Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ግልጋሎት ሜትር ታክስ ኣብ መቐለ ክጅምር እዩ…

mekele-taxi-meter-in-mekele
መቐለ መስከረም 21/2009(ድወት) ዘመናዊ ግልጋሎት መጓዓዝያ ኣብ ከተማታት ንምግፋሕ ዓሊሙ ይሰርሕ ዘሎ ፕሮጀክት ሜትር ታክሲ ኣብ ከተማ መቐለ እውን ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።
ጀነራል ትሬዲንግ ኦክሎል ብዝተብሃለ ውልቀ ማሕበር ዘእትወን ታክሲ ዓውደ መጓዓዝያ ዘመናዊ ካብ ምግባር ብዝሰገረ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፣ ዓውደ ቱሪዝም ንምዕባይን ስሉጥ ግልጋሎት መጓዓዝያ ታክሲ ንምሃብን ከምዝሕግዛ ተመልክቱ።
ኣማኻሪ ቢዝነስ እቲ ትሬዲንግ ኣይተ በረኸት ኣስመላሽ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ንኢንቨስተራትን በፃሕቲ ዓድን ስሉጥ ግልጋሎት ንምሃብን ምስሊ ከተማታት ንምምሕያሽን ዓሊሙ ሜትር ታክሲ ኣብ ቐረባ ኣብ ከተማ መቐለ’ውን ግልጋሎት ክህባ ከምዝግበር ገሊፆም።
ኣካያዲ ስራሕ ጀነራል ትሬዲንግ ኦክሎክ ኣይተ ኣሕመዲን መሓመድ ብወገኖም መንግስቲ ዓውደ መጓዓዝያ ንምዝማን ይገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንምሕጋዝ እዘን ዘመናዊ ወሃብቲ ግልጋሎት ታክሲ ዓብይ ግደ ከምዘለወን ሓቢሮም።
ካብዚ ብዝሰገረ ሕብረተሰብ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ግልጋሎት ታክሲ ክረክብ ብምግባር ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ብኽለት ኸባቢ ብምንካይን ፍትሓዊ ዝኾነ ግልጋሎት ንሕብረተሰብ ንምሃብ ዓሊሙ ዝወሃብ ግልጋሎት ክምዝኾነ ኣብሪሆም።
ግልጋሎት መጓዓዝያ ሜትር ታክስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትግበራዊ ዝኾነ ኾይኑ ቐፂሉ ኣብ ከተማ መቐለ’ውን ኣብ ቐረባ ተግባራቀዊ ከምዝኸውን ተመልኪቱ ኣሎ።