Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሚያዝያ 04/2011 ዓ/ም

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ መጋቢት 30 ክሳብ ሚያዝያ 03/2011 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ውድብ እናተኻየደ ዝፀንሐ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ዝበፀሖ ደረጃን ኣብ ኣጠቓላሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክልልና፣ ኣብ ልምዓት፣ ምስፋሕ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ኢሉ እውን ናይ ክልልና ሰላም ንምርግጋፅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝርዝር ገምጊሙ ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ። ምስዙይ ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ፀገማት ምስ ናይ ከባቢና ኩነታት ብምዝማድ ክምዕብል ዝኽእል ኣጠቓላሊ ኩነታት ብመንፅር ንሃገርና ይኹን ንክልልና ዘለዎ ትርጉም ብምግምጋም ተወሳኺ ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት ኣነፂሩ ኣሎ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ትግራይ ብሓደ ገፅ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመርናዮ ሱር በተኽ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ኣብ 2011 ዓ/ም ነዚ ንምስፋሕን ንምዕሟቕን ዝተትሓዙ መደባት ብዝርዝር ገምጊሙ ኣሎ። ቀንድን መሰረታዊ ተልእኾና ዝኾነ ናይ ልምዓት፣ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ብቐፃልነት ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ዘኽእል ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ። ዛጊድ እውን ካብቲ ቀንዲ ውራይና ከይወፃና ኣብ ክልልና ዝተትሓዙ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ብመንፅር ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ተቓንዮም ክፍፀሙ ሰፊሕ ፃዕሪ ክግበር ፀኒሑ እዩ። ብፍላይ ብናይ ህዝብና ዘይተሓለለ ፃዕርን ልዑል ንቕሓትን ናይ ክልልና ሰላም ውሑስ ገይርና ፀኒሕና ኣለና። ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ክጠናኸር ንምግባር ኣብ ኩሉ ደረጃ ዘሎ ኣመራርሓ ልዑል ለውጢ ንምምፃእ ርብርብ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ይሕግዝ እዩ ተባሂሉ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ጣብያ ምምሕዳር መሰረታዊ ምትዕርራይ ብቅልጡፍ ተግባራዊ ክግበር ወሲኑ ኣሎ።
ብካሊእ ገፅ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንምብርካኽ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ከጋጥመና ዝፀንሐ ሽርሕን ተፃቦኦን ቀሊል ዝባሃል ኣይነበረን። ይኹን እምበር ብዝሓዝናዮ ቅኑዕ መንገድን ፍትሓዊ ቃልስን፣ ብዝተኸተልናዮ ሳይንሳውን ውሕሉል ናይ ቃልሲ ኣገባብን ብዓብይኡ ድማ ብናይ ህዝብና ፅኑዕን ዝተወደበ ቃልሲ ድልየትን ሕልምን ፀላእትና ክሳኸዐሎም ከምዘይካኣለ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዝርዝር ዝገምገመ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ውፅኢትን ንቅድሚት እዙይ ንምስፋሕን ንምጥንኻር ዘኽእል ኣንፈታት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ።
