Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

“ኣድጊ፣ ንምንታይ ኢኺ ኣብ ማይ እትሸኒ? እንተበልዋስ’ንዝብኢ ውሕጅ ከውስድ’” በለት!

aa4e91eea4d7486448da2511e3b63ac7_xl

/ንሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ዝተፅሓፈ/                                     ቀዳማይ ክፋል

ዳኒኤል ካብ መቐለ

ዕላማ እዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ነባር ተጋዳላይ ህወሓትን ኣዛዚ ምክልኻል ሰራዊት ሃገርና ብዝነበሩ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ  ውልቀ መፅሄት ኣብ ዝኾነት መፅሄት “ውራይና”ን ጋዜጣ ሪፖርተርን  ሓምለ 2008 ዓ/ም “ፖለቲካዊ ፀገማት ሃገርናን መፍትሒ ሓሳባትን” ብዝብል ርእሲ ንዝሃቦ ተንታኒ ሓሳብ ውልቃዊ ርኢቶይ ንምሃብ ዝፀሓፍክዋ እያ።

 ፅሑፍ ጀነራል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ትኹረት ገይሩ ዝተፅሓፈ ኮይኑ፣ ሽዱሽተ ክፍልታት ኣለውዎ። ኣብዚ ዓመት /2008 ዓ.ም/ ዝተርኣዩ ተርእዮታት ህውከትን ዘይምርግጋዕን፣ ፖለቲካዊ መንቀሊኡን ትርጉሙን ንቕድሚት ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤንን መፍትሒኡን ዝሕብር እዩ። በቶም ፀሓፋይ ዝተቐመጡ መርአዪ ሓሳባት ብምውሳድ ኣብቲንሶም ዘልዓልዎም ዛዕባታት ዘለኒ ዝተፈለየ ቅዋም ከምዝስዕብ አዋዲደ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።

1/  እቶም ፖለቲካዊ ፀገማት እንታይ እዮም?

ከምቲ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ኣብ ፅሑፎም ብዝርዝር ዝሓበርዎ ኣብዚ ዓመት /2008 ዓ.ም/ ኣብ ሃገርና እቲ ዝተመዝገበ ኣጠቓላሊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ነቲ ኩነታት ምዝባዕ አየር ዝፈጠሮ ሓደጋ ተፃዊሩ ብልዕሊ ሸሞንተ ሚኢታዊ ክዓቢ ምኽኣሉ ኣዐርዩ ዝንኣድ ኮይኑ ብመዳይ ብፖለቲካዊ ምርግጋዕ ግን ትፅቢት ዘይተገበረሎም ብዝሕ ዝበሉ ህውከታትን ዕግርግርን ተኸሲቶም በሰላ ገዲፎም ሓሊፎም እዮም።

1.   ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝተፈጠረ ዓመፅን ዘይምርግጋዕን።

2.   ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምኽንያት ሕቶ መንነት ህዝቢ ቅማንት ዝተፈጠረ ጎንፅን ዘይምርግጋዕን።

3.   ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወልቃይት ውሽጢ ብዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኣምሓራ ዝተልዓለ ሕቶ መንነትን ነዚ ስዒቡ ህዝቢ ወልቃይት ትግራዋይነቱ ብምልኣተ ህዝቢ ብኮንፈረንስታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ዘረጋገፀሉ ከይዲ።

4.  ነዚ ስዒቡ ብምላሽ ህዝቢ ወልቃይትን ኣጠቓላሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብን ዘይተሓጎሱ ውልቀ ሰባት ብዝፈጠርዎ ህውከትን ዘይምርግጋዕን ንዐኦም ንምቁፅፃር መንግስቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ንዘካይዶ ኦፕሬሽን ስዒቡ ብደገፍቲ እቶም ዘይሕጋውያን ሰባት ብዝተፈጠረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሓይልታት ፀጥታን ነበርቲን ዝበፅሐ ሞትን ሞግዳእትንኣጓኒፉ እዩ።

5/ኣብ ጋምቤላ እውን ኣብ ሞንጎ ብሄር ብሄረሰባት ተላዒሉ ግን ድማ ዝተኣለየ ህውከትን ኣብ ሞንጎ ብሓደ ዓሌት ደቡብ ሱዳን ዝተፈፀመ ግፍዕን ካልኦትን ምዝርዛር ይከኣል እዩ።

ጥቕልል ኣቢልካ  እንትርአ ኣብዚ ዓመት  ዝተርኣዩ ህውከትን ዘይምርግጋዕን ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ሕማቕ ምስልን በሰላን ገዲፉ ዝሓለፈን ኣብ ዜጋታት ዓብዪ ትኹረት ረኺቡ ስግኣት ብዝተሓወሶ ዘዘራርብ ዘሎን ኣጀንዳ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ክንድኡ ዝኣክል ግምትን ክብደትን ክረክብ እውን ትኽክል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

