Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ብምኽንያት 4ይ ዓመት ዝኽሪ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝተወሃበ ውድባዊ መግለፂ

12115625_1056329221086008_873510938163524526_n

እቲ ብሉፅ መራሒ ውድብናን መንግስትናን ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት 14 ነሓሰ 2004 ዓ/ም ብኣካል እንትንስእኖ ዝተረኣየ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ዝኾነ መዋእል ሃገርና ዘይተረኣየ ብምንባሩ ኣብ ታሪክ ጉዕዞ ቓልስና ናይ ባዕሉ ፍሉይ ክታም ኣዕሪፉ ከም ዝሓለፈ እንዝክሮ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ጉዕዞ ህዳሴና ዝተረጋገፀ ሓቂ እውን ህዝቢ ትግራይ ከም ቐደሙ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐን ንክብርታት እቲ ብሉፅ መራሒኡ ኣፅንዑ ብምሓዝን ነቲ ከቢድ ዓቐብ ድኽነት ንክወፅእን ነበረያ ንምግባርን ዘይዛሪ ኩለመዳያዊ ዓወታት ብምምዝጋብ ሕድሪ ተጋዳላይ መለስን ኩሎም ስውኣትናን ብተግባር እናረጋገፀ ንቕድሚት ይምርሽ ኣሎ፡፡

ዝተኸበርክንን/ ዝተኸበርኩም ህዝቢ ትግራይን ኣባላት ህወሓትን!

ክብርታት ተጋዳላይ መለስ ክብርታት ውድብናን ተቓላሳይ ህዝብናን እዮም፡፡ ተጋዳላይ መለስ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተመስረተ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾኑ ብቕድመ ግንባርነት መሪሑን ተጋዲሉን እዩ፡፡ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ኣብ ከይዲ ንምርግጋፅ ማዕርነታዊ ተሳትፍኦምን ተጠቃምነቶምን ዝገብርዎ ሓበራዊ ቓልስን ምንቅስቓስን ከጋጥሞም ዝኽእል ብድሆታት ኣሚቱ ምንጪን ተፈጥሮን ናይቶም ብድሆታት ብዝርዝር ተረዲኡ ኣብ ፅላል ልምዓታዊን ዴሞራሲያዊን መስመሮም ዓሲሎም ከመይ ከምዝፈትሕዎም ኣብ ዓሚቕ ሳይንሳዊ ትንተና ተደሪኹ ንፁር ናይ መፍትሒ ኣንፈታት ዘቐመጠን ሰገር ብናይ ወለዶታት ምቅብባል ዝትግበር ራእይ ህዳሰ ሃገርና ዘነፀረን ህያው መራሒ ጉዕዞ ህዳሴና እዩ፡፡

ተጋዳላይ መለስ ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላምን ኣብ ፅኑዕ ሸካል ዝተመስረተ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ፣ ቅልጡፍ፣ ቐፃሊን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘረጋግፅ ማሕበረ ቁጠባዊ ልምዓት ንክረጋገፅ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መስመር ዘመንጨወን ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ክረኽብ ዝገበረን ናይ ተግባር መምርሒታት ዝኾኑ ዝርዝር ፖሊስታት፣ ስትራተጂታት፣ ፓኬጃትን ሪፎርምታት ክቕረፁ ብምግባር ናይ መላእ ሃገር ኣታሓሳስባ ንክኾኑን ብተግባር መሪሑ ሃገርና ተምሳሌት ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ክትኸውን ክሳብ ሕልፍተ ሂወቱ ብዝለዓለ ህዝባዊ ቆራፅነት ዝመርሐን ዝተጋደለን እዩ፡፡

ተጋዳላይ መለስ ንሃገርናን ህዝብን ውሕስነት ንከረጋግፁ ዝተሓንፀፁ ፖሊስታት ብናይ ግዳም ሓይልታት ከይተተንከፉ ሃገርና ነፃነትን ክብራን ሓሊያ ንክተተግብሮም ዘኽእሉ ኣብ ዓሚቕ ሳይንሳዊ ትንታነ ዝተደረኹ ፖሊስን ስትራተጅን ዝሓንፀፀን ብተግባር መሪሑ ናይ ሃገርና ገፅታ ዝቐየረን ውፉይ ወዲ ህዝቢ መራሒ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣፍሪካውያን ናይ ሓባር ድሌታት ብምሓዝ ድምፂ ኣፍሪካ ብምዃን ኣብ ታሪክ ቓልሲ ህዝብታት ኣፍሪካ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ጠበቓ ውፅዓት ህዝብታት ኮይኑ ዝተቃለሰን ዘቓለሰን መራሒ እዩ፡፡

ዝኸበርኩም/ክን ህዝቢ ትግራይን ኣባላት ህወሓትን!