ህዝብና ተዋሂሊሎም ዝፀንሑ ፀገማት ክፍትሑ፣ ብግዜ የለን መንፈስ ቅልጡፍ ለውጢ ክመፅእ ዘለካ ባህግን ድልየትን ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓላፍነት ተሰሚዑካ ትገብሮ ዘለኻ ምንቅስቓስ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዝግባእ ዝግንዘቦ እዩ። ከምዚ ዝበለ ሕቶታትን ድፍኢትን ምቕራብካ እውን ጉቡኡን ክግበር ዘለዎን እዩ። ብፍላይ ናይ መናእሰይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር፣ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ናይ መሬት ምሕደራን ካሕሳን ዝራኣዩ ፀገማት ብቅልጡፍ ክፍትሑ ልዑል ፃዕርን ርብርብን ክግበር ይግባእ። በዚ ምኽንያት እውን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ዝርዝር መደባት ሒዝና ምንቅስቓስ ክንገብር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝላዓለ ትኹረት ሂቡ ዘትይሉን መፍትሒ ኣቐሚጥሉን ኣሎ።
እንተኾነ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ንናይ ልምዓት ሕቶኻን ቃልስኻን ካሊእ ትርጉም ኣትሒዞም ነቲ ዝፀንሐን ዘሎን ፅኑዕ ሓድነትካ ዕድል ረኺብና ኢሎም ክዘርጉ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው። ፊት ንፊት ህዝቢ ትግራይን ውድብናን ንምስኳን ዓቐብ ዝኾኖም ሓይልታት ካሊእ ይጠቅም ‘ዶኾን ዝብልዎ ስልቲ ሒዞም ነቓዕ ክፈጥሩ ይንቀሳቐሱ ኣለው። ኣብ ትግራይ ተላኣኣኽን መሳርሕን ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ኣይህሉን ዝብል ግምት እኳ ተዘይነበረ ብሓፂር ግዜ ግን ነዚ ሒዙ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝለል እንትብልዎ ዝዘልል ሓይሊ ክርከብ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ይተርፍ’ዶ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም መዋፈርቲ እውን ዝገመትዎ ኣይነበረን። ዝተፈለየ ሓሳብን እምነትን ሒዝካ ናብ ህዝቢ ምቕራብን ምቅላስን ተደላይን ክኸውን ዝግበኦን እኳ እንተኾነ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሃለዋትን ድሕንነትን ናብ ዕደጋ ምውራድ ግን ታሪኻዊ ጥልመትን ክሕደትን እዩ። ብሽም ፖለቲካ ናብ ንግድን ሸቀጥን ዝተዋፈሩ ክርዳዳት ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ ሽውሃቶም ከማልኡ ክብሉ ናይ ህዝብና ሓድነትን ፅንዓትን ክብርዙ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው። ካብ ደቡብ ይኹን ካብ ሰሜን ዝተላኣኹ ባንዳታት እዙይ ክገብሩ እዮም ተዓሲቦም ዝንቀሳቐሱ ዘለው።
ህዝብና ነዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ከምቲ ክሳብ ሕዚ ዝገበርካዮ ፅኑዕን ውሑሉልን ቃልስን ሓድነትካ ኣስጢምካ ንሃለዋትካን ድሕንነትካን ቀዳምነት ሂብካ፣ ተግባርን ድልየትን ናይዞም ሓይልታት ካሊእ መልክዕን ጉልባብን ሒዞም እንተመፁ እውን ከከም መልክዖም ክትቃለሶም ይግባእ። ንናይ ፅባሕ ዘይቀሪ ዓወትካ ሓድነትካ ኣስጢምካ፣ ኣብ ዙርያ መስመርካን ውድብካን ዓሲልካ ንኩሉ ጉዳያት ብንቓሓትን ብተጠንቀቕ ከምትከታተሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንፃት እውን ኣይጠራጠርን። