Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ቀፃላይ ልእኽቶና እንታይ ይኹን?

ቀፃላይ ልእኽቶና እንታይ ይኹን?

ዋካ ብርሃነ 05-10-21

ብኹሉ መዳይ ምስ ባዕዳውያን ወረርቲ ፊት ንፊት ገጢምና ናብ ክሳድና ተሓሰበት ገመድ ብመስተንክራዊ ጅግንነት ናብ ክሳዶም ለዊናያ ኣለና። ኣብ ክሳዶም ተለወይት ገመድ ብዘተኣማምን ንምሽምቃቕ ናብ ዝለዓለ ብራኸ በፂሕና ኣለና።

እዝ ፈታውን ፀላእን ዘስደመመ ወታደራዊን ዲፕሎማስያውን ጅግንነት፣ ኣብ ኹሉ ክፍለ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ከም ሓደ ሰብ ኮይኑ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይን ስለዝዓሰለ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ኹለና ንብህጋ ጎይታ ርዕሳ ዝኾነት ሃገረ ትግራይ ንምምስራት ዘኽእል ሓይሊ ሃኒጺና ዛጊድ ዓወት ዋግዋጎ ነማዓዱ ኣለና።

ሃገረ ትግራይ ንምምስራት ዘድሊ ባህጊ፣ ባህግና ንምግሃድ ዘድሊ ድልውነትን ዓቕምን ኣብ ኢድና ካብ ሃለወ መጻኢና ንምዝታይን እሂን ሚሂን ንበሃለሉ እዋን ሐዚ እዩ።

ከምቲ ኹለና ንፈልጦ ብ1983 ዓ/ም ድሕሪ ምድምሳስ ደርግ ህዝቢ ትግራይ እዚ ዝበሃል ናይ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ኣይነበሮን። ስለዝኾነ ድማ ሓደ ኢሉ እዩ ጀሚሩ። ብኡ ልክእ ድማ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍፀም ዝነበረ ሕላፍ ዝላፍ ኣሰራርሓን ኣፈጻጽማን ከይተሰኾነ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ውሱን ናይ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ክፈጥር ኪኢሉ እዩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊኡ ብዝኻየድ ዘሎ ናይ ባዕዳውያን ወራር ኹሉ ንብረቱ ተኸቲሩ፣ ዩንቨርስቲ ተወሪረን፣ ናይ ውልቀ ሃፋትምን ናይ ትእምትን ትካላት ዓንየን፣ ናይ ህክምና ትካላት ፈሪሰን፣ ሓመድን ማይን ተሸኺሙ ዝሰርሐን ቤት ትምህርቲ ከምዘይነበራ ኮይነን፣ መንበሪ ገዛ ብግፍኢ ተቓጺሉ፣ ዝሕረስ ብዕራይ ተሓሪዱ፣ መሳርሕ ማሕረስ ኮነ ተባሂሉ በሪሱ፣ ቀለብ ጥሪት (ኩልስስቲ) ከይተረፈ ብሓዊ ቃልቃል ኢሉ። ኮታስ ደቁን ሓውን ሓፍቱን ብግፍዒ ተቀቲሎም፣ ጓሉ ተዓሚጻ፣ ቤተ እምነቱ ኮነ ተባሂሉ ክዓንው ተገይሩ።

ኮይኑ ግን ሐዚ ዘሎ ኢኮኖሚ ትግራይ ምስ ብ1983 ዓ/ም ዝነበረ ናይ ኢኮኖሚ ድቀት እንትነፃፀር ከቢድ እዃ እንተኾነ፣ ባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝረኸብዎ እዮም ከቲሮም። ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልምዓትን ሃፍትን ዝፈጠረ ርእሲ ክኸትርዎ ኣይከኣሉን። እማን ቅርሺ ኣብ ልምዓት ርኡይ ተራ ኣለዎ እንተኾነ ግን ልምዓት ቅርሺ ጥራህ ኣይኮነን ዝፈጥሮ፣ ርእሲ እዩ ንቅርሺ ዘሰርሖ ስለዝኮነ ድማ ዝሓሰብ ርእሲ ትግራዋይ ክሳብ ዝሃለወ ብጸላእትና ዝዓነወ ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ንቡር ክንመልሶ ንኽእል ኢና።

