Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓድግራት ኢንቨስትመንት ክዓቢ ዝፃወቶ ግዘ ዝዓዘዘ’ዩ

adigrat-meskel

መቐለ መስከረም 17/2009(ድወት) ምኽባር በዓል መስቀል ምስሊ እታ ከተማ ብምህናፅ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ይፃወቶ ዘሎ ግደ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ተስፋልደት ደስታ ገሊፆም፡፡
ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ዓዲግራት በዓል መስቀል ትማሊ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ፡፡
ሃይማኖታውን መንፈሳውን ምድላዋት ዝቐረቡ እንትኾን ባህላዊ መግለፅታት እታ ከተማን ብዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዝተዳለወ ሲምፓዝየምን ኣብቲ በዓል ዝቐረቡ ምድላዋት ነይሮም፡፡
ኣብቲ ሲምፓዝየም 5ተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቐረቡ እንትኾን ቅድሚ ዘመነ መንግስቲ ኣኽሱም ኣብ ዙርያ ዓድግራት ዝነበሩ ክብርታት ዝነበሮም ምስሊ ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ሓድግታት ብስነ- ኳዕቲ ዝተረኸቡ ሓድግታትን ማእኸል ገይሮም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዝገበሩ ተመልኪቱ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ ጣሊያን፣ኣሜሪካ፣ኢትዮጵያን ካናዳን ዝተውፃፅኡ ሙሁራት ተሳተፍቲ ኾይኖም’ዮም፡፡
ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተኸበረ በዓል መስቀል ኣብ ክልልና ትግራይ ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ትሕዝቶታቶም ዘላልዩ እንትኾን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ጎቦ ድማ 22 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መስቀል ተተኺሉ እዩ፡፡
በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓድግራት ንምኽባር ኣስታት 50ሽሕ ዕዱማት ዝተረኸቡ እንትኾን በዓል መስቀል ምስሊ እታ ከተማ ብምጉላህ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ይፃወቶ ዘሎ ግደ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ተስፋልደት ደስታ ገሊፆም፡፡
በዓል-መስቀል ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ 650 ሚልዮን ወፃኢ ዝሓቱ 4ተ ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ዕላዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም