Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ክልተ ፓይለታት ሓይሊ ኣየር ሃገርና ሓንቲ ናይ ታዕሊም ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ከምዘኣተዉ ተረጋጊጹ፡፡

eritrean-zilin
ክልተ ፓይለታት ሓይሊ ኣየር ሃገርና ሓንቲ ናይ ታዕሊም ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ከምዘኣተዉ ተረጋጊጹ፡፡

ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ዝሰደደልና ሓበሬታ፡ ኣብ ሃገርና ብዘሎ ባርባራዊ ዓፈና ዝተማረሩ፡ ኣብራሪ ሚግ 29 ፡ SUK 27 ዝኾነ ተለንተ መብራህቱ ተስፋማሪያም መንገሻን ኣብራሪ ክኢላ ናይ ታዕሊም ነፈርቲ ሬዲ ጎ ፡ Y-12ን ዝሊንን ዝኾነ ምክትል ተለንተ ኣፈወርቂ ፍስሃየ ገብረየሱስን ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2016 ልክዕ ሰዓት 10 ናይ ንጉሆ ሓንቲ ናይ ታዕሊም ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ፡፡

እቶም ካብ ሃገርና ተበጊሶም ናብ መቐለ ዝኣተዉ ክልተ ፓይለታት ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሃገርና ሒዞማ ዝኣተዉ ነፋሪት፡ ዝሊን 143 L ዝዓይነታ ኾይና ክንፊ ቁጽራ ድማ 102 ምዃኑ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የነጽር፡፡
Source: Sallina