ልክዕ ከምቲ ንባዕዳውያን ወረርቲ ፊት ንፊት ገጢምና ልክዖም ንእትዎም ዘለና፣ ጸገም ህዝቢ ትግራይ’ውን ተዛቲና እሂን ምሂን ኢልና ካብ ምፍታሕ ካልዕ መማረጺ ከምዘየብልና ፈሊጥና ርግዕ ኢልና ንዛተ፣ ሓሳብ ብሓሳብ ንስዓር፣ መን ኣቕረቦ ዘይኮነስ ዝቐረበ ሓሳብ ንትግራይ ይጠቅም ዶ ወይስ ኣይጠቅምን ዝብል መዕቀኒ ንጠቐም።

መን እዩ ህዝቢ ትግራይ? መን እያ ትግራይ? ጸጋታት እንታይ እዮም ዝብል መበገሲ ዝኾን ሓደን ክልተን ክብል።

1 – ትግራይ….. ከባቢ 8 ሚልዮን ህርኩትን ጻዕራምን ህዝቢ፣ ንፍትሕን ርትዕን ዝሟጎት፣ ናይ ግዳም ይኹን ናይ ውሽጢ መግዛእቲ ዘይቅበል፣ ናቱ እሕሊፉ ዘይህብ ናይ እንዳማቱ ዘየቛምት፣ ነብሱ ኣብ እንጋዳዕ ካልኦት ክትነብር ዘይፈቅድ፣ ሓድነት ትግራዋይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየውርድ፣ ብበዝሒ ሽሾ ፀላእቲ ዘይርዕድ፣ ዝሓሰቦ ከይፈፀመ ስልም ዘይብል፣ ትበልዕ ከብዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሓስብ ርእሲ ፣ ከይዳ ዘየትደክም እግሪ፣ ገቦ ፋሕቲራ ማይ ተፈልፍል ኢድ ዝወነነ፣ ወናኒ ዓርሰ እምነትን ጻእራምን ትግራወታይ ኢሮበታይ ኩናማታይ ኣብ ጓጓኣ ዝሓቆፈት፣

Videos From Around The World

2 – ፊዴል ቀሪፃ ቛንቛ ግዕዝን ትግርኛን ዘማዕበለት፣ ናይ ባዕላ ዓውደ እለትን ኣዋርሕን ዝመሃዘት፣ ቆርበት ኣልፊዓ ኣብ ብራና ታሪኽ ትግራይ ዝሰነደት፣ ወርቅን ብሩርን ኣምኪኻ ባጤራ ዝሰርሐት፣ ማእኸል ምዕባለ ኾይና ንግድን ስርዓት ምውህላል ሃፍትን ዘተኣታተወት፣ ዘይንፅፍ ታሪኽ ኣብ ጓጓኣ ዓቝራ ዝሓዘት፣

3 – ተፈላላዩ ናይ ሃይማኖት እምነት ተቐቢላ ዘተኣናገደትን ተኸተልቲ ተፈላለዩ እምነት ተኸባቢሮም ዝነብርሉ ባህልን ሰነ ምግባርን ዘማዕበለት፣ መንበሪ ተስዓቱ ቅዱሳን፣ ተቆፂሩ ዘይውዳእ ካብ ኣኻውሕ ተፈልፊሎም ተሰርሑ ቤተ ክርስትያን ከምኒ ይሓ ፣ ሓወልቲ ኣኽሱም፣ እንዳ ኣብርሃ ወኣፅብሃን መስጊድ ነጃሽን ካልኦትን ኣብ ቱሪዚም መስሕብ ክውእል ዝኽእል ዕቑር ፀጋ ዝወነነት፣

4 – ሰፊሕ ንማሕረስን ኢንዲስቱሪ ዝኸውን መሬት ዝወነነት፣ ብስፍሓት መሬትን ብበዝሒ ህዝብን ካብ 210 ሃገራት ከባቢ መበል 110 ብርኺ ዝሓዘት፣ ስፍሓት መሬታ 53,638 ትርብዒት ኪሎ ሜትር፣ ማእኸላይ ናይ ዓመት ዝናብ ትረኽቦ 554.99 ሚሊ ሊትር፣ ቑፅሮም ዘይናኣቅ ገዘፍቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ወሓዚ ማይ ዘየቛርጾም ገዘፍቲ ሩባታት ተዓደለት፣