ሎሚ መበል 4 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ እቲ ብሉፅ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ እንተነክብር ህዝብና ክብርታቱ ተላቢሱን ነቶም ነቲ ናይ ልምዓታዊ ዴሞራሲያዊን ቀያስን ናይ ሰላም ሃርበኛን ዝኾነ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ሓሳባት በዓል ዋና፣ ተግባርን ተጠቃምን ብምዃን ካብ ፅባሕ መስዋእቱ ጀሚሩ ብሕራነ ቃልካ ኣይነዕብርን!! ቃልካ ኣኽብርናን ሓሊናን ዝጀመርካዮ ክንዛዝሞ ኢና! ናብ ዝለዓለ ኩለመዳያዊ ብርኪ ክነሰጋግሮ ኢና!! ኢሉ ዝወለዖ ማዕበል እነሆ ድሕሪ መስዋእቱ ኣብ ዘለው ጉዕዞ ቓልስና እውን ህያውነቱ እናረጋገፀ ንቅድሚት ይምርሽ ኣሎ፡፡

ዝኸበርኩም/ክን ህዝቢ ትግራይን ኣባላት ህወሓትን!

ሎሚ ህያውነት ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ብተግባር ኣብ ዘረጋገፅናሉ ዝኽሪ መበል 4 ዓመቱ እንተነኽብር ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ስጋዕ ሕልፈቱ ዘውረሰናን ቃል ኣቲናን እናሰራሕናሉ እንሰርሐሉ ዝፀንሓናን ጉዳይ ምቕናስ ድኽነትን ድሕረትን ንሓዋሩ ብምድምሳስ ዘተኣማምን ቐፃላይ፣ ስሉጥን ፍትሓዊን ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ ኣብ ምዕራፍ ጉዕዞ ቓልስና ዘጋጥመና ከበድቲ ሕልኽልካት እናሰገርና ነቲ በሃንዳሳይነት እቲ ብሉፅ መራሒና ዝተሓንፀፀ ልምዓታዊን ዴሞራሲያዊን መስመርና ኣፅንዕና ብምሓዝ ንቕድሚት ንምርሽ ኣለና፡፡

ኣብ ቐዳማይ ናይ ዕቤትን መሰረታዊ ለውጥን ትልምና ዝነበረና ኣፈፃፅማ ብዝርዝር ገምጊምና ብተግባር ዝረኸብናዮም ብሉፃት ሰራሕትና ብምግፋሕ ዝነበሩና ጉድለታት ድማ ንምእራም ብዘኽእል መንገዲ ካልኣይ ናይ ዕቤትን መሰረታዊ ለውጥን ትልምና ሓንፂፅና ንተግባራዊነቱ ምርብራብ ካብ እንጅምር እነሆ ሓደ ዓመት ኣቑፅርና ኣለና፡፡

እዚ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ውድብና ዘፅደቕናዮ ካልኣይ ናይ ዕቤትን መሰረታዊን ትልምና ቐንዲ ትሕዝትኡ ኩለመዳያዊ ዝተወደበ ውዑይ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ብምውላዕ ካብ ዕቤት ዝዘለለ ኩለመዳያዊ መሰረታዊ ለውጢ ምርግጋፅ ማእኸል ዝገበረ እዩ፡፡

ነዞም ኣብ ካልኣይ ናይ ዕቤትን መሰረታዊ ለውጥን ዝሓዝዮም ሽቶታት ዕውት ንምግባር ናይ ውሽጢ ውድብ ዝተጎሃሃረ ቓልሲ ምስቲ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ቓልሲ ብምትእስሳርን ኩለመዳያዊ ብምግባርን ንዓወት እቶም ሽቶታት ትልምና ቁልፊ ከምዝኾነ ንፁር ኣንፈት ተቐሚጥሉ እዩ፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ካብ ፅባሕ መበል 12 ጉባኤና ኣቲሒዝና ኣብ ፀረ-ክራይ ኣካብነትን ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ዝወላዕናዮ ኩለመዳያዊ ናይ ሓፋሽ  ዝተወደበ ምንቅስቓስ  ኣብ ውሽጢ ውድብና፣ መሓውር ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መንግስትናን ምልኣተ ህዝብናን እናተጎሃሃረ ምቕፃል ጀሚሩ ብምህላው ዝለዓለ ናይ ቓልሲ ሕራነ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ እውን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኩለመዳዊ ቓልስን ምንቅስቓስን ኣብዚ ቐፂልና እናኣትዎ ዘለና ዓመት እውን ዛይዳ ተጠናኺሩ እናተጎሃሃረን ከምዝቕፅል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት በዚ ኣጋጣሚ  ከረጋግፅ ይፈቱ፡፡

ዝተኸበርኩምን / ዝተኸበርክን ህዝቢ ትግራይን ኣባላት ህወሓትን!

