Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስን ተበግሶን

tigray flag
ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስን ተበግሶን

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንመላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጰያ እንኳዕ አብፀሓኩም አብፀሓና እንትብል ሃገርናን ክልልናን ብመስመር ትሃድሶ ዝነፀሩ ፖሊሲታትን ስትራቴጅታትን ሒዛ ኣብ መንገዲ ሱሉጥ ምዕባለ ካብ ትኣቱ እንሆ 15 ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ ፡፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዚ ናይ ሎሚ ሓድሽ ዓመት እንትንቕበል እውን ዓወታትና ዓቂብና ዘጋጠሙና ፈተናታት ከምንሰግሮም ደጊሙ ብምርግጋፅ እዩ፡፡

ንሱሉጥ ምዕባለ መሰረቱ ብዘላቕነት ዝዓቀብናዮ ሰላምናን ውሑስ ዴሞክራሲን እዮም ፡፡ሰላም ዘላቒ ክኸውን ብዓልዋና ህዝቢ ክኸውን ስለዝተገበረን ዴሞክራሲና ድማ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝነበረ ዝተዛበዓ ርክባት ብዘስተኻኸለ መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክትካእ ስለዝኽኣለ እዞም ዓወታት ክርከቡ ኪኢሎም እዮም ፡፡

እዚ ካብ ድኽነት ናይ ምንጋፍ ኣጀንዳ ኣብ መላእ ህዝብና ግንዛበ ተታሒዙሉ ምንቅስቓስ ስለዝተገበረ እውን ብኣመዳድብኦምን ኣወፋፍራን ፍሉጣት ዝኾኑ ናይ ልምዓት ሰራዊት ትሃኒፆም እዮም ፡፡በዚ ምኽንያት በቢ እዋኑ ከጋጥሙ ዝፀንሑ ውሽጣውን ደጋውን ፈተናታት እዚ ስርዓት ንምስጋር ዘኽእል ዓቕሚ ተሃኒፁ ንውሽጣዊ ሕፅረታን ክፍተታትን ፍሉይ ትኹረት እርማት ተዋሂቡ ፡፡ናይ ለውጢ መንገድና ቀፃልነት ክህልዎ ኣኽኢሉ እዩ፡፡

እቲ ጠለብ ልምዓት ብስፍሓት ዘለዓዓሉ ፖሊስን ስትራተጅታትን ፣ ህዝብና ካብ ድኽነት ቐልጢፉ ክወፅእ ዘለዎ ልዑል ድልየትን ብመሰረቱ ምስ ኣንፃር ክራይ ኣካብነት ብዝካየድ ቃልሲ ክርከብ ዝግብኦ ዕግበት ሰናይ ምምሕዳርን ህዝብና ምስቲ ልምዓት ተመጣጣኒ ውፅኢት ከም ዘየመዝገብናሉ ብምርዳእ ናብ ቅልጠፍ ፅሬት መሓውር ትኣትዩ እዩ፡፡ ንኹሎም ዛዕባታት መመዘኒኡ ቃልስን ቃልስን ጥራይ ገይሩ ዝወስድ ህዝብና ነቶም ዝተወሰዱ ናይ ፅሬት ፣ኣሰራርሓ ፣ኣመዳድባን ስጉምትታት ኒኢዱ አብ ተግብር ብዙሕ ርሕቐት ክንኸይድ ምጥላቡ እውን ቑቡል ከይዲ ልምዓትውን ዴሞክራሲያውን ናይ ኣተሓሳስባ ምዕባለ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ንማዕርነታዊ ሓድነት ዝፈታተን ትምክሕቲ ዝፈጠሮ ሰብአውን ንዋታውን ክሳራ ብናይ ሕጊ ልዕልና ክእርነብን ነዚ ሲዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሓደጋ ፀቢብነት ንምክልኻል ህዝብና ዘርአዮ ትዕግስቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል አለዎ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምወትሩ ብፍላይ ኣቕልቦን ትኹረትን ንዝፍጠሩ ክፍተት እናኣረመ ካልኣይ ዓመት ካልኣይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግር ብዝለዓለ ናይ ትሃድሶ ኸይዲ ምዕማቕ መንፈስ ህዝብና ክቕበሎ እንትፅውዕ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ናይ ህዝብና ንጡፍ ተሳትፎ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምትእምማን እዩ፡፡በቢብርኩ ዘለው ኩሎም ፈፀምቲ ኣካላት ድማ ብናይ ትሃድሶ ምዕማቕ መንፈስ ናይ ህዝቢ መገልገላይነት ኣተሓሳስባ ብምጥንኻር ንህዝባዊ ጠለባት ቅልጡፍ መብርህን ምላሽን ብምሃብ ብዝለዓለ ናይ ሓባር ምርድዳእ ብርኪ ንህዝቢ ብንቕሓት ክመርሑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እንትትፅውዕ ደጊሙ ንሓዱሽ ዓመት እንካዕ አብፅሓኩም አብፅሓና ብምባል እዩ፡፡

የትግራይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት

መቐለ