5 – ኢነርጂ (power) ክህቡ ዝኽእሉ ናይ ተፈጥሮ ፀጋታት ማለት ምዕራብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ብናይ ፀሓይ (Solar energy)ን ብናይ ንፋስ (Wind energy)ን ብምጥቃም ገዚፍ ዓቕሚ ዝሓዘት፣ ኣብ ልዕሊ ተከዘ ቑፅሪ ሓደ፣ ተከዘ ቑፅሪ ክልተን ሰለስተን ከስርሕ ዘኽእል ተፈጥራዊ ፀጋ ዘለዋ፣

6 – ብባህጊ ትግራይ ልቡ ቃልቃል ዝበለ፣ ባህግታቱ ከግህድን ልእላውነታ ክሕሉን ኹሉ ዘበለ መስዋእቲ ክኸፍል ድልውነቱ ዘረጋገፀ መንእሰይ ወለዶ ዝወነነት፣

7 – ሕግን ስርዓትን ብተፈላለየ ኩነታት ኣብ ዝጎደለሉን ዝፈርሰሉን ሕግን ስርዓትን ከምዘሎ ዝቕበል ኣተሓሳስባ ዘማዕበለ፣ ንሕግን ስርዓትን ክብሪ ዝህብ፣ ናይ ስርዓት መሓውር የለን ኢሉ መንገዲ ዓመፅን ክትራንን ከም መማረፂ ዘይወስድ፣

8 – ስልጡን ብናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዝኣምን፣ ተፈላለየ ሓሳብ ጸጋ እምበር ሓደጋ ከምዘይኮነ ዝቕበል፣ ተፈላልየ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝሓዛ ንስልጣን ዝወዳደራ ልዕሊ 4 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቆፈት፣

9 – ኣብ ትሕቲ ከርሰ ምድራ ይኹን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ዓሚቝ ሃፍቲ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ንምውዓል ዓቕሚ ሙሁራዊ ሓይሊ ቴክኖሎጅን ሳይንስን ንምምላኽ ድልውነቱ ዘረጋገፀ፣

10 – ኣብ ኣድማሳዊ መድረኻት ስትራተጂካዊ ረብሓ ትግራይ ንምርግጋጽ ጥበብ ዲፕሎማሲ ዝመለኸ ሓዱሽ ወለዶ ዘፍረየት፣

11 – ንልዕልነት ሕግን ተጠያቅነትን፣ ንሰብዓዊ መሰል ዜጋታትን ዝጣበቓ ብዙሓት ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራት ዘብቀዐት፣

12 – ተወደባ ናይ ልምዓት ማሕበራትን ኣብ ህፀፅ እዋን ንህዝቢ ዝበፅሓ ገበርቲ ሰናይ ውዳበታት ዘፍረየት፣

13 – ርዕሰ ማሉ ኣዋፊሩ ንባዕሉ ረቢሑ ንካልኦት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል ባዓል ራዕይን ካፒታልን ትግራዋይ ባዓል ሃፍቲ ዘፍረየት፣

14 – ትግራይ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ብጣዕሚ ተባሓጊት፣ ንፖርት ሱዳንን ባጽዕን ብጣዕሚ ቀረባ፣ ዘይተፈተሹ ማእድናትን ተፈቲሾም ረብሕኦም ተረጋገፁ ብዙሓት ኣብ ውሽጣ ዝሓዘት፣ ንስራሕ ድልው ዝኾነ ህርኹት ዜጋ ዘጥረየት፣ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን በዓል ሃፍቲ ዝብህጋ፣

ከም መበገሲ ሓሳብ እዙይን እቱይን ኢለ እምበር ጽጋታት ትግራይ በቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዘረ ዝገለጽ ኣይኮነን። ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ዓሚቝ ጸጋ እዩ ዘለዋ።

መጻኢት ትግራይ ካባና ትሓቶ እንታይ እዩ?

