Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ኤርትራውያን ኣብ ለንደን ኣንጻር ጥሜትን ‘ደበና ኲናትን’ ተቓውሞ ኣካዪዶም


ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥምየትን፡ ኣብቲ ከባቢ የንጸላሉ ኣሎ ዝበልዎ ደበና ኲናትን ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

እቶም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮመን ዌልዝን ዝተኣከቡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንለበዳ ኮቪድ-19 ከም ምስምስ ብምጥቃም ንህዝቢ ብጥምየት ይሕዝ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።

ዋላ’ኳ እቲ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ መንግስቲ ዝኣወጆ ዕጽዋ ይፈኩስ እንተሎ፡ ብወግዒ ግን እታ ሃገር ካብ ዕጽዋ ኣይወጸትን። ብሰንኪ’ቲ ዕጽዋ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ጥምየት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
መንግስቲ፡ ንመሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ኣዝየን ድኻታት ስድራቤታት ንምዕንጋል ዝገብሮ ደገፍ ከምዘየለ’ዩ ዝግለጽ።

በረራታትን ካልኦት ህዝባዊ መጓዓዝያን ተቛሪጾም፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ደስኪሎምን ኣብ ዝርከብሉ እዋን፡ እቲ ኣቐዲሙ’ውን ኣዝዩ ተዳኺሙ ዝነበረ ቁጠባ መሊሱ ብሰንኪ’ቲ ለበዳ ምድሳካሉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ሓደጋ ዓጸቦ ክኣትዋ ተገዲደን ኣለዋ።

እቶም ኣብ ለንደን ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ “ዓፈና መሰልን መግብን ይኣክል” ብምባል፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዖም። ዘለዎም ጠለባት ዝሓዘ መዘክር’ውን ነቲ ቤት ጽሕፈት ከምዘረክቡ ገሊጾም።

ንሳቶም፡ ብዛዕባ’ቲ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውላዕ ይኽእል’ዩ ዝበልዎ ዳግማይ ኲናት ዘለዎም ተቓውሞ’ውን ኣስሚዖም።

“ኲናት ኣብ ኤርትራ ይኣክል”፡ “ኣይፋል ንኲናት” ዝብሉ ጭርሖታት፡ ነቲ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ክፍጠር ይኽእል’ዩ ዝብልዎ ግጭት ንምቅዋም ዝዓለመ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ናብ ወግእ ከየምርሕ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።

ይኹን እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ መንግስቱ ንናቱ ህዝቢ ክወግእ መደብ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ስግኣት “ናይ ዕብዳን ዘረባ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ ነይሩ። ንመንግስቲ ኤርትራ’ውን “ናይ ሰላም ሓይሊ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዘቕል ከምዘየለ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ምርኢት ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል፡ ቀላጽምን ድልዉነትን ናይቲ ክልል ምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ምግላጹ’ውን ነቲ ሻቕሎት መሊሱ ኣዕሪግዎ ኣሎ።

‘እምቢ ንዂናት እወ ንሰላም’
ኣብዚ ኣንጻር’ቲ ስርዓት ዝተገብረ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዝተነበ መግለጺ፤ እቲ ቃልሲ ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለን ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ፈኸም ዝብል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞን መቐጸልታ ከምዝኾነ ይሕብር።

ኣብ ቀረባ እዋን ንኣስታት ሰብዓ ኣባላት ሃገራዊ ፓርላማ እንግሊዝ፡ ካብ ከተማ ለንደንን ማንችስተርን ንዝኾኑ፤ ህልው ኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ደብዳበ ከምዝተጽሓፈሎምን፡ ገሊኦም ተገዳስነት ከምዘርኣዩን’ውን ኣብቲ ዝቐረበ መደረ ተሓቢሩ።

“እዚ ብቐደሙ’ውን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይነበሮ ምልካዊ ስርዓት ንህዝብና ከጽንት ዝተፈላለዩ ሜላታት ክጥቀም’ኳ እንተጸንሐ፤ እነሆ ሕጂ ግን ብሽም ምክልኻል ኮሮና ህዝብና ምንቅስቓሳቱ ብምርጋጥ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ኣእትእዎ ይርከብ” ዝብል ድማ ይርከቦ።

እቲ መደረ፡ ” ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብዶብ ኣሳቢቡ ዘየለ ምኽንያት ፈጢሩ ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣሕዋትና መጋርያ ኲናት ክኣጉደልና ይሸባሸብ ኣሎ” ይብል።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ነዚ ንጥፍኣትና ዝህረም ዘሎ ነጋሪት ኲናት ደው ከብል ድምጽና ክነስምዕ ‘እምቢ ንዂናት እወ ንሰላም’ ክንብል እዋኑ ዝጠልቦ ግዴታ ኣሎና” ብምባል፡ ኲናት ንኤርትራ ኮነ ነቲ ዞባ ዕንወጥ ጥራይ ከምዘስዕብን ክኹነን ከምዝግበኦን ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ናብ መዓስከር ታዓሊም ሳዋ ምብጽሑ ዝዝከር’ዩ።

ብዘይካ ፕረዚደንት ካቢላ ካልኦት መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ናብ ሳዋ ክበጽሑ ልሙድ ኣይኮነን።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ‘ኣንጻር ህወሓት ይተሓባበሩ ኣለዉ’ ዝብል ግምታዊ ትንታነ ኣሎ።