Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት


ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት 2 ሓምለ 2011 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ ማዓልቲ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ መስዋእቲ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ቅትለትን መበገሲ ገይሩ ኣብ ሃገርና ምስ ዝምዕብል ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ነዚ ስዒቡ ኣብ ቅድሚት ክህሉ ዝኽእል ኣጠቓላሊ ኩነታት ብመንፅር ንሃገርና ይኹን ንክልልና ዘለዎ ትርጉም ብምግምጋም ብህፁፅ ክፍፁሙ ዝግበኦም ኣገደስቲ ኣንፈታትን ውሳነታትን ኣቕሚጡ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ህልውና ሃገርና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክወስድ ዝኽእል ብመጠኑ ይኹን ብስፍሓቱ ኣዕርዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት በፂሕና ኣለና። በቢእዋኑ እናተዋህለለ ዝመፀ ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ህልውና ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት እናተባራኸተ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ቅልጣፈ እዚ ሓደጋ እናወሰኸ መፂኡ ኣብ ቀረባ ማዓልትታት ዝተዋደደን ነዊሕ ምድላው ዝተገበረሉን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ሃገርናን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ብግፍዒ ናብ ምቕንፃል ደረጃ በፂሑ ኣሎ። ትማሊ ንህልውናን ክብርን ሃገርና ኣሕሊፎም ዝሃቡ፣ ምብትታን ኢትዮዽያ ንክጋሃድ ለይትን ቀትርን ሃሪሶም ምስ ዘይፈልጡ ሓይልታት ብሽም ለውጢ ግንባር ብምፍጣር ሰልፊ ብዘይፈሊ ኩሉ ተሓዋዊሱ ብሓባር ክነብር ስለዝተገበረ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት እናተደራረበ ናብዚ ደረጃ በፂሕና ንርከብ። ብኣንፃሩ ንክብርን ህልውናን እዛ ሃገር ዕድመ ልክዖም ዝተቓለሱ ዝህደንሉ፣ ዝእሰርሉን ዝፅለምሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ብስእነት ሰላም ህዝብታት ክሳቐዩ፣ ብመንነቶም ምኽንያት ዜጋታት ሂወቶም ንብረቶም ክስእኑ፣ ክሽቑረሩ፣ መፅለሊ ሲኢኖም ኣብ ቁርን ፃሓይን ክድርበዩ፣ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎንፅን ምፍንቓል ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝተበራኸተሉ፣ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕግን ስርዓትን ምኽባር ዘይተኸኣለሉ፤ ሃገር ሓላዊ ስኢና መዐንደሪ ፅንፈኛታት እናኾነት ፀረ ሕገ-መንግስትን ፌደራል ስርዓትን ዝኾኑ ጫፍ ዝረገፁ ሓይልታት ትምክሕቲ ከም ድላዮም ዝዕንድሩሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ህወሓት ሓይሊ ትምክሕቲ እንትብል መሰልን ረብሓን ህዝቢ ረጊፆም ሱሱዕ ድልየቶም ክፍፅሙ ናይ ዝደልዩ ውሕዳት ሓይልታት ‘ምበር ናይ ህዝቢ ኢሉ ኣይፈልጥን ክብል እውን ኣይኽእልን። ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ትምክሕተኛ ዝባሃል ህዝቢ የለን። ኩሎም ህዝብታት ድልየቶምን ባህጎም ሓደን ተመሳሰልን እዩ። ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ዘለዎ ህወሓት ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ንህዝቢ ዝለዓለ ክብሪ ዝህብ ህዝባዊ እምነት ሒዙ ዝቃለስ ውድብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ኮይኑ ኣንፃር ትምክሕትን ገዛእትን ብሓባር ዝተቓለሰን ሕልፊ መስዋእቲ ዝኸፈለን ውድብ እዩ። ስለዝኾነ እውን ንህዝቢ ኣምሓራ ትምክሕተኛ ክብል ዝኽእል ውድብ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን እዞም ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ትምክሕቲ ነቲ ዝደልዩዎ ሕዱር ሕልሞም ክፍፅሙ ክብሉ ህዝቢ ኣምሓራ ትምክሕተኛ ተባሂልካ እናበሉ የደናግሩ ኣለው። ብሽም ህዝቢ ኣምሓራ እናሸቀጡ ነቲ ዘይተባሃሎን ዘይምሰሉን ከምዚ ተባሂልካ እናበሉ ከም ቁርዲድ ለጊቦም ክማፅይዎ ይፅዕሩ ኣለው። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኣምሓራ ከም ኩሉ ህዝቢ ንሰላም፣ ንልምዓት፣ ንዲሞክራሲ፣ ኢሉ መስዋእቲ ከፊሉ ኣብ ምፍጣር እዛ ሓዳሽ ኢትዮዽያ ዘይትካእ ተራ ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ እዩ።

ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ልምዓትን ምዕባለን ሎሚ መራሒ ሲኢኑ ቁልቁል ምውራድ ዝተጀመሩሉ ኩነታት ንርኢ ኣለና። ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሰላምን ድሕንነትን እዛ ሃገር ምሕላው ኣይካኣሉን። ቅንፀላ እዞም መራሕቲ ዘረጋገፆ ሓቂ እንተሃለወ መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ምኽባር እናተፀገመ ብግፍዕን ጭካነን ናይ ስልጣን ድልየቶም ከርውዩ ዝደልዩ ሓይልታት ትምክሕቲ ከምድላዮም ዝዕንድሩሉ፣ ኣብ ማሓውር መንግስቲ ተሰግሲጎም ነቲ ዋሕስ ህዝብታት እዛ ሃገር ዝኾነ ሕገ-መንግስትን ፌደራል ስርዓትን ከፍርሱ ብፀሓይ ቀትሪ ዝንቀሳቀስሉ ኩነታት ይረአ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት በቢመዓልቱ እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣብ ዘፀግም ብርኪ በፂሑ ኣሎ። ኩነታት ሃገርና ናብዚ ደረጃ በፂሑ ምህላው እናተፈለጠ ነቲ ብግልፂ ዝተፈፀመ ላዕለዎት መራሕቲ ቀንፂልካ ብቐሊሉ ስርዓት ናይ ምፍራስ ተግባር ብዕሊ ዝኹንን ይኹን ንፁር ቅዋም ሒዝካ ቃልሲ ኣይግበርን ዘሎ። የግዳስ ኩሎም ናይ ለውጢ መራሕቲ እዮም ነይሮም እናተብሃለ ነቲ እኩይ ተግባር ክቕፅል ዝገብርን ኣብዚ ኢድ ዝነበሮም ኣካላት ከይሕተቱ ኮነ ኢልካ ንምሕባእ ብዘይሕንከት ይፃዓር ኣሎ። ካሊእ ተሪፉ ሰላምን ድሕንነትን እዛ ሃገር ውሑስ ክኸውን ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ኣብዚ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ተሓታትነት ብዘረጋግፅ መንገዲ ኣይስራሓሉን ዘሎ። እዚ ኩነታት ህልውና ሃገርና ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ይኣቱ ከምዘሎ ብምግንዛብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣቕዲሙ ዘነፀሮም ኣንፈታት ቃልሲ ብምጥንኻር ምስዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝማዕበለ ኩነታት መበገሲ ገይሩ ዝስዕብ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ ኣሎ።

1. ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ ገበን ቅንፀላ ካብ ሓሳብ ክሳብ ተግባር ብቀጥታን ብተዛዋዋርን ተሳትፎ ዝነበሮም ውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት ብሃገራዊ ገለልተኛ ወገን ብቅልጡፍ ክፃረ፣ ትካላትን ኣመራርሓን ፀጥታን ድሕንነትን ኣብዚ ውዲት ዝነበሮም ግደ ይኹን ጉቡእ ሓላፍነቶም ብዘይምውፀኦም ዝተፈፀመ ጥፍኣት ተሓተትቲ ክኾኑ እዚ ምፅራይ ኣብ ኣካይድኡን ውፅኢቱን በቢእዋኑ ንህዝቢታት ኢትዮዽያ ግልፂ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።

2. ኣብዚ እዋን ዓዲ ዝብትን ዘሎ ካብዝን ካብትን ዝተኣኻኸበ ደንበ ትምክሕቲ እዩ። እዚ ሓይሊ ዕድል ረኺቡ ከም ድላዩ ክዕንድር ዝገብር ዘሎ ድማ ኣዴፓ እዩ። ብምዃኑ ኣዴፓ ኣብቲ ጥፍኣት ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ውድብ ዘጋጠመ ቅትለት ብዝርዝር ገምጊሙ ናብ ተሓታትነት ክሰጋገር ክገብርን ቅዋም ክወስድን ካብዚ ተበጊሱ ንህዝቢታት ኢትዮዽያ ይቅርታ ክሓትት ይግባእ።
ካብዚ ወፃኢ ውሽጣዊ ሽግራትካ ንምሽፋን እቲ ጥፍኣት ሳልሳይ ወገን ኣለዎ፤ ነዊሕ ኣእዳው ዘለዎ እዩ ወዘተ እናበልካ ንህዝቢ ምድንጋር ደው ክብል ኣለዎ። ከምዚ እናበልካ ምንባር ከምዘይካኣል ህዝቢ እውን ዝተገንዘቦ እዩ። ስለዚ ኣዴፓ ኣብ ኩሎም ጉዳያት ውሽጣዊ ሽግራቱ ብዝርዝር ገምጊሙ ግልፂ ቅዋሙ ከፍልጥ ንፅውዕ። እዚ ክግበር ተዘይኪኢሉ ህወሓት ምስ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ሓቢሩ ንምስራሕን ንምቅላስን ከም ዘፀግም ክፍለጥ ይግባእ።
3. ክሳብ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ፀገም ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ብዝተፈጠረ ናይ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስን ኣብ ንፁር ውግንና ዝምስረት ቃልሲ እናተገደፈ ኩሎም ዓይነት ፅግዕተኛ ደባል ኣረኣእያታት ተሸኪሙ ዝነብር ውድብ እናኾነ ስለዝመፀ እዩ። ብምዃኑ እውን ድሕንነትን ህልውናን ሃገርና ንምውሓስ ኢህወዴግ ናብቲ ንቡር ዝፍለጠሉን ዝልለየሉን ባህርን እምነትን ተመሊሱ ካብ ደንበ ምትሕውዋስ ዝፀረየን ኣብ ንፁር ውግንና ዝተመስረተን ቃልሲ ክካየድን ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብመሰረት ሕገ መንግስትና ክካየዱ ዝግበኦ ሃገራዊ መረፃ ከም ግንባርን ከም መንግስትን ቅዋሙ ንህዝብታት ኢትዮዽያ ግልፂ ክገብር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የተሓሳስብ።

4. ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ልኡላውነት ሃገርን ካብ ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ንምክልኻልን ንምሕላውን ዝተዋሃበኩም ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ውሽጣዊ ሓድነትኩም ብምጥንኻር ሰላምን ድሕንነትን ሃገርኩም ኣብ ምሕላው ጉቡእኹም ክትፍፅሙ እናፀዋዕና ነዚ ንምፍፃም ኣብ ትገብርዎ ቃልሲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ብፅንዓት ከም ዝቃለስ የረጋግፀልኩም።
5. ህወሓት ከም ሓደ ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ካብ ህልውን መፃእን ሓደጋታት ንምድሓን ምስተመሳሰሊ ዕላማ ዘለዎም ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይልታት ሰፊሕ መድረኽ ፈጢሩ ክቃለስን ብህፁፅ ናብ ተግባር ክሰጋገርን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ።

6. ኣብ ክልል ብ/ብ/ህዝብታትን ደቡብ ዝላዓሉ ዘለው ክልል ናይ ምኳን ሕቶታት ሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ይግባእ። ካብዚ ወፃእ ሕቶ ህዝቢ ብሓይሊ ወይ ብኻሊእ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን።

7. ፌደራል መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ከረጋግፅ፣ ሕግን ልዕልነት ሕግን ከኽብር፣ ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ክረጋግፅ፣ ሕገ-መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከይተሸራረፈ ብጥብቂ ክትግብር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሕዚ እውን ደጊሙ የተሓሳስብ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ኣብ ዙርያ መስመርካን ውድብካን ዓሲልካ በቢእዋኑ ንዘጋጠመካ ማእለያ ዘይብሉ ተፃብኦን ውዲትን እናበጣጠስካ ንቅድሚት ትምርሽ ኣለኻ። ሳላ ፅንዓትካ፣ ትዕግስትኻን ብልሕኻን ካብ ዝሓዝካዮ መንገዲ ከይወፃኻ ኣብ ዕላማኻን መስመርካን ፀኒዕኻ ትቃለስ ኣለኻ። ተስፋ ክትቆርፅ፣ ክትስኮን ርእስኻ ክተድንን ኢሎም ኮስኺስካ ሃኒፅካን ዘዕበኻዮም ሙሩፃት ተጋደልትኻ ክትስእን ገይሮም እዮም። እንተኾነ ግን መስዋእቲ ናዓኻ ሓድሽ ኣይኮነን። ሙሩፃት ደቅኻ እናኸፊልካ ኢኻ ናብዚ በፂሕኻ። ሕዚ እውን እንተኾነ ዘጋጠመካ ፀገም በዲህኻ ንዝበለፀ ቃልስን ንዘይተርፍ ዓወትን ተዳሎ። ሓቀኛን ፍትሓውን ቃልሲ ክሳብ ዘካየድካ ኣብ ዕላማ ዝተመስረተ ፅኑዕ ሓድነትካ ክሳብ ዘረጋገፀካ መፃኢ ጉዕዞኻ መንገዲ ተደራራቢ ዓወት እዩ። ብምዃኑ እውን ሓድነትካ ኣስጢምካ ኣብ ዙርያ ውድብካን መስመርካን ዕሰል። በቢእዋኑ ንዝህሉ ኩነታት ብንቕሓትን ብትዕግስትን ተኸታተል።

ዝኸበርኩም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ
ትማሊ ኣብ ትሕቲ ድኽነትን ድሕረትን ተቖሪና ክንነብር ፈሪዱና ዝነበረ ብመስዋእቲ ህዝብታት ዘወገድናዮ ሓይሊ ትምክሕትን ብእኡ ዝምራሕ ኣሃዳዊ ስርዓትን ዳግም ሓመዱ ነጊፉ ብምትሳእ ብመስዋእትን ደምን ደቂ ህዝቢ ዝተፅሓፈ ቃልኪዳን ህዝቢታት ዝኾነ ሕገ-መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ንምፍራስ ብውሽጥን ብደገን ሓይሉ ኣዋዲዱ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ስለዚ ሰላምናን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን ኣብ ምሕላው፣ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ምርግጋፅ ህልውና ሃገርና ብሓባር ክንቃለስ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
3 ሓምለ 2011 ዓ.ም
መቐለ፤