Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ውዲት ኣብይ ኣህመድን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ወያናይ ሓይሊ :ብዋካ ብርሃነ

ውዲት ኣብይ ኣህመድን መሻርኽቱን
ኣብ ልዕሊ ወያናይ ሓይሊ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይንፁር ህንደሳ ፖለቲካ “ምድማር” ንሓደሓዲኦም ናይ እማን ቁኑዕ ምውህላልን ምትእኽኻብን መሲልዎም ትስፉው ነገር ክርእዩ ትፅቢት ዝገበሩ ነይሮምን ኣለውን ። ንመብዛሕትና ግን ዘይእዱን “ምድማር” መንገዲ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ፣ ቁልቁለት ፣ ምብትታን ምጥፍፋእን ምዃኑ ፍንትው ኢሉ ዝረአ ዝነበረ እዩ ። መን ምስ መን ይድመር ፣ ንምንታይ ይድመር ፣ ናይቲ ድምር ውፅኢት ከ እንታይ ይኸውን ዝብል ከይመለስካ ኩሉ ናብ ሓደ ክድምር እየ ኢልካ ምሕውታት ውፂኢቱ ሃገራዊ ሓደጋ እዩ ። ሓዊን ሓሰርን ደሚርካ ሓሙኽሽቲ ኢኻ ትረኽብ ። ሑፃን ስርናይን ሓዊስካ እንተጎሲምካዮ ኮራርምትኻ ኢኻ ትስእን ። ሕጋውን ዘይሕጋውን እንተሓዋዊስካ ሽፍትነት ኢካ ትፈጥር ። ጤልን ነብርን ኣብ ሓደ ደንበ እንተ ዳጚንኻ ዝሓጠረ ነብሪ ኢኻ ትረክብ ። ልምዓታዊ መንግስትን ሊቨራል ፖለቲካል ኢኮኖሚን እንተ ሓዋዊስካ ስሉጥን ፍትሓዊ ልምዓትን ሕልሚ እዩ ዝኸውን ። ፔትሮ ዶላር ኣብ ለእላዊነት ሃገር እንተወሲካ ሕሽክርና ኢኻ ትረክብ ። ግብፅን ግድብ ኣባይን እንተደሚርካ ተስፋ ኢትዮጵያዊያን ኢኻ ተፀልምት ። ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብይ ኣህመድን ብሓደ እንተፀሚድካ ድማ …. ገደደ …ፀረ-ወያናይ ሓይሊ ኢኻ ትረክብ ። ትምክሕትን ፀቢብነትን ምስ ወያናይ ሓይሊ እንተደሚርካ…ዝገደደ ..ቕልውላውን ስረዓት ኣልቦኝነት ትፈጥር ። ክድምር ዝደለየ መራሒ መን ምስ መን ተደሚሩ ይግውድ ፣ ይሕይል ፣ መን ምስ መን ተደሚሩ ሃገር ትብተን ዝብል ከይመለሰ ነንባዕሉ ዝባላዕ ፣ ዘይሳነ ፣ ዘይመኻይዲ እንተደሚርካ ውፅዒቱ ውድቀት እዩ ።

ሕማቕ ዕድሎት ግዲ ኮይኑ መሃንድስ “ምድማር” ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ እዚ ሓቂ እዙይ ንጎኒ ወዚፉ ፣ ካብ ኣመፃፅኡ ጀሚሩ ብደገን ብውሽጥን ተጎጃጂሉ ዘይ ደማዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ ስልጣን ክሕዝ ኺእሉ እዩ ። ከምዙይ ኢሉ ናብ ስልጣን ዝመፀ መራሒ ድማ ኣብ ፈለምኡ ይኹን መወዳእትኡ ናይ ሃገር ፀገም ዝፈትሕ ኣይኮነን ። ምስ ኩሉ ሽግራታ ብኢህወደግ ትምራሕ ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣንፃራዊ ሰላም ፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ምርኣይ ጀሚራ ዝነበረት ሃገር ዳግም ህልውንኣ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ። ዘይንፁር “ምድማር” ውልቐ ምልኺ ወሊዱ ሃገር ናብ “ምብትታንን” ቕልውላውን አእትይዋ ኣሎ ። እቶም ትስፍው ለውጢ ክርኡ ትፅቢት ዝነበሮም ዜጋታት እውን መፃኢ ተስፍኦም ብሩህ ዘይምዃኑ ውፅኢት ምድማር ዛጊድ ኣረጋጊፅሎም ኣሎ ።

ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ቕድሚ ስልጣን ምሓዙ ይኹን ድሒሩ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ዝወሰዶም ስጉምትን ዝተዛረቦምን ብምግምጋም ውግንነቱ ምስ መን ፣ ንመን ፣ ብኸመይን ዝብሉ ዛጊድ ንኩሉ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካ “ምድማር” ከ ካብ ረብሕኦም ተበጊሶም 5ተ (ሓሙሽተ) ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዕሉላት መሻርኽቲ ኣለውዎ ።

፩ መራሕትን ወከልትን ኒዮ-ሊበራል ሓይልታት

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብኢህወደግ ዝምራሕ ልምዓታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ፖሊሲን ዝመረፆም መሻርኽቱን መኻይዱን በቲ ሓደ ገፅ ፣ ወነንቲ ሊቨራል ፖለቲካል ኢኮኖሚ በቲ ካልዕ ገፅ ኾይኖም ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት እንዳተፋጠጡ መፂኦም እዮም ። ብኢህወደግ ዝምራሕ ልምዓታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ሓይልታት ኒዮ-ሊበራል መሰረታዊ ረብሕኦም ዘየማልእን ዝፃባእን ዘይ ሕሽከርን ምዃኑ ፣ እዃ ዳኣስ ንኣፍሪካ ዝሓንፀፅዎ ፖሊሲ ኢህወደግ ኩርኳሕ ምዃኑ ካብ ዝፈልጡ ሓያሎ ጌሮም እዮም ። ምዕዋት ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘምፅኦ ሰበብ ዝተረደአ ሓይሊ ምዕራባዊያን ፣ ንመራሒ ልምዓታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢህወደግ ኣካይዱን ፖሊስታቱን ንኽቅይር ዝተደጋገመ ሓውሲ ዒድ ምጥዋይ ፈተነታት ኣካይዶም እዮም ። ኣይ ከም ሎሚን ሽኡ ኢህወደግ ምስ ውኒኡ ስለዝነበረ ናይ ምዕራባዊያን ኮደድ መደድ ክሰምር ኣይካኣለን ። ሕዚ ግን ኣመራርሓ ኢህወደግ ህዝባዊነቱ ፀንቂቁን ሓንሸሸን ባዕሉ ናብ ገዛዒ ደርቢ ክሰጋገር ምቁማት ስለዝጀመረ እዚ ኣጋጣሚ ንሓይልታት ኒዪ-ሊቨራል ምችው ኩነታት ፈጢርሎም ። ቅድም ኢሎም ዝመልመልዎ መራሒ ህንደሳ ፖለቲካ ምድማር ኣብይ ኣህመድ ነቲ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ፍታሕ ከምፅእ እዩ ብዝብል ሽፋን ፣ ፖሊስታት ልምዓታዊ መንግስቲ ኢህወደግ ኾሊፎም ፣ ብኡ ኣቢሎም ብሊበራል ፖለቲካል ኢኮኖሚን ፖሊስን ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንምትካእ ናይ ምዕራባዊያን ውዲትን ዒድ ኣእታውነትን ኣለዎ ። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ነቲ ክሳብ ሕዚ ቀርቂሩ ሕዝዎም ዝነበረ ወያናይ ሓይሊ ብመንገዲ ኣብይ ኣህመድ ጌርካ ምድኻም እዩ ።

