Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ቆርበት ብርሑሱ …! ዘይሕለፍ ኣገዳሲ ጉዳይ :ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ – ለካቲት 2008

Wurayna
ኣሃዱ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትግራይ ዝምልከት ብዙሕ ዛዕባታት ኣልዒልና ብዘይ ምንም ስኽፍታ ዘቲና ኢና። ገለ ጉዳያት፣ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ውድባት ኣባላት ኢህወደግ ዘሎ ርክብን ንሶም ዝመርሑወን ክልላትን ኣመልኪቱ ምዝራብ ግና ዳርጋ ንብዙሕ ቕኑዕ ሰብ ዘሰክፍ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ንምታይ’ሲ ኣብ ሞንጎ እዞም ዝተጠቐሱ ውድባትን ደገፍቶምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዝፈጥሩ ፍልልያት ከይህሉዉ እሞ ኣድላይ ናብ ዘይኮነ ፍሕፍሕ ከይእቶ ክበሃል ’’ምእንቲ እታ ሞጎጎ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ’’ ናተብሃል ብዙሕ ነገራት ብወዝቢ ይሕለፍ ፀኒሑ እዩ። ሎሚ ግና ተሰኪፍካ ዘይሕለፉ ጉዳያት ዓመት ዓመት የጋጥሙ ንርኢ ኣለና። ከምዚኦም ዝበሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣጋጢሞም’ውን ክንዛረቦ’ዶ ወይስ ብኻልኦት ተንበልቢሉ ዝገደደ ኣሉታዊ ውፅኢት ከየስዕብ ምእንታን ሱቕ ክንብል? እናበልና ልቢ እንተዕበና፤ ጊዜ ይሓልፍ እሞ ካሊእ ሓዱሽ ጉዳይ ናተውሰኾ ክኸይድ ነስተብህል። ርኢኻ ከምዘይራኣኻ ምሕላፍ ድማ ትዕግስትን ምስትውዓልን’ኳ እንተኾነ ነቶም ብኣንፃሩ ዘለዉ ገለ ኣማራፂ ጥፍኣት ሃሰው ዝብሉ ሓይልታት ዕድል’ውን ስለዝኸፍት ፤ እቲ ጉዳይ ምልዓሉ ዝምረጽ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና ንርከብ። እቲ ዝተፈጠረ ነገር’ውን ህዝብን መንግስቲን ስለዝፈለጦ ተዛሪብካ ናብ ዘተን ፍታሕን ምምዕዳው ይበልፅ ብምባል ሎሚ ክንልዕሎ ተገዲድና ኣለና።
Article by Gebre Selassie Araya 03172016