Back to Front Page


Share This Article!
ትግራዋይ ቀደም እውን ሎሚውን ብሓድነቱን ጥንካረኡን እዩ ዝኽበር

 

ትግራዋይ ቀደም እውን ሎሚውን ብሓድነቱን ጥንካረኡን እዩ ዝኽበር

ህዳሴ ኢትዮጵያ

ታሕሳስ 18፣ 2011 ዓ.ም.

 

እቲ ናይ ቀደም ታሪክ ገዲፍና ናይ ቀረባ እንትንርኢ፣ ትግራዋይ ወፅዓ መሪሩዎ ሕቶ እንተልዕል ዝነበረ ስርዓት ሰለማዊን ዴሞክራሲያዊን ናይ ቃልሲ መንገዲታት ብምዕፃዉ መንእሰይ ትግራይ ምእንተ ፍትሕን ዴሞክራሲን፣ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን መስዋእቲ ንምኽፋል ንበረኻ ደደቢት ወፂኡ እዩ፡፡ በረኻ ደደቢት እንትወፅእ ዝፀንሖ ነገር እንተሃለወ ኩሉ ሕንሽሽ/እሾኽ እዩ ነይሩ፡፡ ብሓደገፅ ጥሜትን ፅምእን፣ ብካሊእ ገፅ ናይተፈጥሮ ንክትፃወሮ ዘፀግም ቁሪ፣ ሃሩር፣ ዓቐብ ቁልቁል፤ ብኻሊእ ሸነኽ ናይ ደርጊ መጥቃዕቲታት በቲ ካሊእ ገፅ ናይ ኢዲዩ፣ ናይ ኢህአፓ፣ ናይ ጀብሃ/ዓማ፣ ናይ ሻዕብያ እንታይ እሞ ኩሎም ኣብ ሃገርና ዕጥቂ ዝዓጠቑ ኩሎም ንህወሓት/ትግራዋይ ዘይተተናኾለ ኣይነበረን፡፡ ህወሓት ምስ እዞም ኩሎም ሓይልታት እንትትገጥም ዋላ ሓደ ሓይሊ ድጋፍ ዝሃባ ኣይነበረን፡፡ ነዚ እዩ "ሓይልና ሓፋሽ ህዝብና፣ ስንቅን ዕጥቅናን ካብ ፀላእትና፣ ድፏዕና ጎቦታት ዓድና" ብዝብል ሕራነን ፅንዓትን ንኹሎም ፀላእቲ ጠሓሒሱ ንዓዎት በፂሑ እዩ፡፡

ኣብ 1977 ዓ.ም. ኣብ ታሪክ ትግራይ ፈታኒ እዋን ተባሂሉ ዝፅዋዕ፤ ብሓደ ገፅ ብናይ ተፈጥሮ ድርቅን ጥሜትን ህዝቢ ከምህዝቢ ዝብላዕ ዝስተ ስኢኑ ከም ቆፅሊ እንትረግፍ፣ ብኻሊእ ገፅ ብናይ ደርጊ ናይ ምድርን ናይ ኣየርን ደብዳብ መውፅእን መእተውን ተሳኢኑ ህዝቢ እንትጭፍጨፍ፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብዚ ክልቲኡ ሓደጋ /ደርግን ተፈጥሮን/ ንምህዳም ኣብዝግበር ፃዕሪ ብኢሳያስ ዝምራሕ ሻዕብያ መንገዲ ዓፂዩ እንትኽልክል ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብፅንዓት ተቓሊሶም እዮም ናብዚ ዓዎት ዝበፅሑ፡፡

Videos From Around The World

እዚ ኩሉ ዘሪኤና ህዝቢ ትግራይ ብገዛእቲን ፀላእትን ዝበፅሕዎ ዝነበሩ ወፅዓን ፀበባን ወጥርን ብፅንዓትን ብቃልስን እናሰገሮም ዝመፀ እምበር ናይ ማንም ሓገዝን ድጋፍን ተገይሩሉ ዝሰገሮም ከምዘይኮነ የሪኤና፡፡

ሀዚውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋጥር ንምእታው ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ንዕዘብ ኣለና፡፡ ካብቲ ናትና መንግስቲ ንብሎ ናይ ኢህወዴግ መንግስቲ ጀሚሩ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብካልኦት ክልላት ከይተረፈ ብሄር ተኮር ጥቕዓት ተጎሃሂሩ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራዋይ ዘትኮረ ዝነበረ መጥቃዕቲ ናብ ኩሉ ተሰጋጊሩ መንግስቲ ህግን ስርዓትን ምኽባር ኣብዩዎ ሃገርና ትሕመስ ኣላ፡፡ መንግስቲ አብዪ፣ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን እውን ናይ ውሽጦም ምርግጋዕ እንትኣብዮም ኩሉ ሰበብ ኣስባቡ ህወሓት/ተጋሩ እዮም እናበሉ ይኸሱና ዘለዉ፡፡

