲንና ኣለና።
  2. ናይ ውሽጠ-ውድብና ዴሞክራሲያዊ ህይወትን ቓልስን ብምሕላው፣ ቐፃሊ ዝተወዓዓየ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ብምፍጣርን መትከላዊ ቓልሲ ብምክያድን ወያናይ ሓድነትና ብምጥንካርን ኣጋጢሞምና ንዘለዉ ፈተናታትን ሓደጋታትን ብመሰረቱ ንምፍታሕ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክንረባረብ ቃል ንኣቱ።
  3. ምንጪ ኹሎም ጉድለታትና ኮይኑ ዘሎ ‘ዝሓዝካዮ ስልጣን ንረብሓን ኣገልግሎትን ህዝቢ ዘይምውዓል’ ካብ ሱር መሰረቱ ብምምሓው ህዝባውነት ውድብና ንምርግጋፅ፣ንህዝብና ንምክሓስን ጫማ ህዝቢ ኮይንና ንምግልጋልን ቃል ንኣቱ።
  4. ህዝባዊ ውግንናናን ወያናይ ክብረታትናን ብምሕላውን ፖለቲካዊ ብቕዓትና ብምዕባይን ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ንምምዝጋብን ዕግበት ህዝብና ንምርግጋፅን ክንዋሳእ ቃል ንኣቱ።
  5. ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ንምዕሟቅ፣ንምድልዳልን ቁፅፅር ስልጣን ንምሕያልን ኣገደስቲ ዝኮኑ ኣብያተ ምክሪ፣ማሕበራት ሓፋሽ፣ማዕኸናት ዜናን ካልኦት ትካላት ዴሞክራሲን ንምጥንካር ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ ተግባራዉን ኣብነታዉን መሪሕ ተራና ክንፍፅም ቃል ንኣቱ።
  6. ንዓወታትና ብምዕቃብ ሓደጋ ስርዓትና ዝኾነ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ኪራይ ብፅንዓት እናመከትና ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኽልተ ንምዕዋት ብውፍይነትን ብቖራፅነትን ክንረባረብ ቃል ንኣቱ፡፡
  7. ተሳትፎን ተጠቃምነትን ናይቲ እንሃንፆ ዘለና ስርዓት ተረካቢ ዝኾነ መንእሰይን ናይ ሕ/ሰብና ፍርቂ ኣካል ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ክንረባረብ ኢና።
  8. ቐፃልነት መስመር ተሃድሶና ንምርግጋፅ ምትኽኻእን ኣብ መንጎ ተተካእትን ተካእትን ቀፃሊ ምጉርራስ ምህላዉን ኣማራፂ ዘይብሉ መስርሕ ብምዃኑ ውድብ ብዘቐመጦ ኣንፈት ተተካእቲ ንምፍራይን ፖለቲካዊ ብቕዓቶም ንምዕባይን ካባና ትፅቢት ዝግበር ኹሉ ንምፍፃም ድልዉነትና ነረጋግፅ።
  9. ነቲ ብምኽንያት ውሽጣዊ ፀገማትና ኣብ ህዝብና ዝተፈጠረ ዘይምዕጋብ ከምዕድል ብምውሳድ ኣብ ሞንጎ ውድብናን ህዝብናን ነቓዕ ንምፍጣር ለይትን ቀትርን ንዝፅዕሩ ዘለው ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀረ ህዝብን ፀረ ሰላምን ሓይልታት ንምምካት ሎሚ’ዉን ከም ቀደምና ኣብ ፅላል ዉድብና ዓሲልና ብትረት ከምእንቃለሶም ነረጋግፅ።
  10. ምስ ኣሓትን መሓዙትን ዴሞክራሲያውያን ውድባት ኢህወዴግ ዘለና ወያናይን መትከላዉን ዝምድና ብምጥንኻር ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫዉ፣ ጉዕዞ ህዳሰና ንድሕሪት ንምምላስን ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ንምፍራስን ንዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ንምምካት ግቡእ ግዴና ክንፍፅም ኢና።