2/ ትርጉም ናይዞም ፀገማት

 ከም ዝመስለኒ እቶም ፀገማት  ርኡያት ስለዝኾኑ ኣብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ ምቕራብ ኣይክኣልን። እቲ ፍልልይ ኣብ መንቀሊኦም፣ ትርጉሞምን ኣፈታትሐኦምን ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ገሊኡ ነዚ ኩነታት እናርኣየ ሃገርና ኣብ ምርግጋዕ ከምዘየላ ክድምድም ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃኢ ሃገርን ዝርከቡ ሓይልታት ተቓውሞ ወግሐ ፀብሐ ዘንበድብድዎ ሓሳብ እዚ እዩ። ገሊኡ ድማ ዋላ እኳ እዞም ተርእዮታት ክመፁ ዘይነበሮም እንተኾኑ ሃገርና ግና ኣብ ምርግጋዕ ከምዘላ ኣንዳዕዲዑ ይኣምን። ናይ መንግስትና እምነት እውን ዋላ እኳ እዞም ፀገማት ይከሰቱ እምበር ኣብ ምርግጋዕን ዝተለመደ ጉዕዞኣን ከም ዘላ እዩ ዝኣምንን መግለፂታት ዘውፅእን ዘሎ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ ጀነራል ፃድቃን  ሃገርና ኣብ ብጣዕሚ ዘይተረጋግዐ ፖለቲካዊ ኩነታት ውሽጢ ከም ዘላ እዮም ብሓሳቦም ዝኣምኑ።

ብናተይ እምነት ኢህወዴግ እውን በብእዋኑ ዘልዕሎ ከም ስእነት ስራሕ፣  ሰናይ ምምሕዳር፣ ግዕዝይና ዝመሳሰሉ ፀገማት ምህላዎም እንተኣመንኩን ነዚ ኩነታት ተበሊፆም ዕግርግር ክፈጥሩ ዝደልዩ ሓይልታት እንተሃለዉን እዛ ሃገር ግና ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራ ኢኮኖምያውንምርግጋዕ ከምዘላ እየ ዝኣምን።ኣብዛ ሃገር ትሸዓተ ክልላትን ክልተ ከተማ ምምሕዳራትን እየን ዘለዋ። ስለዚ ኣብ ኣዝዩ ውስን ክፋል ዝርከብ ህዝቢ ሃገር ናይ ምብታን ዕላማ ብዘለዎም ውሕዳት ገናሕቲ ናይቲ ፀገም ብህውከት እንተተሓመሰን ተደናጊሩ እውን  ሰልፊ እንተወፀን ሃገር ክትፈርስ ዝበለት ገይሩ ዝሓስብ እንተሃልዩ ኣዝዩ የዋህ እዩ ክኸውን። ብህዝቢ ንዝተመረፀን ሕዚ እውን ገለ ፀገማቱ ንኸስተኻኽል  ጥራሕ ሕቶታት ከቕርበሉእንተዘይኮይኑ ሙለእ ክብሃል ዝኽእል ናይ ህዝቢ ድጋፍ ዘለዎ ኢህወዴግስ ከምዚ ብዝበሉ መዕነዋይ ዕላማ ዘለዎም ህውከታት ክፈርስን ሃገር ክትበታተንን ኣይትኽእልን።

 ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረጋገዐ ኩነታት ከምዘላ ኣሚኑ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሃገርና ኣብ ብጣዕሚ ዘይተረጋግዐ ኩነታት እንተትህሉ ነቲ በብእዋኑ ናብ ሃገርና ዝፈስስ ዘሎ ኢንቨስትመንት እንትዕገት ኣይመስተውዓልናን። ግን ይውሕዝ እዩ ዘሎ።

ብመሰረቱ እቶም ካብ ዝተፈላለየ እምነት ብምብጋስ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝለዓሉ ዝነበሩን ዘለዉን ፀገማት ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ሓደ ሃገር ኣየጋጥሙን ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን። ናይ ሃገርና ብርኪ ዕብየት ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ድሕረትናን ድኽነትናን ዝፍልፍሉ ተፃብኦታት ካብ ዝኾነ ኣንፈት ኣየጋጥምዎን ክብሃል ኣይኽእልን።

 ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመት መጠኖምን ቅርፆምን ክፍላለ እንተዘይኮይኑ እናተዓዘብናዮም መፂእና ኢና። ክሳብ ድልዱል ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝህነፅ ንቕድሚት እውን እንተኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ተፃብኦታት ኣይህልውን ኣይረኣዩን ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ እቶም ፀገማት እኳ እንተሃለዉ ሃገርና ኣብዚ እዋን ኣብ ብጣዕሚ ዘይተረጋግዐ ኩነታት ውሽጢ እያ ትርከብ ዝብል መደምደምታ ካብ ጀነራል ፃድቃን ዝፈልየኒ ሓደ መሰረታዊ  ነጥቢ ገይረ ወሲደዮ ኣለኹ።

 ካሊእ ነጥቢ ኣፈላላይ ነቲ ፀገም መጋደዲ ተባሂሎም ብጀነራል ፃድቃንካብ ዝተጠቐሱ ነጥብታት “ዴሞክራስያዊ ምህዳር ስርዓት ብምፅባቡ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝፀደቐሉ ዝነበረ እዋን ካብ ዝነበረ ተፅዕኖ ግሎባላይዘሽን ኣብዚ እዋን እዚ ከምዝሓየለን በዚ ምኽንያት እዞም ዝስዕቡ ክልተ ተፃረርቲ ድሌታት ማዕቢሎም ከምዘለዉን እውን ይጠቅስ። ሓደ ህዝቢ ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ዘለዎ ኣተሓሳስባን ንምስታፍ ዘለዎ ድሌትን ወሲኹ ከምዘሎን ብሓፂር ኣዘራርባ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክሰፍሕ ከምዝደሊ፤ ብኣንፃሩ መንግስቲ ድማ እቶም ኣብ ሕገ መንግስቲ ተቐባልነት ዝረኸቡ መሰላት ዝግድቡ ኣሰራርሓታትን መመርሕታትን ብምጥቃም ምሕደራ ዲሞክራሲ እናፅበበ ይርከብ ዝብሉ እዮም። እዚ ናይ መንግስቲ ተግባር ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዘሎ ፖለቲካዊ ቐውሲ ሓደ ዓብዪ ምኽንያት ከምዝኾነንብናይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ትንተናዊ ፅሑፍ ተዳህሲስሉ እዩ።

ተፅዕኖ ግሎባላይዘሽን ማለት ንዓይ ከምዝርደኣኒ እቲ ምስ ዓለም ዘለና ምትእስሳር ብብዙሕ ገመዳት  ብምጥንኻር ኣዐርዩ ቅልጡፍ፣ ቀሊልን ተበፃሕነትን ክህሉ ገይርዎ ኣሎ። እዙይ ማለት ግን ዓለም ንኽንፈልጣ ኣኽኢሉና፣ ዝተፈላለየ ቴክኖሎጂ ብቐሊሉ ንምኹራጅን ኣብ ጥቕሚ ንምውዓልን ጠቒሙና ኣሎ፣ ካብ ምባል ሓሊፉ ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምስፋሕን ብምፅባብን መዳይ ኣዐርዩ ኣበርክቶ ገይሩ ዝብል እምነት አየስማዕመዐናን። እቶም ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጡ መሰላት ካብ ፈለማ ብዘይ ገደብ ክትግበሩ ከም ዘለዎም ተቐሚጦም ዝሓደሩ እዮም።

ብድሌት ሰባትን ብጊዜ ኣንፃርን እናተዓቀኑ ተግባራዊ ዝኾኑ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ከምዘይኮኑ ዝተቐመጠ ሓቂ እዩ። እዚ እንሃንፆ ዘለና ዲሞክራሲ ድማ ንጭቡጥ ፀገምና ዝፈትሕ ድኣምበር ካብ ወፃኢ ከምሸቐጥ ኣቕሓ “ኢምፖርት” ገይርና እነእትዎ በብእዋኑ ብናይ ደገ ተፃብኦታት ቅኒት እናገበጥናዮን ዝኸይድ ስርዓት ኣይኮነን።

ምሕያል ግሉባላይዘሽን ኣብ ህንፀት ወያናይ ዲሞክራሲ ዝፃወቶ እዎንታዊ ተራ የብሉን። እኳ ድኣስ ሊበራሊዝም ዝፈጥሮም ዕንቅፋታት ይዛይዱ። ስለዚ ምሕያል ግሎባላይዘሽን እዎንታዊ ተፅዕንኡ ድዩ ዘምዝን ወይስ ኣሉታዊ ተፅዕንኡ ዝብል ካብዚ ተበጊስና ብሰፊሑ ክንካትዕ ንኽእል ኢና።

