Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ንሕበር ኧረ ንስጠም :ብዋካ ብርሃነ

ንሕበር ኧረ ንስጠም

ኣግባብ ኣፀሓሕፋይ ይኹን ናይ ቃላት ኣጠቓቕማይ ሕላፍ ዝላፍ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣቐዲመ ሕድገትኩም ከይፍለየኒ እላቦ። እንተ ኣብ እምነተይ ዝተፈለየ ሓሳብን ርኢቶን እንተለኩም ግን ብዝሰልጠነ መንገዲ ንካታዕ። ቀንዲ ንኽፅሕፍ ዘበገሰኒ ምኽንያት እውን ፀርፍን ሃጠው ቐጠውን ዘይሓወሰ ኣብ ጉዳይ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ት.ን ኢሂን ሚሂን ተባሃሂልና እጃምና ክነውፊ ካብ ዘለኒ ባህጊ እዩ። ብዛዕባ ህወሓት ንዛረብ ክብል ከለኹ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ብሄራዊ መንገስቲ ክልል ትግራይ ይመርሕ ሰለዘሎ ዳኣ እምበር ኣብ ትግራይ ካልእ ውድብ ወይ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ኣየድልን ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ ኣይኾንኩን። ብዝሰልጠነ ኣግባብ ንዘራረብ ክብል እንተለኹ እውን ተፈላለዩ ውዳበታትን ሓሳብን ከምዘሎ ቕቡል ገይር እየ። እዃ ዳኣስ ከም ሓደ ሓዲኦም ዃኹቶ ዶ እሾክ ዶ እንተይ በልኩ ወይ ሽም ቀሺ እንተይ ኣውፅኣኹ ፣ ንነገሩ መሰል እውን የብለይን ከምኡ ክብል ግን ኣብ ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ እምነቶም ግን ክነቕፍ መሰለይ እዩ።

ሓሓሊፈ ብውልቀ ሰባት ይኹን ብሕብረት ዝተፃሓፉ ፅሑፋት የንብብ እሞ ቑፅሮም ዘይናዓቕ ወይ ስሚዒታዊ ወይ ናተይ እዩ ትኽክል ካልእ ኹሉ ጌጋ እዩ ዝብል ወይ ድማ ካብ ቁምነገሩ ፀርፊ ዝበዝሖ ኮይኑ ዝረኸብክዎ ውሒዲተይ ኣይኾነን። ኣብ ሓደ ሓዲኡ ድማ ርኢቶን ጭብጥን ከይፈለየ ዘቕርብ እውን ውሒዲተይ ኣይኮነን። ኧረ ሓደ ሓዲኦምስ ዝቕርብዎ ሓሳብ ከም ጭብጢ ወሲዶም ብፅሑፎም ዝኣስሩ ፣ ዘባርሩ ፣ ዝፈትሑ ፣ ዘንጉሱን ዝውርዱን ከንብብ ከለኹ__ዋእ__ ከመይ ዲና ኢለ ንድሕሪት ሰገጥ እብል። ብፍላይ ናይ ሎሚ ቕነ እማ ግሕጥጥ ዝበለ እዩ። መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከዲዕዎ ፣ እዞም ሽማግለታት (ነባራት ኣማራርሓ ህወሓት) ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም ትም ዘይብሉ ( እቲ ከምኡ ዝብል ዘሎ ከምኣ ኢሉ ንኽፅሕፍን ንኽዛረብን ዕድመ ልክዖም ተቓሊሶም ዝተረኸበ ነፃነት ምዃኑ ረሲዑ ተገልቢጡ ንስኹም ስለዝሸምገልኩም ኣብ ጉዳይ ዓድኹምን ህዝብኹምን ናይ ምዝራብ መሰል የብልኩምን) ብዝመስል መልክእ ግሒንጢጥ ዝዓይነቱ ርኢቶታት ዝሃቡ ኣይዋሓዱን። ኣብ ዚኣ ግልፂ ክትከውን ዘለዋ ኣነ ነቶም ነባራት ኣማራራሓ ይኹን ነቶም ሕዚ ዝመርሁ ዘለው ክሕለቕ ደልየ ኣይኾንኩን ፣ ኣብ ዘጥፍእዎ ጥፍኣት ከም ሃገረይ ዝብሎ ኣለኒ። ሕዚ ዘዛርበኒ ዘሎ ንኹሉ ዜጋ ተወሃበ ናይ ምዝራብን ናይ ምፅሓፍን መሰል ኣብዖም በፂሑ ንምንታይ እዩ ትም በሉ ዝባሓሉ ዘለው? ታይ ተተደለየ እዩ ? ሽማግለ ኣይዛረብ ዝብል ሕጊ ኣለዋ ድዩ ትግራይ?