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ዝተዋፈርኩም ወገናት ሓደ ግዜ ክልተ ግዜ ደጋጊምኩም ክትሓስቡ ቀዳምነት ንህዝብኹም ክትሪኡ ይግባእ። ተኸዊልካ፣ ብፀልማት ክንገብሮ ኢና ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ እዩ። ዝሓቶ ዋጋ እውን ከቢድ እዩ። ዝሰምዕ፣ ዝርኢ መንግስትን ህዝብን ዘለዎ ክልል እዩ። ስለዚ ካብ ተግባርኩም ክትቁጠቡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ደጊሙ ይምዕድ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዕምቆት ካብ ዝራኣዮም ጉዳያት ህልው ኩነታት ሃገርና ዝምልከት እዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተገደደ ዝመፅእ ዘሎ ህልውና ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ብመጠኑ ይኹን ብስፍሓቱ ኣዕርዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት በፂሒና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ሃገርና ብመሰረቱ ዝተረጋገአ ሰላም ኣረጋጊፅና ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ስሉጥ፣ ተኸታታልን ዕብየት ኣመዝጊብና ናይ ሃገርና ክብርን ልኡላውነትን ሓሊና ህዝብታት እዛ ሃገር ኣብ ፍፁም ድልየት ዝምስረት ዲሞክራስያዊ ሓድነት ምህናፅ ኣብዝጀመርናሉ ብርኪ በፂሕና ምንባርናን ናይዞም ዝተመዝገቡ ዓወታት ምስጢር እንታይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዘይነበረን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዕምቆት ገምጊሙ እዩ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ብፍላይ ኢህወዴግ ዝጀመሮ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ከይተዓወተ ምስተረፈ ስዒቡ ንምንታይ ኣብ ሃገርና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝኾነ ስእነት ሰላም፣ ምርግጋዕን ህውከትን ይጋደድ ከምዘሎ፣ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ንምንታይ ከምዘይተኻኣለ፣ ፀረ ሕገ-መንግስትን ናይ ፌደራል ስርዓትን ዝኾኑ ፅንፈኛ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣተሓሳስባ ዝለዓለ ቦታ ረኺቡ ከምድላዮም ዝዕንድረሉ ኩነታት ንምንታይን ብከመይን ከምዝተፈጠረ፣ ናይ ሃገርና ክብርን ላኣላውነትን ናይ ፖሊሲ ነፃነትን ኣኽቢሩ ዝፀንሐ እምነትን ስርዓትን ብቅልጡፍ ንምንታይ ይሽርሸር ከምዘሎ፣ ዝተጀመረ ምዕባለን ፀረ ድኽነት ቃልሲ ንድሕሪት ተኸቢሱ ቁልቁል ምውራድ ዝተጀመረሉ ኩነታት ንምንታይ ከምዘጋጠመ፣ ዲሞክራስያዊ ሓድነትና ፌደራላዊ ስርዓትና ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ ዘሎ ምኽንያት ብዝርዝር ፈትሹን ናይዚ መሰረታዊ ምኽንያትን ተሓታቲ መን ከም ዝኾነ ሓላፍነት ብዝተመልኦን ብዝለዓለ ህዝባውን ሃገራውን መንፈስ ገምጊሙ ኣሎ።
