Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ፃንሒት መድረኽ ምይይጥ ተጋሩ ዲያስፖራ 2019 ምስ ኣካላት ክልል ምምሕዳር

ተጋሩ ዲያስፖራ ክሓብሩ ይግባእ። ንትግራይ ድማ ክነብሩ ይግባእ። ኩሎም በብዘለዉዎ ንትግራይ ብኸመይ ክሰርሐላ ልብል ሕቶ ኽሕንገጡ ኣለዎም።

ትማሊ ኣብ ዙርያ ህልዉ ፖለቲካዊ ኹነታት ሃገርናን ክልልና ኣመልኪቶም ክቡር ም/ር/ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ንዕዱማት ዲያስፖራ ተጋሩ መብርሂ ሂቦም። ሕቶታት ተሓቲቶም መልሲ ድማ መሊሶም።

ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ እዉን ትግራይ ካብ ዲያስፖራ ተጋሩ እንታይ ዓይነት ኢኮኖምያዊ ረብሓ ክትረክብ ይግብኣ? ንዲያስፖራ ተጋሩ ዘሳትፍ ስናይ ምምሕዳርን ዘርፊታት ኢንቨስትመንትን ኣብሪሆም።

ዶ/ር ገብረኪዳን ኣብ ዙርያ ተሳትፎ ምሁራን ተጋሩ ኣብ ኩለመዳይ ልምዓትን ዕብየትን ትግራይ እንታይ ይመስል? ከመይ ይኸይድ ኣሎ? ንቐጻሊ ኸ ብኸመይ ይድንፍዕ ዝብሉ ነጥብታት ሒዞም ቐሪቦም።

ዶ/ር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ድማ ጉዳይ ዲያስፖራ ከም ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ከም ተጋሩ ብኸመይ ተወዲቦም ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣብ ኢኮኖሚን ልምዓት ዓድን ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ጠቓቒሶም።