ብናተይ እምነት ሊቨራል ፖለቲካል ኢኮኖሚ ይኹን ሶሻል-ዴሞክራት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ዝለዓለ ጠርዚ ናይ ልምዓታው መንግስቲ ስትራተጂ እዩ ። ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ኣብ እዋን ግሉቫላይዘሽን ኢትዮጵያ በየናይ መንገዲ እንተኸደት እዩ ድኽነት ሚሕዋ ስሉጥን ፍትሓዊን ኢኮኖሚ ትሃንፅ ዝብል ኣገዳሲ ነጥቢ ተዘይ ኮይኑ ሊበራል ፖለቲካል ኢኮኖሚ ድሑር ስርዓት እዩ ወይ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ከም ስርዓት ክትጥቀመሉ የብላን ዝብል እምነት የብለይን ።

፪ ስዑዲ ኣረብያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን

ናይ ኢራን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ኣብ የመን ምህላው ሃገራዊ ስግዓት ዝፈጠረሎም ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ድሕሪ ናይ ዓመታት ናይ ኣየር ደብዳብ ንየመን ካብ ብኢራን ዝድገፍ መንግስቲ ከናግፍዋ ኣይከኣሉን ። ሕዚ ካብ ደብዳብ ኣየር ሓሊፎም እግረኛ ሰራዊት ስለ ዘድለዩ ጉዳይ ኢትዮ- ኤርትራ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ መሰረታዊ ረብሓ ብዘይሕሉ ኣግባብ ብድጋፍ ገንዘብን ኒሻን ብምሽላምን (ኣዲስ ኣበባን – ኣስመራን) ጥራሕ ኣራኺብካ ፍታሕ ከም ዝረኸበ ኣምሲሎም ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተፀሚዱ ዘሎ ሰራዊት ንየመን ክወፍር ይደልዩ እዮም ። ከምኡ’ውን ኣብ ቀጠና ቀይሕ ባሕሪ ዝህሉ ፖለቲካዊ ሽርክና ንምሕያል ካብ ዘለዎም ዓሚቕ ድሌየት ንመራሒ ፖለቲካ “ምድማር” ኣብይ ኣህመድን ኢሳያስ ኣፍወርቅን ብግዝያዊ ሓገዝ ሸቢቦም ክጥቀምሎም ስለ ዝደለዩ ኣብ ምትሕግጋዝ ይርከቡ ። ኣብዚኣ’ውን ከምቲ ናይ ኒዮ-ሊበራል ሓይሊ ቀንዲ ዕላምኦም ነቲ ብለዕላውነት ሃገሩ ዘይዋገ ወያናይ ሓይሊ ምድካም እዩ ።

፫ ግብፂ

ግብፂ ሕዳሰ ግድብ ኣባይ ድቓስ ዝኸለኣ ደመኛ ፀላዒት ህዝቢ ኢትዮጵያ እያ ። መሓንድስ “ብተና” ዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ኣብ ግብፂ ከይዱ ወላሒ ፣ ወላሒ ፣ ወላሒ ንግብፂ ዝጎድእ ነገር ኣይገብርን ኢሉ ቃል ኣትዩ ። ንግብፂ ዝኣተዎ ቃል ንምኽበር ኢሉ ፣ ክብሪ ኢትዮጵያዊያን ዝኮነን ኢትዮጵያዊያን ናብ ሓደ ዘምፀአ ግድብ ሕዳሰ ሓንቲ መዓልቲ ከይዱ ዘይረኣዮ ፣ ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ዝተሰረሐ ነገር የለን ፣ እቲ ክዝረብ ዝፀነሐ ንፖለቲካ ሃልኪ ተባሒሉ እዩ ገና 10 ዓመት የድልዮ ዝብል መራሒ መሻርኽቲ ስለ ዝረኸበት ፣ ግብፂ ኣካል ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝኮነ ግድብ ኣባይ ንኸይዛዝም ፣ ኢትዮጵያ ንኸይትረጋጋእ ምችው ኩነታት ስለዝረኸበት ሃገራዊ ሓይሊ ክዳኸም ፣ ድኹምን ተኣዛዝን መራሒ ስልጣን ክሕዝ ኩሉ ዘበለ ኣብ ምግባር ትርከብ ።

