Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ሕጋዊ ሕቶ ብሕጋዊ መንገዲ ክቐርብ ይግባእ ውድባት ፓለቲካ

ethiopia_flag_map (1)_0
መቐለ ነሓሰ 11/2008(ድወት) ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ፓለቲካዊ ውድባት ዝኾነ ቅርታ ተቋውሞን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዝሓለወ መንገዲ ክኸውን ከምዝግብኦ ገሊፁ፡፡

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታቶም ዘጋጠመ ዘይሕጋዊ ስልፍታት ስዒቡ ዝጠፍአ ህይወት ሰብን ንብረትን ሓዘን ከምተሰምዖ’ውን ገሊፁ እቲ ቤት ምኽሪ፡፡

እቶም ዝተኻየዱ ሰልፍታት ኣንፃር ሕገ-መንግስቲ ዝቐንዑ እዮም ዝበለ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ፓለቲካዊ ውድባት ዝኾነ ኣካል ተቛውምኡ ብስርዓትን ብሰለማዊ መንገድን ከቕርብ ዝግባእ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

እቱ ቤት ምኽሪ ብህዝቢ ዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ተኸታታሊ ህዝባዊ መድረኻት ክዳሎ ኣመራርሓ ፓለቲካዊ ውድባት ኣባላት ኣብ ምፍጣር ሰላምን ምርግጋዕን ብፅሒቶም ክፍፅሙ ከምዝገብሩ ገሊፆም፡፡

ብዜካዚ መራኽብቲ ማዕኸናት ሚዛናዊ ብዝኾነ መልክዑ ሓበሬታ ክህቡ፣ ነገር ዘጋድድ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ክእርነቡ መራኸብቲ ማዕኸናት ክልላትን ፌደራልን ድማ ተናቢቦም ዝግባእ ሓበሬታ ንህዝቢ ከብፅሑ ይግባእ ኢሉ እቱ ቤት ምኽሪ፡፡