ቀዳማይ፣ ሓገዝ ንሰራዊትና

ቀድም ቀዳድም እታ ኣብ ክሳድ ባዕዳውያን ወረርቲ ተለውያ ዘላ መሸምቀቂት ገመድ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ሸምቂቓ ክትሓንቆም ብኹሉ ዓቕምና ንምኽላኻል ሓይሊ ትግራይ ናይ ፋይናንስ ሓገዝ ንግበር። ነውፍዮ ሓገዝ ተማእኸለን እዋናውን ንግበሮ። ተማእኸለ ሓገዝ ግልፅነትን ተጠያቅነት ይህልዎ፣ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ መዓሉ የውዕሎ።

ኣብ እዋን ሰላም እንተዝኾን ክሳብ ሐዚ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ትግራዋይ ዘወፈዮ ቅርሺ ብዙሕ እዩ፣ ኾይኑ ግን ኣብ ዅናት ስለዘለና ተወፈየ ሓገዝ እኹል ኣይኮነን። ንኣብነት ሓደ መካናይዝድ ክፍለጦር ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ኣብ ናይ 6 ሰዓት ውግዕ ክንደይ ናይ ከላሽን ጥይት፣ ናይ ብሬን ጥይት፣ ናይ ዲሽካ ጥይት፣ ናይ ስናይፐር ጥይትን ካልኦትን (ናይ መዳፍዕን ታንክታትን) ተተዃሲ ከይተወሰኾ ብቅርሺ እንትግመት ብኣሰርተታት ሚሊዮን ዝቑጸር ቅርሺ እዩ።

ክሳብ ሐዚ ካብ ዲያስፖራ ተወፈየ ሓገዝ ዝናኣድ እዃ እንተኾነ ምስቲ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እንትነጻጸር ደጊምና ደጋጊምና ክንሕግዝ ዝሓትት እዩ። ኣብ ጫፍ መስዋእቲ ዘሎ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ጸላእትና ደምሲሱ ብዓወት መሰስ ክብል ሐዝ’ውን ደጋጊምና ንሓግዝ።

ካልዓይ፣ ዲፖሎማስያዊ ስራሕትና

ዲያስፖራ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዝገብሮ ዘሎ ህልካ ዘውድእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ፣ ኣብ ታሪኽ ናይ ዲያስፖራ ቃልሲ ቀዳማይ እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኸውንን። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበጽህ ዘሎ ግፍዒ እንትነጻጸር ብዙሕ ይተርፈና ከምዘሎ ዘተሓትት ኣይኸውንን።

ንቅድሚት ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ኣብ ሰልፊ ይኹን ኣብ እንጽሕፎም መልእኽቲ ባዕዳውያን ወረርቲ ካብ ትግራይ ይውፅኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕዳውያን ወረርቲ ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ፣ ኣብ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምፅናት ገበን ከምተፈፀም ምዕራባውያን እመኑ ዝብል ክንውስኸሉ ኣለና። ህብረተሰብ ዓለም ይኹን ኣድማሳዊ ትካላት ንባዕዳውያን ወረርቲ ካብ ትግራይ ከውጽኡልና ኣይንጸበ። ኣውጽኡልና እንተንብል’ውን ዘውጽእ የለን። ብዝኾነ ንሱ ዋና ኣለዎ፣ ዋንኡ ድማ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ እዩ።

ብዝነኣሰ ምዕራባውያን ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈፂሙ ኢሎም ክኣምኑ ምግባር፣ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ምጽናት ዓሌት ተኻየደሉ ህዝቢ ተመሊሱ ምስ መጽነቲኡ ይንበር ዘብል ናይ ሞራል ይኹን ናይ ሕጊ ልዕልነት ኣይህልዎምን። ናብዚ እንተበጺሆም ኣብ ቅድሚ ዓለም ቕቡልነት ሃገረ ትግራይ እምነ ኹርናዕ ኣንቢርና ኣለና ማለት እዩ።

በቲ ካልዕ ገጽ ድማ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ እዩ ዝብል ቅዋም እንተሒዞም፣ ትግራይ ካብ ኣድማሳዊ ናይ ፋይናንስ ትካላት ናይ ምሕዋይ መደብ ክነትሕዝ ዕድል ይኸፍተልና። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዓሌት ምፅናት ንዘካየዱ ባዕዳውያን ወረርቲ ናይ ሞራል ካህሳ ክኸፍሉ ዘኽእል ሕጋውነት ይፈጥረልና።

ሳልሳይ፣ ሓገዝ ንህዝብና

ህዝብና እዚ ዝበሃል ዝተረፎ ንብረት ይኹን ጥሪት የብሉን። እት ዝኸፍአ ናይ መግቢ ይኹን ናይ መድሓኒት ሕጽረት ገጢምዎ ኣሎ። ህጹጽ ሓገዝ ክግበረሉ ንለገስቲ ሃገራት ጽዕጹዕ ናይ ዲፖሎማስያዊ ስራህቲ ከድልየና እዩ። ክሳብ ሕዚ ተለኣኸ ሓገዝ ናብ ኹሉ ክባጻሕ ኣይከኣለን።

