Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ ብድምቀት እናቐጸለ ይርከብ።

ጻንሒት ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ ብድምቕ ዝበለ ኹነታት እናቐጸለ ይርከብ።
እዚ ሰሙን እዚ ድማ እቶም ዕዱማት ተጋበዝቲ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ምስላጥ ዓብይ ጉያ ዲያስፖራ ተጋሩ፣ ምትካል ፈልሲን ምይይጥ መናእሰይ ተጋሩ ዲያስፖራን ኣበርቲዑ ቐጺሉ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ድማ ብወገን ማሕበር ልምዕእት ትግራይ ተሰንዩ ንዞም ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለያ ፕሮጀክትታት ልምዓት እናተዘዋወሩ ክጉብንዩ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ እቶም ዲያስፖራ ተጋሩ ንህንጸትን ምዕባለን ትግራይ ክብሃል ዘይንሳተፎ ነገር የለን ብምባል ብዉልቀን ብማሕበርን ብምዃን ካብ ሼር ምግዛእ ትካላት ትእምት ክሳብ ምጥያሽ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣሚቶም ምንቅስቓሳት ብዕሊ ዝጀመሩሉ ኹነታት እናተረኣየ ይርከብ።

ንዚ ዕዉት ንምግባር ድማ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ምግባር ከምዝቕጽል ተገሊጹ።