 

ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት

እዚ ዘለናዮ ጭቡጥ መድረኽ ብሓደ ገፅ ኣድማዕቲ ዓወታት ዝዓተርናሉ ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብና ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ዝወለዶም ፈተናታትን ሓደጋታትን  ብግልፂ ዝተርኣይሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ካብዚ ብምብጋስ’ዉን ውድብና ፅኑዑን ዘተኣማምንን ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ባህሪኡ ሒዙ ንክቅፅል ፅሬትን ቃልስን ውሽጢ ውድብ ብምውላዕን ምስ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ብምትእስሳርን ኩለመዳያዊ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ንክፍጠር ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ግንባር ተዋፊርኩም ዘለኹም  ኣባላት ውድብ ልምዓታዉን ዴሞክራሲያዉን መስመር ተሃድሶና ብፅንዓት ብምሓዝ ቅድም ቀዳድም ንባዕልኹም ንምፅራይ፣ ቓልሲ ውሽጢ ውድብ ንምጉህሃርን  በሊሕ ቓልሲ ብምክያድን ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ንምውላዕ መሪሕነትኩም ብምርግጋፅ ንዕውትነት’ዚ ውሳነ  ብቆራፅነት ኽትጋደሉ  ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዉድብና ይፅዉዕ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

እዚ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝግበር ውዑይ ቓልስን ምንቅስቓስን ውሕስ ዝኸውን ምስቲ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስ እንተተኣሳሲሩ ጥራሕ ከምዝኾነ ብምእማን ሰፋሕቲ ናይ ህዝቢ መድረኻት ብምፍጣር ዓሚቕ ዘተን ምርድዳእን ክግበር ተወሲኑ ኣሎ፡፡ ትማሊ ይኩን ሎሚ ናብዚ ዓወትን ለውጥን ዝበፃሕካ ዕጥቅካ መስመር ዉድብካ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ውድብካ ንዝራኣዩ ጉድለታትን መንገፍን ንምፅራይ በዓል ዋና ኾይንካ ብዝገበርካዮ ቃልስን ንወያናይ ምንቅስቓስካ ንኽጎብጡ ንዝንቀሳቐሱ ፀረ-ህዝብን ፀረ-ሰላምን ሓይልታት እናመከትካ ብምምፃእካን’ዩ።

በቲ ብፃዕርኻን ቃልስኻን እተመዝግቦ ዘለኻ ዓወታት ኣዒንቶም ደም ዝመልአ ትምክሕተኛታትን ፀበብትን ሕዚ’ውን ኩሉ ዓይነት ውዲታት ፍሒሶም ፍፁም ፀረ ህዝቢ ተግባር ኣብ ልዕሌኻ ክፍፅሙ ይፅዕሩ ኣለው፡፡ ኣብዚ እውን እንተኾነ ብስምዒት ከይተደፋእኻ ፈታውን ፀላእን ፈሊኻ ብንቕሓት፣ ብብስለትን ብዘገርም ትዕግስትን  ፀኒዕኻ ብእትገብሮ ዘለኻ ቃልሲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት መዘና ዘይብሉ ህዝባዊ ሓበንን ኩርዓትን ተሰሚዕዎ’ሎ፡፡

ስለዚ ሕዚ’ዉን ከም ቀደምካ ንጉድለታት ዉላድካ ዉድብ ህወሓት ብዘይምሕረት ኣብ ምንቃፍን ምእራምን ክትዋሳእ፣ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ፀረካን ፀረ-ሕገመንግስትካን ንዝተልዓሉ ፀረ-ህዝብን ፀረ-ሰላምን ሓይሊታት ምስ ከማካ ዉፅዓት ህዝቢታት ኢትዮፕያ ብምኳን ብትረትን ብዉሕልናን ክትቃለሶምን ከም ቀደምካ ኣብ መስመር ውድብካ ዓሲልካ ንዘይነፅፍ ዓወታት ክትረባረብን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዉድብካ ይፅዉዕ።