፬ መራሒ ህግድፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

መራሒ ስርዓት ህግድፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጲያ ምሕሙዛቕ ከም መሰሉ ገይሩ እዩ ዝወስዶ (እቲ ትግራዋይነቱ ውን እንዳበሎ ግዲ) ፣ “ወያነ” ዝባሃል ሓያል ብዓል መሰመር ውድብ ብጋሕድን ብሕልሙን ስለ ዘባሕርሮ ፣ ካብ ምዕብልትን ሰላማ ተረጋገፀ ኤርትራ ዝርኢ ወይነ ትግራይ ዘየብላ ኢትዮጵያ ንምርኣይ ዋላ ኤርትራን ኤርትራዊያንን ይበተኑ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለዎ ። መራሒ ህግድፍ ምስ ኩሎም ፀረ-ወያነ ዝብሎም ሓይልታት ተሰለፉ ኣገርገር እንዳበለ ፀኒሑ እዩ ። ሕዚ ድማ “ውዱእ ፖለቲካ ፀወታ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ” እንዳበለ ብተደጋጋሚ ባዕሉ ፈቲኑ ምትግባር ዝኣበዮ ምስ ፖለቲካ “ምድማር” መራሒ ኣብይ ኣህመድ ተሰሊፉ ክውን ኾይኑ ንምርኣይ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ ። ወያናይ ሓይሊ ተጠናኺሩ ነቲ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ሃገር ዘፍርስን ሕድ ሕዴና ከናቁረና ዝጓየ ዘሎ እንተመኺትዎ ፣ ዝርያ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ናብ ሓይሊ መልጢ ክዓቱ ከም ዝኽእል ንምግማቱ ኣየፅግምን ። ናይዚ መርኣያ ድማ ብኸባቢ ኣሰብ መስመር ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ኮይኑ ዝፀንሐ መንግዲ ዳግም ይተኣራረይ ፣ ኣብ ምስ ትግራይ ዘዋድብ ከብባቢታት ድማ ሓደሽቲ ወታደራዊ ድፋኣት ይዃኣት ኣሎ። ዝተሓሰበ ነገር እንተዘይሓልዩ ወታደራዊ ድፋኣት ምዃኣት እንታይ ኣድለየ ?

፭ ብቱን ናይ ትምክሕቲን ፀቢብነትን ሓይሊ

ድሕሪ ውድቀት ደርግ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ተባታቲኖምን ተወዲቦምን ውሱን ምንቅስቃስ ዝገብሩ ዝነበሩ ናይ ትምክሕቲን ፀቢብነትን ሓይልታት መሓንድስ ፖለቲካ “ምድማር” ኣብይ ኣህመድ ብዝፈጠረሎም ምችው ኩነታት ተኣኻኺቦም ፣ ግንባር ፈጢሮም ፣ ብሰናይ ድሌት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝፀደቐ ሕገ- መንግስቲ ንከፍርሱ ብኹሉ ዓቕሞም ይረባረቡ ኣለው ። መሓንድስ ፖለቲካ ምድማር’ውን ካብ ምስ ኢህወደግ ዘራኽቦ ገመድ ምስ ግንቦት 7ን ኦንግን ዝበለፀ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ኣፉ ብዝኸፈተ ቁፅሪ ክንእዶምን ክም ሕፃን ቖልዓ ከደባድቦምን ይውዕል ኣሎ ። ብኣንፃሩ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢህወደግ “ብዙ ቆሻሻ” ዝተረኣየሉ ነይሩ እንዳበለ እዝኒ ትምክሕተኛታት ብዘረባ ክሕጥር ይውእል ኣሎ ። ኧረ. ….ናይዙይስ ንበይኑ እዩ ። ለልምዓቱ ህዝቢ እዩ ሰሪሐዎ ፣ ጠጥፍኣቱ ድማ መንግስቲ እዩ ዝብል….. እንድሕር ብዘይ ህዝባዊ ፖሊሲ ህዝቢ ልምዓት ዘምፅእ እንተኾይኑ ፣ እንታይዳኣ ኾይኑ እቶም ዝሓለፉ 3000 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ልምዓት ዘየምፀአ ? ብምልዮናት ዝቑፀሩ ኣባላት ኢህወደግ እንዳነከየ በፃብዕቲ ዝቁፀሩ ትምክህተኛታት ሒዙ ተደሚርና ይብል ኣሎ ። ግርም ምድማር ። ብዙሕ እንድዩ ኢሉ ግን ክንደይ ኣዘር ቆዘር ዝበሎም እሞ ክንፅብፅብ….. ህውከት ። እዚ ናይ ትምክሕትን ፀቢብነትን ሓይሊ ቅድም እንትብል ብወያናይ ሓይሊ ተሳኢሩ ስልጣኑ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተመንዝዐ እዩ ። ዳግም ናብ ስልጣን ክመፅእ ብሽም ምድማር ተበቲኑ ዝፀንሐ ውዳበ ትምክሕቲን ፀቢብነትን ተኣኻኺቡ ኣብ ልዕሊ ወያናይ ሓይሊ ርብርብ ይገብር ኣሎ ።