ካብቲ ዘንበብክዎ ፅሑፍ እቲ ዘግርም___ ኣብቲ መእተዊ ናይቲ ፅሑፍ ኩሉ ዓይነት ሓሳብ ብዘይ መንም ፅዕንቶን ገደብን ዘተኣናግድ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ፣ ንኽህሉ ድማ ንቃለስ ይብል እሞ ኣብቲ ሕምብርቲ ናይቲ ፅሑፍ ግን ዝኸፍአ ተፃራፋይ ፣ መዋሳናይን ሰብ ዝመስሎ ከይዛረብ ዓጋታይ ኮይኑ ምስ ረኸብክዎ ___ ዋእ___ እንድሕር ብኸምዚ ኮይኑ ዝሓሸ ለውጢ ዝመፅእ በየናይ ሒሳብ እዩ ካብቲ ክእረም ኣለዎ እንብሎ ዘለና ስርዓት ዝሓሸ ዝኸውን ? ኣኳ ዳኣስ ዝገድደ እምበር……
ክስታይ እባ ____ፀርፊ ___ናይ ሓሳብ ልዕልነት መግለፂ ድዩስ __ ወይ ናይ ድኹም ሓሳብ ?

ንኣይ ናይ ካልእ ሰብ ሓሳብ ክሰምዕ ድሌት ዘይብሉ ይፈለጦ ኣይፈለጦ ብኻልኦት ክስማዕ ዘይደሊ ፣ ባዕሉ ተዛሪቡ ንባዕሉ እንዳ ሰምዐ ዝነብር ሰብ እዩ ባሃላይ እየ። ምዕቡል ማሕበረ ሰብ ካብ ዘብሉ ረቛሕቲ ሓደ ኣግባብ ናይ ዝተፈላላዩ ሓሳባት ከመይ የታኣናግድ ዝብል እዩ። ናይ ሕጊ ልዕልነትን ሰፊሕ ዴሞክራስያዊ ሰረት ዘለወን ሃግራት ብሃበ ተረኸበን ናይ መራሕቲ ሰናይ ድሌትን ውሳነን ዘይኮና ዝምራሓ ፣ ብዴሞክራስያዊ ቕዋማት እንዳተገንሓ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮሙን ህዝቦሙን ብዘይ ምንም ምሽቑራርን ፅዕንቶን ሓሳቦም ብነፃነት እንትገልፁ ንርኢ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ምክእኣልን ናይ ሓሳብ ነፃነትን ባሕሊ ስለዝኾነ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ተፈለየ ቕዋም እንትሕዝ ሽም ቐሺ ኣይዎፅኦን። በዙይ ኣንፃር እንትምዘን ንሕና ኸ ከመይ ኢና እንተ ኢልና ___ ኣብ መንግስቲ ፣ ኣብ ፖለቲካ ውድባት ፣ ኣብ ሲቪክ ማሕበራት ፣ ኣብ ሶሻል ሚድያ ኮትስ ….. ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወትና ካባና ዝተፈለየ ሓሳብ ወይ እምነት ዘለዎ/ዋ ብኸመይ ነታኣናግድ እንተ ኢልና ብናተይ ኣረዳድኣ ገና ታተ ኢና ንብል ዘለና።