እዚ ኩነታት ንክፍጠር ይኹን ናብዚ ሕዚ በፂሒዎ ዘሎ ደረጃ ክበፅሕ ቐንዲ ምኽንያት ነዚ መስመርን ስርዓትን ክመርሕ ሓላፍነት ዝተሰከመ መሪሕነት ኢህወዴግ ካብ ዝፍለጠሉን ዝልለየሉን መሰረታዊ እምነታቱ እናራሓቐ ኩውንነት ናይዛ ሃገር ንጎኒ ተገዲፉ ቅጥዒ ብዘይብሉ ደባል ኣረኣእያ እናተበረዘ ሓፁር ዘይብሉ ጥሕሰት ሕገ-መንግስትን ነቲ ዋሕስ ህዝብታት እዛ ሃገር ዝኾነ ፈደራል ስርዓትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባርን ኣተሓሳስባን ይዕብለል ስለዘሎ እዩ። ኢህወዴግ ኣብ 2010 ዓ/ም ብዕምቆት ምህዳስ ዘቐመጦም መሰረታዊ ናይ ገምጋም ነጥብታትን መፍትሒ ኣንፈታትን ብጥቡቕ ድስፕሊንን ታሓታትነትን ክትግበሩ ስለዘይገበረን ናብ ንቡር ባህሪኡን መስመሩን ምምላስ ስለዝተፀገም ዘጋጥም ዘሎ ፀገም እዩ። ዓዲ ዝብትን ተግባር ክፍፀም፣ ናይ ህዝብታት ስቓይን መከራን ክበራኸት ዓብይ ተራ ዝፃወቱ ዘለው ሓይልታት ዕድል ክረኽቡ ዝገበረ ሕመቕ ኢህወደግን ኣመራርሓኡን እዩ። ብምዃኑ እውን ናይ ክሳብ ሕዚ ጥፍኣት ተሓታቲ ይኹን ካብዚ ፀገም መውፅኢ መንገዲ ሓደ ሓደን ጥራሕ እዩ። ኢህወዴግ ናብ በቱኡ ክምለስ ምግባር። ሕገ-መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትና ብጥብቂ ከይተሸራረፉ ክትግበሩ ምግባር ጥራሕ እዩ ውሕስና ሃገርና ክረጋገፅን ክማሓየሽን ዝኽእል።
እንተኾነ ግን ሕዚ እውን ነቲ ፀገም ዘጋድድ ናይ ሃገርና ህልውናን ክብርን ዝትንክፍ ተግባራት ካብ ምሕሳብን ምትግባርን ዓዲ ኣይተዋዓለን። ኢህወዴግ ጀሚርዎ በርዒኑ ዝተረፈ ተሃድሶ ናብ ንቡር ኣብ ክንዲ ምምላስ ኣብ ውሽጢ ዘለው ፀገማት መፍትሒ ተባሂሉ ኣብ ቀረባ እዋን ዝቐርብ ዘሎ መማረፂ ኢህወዴግ ብሃገር ደረጃ ሓደ ፓርቲ ምግባር ዝብል እዩ። ናይ ውሁድ ፓርቲ ሕቶ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እናተላዓለ ዝፀንሐን ብመፅናዕቲ ክምለስን ተነፂሩ ዝነበረ እዩ። እዙይ ኢህወዴግ ኣብ ዓዲ ጥዕና እናሃለወ፣ ኣብ መስመራቱን እምነታቱን ምዝናፍ ኣብ ዘየጋጠመሉ እዋን ክግበር ተባሂሉ ዝነበረ ከይዲ እዩ። ይኹን እምበር ዝተዘረገን ሕንፋፅ ኣረኣእያን እምነት ዝሓዘ ኢህወዴግ ይትረፍ ንውህደት ነቲ ዝፀንሐ ኣወዳድብኡ ዝኸውን ናይ ኣታሳስባን ተግባርን ሓድነት ዘይብሉ ኢህወዴግ እዩ ዝኒሀ። ኣብ ኩሎም መሰረታዊ ሕቶታት ናይ ፕሮግራም፣ ስትራቴጂ፣ መለለይ እምነታት ኣብ መንጎ ኣሓት ውድባት ሓደ ዝጠምር ኣረኣእያን እምነትን ኣብ ዘይብሉ፣ ኩለን የማን ፀጋም ኣብ ዝብላሉ ውህድ ሓደ ፓርቲ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይኮነን።
ዝጠምሮ ናይ ሓባር ኣረኣእያ ኣብ ዘይብሉ እዋን ሓደ ውድብ ከም ውድብ መጠን ህልውና ክህልዎ ኣይኽእልን። መጥመሪ ዝኾን ኣረኣእያ ኣብ ዘይብሉ ውድባዊ ምብትታን እምበር ውህደት ክመፅእ ኣይኽእልን። ስለዚ ቅድሚ ውህደት፣ ምእንታን ክንዋሃሃድ ዘዋሃህደና ክነቕምጥ ኣለና። ቅድም ቀዳድም ፅኑዑን ንፁርን መለለይ መስመራትና ኣፀኒዕና ክንሕዝ ኣለና። ካብቶም ኢህወዴግ ዝብትኑ ዘለው ዝተዛብዑ ኣረኣእያታት ዝፈልዩ ዶብ፣ ሓፁር፣ ብንፁር ጠሪርካ ንፁርን ፅኑዑን ኣገባብ ኣቐሚጥካ ጥራሕ እዩ ብዛዕባ ውህደት ምዝራብ ዝካኣል። ውህደት ብፍፁም ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክሓልፍ ይግባእ። ኣብ ኩለን ኣሓት ውድባትን መላእ ኣባልን ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ምይይጥን ከይተኻየደሉ ዝፍፀም ክኸውን የብሉን። ስለዚ ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ኢህወዴግ ብዛዕባ ሓደ ፓርቲ ምኳን ክሕሰብ ዝኽእል ኣይኮነን። ካብዚ ወፃእ ዝህሉ መማረፂ ነቲ ሽግር ዘጋድድ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለና።
