Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ቅዋም መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

tigray flag
ቅዋም መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ድርብ ዕማም ኩነት ምህዳስ ሕድርን ክብርታትናን ንምዕዋት ሓደ ዕላማ !!
ህዝቢ ትግራይ ካብ ብሄራውን ደርባውን ወፅዓ ክናገፍ፣ ምስ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሰ ክኣቱ ዘይተሓለለ ቃልሲ ኣካይዱ። ነዚ ማዕበላዊ ወያነ ኢትዮጵያ ድማ ብዝግባእ እናመርሐ፣ ከምትንታግ ሓዊ እናተወለዐ፣ ሚሊዮናት እናዕሰለ ኣብዚ መድረኽ ክንበፅሕ ብሉፅ ግድኡ ዝተፃወተ ስሙይ መራሒና መለስ ዜናዊ ን4ይ ዓመት እንትንዝክሮ ዝለዓለ ሓበን ይስመዐና። ነዚ ዕላማ ዝወደቑ ኩሎም ሰማእታትና ድማ ቅሱናት ክኾኑ ሕድሮም እናሀደስና በቢመድረኹ ክንቕፅል ግቡእና እዩ።
ካልኣይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ቀዳማይ ዓመት ኣብ እንዛዝመሉን ዝተጀመረ ብሩህ ጉዕዞ ህዳሰ እናተጠናኸ ኣብ ዝኸደሉን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሑራት ኣተሓሳስባታት ትምክሕትን ፀቢብነትን ምቅልቓል ጀሚሮም ኣለው። ይኹን እምበር ኹሎም ጀጋኑ ሰማእታትናን ብሉፅ መራሒ መለስን ዝገደፍዎ ሕድሪ መሰረት ብምግባር ነቲ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ዝተሃነፀ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ዝፈታተኑ ኩሎም ድሑራት ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ምስ ኩሎም ብሄር ብሄረሰብን ህዝብታትን ሃገርና ብምዃን ከምቲ ልሙድ ስዒርናዮም ከምንወፅእ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ጥርጥር የብሉን።
ህዝብና ኣብ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ዝወለዖ ምንቅስቓስ ሕድሩ ንምሕዳስ ብጭቡጥ አብ ዘካይዶም ዘሎ ምስፋሕ ብሉፃት ተመክሮታት ሓምለዋይ ልምዓትን ካልኦት መድረኻዊ ዕማማትን ይዋሳእ አሎ፡፡ ብኹለ መዳይ ዓቕምታት መንግስትን ህዝብናን ንአዝዩ ከቢድ ዝነበረ እዋን ደርቂ ንምስጋር ትምህርቲ ዝወሰድናሎም ዓውድታት ናብ ረብሓ ንምቕያር ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት’ውን ንድርቂ ዝፃወር ኢኮኖሚ ክህነፅ ብሉፅ መራሒ ዘቐመጦም አንፈታት አብ ባይታ ይረጋገፁ ምህላዎም ዘርድእ ሓቂ እዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ብገዛእቲ ደርብታት ይበፅሖ ካብ ዝነበረ ብሄራዊ ዕብለላ ውሽጢ ኮይኑ’ውን ባህላውን ማሕበራ’ውን ክብርታቱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተዓቂቦም ክቕፅሉ ሓያል ፃዕሪ ዝዓመመ ዘይክበስ ሕሊና ዝወነነ ህዝቢ’ዩ። ገዛእቲ ደርብታት ብሓደ ገፅ እዞም ክብርታት ክጠፍኡ ነቲ ሃዋህው ብምፅባብን ብምንሻውን ደረት ዘይብሉ ግፍዒ ፈፂሞም። ብኻሊእ ገፅ ህዝቢ ትግራይ ንባህላውን ማሕበራዊ ክብርታቱ ምዕቃብ ዝገብሮ ዝነበረ ዘይተወደበ ምንቅስቓስ ንፃትውን ዕረፍቲ ዘይነበሮ ህዝቢ ከምዝነበረ ዘዘኻኽሩ እዮም።
ህዝቢ ትግራይ መሪሕ ውድቡ ምስረኸበ ድማ እዞም ክብርታት ዝበለፁ ክዕንብቡ ዘኽኣሉ መሰረታዊ ኣንፈታት ተቐሚጦም። እቲ ቓልሲ ንባህላውን ማሕበራውን ፀጋታት እናሃደሰ ብግድኦም ድማ እቶም ባህላውን ማሕበራውን ሃፍትታት ነቲ ቓልሲ እናሃደሱ ተመጋጊቦም ናብዚ ዘብፅሑና ኣብ ፅኑዕ ሰረት ስለዝረበቡ እዩ። ምሽጥር መሰረታዊ እዚ ጉዳይ ድማ ምስዞም ክብርታት ዘይኸዱ ድሕረታት፣ ሓለኽቲ ሰርዓታት ክብተኹን ህዝቢ ፈልዩ ክፈልጦምን እናተገበረ ስለዝመፀ እዩ። ስለዚ ድማ ወያናይ ባህርያት ባህልን ማሕበራዊ ክብርታትን ህዝብና ብቓልሲ እናገወዱ መፂኦም።
ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓማውቲ ህዝብና ብዝረኸቦ ሰላም ዴሞክራስን ንባህላውን ማሕበራውን ፀጋታቱ ብዝለዓለ ብርኪ ምጥቃም ካብ ምጅማሩ ንዓቐብ፤ ንፀረ ድኽነት ቓልሲ እውን የውዕሎም ኣሎ። ንባህላውን ማሕበራውን ክብርታት ህዝብና ብቑዕ ቆላሕታ ዝሃበ መንግስቲ ድማ ትካላዊ ብዝኾነ መንገዲ ደገፍን ክትትልን ንምግባር ዘኽእሎ መሓውር ፈጢሩ። ካብዚኦም ውሽጢ መንግስታዊ ትካል ባህልን ቱሪዝምን ናብ ብርኪ ቢሮ ክዓብን ዝተጠናኸረ ኣወዳድባ ክህልዎን ገይሩ። ምስዚ ትካል ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ምትእስሳር ዘለወን ሲቪክ ማሕበራትን ዝተፈላለያ ውዳበታትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸሩ ክኸዳ ዘኽእል ደጋፍ ተገይሩ። ነዞም ክብርታት ዝፃብኡ ማሕበራዊ ጠንቅታት ብእዋኑ ክእለዩ ድማ ብተመሳሳሊ ኣጀንዳ ዝተጣየሹ መንግስታዊ ኣካላትን ህዝባዊ ውዳበታትን ብምጥቃም ፃዕሪ ክግበር ፀኒሑ እዩ።
ንምዕምባብ ክብርታት ባህሊ ህዝብና ካብ ዝኾኑ ኩነት እቲ ሓደ ኣሸንዳ እዩ። ኣሸንዳ ካብ ዘለዎ ባህላዊ ማዕርግ ንዓቐብ ብፍርቂ ኣካል ህዝብና ዝኾና ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ማሕበረ ኢኮኖሚ ምንቅስቓስ ክሳተፋን ተጠቀምነትን ከረጋግፃ ንሓዱሽ ዓመት ብዝተፈለየ ህዳሰ ክደለ ዘኽእለን ክቡር መንፈሳውን ባህላውን ውርሻ እዩ። ኣሸንዳ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ንልዕሊ 10 መዓልቲ ብዝተፈላለየ ስያመን ተመጋጋቢ ባህላዊ ትሕዝቶን ዝኽበር እንትኸውን ቀልቢ ዓለም ለኸ ትካላት ፣ ዑደተኛታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስሓብ ካብ ዝጅምር ድማ ፀኒሑ እዩ። ነዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካል ዩኔስኮ ሓድግታት ማሕበራውን ባህልን ሑቡራት መንግስታት /ዩኔስኮ/ ኣብ ዝተረኸበሉ ተኸቢሩ።
ናይቲ በዓል ድምቀት ንምክትታል እዞም ዝስዕቡ ሓደሽቲ ዝተኸፈቱ ሊንክ ይጠቐሙ፡
Youtube channel
https://www.youtube.com/channel/UCKXweJWxJqv4PhLvptynoww
Facebook page
https://www.facebook.com/Ashenda-938058822989433/
ሎሚ ዓመት ድማ እዚ ከይዲ ናብ ዝተማልአ ዓለም ኣፍልጦ ክዓቢ ብምግባር ብትካል ሓድግታት ማሕበራውን ባህልን ሑቡራት መንግስታት /ዩኔስኮ/ ክምዝገብ ዝተዋደደ ፃዕሪ ተጀሚሩ ኣሎ።
እዛ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ዋርድያ ድኽነት ዝነበሩ ድሑራት ስርዓታት ንምድምሳስ ተቓሊሶም ካብ ዘቃለሱ ደቂ ህዝቢ ንብሉፅ መራሒ መለስ ዜናዊ እናዘከርና ቃልና ብምሕዳስ ዝተወልዐ ምንቅስቓስ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንዝተጀመረ ጉዕዞ ህዳሰ መጠናኸሪ ከውዕሎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እንትፅውዕ ብሄራዊ መንነትና ኣዝዩ ክደምቕ ባህላውን ማሕበራውን ፀጋታትን ክብርታት ክውስኹ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኣካል ዝኾነ ብዓል ኣሸንዳ ዕውት ከምዝኸውን ብምትእምማን እዩ።