ባዕዳውያን ወረርቲ ካብ ትግራይ ተደምሲሶም እንተጠፍኡ’ውን፣ ኣብ ትግራይ ትላሓስ ነገር ስለዘይገደፉ እት ጸገም ህጸረት መግብን መድሓኒትን ምሳና ስለዝጽንህ ቀጻላይ ሓገዝ ንረኽበሉ መስርሕ ንከተል።

ገባር ትግራይ ናይ ለብዘበን ማሕረስ እንተ ኣምሊጣቶ ንዓመታት ዝጸንህ ተመጽዋታይ እዩ ክኾን። ስለዙይ ዝገበርና ጌርና እንተነኣሰ ውሱን ገባር ዘሪኡ ክኸርም ክንገብሮ ኣለና።

ከምቲ ኹሉ ዝፈልጦ ማህረስ ትግራይ ብዘይ ምንም ምምህያሽ ንኣሻሓት ዓመታት ብብዕራይ እንዳ ተሓረሰ መጺኡ። እዝ ገጢሙና ዘሎ ሕማቕ ኣጋጣሚ ናብ ጽቡቕ ክንቅይረሉ ዘክእል ዕድል ስለዘለዎ ንጠቀመሉ።

ንኹሉ ገባር ትግራይ ብዕራይ ገዚኡ ክህብ ዘኽእል ዓቅሚ የለን። ዘለና መማረጺ ሓንቲ ናይ 20 ወይ 30 HP (Horsepower) ዘለዋ ናይ ማሕረስ ማሽን ን10-15 ገባራት እንዳገዝኣና ንህብሉ ፍታሕ ክንእልሽ ኣለና። እግረ መንገድና’ውን ገባር ካብ ብብዕራይ ምሕራስ ክነገላግሎ ዕድል ስለዝፈጥረልና።

ራብዓይ፣ ምሕያው ትግራይ

ኣንጻራዊ ሰላም ረኺቡ ሰሪሑ ዝኣቱ ዘሎ ካብ ትግራይ ወጻእ ዘሎ ዲያስፖራ ትግራዋይ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ፣ ንምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ዘውፍዮ ዘሎ ሓገዝን ገባር ትግራይ እግሪ ክተኽል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርን፣ ብተወሳኺ ድህሪ ምድምሳስ ጸላእትና ኣብ ምሕያው ትግራይ’ውን ከቢድ ሓላፍነት ይጽበዮ ምህላውን ተረዲኡ ኣብ ሓደ ርድኢት ክበጽሕ ኣለዎ።

ሓደ ትግራዋይ ብሰናይ ድልየቱ እንተነኣሰ ንዝቕጽል 3 ዓመት ካብ ዓመታዊ እቶቱ ንትግራይ ክንድዚ % ክኸፍል እየ ክብል ኣለዎ። ሓደ፣ ትግራይ ብጸላኢ ዓንያ እያ፣ ካልዓይ፣ ትግራይ ሃገር ትኸውን ስለዘላ ትግራይና እግሪ ክተኽል ኣብ ዝግበር ግጥም ኹሉ እጃሙ ከውፊ ኣለዎ። ንእስራኤል እስራኤል ክትከውን ዝገበርዋ እስራኤላውያን እዮም። ንሕና ተጋሩ ድማ ንትግራይ እሕውይና ትግራይ ምስ ልምዓትን ዕብየትን ክንልቑማ ዘለና ንሕና ተጋሩ ኢና።

ሓምሻይ፣ ድሕንነት ትግራይ

ጸላኢ ደምሲስና ኢልና ሰራዊትና ከይበተና ትግራይ ዘተኣማምን ቀዋሚ ሰራዊት ክህልዋ ምግባር። ትግራይ ዘላቶ ከባቢ ብጣዕሚ ተኣናፍን ኣብ መንጎ ዘጋጥም ጸገም ብሓይሊ መልጢ ክፈትሑ ዝደልዩ መራሕቲ ተጎራቢታ ስለዘላ ጽኑዕ ቀዋሚ ሰራዊት ከድልያ እያ። ጽኑዕ ሰራዊት ምህላው፣ ሓደ ጸላኢ ደፊሩ ዳግማይ ኣይመጽእን፣ እንተፈተነ’ውን ብዝናኣሰ ኪሳራን ሓጺር ግዘን ልክዑ ክኣቱ ይኽእል። ኾይኑ ግን ቀዋሚ ሰራዊት ሓያል ባጀት ስለዘድልዮ ኣብዚኣ’ውን እጃምና ከመይ ከምነውፊ ክንዘራረበሉ ኣለና። ወይ ሕድ ሕድ ዜጋ ተወሰነ ዓመት ሃገራዊ ግልጋሎት ዝህበሉ ፖሊሲ ኣድላይነቱ ክንመያየጠሉ ኣለና።