እሞ እንታይ ዳኣ ይገበር …….? ምዕቡል ኣታሓሳስባ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ እዋን ብሓደ ሰብ ወይ ብሓደ ፖለቲካ ውድብ ወይ ብሓደ ሲቪክ ማሕበር ወይ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ኣካል ኣብ ሓደ እዋን ዝምለስ ዘይኮነስ ፣ ኩሉ ዜጋ ካብ ናቱ ተፈለየ ሓሳብ ከም ዘሎን ክህሉ ከምዝኽእልን ተቐቢሉ ፣ ተፈለየ ሓሳብን እምነትን ምሓዝ መሰል ናይ ዜጋታት ምዃኑ ፈሊጡ ፣ ንነፃ ኣተሓሳስባ ምጉልብትን ምክእኣልን ከም መርሕ ተቐቢሉ ተግባራዊ እንትገብሮ ከም ባሕሊ ኮይኑ ምግልጋል ይጅምር። ንሰብዓዊ መሰልን ፍትሕን ዝጣበቓ ተቛማት ሓጋዊ ሽፋን ረኺበን ብዘይ ናይ ማንም ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ናይ ዜጋታት መሰል ከይጣሓስ እንትሰርሓን ፣ ክጣሓስ ከሎ ንዝጠሓሰ ሰብ ወይ ኣካል ናብ ሕጊ ኣቅሪበን ክቕፅኣ ምስ ዝኽእላ ዓርሰ እምነት ዜጋታት ይዓቢ ብኡ ኣቢሉ ድማ ከም ንቡር ኮይኑ መስርሕ ምክእኣል ይኸውን። ናይ ፍትሒ ስርዓት ካብ ማንም ፖለቲካዊ ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ነፃ ኮይኑ ንዜጋታት ብዘየ ኣድልዎ ምግልጋል እንትጅምር ፣ ዜጋታት ኣብቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት እምነት እንዳሕደሩ እንትከዱ ተፈለየ ሓሳብ ከም ሓደጋ ዘይኮነስ ከም ፀጋ ምዃን ይጀምር። መሰል ዜጋታት ከም ማይ ቧንቧ ብሰናይ ድልየት ወልቀ ሰባት ዝኽፈትን ዝዕፆን ዝይምዃኑ ዝተረደአን ዝኣመነን ብሕጊ ጥራሕ ዝምራሕ መንግስቲ እንትሕሉ ፣ ተናሓናሕቲ ውድባት / ፓርትታት ዴሞክራሲ እንትዝሕል ብኢድካ እንትውዒ ብማንካ ዘይኾነስ ህዝባዊን ሃገራዊን ፖሊስታት ሒዘን ክወዳደራ እንተኽኢለንን ፣ ስልጣን ካብ ህዝብን ንህዝብን ምዃኑ ተቀቢለን ምስራሕ እንትጀምራ ቐፃልነት ዝተረጋገአ ስርዓት ኣብ ምፍጣርን ምክእኣልን ከም ባሕሊ እንዳኾነ ይኸይድ። መራኸቢ ሓፋሽ ዜጋታት ኣሟቕ ግንዛብ ክሕዙ ኣብይ ተራ ስለዘለወን ምክእኣል ከም ባሕሊ ኣብ ሕብረተሰብና ክኣቢ ዘየቛርፅ ፃዕሪ እንተገይረን ምክእኣል መስርሕ ዕብየትን ዘመናዊነትን ኾይኑ ንሕንፀት ዴሞክራሲ ገዚፍ ሰረት ይኸውን። እዙይ ክሳብ ዘይገበርና ዳርጋ የዕንትና ብጨርቒ ሸፊና ምጉዓዝ ማለት እዩ። ዓይኑ ተሸፈነ ድማ ናብ ፀድፊ ናይ ምእታው ዕድሉ ይገፍሕ ካብ ለማፅ መንገዲ።