ከምቲ ልዕል ኢለ ክገልፆ ዝፈተንኩ 5ተ (ሓሙሽቲኦም) ሓይልታት ከ ካብ ሃገራዊ ጥቕሞም ተበጊሶም ነቲ ወያናይ ሓይሊ ከዳኹሙን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህሉ ፖለቲካ ስልጣን ናብ ትርጉም ዘየብሉ ደረጃ ከውርድዎ ምስ ኣብይ ኣህመድ ዒድን ጓንትን ኮይኖም ይሰርሑ ኣለው ። ኣብ ዙይ ክላዓል ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ነቲ ወያናይ ሓይሊ ዝመርሕ ዘሎ ኣመራርሓ ብፀላዕቲ ተኸቢበ እዩ ኢሉ ከም ስዑር ኣንሳሕቢቡ ንስልጣኑ ክብል ምስ መሃንድስ “ምድማር” ክደራደር ድዩ ወይስ ወያናይ ሓይሉ ኣኪቡ ፣ ናይ ኣረኣእያ ሓድነቱ ኣስጢሙ ፣ ውሽጣዊ ዴሞክራሲኡ ኣረጋጊፁ ፣ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ዝምክት ኣመራርሓ ፈጢሩ ሕድሪ ጀጋኑ ስውኣትና ህያው ይገብር ዶ ኣይገብርን ዝብል መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ምላሽ ክሕበሉ ሙሉእ ተስፋ ኣለኒ ። ኣብዛ ጉባኤ እዚኣ ትረአ ሽተት መተት ትርፋ ትዕዝብቲ እምበር ህዝቢ ትግራይ ዳግም ኣብ ትሕቲ ፀረ-ዴሞክራሲን ወልቀ መላኽን ስርዓት ክነብር እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕብዳን እዩ ። ዝሕሰብ እውን ኣይኮነን ። ኣጋጢሙ ዝንሔ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብውሕሉል እንተ ዘይተመሪሑ ቀልጢፉ ቅጥኢ እንተ ዘይሒዙ ብእምነተይ ህዝቢ ትግራይ ናብቲ ዘይተርፍ መማረፂ ብኣግኡ ክዳለወሉ ኣለዎ ። ኣብዚኣ ካብ ኣመራርሓ ሸተት መተት እንተጋጢማ ፣ ሽዑ ህዝቢ ትግራይ ዝሕልዎ መማረፂ ንዝጠለምዎ መራሕቲ ምስ መሃንድስ ፖለቲካ “ምድማር” ደሪቡ ምቅላስ እዩ ።

ሰሰላሙ ንኣኹም
ዋካ ብርሃነ
ሑመራ, ትግራይ
10/12/ 2010 ዓ/ም

ንማዕዳኹምን ተግሳፅኹምን
[email protected]