ሻድሻይ፣ ኹሉ ዓቕምን ክእለትን ንትግራይ

ኣብ ዲያስፖራ ዘለኹም ተፈላለየ ዓቕምን ክእለትን ዘለኩም ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፣ ትግራይ ንምሕያው ናብ ትግራይ መጺኹም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ናፃ ግልጋሎት ክትህብሉ ዘኽእል ኣሰራርሓ ምዝታይን ምምይያጥን፣ ዘይካኣለ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ኣብ ዘለዎ ኾይኑ ዝህግዘሉ ምምችቻው። ብፍላይ ውዳበ GSTS መደባቱ ናብ ተግባር ዘሰግስግሮ ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ።

መጠቃለሊ

ሃገረ ትግራይ ትምስረት ዶ ኣይትምስረትን ዝብል ሕቶ ብዝነኣሰ ብናተይ እምነት መሊሰዮ ዝሓደርኩ ስለዝኾነ ንድህሪት ኣይመልሰኩምን። እዃ ዳኣስ ሃገረ ትግራይ ብኽንደየናይ ናህሪ ቁስላ እሕውያ ብኢኮኖሚ ብኽልተ እግራ ጠጠው ትብል እዩ ዝሕስበኒ።

ባዕዳውያን ወረርቲ ኤርትራ፣ ኣምሓራን ኢትዮጵያን መዋሊቶም ኢሚሬትን (UAE) ትግራይ ናብ ዘበን እንእኒ (stoneage) ክንመልሳ ኣለና ኢሎም ተመሓሒሎም እዙይ ዘይበሃል ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈጺሞም። እንተኾነ ግን ከምቲ ተመነይዎ ኣምበርኪኾም ክገዝኡና ኣይካኣሉን። ጽኑዕ ርገጽ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ።

ርግጽ ህዝብና ቀቲሎም፣ ሃፍቲ ትግራይ ከቲሮም፣ ደቂ ተነስትዮ ኣሓትና ኣሚጾሞን እዮም። ግን ከምቲ ተመነይዎ 60 ዓመት ንድህሪት ኣይክመልሱናን። ኣብ ሓጺር እዋን ክንሰርሆ ዝግበአና ሰሪሕና ትግራይ ሓውያ ናብ ንቡር እንድህርመሊስናያ ድርብ ዓወት ኣብ ልዕሊ ፀላእትና ክነመዝግብ ንክእል ኢና። ብስንፍናን ትግራይ ከይእሕወና ናብ ንቡር ከይመለስናያ እንትተሪፍና ህልሚ ኢሳያስን ኣብይን ጋህዲ ክኸውን እዩ፣ እዚ ዓብይ ውድቀት እዩ ንትግራይ።

ስለዙይ ኹላትና ተጋሩ ንምህያል ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ሓገዝ ንውፊ፣ ሰብዓዊ ሓገዝ ንህዝብና ክበፅህ ንግበር ፣ ብዝኻኣልናዮ ገባር ትግራይ ሓጊዝና ክረምቲ ክዘርእ ንግበሮ፣ ኣብ ምሕያው ትግራይ ተወዲብና ክንሰርሕ ንዳሎ፣ ብኣወርኡ ድማ ዝጀመርናዮ ዲፕሎማስያዊ ቃልስና ንዕውት፣ ስዒቡ ዝመጽእ ትምኒትን ድሌትን ፀላእትና ደዃዕዃዕ ኣቢልና ብዓወት መሰስ ምባል እዩ። መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንውፈር። ትግራይ እዚ እያ ትፅበ ካባና።

ጽኑዕ ርገጽ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ !

ሃገረ ትግራይ ብመስዋእቲ ደቃ ትገሃድ ኣላ !

ናይ ውልቀይ ርኢቶ እዩ። ዝኾነ ውድብ ኣይውክልን።