መቐለ ለካቲት 16/2008(ድወት) ኣብ ምድላው ምዕራፍ ቓልሲ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ዝተኻየዱ ስራሕቲ ምፅራይ ብምጥንኻር መሓውር መንግስቲ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ ኣገንዚቦም፡፡
በብደረጅኡ ዝተርኣዩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ብምፍታሕ መንግስቲ ተጠቃምነትን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ ዝለዓለ ቖላሕታ ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣመልኪቱ፡፡
ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈጠሩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ህዝቢ ዘሳተፈ ቃልሲ ተግባርን ኣተሓሳስባን ኣካብነት ክራይን ፀገማት ኣወሃህባ ግልጋሎትን ንምፍታሕ ብዝተኻየዱ ምንቅስቃሳት ዘተባብዕ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስኣለም ብቐፃልነት መንፈስ መገልገላይነት ክህነፅ ዘኽእል ኣወዳድባ ክህሉ ንምግባር በብብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ነዚ ተግባራዊ ብምግባር ኣብቶም ዝቕፅሉ ዓመታት ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ብማሕበራት ተወዲቦም ክሰርሕሉ ዝኽእል ባይታ ከምዝተመቻቸወ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዳይነት መሬት ኣወሃህባ ግልጋሎትን ካልኦትን ዝረኣዩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ክፍትሑ ብምግባር ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝልለየሉ ዕማም ዝፍፅም መሓውር ክፍጠር ይግባእ ኢሎም፡፡