ከም ከማይ_ __ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ወይ እምነት ዘለዎ ይውሓድ ይብዛሕ ፣ ይሕፀር ይንዋሕ ፣ ይሃፍትም ይድኸ ፣ መንእሰይ ይኹን ሽማግለ ፣ ባዓል ሙሉእ ቑመና ይኹን ኣካለ ጉዱእ ካብ ምድምማፅን ምዝርራብን ካልዕ መዋፅዕ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። ካልዕ መዋፅዕ ኣሎ ዝብል ኣካል እንተሃልዩ እታ ተፈቲና ግን ከይዳ. … ከይዳ … መንገዲ ውድቐት ዝኾነት ብፀረ-ዴምክራሲን ናይ ሓይሊ ዓፈናን እንተኾይና…. ? ተፈቲና ኣይሰርሓትን። ሕዚ ዝሰርሕ ናይ ሕጊ ልዕልነት ብምኽባር ፣ ሰብዓዊ መስል ዜጋታት ብምኽባርን ብምሕላውን ……. ቐፂሉ ብዝምፅእ ብእሂን ምሂን ፣ ብምድምማፅን ብምኽንያት ብምድጋፍን ብምቅዋምን ጥራሕን ጥራሕን እዩ። እዚ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ኣካል ዝምልከት ጥራሕ ኣይኮነን። ርግፅ ብዓብይኡ ንመንግስቲ ዝምልከት እዃ እንተኾነ ፣ በብውልቅና እውን ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይነኽብርን ብመንገዲ ምድሓልን ብፀረ-ዴሞክራሲን ክንፈትሕ እንፍትን እውን ብዙሓት ኢና። ትዝበዝሕ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ዘይምክእኣልን ኣብ ሶሻል ሚድያ ፣ ኣብ ኣኼባን በብግዚኡ ኣብ ዝዝርግሑ ፅሑፋት ዝረአ ኾይኑ…… ዘይምኹንይ ፣ መርትዖ ዘይብሉ ፣ ሚዛኑ ዝሰሓተ ገምጋም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ዓድን ሓደን. … ክልተን … ኢልካ ክቑፀሩ ኣብ ዝኽእሉ ተዘርግሑ ፅሑፋት ክትርኢ ከለካ. .. ዘደንግፅ እዩ። እዙይ ቀልጢፍና ክንእርሞን ብምኽንያት ንድግፍን ንቃወምን ንኽዕል ዜጋታት ኽንከውን ኣለና።

ከም መእተዊ እዙይ ካብ በልኩ ናብ እቲ መበገስየ ሓሳብ ክኣቱ። ናይ ኢትዮጵያ ሕልው ኩነታት ከይገምገምካ ናይ ትግራይን ህወሓትን ፈሊካ ሓሳብ ንመሃብ ዘፀግም እዃ እንተኮነ ጉዳይ ኢትዮጵያ ካልእ መዓልቲ ዝብሎ ክህልወኒ እዩ። ንሎሚ ኣብ ጉዳይ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘለኒ ሓሳብን እምነትን ብውሱን ዓቕመይ ክገልፅ ክፍትን እየ።

