Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ቅድሚ 4 ዓመት ንሕድሳት ተዓፅዩ ዝነበረ ቤተ-መንግስቲ ዘዕንቁ ንጉሰ-ነገሰት ዘኢትዮጵያ ሃፄ ዮሃንስ መቐለ ሎማዓንቲ ብዕሊ ንግልጋሎት ክፍቲ ኾይኑ

image

image
20/12/2008 ዓ.ም
ብያሬድ አለምሰገድ
ቅድሚ 4 ዓመት ንሕድሳት ተዓፅዩ ዝነበረ ቤተ-መንግስቲ ዘዕንቁ ንጉሰ-ነገሰት ዘኢትዮጵያ ሃፄ ዮሃንስ መቐለ ሎማዓንቲ ብዕሊ ንግልጋሎት ክፍቲ ኾይኑ፡፡
ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ 8 ዝኣኽሉ መንበረ-ዙፋን ቤተ-መንግስቲ አለዎም፡፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ደብረ-ታዎርን አጉላዕን ዝርከቡ ቤተ-መንግስቲ ሃፄ ዮሃንስ ሕድሳቶም ዛዚሞም ኣብ ቀረባ እዋን ንተጠቀምቲ ክፍቲ ከምዝኾኑ ትፅቢት ይግበር፡፡
ካብ ኩለን ወረዳታት ቤ/ፅሕፈት ቱሪዝም ዝመፁ ዕዱማት ኣጋይሽን ዓበይቲ ዓድን ሚድያን አበዝተረኸብሉ ብኽብሪ ስርሑ ዝጀመረ እዚ ማእኽል ሙዘየም ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንበፃሕቲ ክፉት ኮይኑ ኣሎ፡፡ኣብዚ ስነ-ስርዓት ዝተረኸባ ወ/ሮ መዓዛ እስቂኤል ኣብ ምምሕዳር ቤተ-መንግስቲ ናይ ሙዝየምን ቅርሲ ሓለዋን ግልጋሎትን ዳይሬክቶር ከምዝበለኦ ሕድሳት እዚ ቤተ-መንግስቲ ከምቲ ዝነበሮ ሕድያቱ እንከይተቐየረ ንኽስራሕ ብዙሕ ፃዕሪ ተገይርሉ እዩ፡፡ናውቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ጥበብ/ጠቢባን ህንፃ/ ካብ ውሽጢ ዓዲ ብምግባር ጥንታዊ ናውቲ ሕድሕድ እዚ ታሪኻዊ ተፀኒዑ ብኸመይን ብምንታይን ከምዝተሃነፀ ብምርኣይ ወፃእተኛታት ሰብ ምርምር ስነ-ህንፃ ምኽራዊ ሓገዝ እናተለገሰና ንዛ ዕለት በቒዕና ኣለና ኢለን፡፡
ንትውስታ…
ፈላሚት አሚን ሃፀይ ዮሃንሰ ተወላዲት ክልል ዓፋር ተኸታሊት እምነት እስልምና እንትኾና ወ/ሮ ያኩሚ ብ1860 ዓ.ም ሓደ ውላድ ለጊሰናሎም ክሞታ ክኢለን እየን፡፡መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ወይዘሮ ያኩሚ ብሰንኪ ወሊድ ክሞታ ከምዝኸኣላ እዩ ዝሕብር፡፡