Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

12115625_1056329221086008_873510938163524526_n
መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንተኸታተልቲ 5 መዓልታት ከካይዶ ዝቐነየ ገምጋም ኣጠªሊሉ፡፡
ካብ ድክመታቱ ወፂኡ ንህዝቡ ከገልግል ቆሪፁ ከም ዝተልዓለ ድማ ኣረጋጊፁ፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቅድም ክብል ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ዘነፀሮም ቀንዲ ፀገማት ናብ ነብሱ ኣጥቢቑ ንምርኣይን ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ ዝህብ ዝርዝር መደብ 2009 ዓ.ም ንምፅዳOን ብምዕላም ንተኸታተልቲ 5 መዓልታት ከካይዶ ዝቐነየ ገምጋም ሎምዓንቲ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ ፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ገምጋሙ ንሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ቀንዲ ፓለቲካዊ ፀገማት ኮይኖም ሓሊኾም ሒዞም ዝፀንሑ ከም ፀረ ዲሞክራሲ ፣ፀቢብነት ፣ጉድለት ስነምግባር፣ ብልሽው ኣሰራርሓ፣ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ዝኣመሰሉን ነጥብታት ኣብ ባዕሉ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ከመይ ከም ዝግለፅ ናብ ነብሱ ኣጣቢቑ ብዕምቆት ብምግምጋምን ሃናፅን ዕውትን ቃልሲ ብምክያድን ጉድለታቱ ከም ዝርኣየን ከም ዘልዓለን ግልፂ ገይሩ፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ከም ዝሓበሮ ክህደስን ህዝባውን ዲሞክራስያውን ኣረኣእያ ተላቢሱ ክወፅእን ብመሰረት ዝወሰኖ ውሳነ ዓሙO ፣ተሪርን መሃራይን ወያናይ ቃልሲ ብምክያድ ካብ ድክመታቱ ወፅዩ ንህዝቡ ንምግልጋል ቆሪፁ ተላዒሉ ከምዘሎ ድማ ኣረጋጊፁ፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ገምጋሙ ንሕቶታት ህዝቢ ምላሽ ዝህብ መደብ 2009 ዓ/ም እውን ብዕምቆት ብምርኣይ ኣፅዲቁ እዩ፡፡
ገምጋምን መደምደምታን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ከምቲ ልሙድ ናብ ህዝብን ኣባላትን ከም ዝወርድ ዝሓበረ እቲ ውድብ ኣባልን ህዝብን ከምቲ ልሙድ ነዚ መሰረት ገይሩ ምስ ውድብ ተኣሳሲሩ ቃልሱ ከቀፃፅል ፀዊዑ፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ገምጋሙ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና ብፅሒት ህወሓት ኣብ ዝብል ነጥቢ ብዕምቆት ዝርኣየ ኮይኑ ምስ ኩሎም ኣባላት ውድባት ኢህወደግን መሓዙት ውድባትን ተኣሳሲሩ ፀገም ሃገር ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፍፅም ቆሪፁ ተላዒሉ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