እታ ትማሊ ምእንተ ሰላም ህዝብታት ኣብ ዓለም ኣብነት ዝኾነት ዓዲ ሎሚ ንባዕላ ምኳን ኣብይዋ ካብ ደገ ካሊእ ዘረጋግዕ ሓይሊ ክኣቱ ዝጥለበሉ ኩነታት ንሰምዕ ኣለና። ፌደራላዊ ስርዓትና ዘፍርስ ነቲ ህዝብታት ተቓሊሶም መስዋእቲ ከፊሎም ዝፀረግዎ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምምላስ ብፅሓይ ቀትሪ ክሰበኽን ንሱ እዩ መማረፂ ንኢትዮዽያ ክብሃል ነስተባህል ኣለና። ሕገ-መንግስቲ በቲ ሓደ ወይ በቲ ካሊእ ምኽንያት ክሸራረፍ ክጠሓስ ምርኣይ ማዓልታዊ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ካሊእ ተሪፉ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ክካየድ ዝግባእ ሃገራዊ መረፃ ሕገ-መንግስታዊ ብዘይኮነ መንገዲ ይካየድ ‘ዶ ኣይካየድ ይባሃል ኣሎ። ውድብና ዕላምኡን መስመሩን ኣብ ህዝቢ ኣቕሪቡ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ብናይ ህዝቢ ሙሉእ ድጋፍ ዓዲ ክመርሕ ዝፅዕር እኳ እንተኾነ መረፃ ኣብ እዋኑ ክካየድ ምግባር ግን ልዕሊ እዙይ እዩ ። ሓደ መሰረታዊ ናይ ህዝብታት ልኡላዊ ስልጣን ዝረጋገፀሉ፣ ሕገ-መንግስትና ብፅንዓት ንምትግባር ዘለና ትብዓት ነረጋግፀሉ መስርሕ እዩ። ሕገ-መንግስቲ ክጥዕመካ ዝኽበር እንትሽግረካ ዝጣሓስ ኣይኮነን። ብምኳኑ እውን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክኽበር ኣለዎ። ኣብ ሕገ-መንግስትና ብዝተቐመጠ ስርዓት መረፃ ኣብ እዋኑ ክግበርን ልዕሊ ንሕና ንስዕር ‘ዶ ኣይንስዕርን ክብርን ልኣላውነትን ህዝብን ሕገ-መንግስትን ክቕድምን ክኽበርን ብዝተቐመጠሉ ስርዓት ብጥብቂ ተግባራዊ ክግበር ህወሓት ብፅንዓት ክቃለስ እዩ።
ብሩህ ተስፋን ምዕባለን ጀሚሩ ዝነበረ ዓዲ ሎሚ ብስእነት ሰላም ህዝብታት ክሳቐዩ፣ ክፈናቐሉ፣ ብፃሓይ ቀትሪ ሂወቶምን ንብረቶምን ክስእኑ፣ ሎሚ ፅባሕ እንታይ ክፍጠር ይኸውን ኢሎም ብስግኣት ተሸቁሪሮም ክሓድሩ፣ ብመንነቶም ክጠራጠሩ፣ ተመሊሶም ዝብላዕ፣ ዝስተ ሲኢኖም ብጥምየት ክማስኑ፣ መፅለሊ ሲኢኖም ኣብ ቁርን ፃሓይን ክድርበዩ ምርኣይ ካብዚ ንላዕሊ ዘድንግፅ፣ ዘሕንኽ ተግባር እንታይ ክህሉ ይኽእል። በዚ ኣጋጣሚ ንዝበፀሐ ሞት፣ ምፍንቓልን ምንግልታዕን ዝተሰምዐና ሓዘን እናገለፅና ንቅድሚት ተመሳሳሊ ተግባር ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ከይፍፀም ህወሓት ካብ ዝኮነ እዋን ንላዕሊ ብፅንዓት ክቃለስ እዩ። ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ሃገርና ክረአ እንተሎ ንኩሉ ዓዲ ዝፈቱ ወገን ከተሓሳስቦን ሓላፍነት ክስሞዖን ዝግባእ እኳ እንተኾነ እዙይ ንከይፍጠር መስዋእቲ ንዝኸፈለ ህዝብን ወድብ ድማ ዝያዳ የግድሾም። ብምዃኑ እውን መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና፣ ዲሞክራስያውን ሓይልታት፣ ኣብ ሕገ-መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ፅኑዕ መርገፂ ሒዝኩም ትቃለሱ ሓይልታት፣ ሃገርና ካብዚ ሕዚ ዘላቶ መከራን ሽግርን ንምውፃእ ብሓባር ክንሰርሕን ክንሓብርን ህወሓት ፃውዒቱ የቐርብ። ህወሓት ከም ቀደሙ ህዝብታት ሃገርና ናብ ንቡር ሰላም ክምለሱ ሕገ-መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓትና ብጥብቂ ክትግበር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብፅንዓት ከምዝቃለስ ደጊሙ የረጋግፅ።
ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኢትዮ ኤርትራ ሰላም ብፍላይ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝተጀመረ ሕውነታዊ ምንቅስቓስን ክሳብ ሕዚ ዝበፅሖ ኣወንታዊ ምዕባለታት ብምግምጋም ንቅድሚት ዘላቕን ውሑስን ክኸውን ዘለዎ ቁርብነት ደጊሙ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የረጋግፅ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት
ሚያዝያ 04/2011 ዓ/ም
መቐለ፣