ኣብዚ ኣብ ፅላል ልምዓታዊ ዴሞራሲያዊን መስመርና ዓሲልናን ህዝባዊ ክብርታት እቲ ብሉፅ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ተላቢስናን ድኽነትን ድሕረትን ንምቕባር ኣብ እንገብሮ ዘለና ውዑይ ኩለመዳያዊ ቓልስን ርብርብን ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ጉዕዞ ምዕባለናን ዓወትናን ዘየሕጉሶም ናይ ውሽጥን ግዳምን ፀላእቲ ከምዘለውና ንፈለጥ ኢና፡፡ ብምዃኑ እውን ኣብ ፅላል ልምዓታዊን ዴሞራሲያዊን መስመርና ዓሲልና ራእይ መለስን ጉዕዞ ህዳሴናን ንክውላዕን ህያው ንምግባርን ኣብ እንገብሮ ኩለመዳያዊ ቓልስን ርብርብን ጉዕዞና ንክስንክሉን ንድሑሩ ፀረ-ዴሞክራሲያዊን ስርዓቶም ንክምልሱን ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ለይትን ቐትርን ዝፅዕሩ ፀላእቲ ከም ዘለውና ርዱእ እዩ፡፡

እዞም ምዕባለን ራህዋን ሃገርናን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብሓፈሻ ምዕባለን ራህዋን ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ድማ ብፍላይ ከም ዕረ ዝጥዕሞም ፀላእትና ኣብዞም ሕሉፋት ዓመታት ጉዕዞ ቓልስና እውን ካብ ዝሓዝናዮም ምዕዋት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን መንገድና ንክኹለፍን ካብ መንገድና ኣውፂኦም ናብ ዕግርግርን ህውከትን ንክንኣቱን ዝተፈላለየ ስልትታትን ውዲታትን ሓንፂፆም ንተግባራዊነቶም እናተረባረቡ ዝፀንሑ እኳ እንተኾኑ ብሓያልነት መስመርና ጉርድን ምህርትን እናፈለና እናሰኮናዮም መፂና ኢና፡፡

ይኹን እምበር እዞም ፀላእትና ዝሓዝዎ ፀረ-ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ዝኾነ ዕላማ ከየዕወቱ ስለዘይዓርፉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ደኾን ይኸነልና ኢሎም መልክዑ ዝቐየረ ስልቲ ሓንፂፆም ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ሃገርና ንምፍጣር ናይ ሞትን ሕየትን ምንቅስቓስ  ይገብሩ ኣለው፡፡ ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ቅድም ቐዳድም ነቲ ፅኑዕ ዕርዲ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መስመር ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ካብቲ ካሊእ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ነፂሎም ንምውቃዕ ፍፁም ፀረ-ዴሞክራሲያዊን  ዘርኣዊን ዝኾነ ምልዕዓል ብምግባር ንተግባራዊነቱ ይረባረቡ ኣለው፡፡

ንህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ምድኻም ቅድሚት ስረዖም ነቲ ኣብ ፅላል ህዝባዊ መስመር ኮይኑ ብደምን ዓፅምን ዝተነደቀ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ህወሓት ነቓዕ ንምፍጣር፣ ኣብ መንጎ እተን ብሓበራዊ ቐላፅመን ጉዕዞ ህዳሴናን ራእይ ተጋዳላይ መለስን ህያው ንምግባር ዝቃለሳ ዘለዋ ዴሞክራሲያዊን ልምዓታዊን ውድባት፣ ኣብ መንጎ እቲ ብሓባራዊ ቓልስን መስዋእትነቱን ብማዕርነታዊ ተሳትፍኡ ተጠቃምነቱ ንከረጋግፅሉ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓቱ ዝሃነፀ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ቅርሕትን ጥርጣረን ብምፍጣር ካብ ዝሓዝናዮ መንገዲ ብሩህ ጉዕዞ ኣመዛቢሎም ናብ ህውከትን ዕግርግርን ንኸእትውና ዘይፍንቀልዎ እምኒ ከም ዘየለ ብተግባር ንርኢ ኣለና፡፡