ዝኸበርኩም ኣብ  ሃገራት ወፃኢ እትነብሩ ተጋሩ

ኣብ ወፃኢ እትነብሩ ተጋሩ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን ዓድኩም እናሓሰብኩም ሓቀኛ ምስሊ ክልልኩምን ሃገርኩምን ብህዝብታት ዓለም ክፍለጥ ኣብ ምግባርን ንፅግዕተኛታት ኣብ ምቅላስን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ምስ ከማኩም ዉፅዓት ኢትዮፕያዉያን ኮይንኩም ኣብ ቓልስን ምንቅስቓስን ከምዘለኹም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ገምጊሙ’ሎ፡፡ ንዓኹም ኣብ ምትሕብባርን ምድጋፍን ዝነበሮ ኹነታት ብዝርዝር ብምግምጋምን ዝነበሩ ክፍተታት ብምልላይን ብቐፃሊ ምሳኹም ዝጠንከረ ምድግጋፍ ብምግባር ብስፍሓት ንምስራሕ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ልምዓት ዓድኩም ኣብ ምስላጥን ንፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣብ ምቅላስን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ/ህወሓትን ዉፅዓት ኢትዮፕያዉያንን ተሰሊፍኩም እትገብርዎ ዘለኩም ቃልሲ ክተሐይሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ኢህወዴግ

ስርዓት ደርጊ ደምሲስና ሓዳሽ ፈዴራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ  ብደም ዝተፃሕፈ ዘኹርዕ ታሪኽ ኣመዝጊብና ኢና፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ እውን ብሓባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና  ንኩሎም ናይ ውሽጥን ግዳምን ፅግዕተኛታት ብምምካት ተደራረብቲ ዓወታት እናመዝገብና ኣብ ምግስጋስ ንርከብ፡፡ ኣብ ክሊ’ዚ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰና ንዝተርኣዩ ናይ ፀቢብነት፣ ትምክሕትን ፀረ-ዲሞክራስን ጉድለታት ሐዚ እውን ከም ትማሊ ብቃልሲ ብምእራም ዕግበት ህዝብና ንምርግጋፅን ንጉዕዞ ህዳሰ ሃገርና ንድሕሪት ንምምላስ ንዝሃቀኑ ኩሎም ፀላእቲ ንምምካትን ሓበራዊ ቓልስና ብዝበለፀ ኣጠናኺርና ክንምርሽ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ይፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና

ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮፕያ ብዝኸፈልናዮ ሓበራዊ መስዋእቲ ሓዳሽ ፈዴራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ  ንሃንፅ ኣለና፡፡ ነዚ ብሩህ ጉዕዞ ንድሕሪት ዝመልሱ ናይ ውሽጥና ፀገማት ብዕምቆት ገምጊምና እውን ንምፍተሖም ዝተጠናኸረ ቓልሲ ጀሚርና ኣለና፡፡ ናይ ውሽጥን ግዳምን ፀረ ህዝብን ፀረ ሰላምን ሓይልታት ድማ ነዚ ብምብላፅ ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫዉን ንሕገ መንግስታዊ ስርዓትናን ጉዕዞ ህዳሰናን ንምዕንቃፍን ለይትን ቀትርን  ላሕ ይብሉ ምህላዎም ናይ ኣደባባይ ምሽጥር ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ነዚ ፀረ ሃለዋትና ዝኾነ ሓደጋ ንምምካት ሎሚ እውን ከም ትማሊ  ቀላፅምኩም ኣሕቢርኩም ህዳሰ ሃገርና ጋህዲ ንምግባር ክትረባረቡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ይፅውዕ፡፡

ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ንምብቃዕ ብዕሙቀት ንተሃደስ! ንጋደል !

ብሓያልነት መስመርናን ፅኑዕ ህዝብናን ጉዕዞ ህዳሰና ይዕወት !

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና !

 መድረክ ተሃድሶ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት

26 ጥቅምቲ 2009 ዓ/ም

መቐለ

tplf-flag