Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ዓለምለኽዊ መፍረይ ዕጥቂ ስፖርት ኢርያ ኣብ ትግራይ ክሰርሕ እዩ።

መቐለ 29 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ብደረጃ ዓለም ዕጥቂ ስፖርት ብምፍራይ ዝፍለጥ ኢርያ ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከባ ጋንታታት ስፖርት ዕጥቂ ንምቅራብን ስፖንሰር ንምግባርን ዝኽእሎ ዘተ ኣካይዱ።

ብተወሳኽ እቲ ትካል ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣትዩ ዕጥቂ ስፖርት ከፍሪ ድልየት ከም ዘለዎ ኣብቲ ዘተ ዝተረኽቡ ወኪል ኢርያ ኣንጀሊኖ ዛቺ ተዛሪቦም።

አረያ ኣብ ትግራይ ክሰርሕ ዝለዓለ ግደ ይፃወቱ ዘለው ድማ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወትን ብዓል ዋና ትካል ግሎባል ስፖርት ኣትሌት ገ/እግዛብሄር ገ/ማርያምን እዮም።