እዞም ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝመትከሎም ፀረ-ሃገርናን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብንታት ዝኾኑ ሓይልታት ንኩሎም ናይ ውሽጥን ግዳምን ፀበብቲ፣ ትምክሕተኛታት፣ ኣኽረርትን ኣሸበርትን ናብ ሓደ ግንባር ኣምፅኦም ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ብሓይልን ዕግርግርን ንክግልብጡ ናይ ቐቢፀ ተስፋ ምንቅስቓስን ተግባርን እንትፍፅሙ ንርኢ ኣለና፡፡ ብዝተኸተልዎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ድማ ኣብ ሰላማዊ ህዝብናን ናይ ፀጥታ መሓውራትና ዓብይ ናይ ሰብኣዊን ንብረትን ክሳራን ኣብፂሖም እዮም፡፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ በቲ ኣብ ህዝብናን መሓውራት ፀጥታናን  ብደመኛታት ፀላእትና ዝኾኑ ፀበቢትን ትምክሕተኛታትን ዝበፅሐ ጉድኣት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እትገልፅ ነዞም ደመኛታት ህዝቢ ትግራይን ሃገርናን ዝኾኑ ሓይልታት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ካብ መስመር ውድብና ህወሓት ነግፈረግ ከይበልናን ንክብርታት እቲ ብሉፅ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ተላቢስና ምስ ህዝቢ ትግራይ፣ መሓዙት ዴሞክራሲያዊ ውድባትን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ብምዃን ብፅንዓት ብምቅላስ ህዝባዊ ፍርዶም ክረኽቡ ከምንገብር ክነረጋግፀልካ ንፈቱ፡፡

ብዚ ኣጋጣሚ ህዝብና ብውሽጥን ብግዳምን ኣብ ጉዕዞ ቓልስና ዘጋጥምኻ ብድሆታት ኣብ ፅላል መስመር ውድብካ ህወሓት ዓሲልካ ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ብዝኾነ ይኹን ማዕበል ከይተናወፅካ ሕድሪ እቲ ብሉፅ መራሒኻ ተጋዳላይ መለስን ኩሎም ስውኣት ህዝባዊ ቓልስኻን ብዝሓየልን ዝተወደበን ተሳትፎኻ ተጠቃምነትካ ንምርግጋፅን ሕድሪ ስውኣትካ ብልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምድባስ እትገብሮ ዘለኻ ኩለመዳያዊ ርብርብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ከምዝሕበነሉን ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ብመሪሒነት ውድብካ ህወሓት እናተመራሕካ ኣብ ኩሎም ዓውደ ግንባራት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ገጠርን ከተማን ዝወላዓኻዮ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንክሰጋገር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ብፅንዓት ከምዝመርሕ ከረጋግፀልካ ይፈቱ፡፡ ኣብዚ ክረምቲ መበል 4 ዓመት መራሒኻ ተጋዳላይ መለስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ፅላል ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓሲልካ እትገብሮ ንዘለኻ ኩለመዳያዊ ርብርብ ኣጠናኺርካ ክትቕፅለሉ እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ደጊሙ ፃውዒቱ የቐርብ፡፡

ዝኸበርኩም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ

ሎሚ ዝኽረ 4 ዓመት ብሉፅ መራሒና ተጋዳላይ መለስ እንትነኽብር ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ብሓባራዊ ቐላፅምና ዝሓዝናዮ ጉዕዞ ህዳሴ ዕውት ንምግባር ኣብ እንገብሮ ዘለና ዘይተሓለለ ቓልሲ ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ካብ ጎንኩም ከይተፈለዩ ንዝለዓለ ኩለመዳያዊ ዓወት ኢድ ንኢድ ተታሒዞም ከምዝረባረቡን ዝተለመደ ሓበራዊ ቓልስናን ምንቅስቓስናን ብምጥንኻር ንዝጀመርናዮ ጉዕዞ ህዳሰ ኢድ ንኢድ ተታሒዝና ንክንረባረብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ፃውዕቱ የቕርብ፡፡

መለስ ህያው እዩ !!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ነቶም ዝኾነ ጉርዲ ዘይለግቦም ስውኣት!!

 

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ነሓሰ 14/2008