መቐለ ለካቲት 16/2008(ድወት) መንበር መሪሕነት ንህዝቢ ንምግልጋል ህዝቢ ዝብለካ ሰሚዕኻ ንምምላስ እምበር ንረብሓን ዓርሰ ክትግልገለሉ ኣይኮነን ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ፡፡
ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ቃልሲ ፀረ ተግባርን ኣተሓሳስባን ክራይ ኣካብነት ድማ ንስልጣን ብዓይኒ ረብሓ ንዝቓንዩ ዝምቹ ዘይምኻኑ ገሊፆም፡፡
ስልጣን ኣብ ውሽጢ ውዑይ ቃልሲ ኣብ በሊሕ መትከላዊ ምፍሕፋሕ ንቱ ብዓይኒ ረብሓ ሪኡ ዝመፀ ወይ ክመፅእ ዝገበረ ነቱ ኣሉታ ኢሉ ዝስቀላ ተሰቂሉ ረብሓ ህዝቢ ኢህን ዘይብለላ ስልጣን ባርዕ’ያ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ 3ተን 4ተን ኣዋርሕ በብደረጅኡ ኣብ ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ሰለጤን ልምዓት ኣብ ተግባርን ኣተሓሳስባን ክራይ ኣካብነት ምስ ሰባት እናተለገቡ ክካየዱ ዝቐነዩ መድረኻት ዋዒኦም ካብ ዝገለፀ ብዙሓት ምልክታት እቲ ሓደ ምንጥብጣብ ኣመራርሓ እዩ፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ ሓደ ምልክት ምፅራይና’ዩ ኢሎምዎ ነቱ ኸይዲ፡፡
ድሌት ህዝቢ ኣቐዲሙ ንረብሓ ህዝቢ ዝግበር ውዑይ ቃልሲ ዘይፀሮ እናንጠብጠቡ ዝጎደለ እናመልኡ ኣብቲ ቃልሲ ድማ በቱ ቃልሲ ዝተፈጠረ ሰብ እናለለየ እናበቅዐ እናተከአ ምኻድ ካብ ባህሪ እቱ ቃልሲ ዝብገስ ምዃኑ ገሊፆም ኣይተ ኣባይ ወልዱ፡፡
እቲ መድረኽን ቃልስን ፅሬት ቀፃሊን ዝተጠናኸረን ምዃኑ ሕዚ ኣብ ተግባር ዘይሰግር ፀገም ከምዘየለን ኩሉ ኣመራርሓ ብቕንዕና ብውፍይነት ህዝባዊ ሉኡኽን ስራሕቱን ግልጋሎቱን ከጠናኽር ይግባእ ድማ ኢሎም፡፡