   ከም ናተይ ትዕዝብቲ “ምህዳር ዲሞክራሲ ይፀብብ ኣሎ” ዝብል ኣበሃህላ ሐዚ ሓዱሽ ዝስማዕ ዘሎ ኣይኮነን። ኢህወዴግ ነቲ ጨና ዴሞክራሲ ዘይነበሮ ስርዓት ደርግ ኣወጊዱ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ ብወገን ተቓወምቲ ብዙሕ ክዝመረሉ ዝፀንሐ መዝሙር እዩ። ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዝፀሓፍዎ እውን ካብቶም ናይ ተቓወምቲ ዝተፈለየ ድምፀት ዘለዎ መልእኽቲ ኮይኑ ኣይተሰመዐንን። ነዚ ስርዓት “መሰላት ዝግድቡ ኣሰራርሓታትን መምርሕታትን ምስ መሰላት ብዘይገደብ” ዝብል ኣምራት ምጥዕዓም ኣፈላላይ ዘለዎ  እዩ።

ሕገ መንግስትና እቶም መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ መሰላት ብዘይ ኣሰራርሓታትን መምርሒታትን ይተግበሩ ኣይብልን። ኣተገባብረኦም ብኣሰራርሓታትን መምርሕታትን ብዝወፁ ሕግታትን ክድገፍ ከምዘለዎ እዩ ዘቐምጥ።

እንታይ ድኣ እዩ? እንተተባሂሉ ግን እቲ ዘሎ ፀገም ካሊእ ከይኮነስ ኣብ ሞንጎ ወያናይ ዲሞክራሲን ንዮሊብራል ዲሞክራሲን ዘሎ ባህርያዊ ፍልልይ እዩ። ሊብራል ዲሞክራሲ እቲ ምህዳር ልቂ ክኸውን ይመርፅ። መሰል ካብ ግቡእ ነፂሉ ይወስድ። ካፍቲ ዝኽተሎ መትከል ተበጊሱ ስርዓተ ኣልበኝነት ኣብ ባዕሉ ዘይኮነሰኣብ ካልኦት ክነግስ የተባብዕ። ወያናይ ዲሞክራሲ ንኹሎም መሰላት ናይ ሕጊ ሓለዋ ንኽግበረሎም የተባብዕ። መሰል ምስ ግቡእ ተጠዓዒሙ ክኸየድ ይገበር። በዚ መሰረት ኣብ መሰላት ገደብ ዝግበረሎም ብሕጊ ዝተቐመጡ ስለዘዉ ዲሞክራሲያዊ ምሕዳር ፀቢቡ ዘብል ክኸውን ኣይኽእልን።

እዚ ማለት ኣብ ኣጠቓቕማን ኣተገባብራን እቶም መሰላት ብወገን መንግስታዊ መሓውራት ይኹን ዜጋታት ዝረኣዩ ፀገማት የለውን ማለት ኣይኮነን። እቲ ፀገም ናይ ኣተሓሳስባን ኣብ ተግባር ኣወዓዕላ ብኻሊእ ኣዘራርባ ኣብ ኣፈፃፀማ ብስፍሓት ዝርአ ዘሎ እዩ። እዚ ክስተት ብዋናነት ምስ ናይ መራሕትና ብርኪ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ምስ ዘለና ብርኪ ህንፀትኢኮኖሚን ዲሞክራሲን ብህፁፅ ክነወግዶ ዘይንኽእል ክስተት ምዃኑ ድማ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ብሓደ ግዘ  ተሃኒፁ ዝውዳእ መስርሕ የለን። ናይ ካልኦት ሃገራት ህንፀት ዲሞክራሲ ተሞክሮ ዝነግረና እውን ህንፀት ዲሞክራሲ ከቢድ ቃልሲ ዝሓትት ሓርጎፅጎፅ ዝበዝሖ ጉዕዞ ከምዝኾነ እዩ። እዚ ምዃኑ ድማ ብዋናነት ምስ ናይ መራሕትና ጀነራል  ፃድቃን ይጠፍኦም እዩ ዝብል እምነት የብለይን።

እቲ ካልእ ጉዳይ ከምቲ ብሓደ ኢድ ጥራሕ ምጥቓዕ ዘይከኣል ህንፀት ዲሞክራሲ እውን ብመንግስቲ ጥራሕ ዝውዳእ ኣይኮነን። ናይ ኩሎም ፖለቲካዊሓይልታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ብዋናነት ድማ ናይ ሓፋሽ ህዝብን ተሳትፎ ይጠልብ። ሌተናል ጀነራል  ፃድቃን ብዛዕባተሳትፎ እዞም ኣካላት ክዛረቡ እንተዘይከኣሉ እውን እቲ ሓቂ ግና ኣይጠፍኦምን። ብፍላይ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ሃገርና ኣብ ህንፀት እቲ ዴሞክራያዊ ስርዓት ዕንቅፋት ካብ ምፍጣር ሓሊፎም እወንታዊ ተራ እንትፃወቱ ዘይረአዩ ከምዘኾኑ ዓመታት ካብ ዝነበረና ከይዲ ዝተዓዘብናዮ እዩ።