ሀዚውን ከምቀደምና ተጋሩ ሓድነትና ኣጠናኺርና፣ ናይ ግዳም ሓገዝን ድጋፍን እንተይተፀበናን እንተይተቛመትና ብፅንዓት ክንምክት ይግባእ፡፡ ኣይኮነን ዶ ሐዚ በዚሕና፣ ለሚዕና፣ ተማሂርና፣ ብሓፈሻ ተነፃፃራይ ዓቕሚ አጥሪና፤ እቲ ቀደም ዉሑዳት፣ በተኻት፣ ዘይተምሃርና፣ እነሃለና ንሃለዋትና ዝፍትን ፀገማትን ፈተናታትን ብዓዎት ተቃሊስና ወፂእናዮ ኢና፡፡ ስለዚ ሎሚውን እንተኾነ አንፃር ግፍዐኛታት ሓድነትና ኣጠናኺርና ጠጠው ክንብል ይግባእ፡፡

ናይ ሓደ ህዝቢ ጥንካረ ዝልካዕ ብበዝሒ ህዝቢ ወይከዓ ብበዝሒ ወታደር፣ ኣይኮነን፡፡ ናይ ሓደ ህዝቢ ጥንካረ ዝልካዕ ሓድነቱን ውዳበኡን እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓያል ህዝቢ ኣበይ ኣሎ እንተተብሃለ ኣብ ትግራይ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ሓድነቶም ኣጠናኺሮም ዝርከቡ ብሕታዊ ህዝቢ እዮም፡፡ ኣብ ሃገርና ንሪኦ ዘለና ዓብዪ ፀገም ኢህወዴግ ንሽሙ ከም ውድብ እንተሃለወውን ብኣተሓሳስባ ብምብታኑ፣ ኣብ ኣምሓራ ዝጥርንፎ ሓይሊ ተሳኢኑ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢ ብወዲኒ ዝመሓዳደረሉ ኩነታት ተፈጢሩ በቢማዕልቱ ሂይወት ሰብ ዝሓልፈሉ፣ ዝፈናቐለሉ ንብረት ዝወድመሉ ኩነታት ይረአ ኣሎ፤ ኣብ ኦሮሚያውን እንተኾነ ከምኡ እቲ ህዝቢ ሓድነቱ ዘጠናኽረሉ ውድብ ስኢኑ ህዝቢ ከም ህዝቢ ዝሕመሰሉ፣ ኣነወርቲ ፍፃመታት ዝፍፀመሉ፣ ካብዚ ሓሊፉ ዓውደ ኲናት ዝኾነሉ እዩ ዘሎ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማ ሓሊያ ትነብር ዘላ ብሕታዊት ክልል እንተሪኢና ትግራይ ጥራሕ እያ፡፡ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ትግራይ ውዲት ፀላእቱ ተረዲኡ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ክምክቶም ስለዝኸኣለ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ዘረጋገፆ መድረኽ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልሲ ተጠቒሙ ለልክዖም ይህቦም ስለዘሎ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንመጥቃዕቲ ፀላእቱ ከከም ኣመፃፅኣኦም ይምልሶም ስለ ዘሎ እዩ፡፡

ስለዚ ሐዚውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንሪኦም ዘለና ፀላእትናን ተለኣኣኽቶምን፣ ነዚ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ፈጢሮምዎ ዘለዉ ጠንካራ ሓድነት ንምሽርሻርን ኢሎምውን ንምፍራስን ላዕልን ታሕትን እንትብሉ ይረኣዩ ኣለዉ፤ ንተጋሩ ንምፍራስ ብተጋሩ ዝብል ፋሽኑ ዝሓለፎ ውዲት ትምክሕቲን ምሊሊኻውያንን ተጠቒሞም ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ንተጋሩ የሐርኖም ኣሎ፡፡ ስለዚ ሐዚውን ንተፃብኦታት ከከም ኣመፃፅኣኦም እናመከትና ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ሓድነትና ኣጠናኺርና ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ቃልስና ክነሐይል ይግባእ፡፡ 

ምሽጥር ዓወትና ውሽጣዊ ሓድነትናን ጥንካረናን !!!

[email protected] ወይ [email protected]

 

Back to Front Page