መቐለ ለካቲት 14/2008(ድወት) ኣብ ሃገርና ተወዓዕዩ ዘሎ መድረኻት ሰናይ ምምሕዳር ብተሳትፎ ምሁራን ክሕገዝ ኣለዎ ኢሎም ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ፖሊሲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣባይ ፀሃየ።
መበል 41 ዓመት ልደት ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ምስ ምሁራን ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ዘተ ኣይተ ኣባይ ከምዝበልዎ ኣብ ፅባሕ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ዋዒ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳር ተጠናኺሩ ክቕፅል ግደ ምሁራን ዝለዓለ እዩ።
ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንትጅመር ንመሰሉ ዝቃለስ ዝሓትት ዴሞክራስያዊ መንገዲ ዝመርፅ ህዝቢ ንምህናፅ ዝብል ዓላማ ኔርዎ።
ይኹን’ምበር እቲ ዕላማ ተዓዊቱ ዝሓትት ንመሰሉ ዝቃለስ ዋላ ተተፈጠረ ነዚ ሕቶ ኣብ እዋኑ ኣብ ምምላስ ግን ካብቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ጀሚሩ ፀገማት ኣለዉ ኢሎም።
ብመሰረት’ዚ’ውን ኢሎም ኣይተ ኣባይ ሕቶ ህዝቢ ብእዋኑ ምላሽ ክረክብ ስለዘለዎ ትካላት ንምፅፋፍ ኣብዝግበር ፃዕሪ ምሁራት ግቡኦም ከበርክቱ ኣገንዚቦም።
እቶም ምሁራት ተወለድቲ ትግራይ’ውን መቃለስቲ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ይኾኑ ዝበልዎም ሓሳባት ኣቕሪቦም እዮም።