ንዓይ ህወሓት ማለት ድሕሪ ምድኻም ቐዳማይ ወያነ ብሄራዊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ፍሕም ፣ ቡልጭ ፣ ቦግ እንዳበለ ድሕሪ ምፅናሕ ለካቲት 11 /1967 ዓ/ ም ነቲ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ በረኻ ደደቢት ዝመስረተን ናይ ሓርነት ርችት ዝወለዐን ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ህዝባዊ መሰረቱ ኣነፂሩ ውግንንኡ ንገባርን ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብር ናይ ከተማ ነባራይን ነቲ ምህሩን ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ጥምረት (ሰለስተ) ማለት ዓላማ ፣ ህንፃን ተጋዳላይን ዝሓቆፈ ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ቅኑዕ ህዝባዊ መቃለሲ ጭርሖ ሒዛ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋደልቲ ፣ ወየንቲ ፣ ሲብል ኣባልን ህዝብን ኣሰሊፋ ብዓወት መሰስ ዝበለት ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ብጀጋኑ ደቂ ህዝቢ መስዋዕትነትን መቑሰልትን ዝጠጠዐት ፣ ውፅዒት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት እቶም ህልዋት ኣባላት ጥራሕ ማለት ዘይኮነስ እቶም ጀጋኑ ስውኣት ፣ እቶም ንህዝቢ ሓርነት ኢሎም ኣካሎም ተጎድኡ ሓርበኛታት ፣ እቶም እማም ውድብን ህዝብን ክፍፅሙ ኢሎም ብፋሽሽት ደርግ ኣብ ጎደናታት ትግራይ ዝወደቑ መናእሰይ ኮታስ…. …ኩሉ መንገዲ ህወሓት መንገዲ ሰላም ፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን እዩ ኢሉ ዝኣመነ ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ኣብ ዝኮነ ወያነ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ውድባዊ ፅንዓትን ውፍይነትን ዝተረጋገፀሉ ፣ ወለዲ ኣርባዕተ…. ሓሙሽተ …. ደቆም ናብ መስዋእቲ መሪቖም ክሰዱ ስጋእ መጋእ ዘይበሉ መርኣያ ፅንዓት ማለት ኣዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ተራ ሓረስቶት ምሩፃት ጀነራላት ኽኮኑ ዝገበረት ፣ ተራ ሓረስቶት ደቂ ተነስትዮ ምሩፃት መራሕቲ ውግእን ምሩፃት ሓኻይም ኽኮና ዝገበረት ፣ ተጋዳላይ ፣ ኣባል ፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ምዕቡል ኣተሓሳሳባ ክሕልዎን ምኹኑይ (rational) ኽኮን ዝገበረት ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ሓጓፍ ገጢምዋ ትብተን ዘይኮነስ ንዘጋጠማ ተጓንፎታት ናይ ምብዳህ ዕቑር ዓቕሚ ዘለዋን ተጓንፍኣ ሰጊሩ ንቅድሚት ናይ ምሕንባብ ተኽእሎ ዘለዋ ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት እቶም በብክልተ ዓመትን መንፍቕን ዝምረፁ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይኾኑስ እቲ ልዕሊ 400 ሽህ ኣብል ህወሓት ናብ ንቡር ክመልስ ወጢሩ ሒዙ ዝቃለስ ዘሎ ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ጎኒ… ጎኒ እቲ ቑኑዕ መስመር ገና ሀ ኢላ እንትትጅምር ይኹን ድሒራ ዝመስረተቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ውሽጣ ፀረ-ዴሞክራሲ ኣሰራርሓ ሓንሳእ ገዊዲ ….ነቕነቕ እንተብላ ሓንሳእ ሓንሳእ ተኾርኪሙ ፋታ እንትሕባ. .. ዳግም. .. እንዳ ገወደ መፂኡ ነቲ ሕዚ ኣቲናዩ ዝንሄና ውጥሪ ድኹዒ ኮይኑ ዘግልግል ዘሎ ፀረ- ዲርምክራሲ ኣሰራርሓ ተሸኺማ ዝመፀትን ዘላን ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ብድሕሪኡ ዓቕሚ ዘለዎ ህዝባዊ ሓይላን ብዓል ገፊሕ ተመኩሮን ተጋደልታ ሳኣን ውሕሉል ኣመራርሓ እንዳ በተነተን እንዳ ኣንጠብጠበትን ዝመፀት ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት እቲ ብቑዕ ሰብ ዝፈጥር ዝነበረ ተቛማታን መሓውራን ኣፈራሪሳ ፣ ፖለቲካዊ ህይወት ኣመራርሓን ኣባላትን ዘጉተመት ብኡ ኣቢላ ስልጣን መገልገሊ ውሑዳት ዝገበረት ማለት እዩ። ንዓይ ህወሓት ማለት ኣሽሓት መራሕቲ መናእሰይ ክፍጠሩ እንዳተኻእለ ፣ መሪሕነት ህወሓት ማዕፆኦም ዓፅዮም በይኖም ከም ኣተር ተንፈኽፈኹ ማለት እዩ።

ብዛዓባ ህወሓት እዚ ካብ በልኩ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይግበር ሕዚ ?

ላም ወሊዳ ከይትልሕሶ. …. ኣንደዳ…. ከይትገድፎ …..ወሊዳ…… ዝዓይነቱ እንድዩ ገጢሙና ዝኒሄ ፣ እሞ ድማ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝኒሄ ሃገራዊ ሽግር ተወሲኽዎ ናይ ለብዘበን ሽግር ምናልባት ናይ ኩለን ሽግራት ኣዶ እያ ማለት ይኻኣል። ግን ድማ ካብዚ ኣጋጢሙ ዝኒሄ ሕማቕ ኩነታት ምቑር ነገር ክነውፅኣሉ ዘኽእል ህዝባዊ ተኽእሎ ኣለና ። እንድሕር ብውሕልነት ተመሪሖም ኩሎም ሽግራት ናይ ባዕሎም ፀጋታት ሒዞም ስለዝመፁ። ስለዝኾነ እዚ ኹሉ መስተንክር ዝሰርሐ ውድብን ህዝብን ሒዝካ ደንገርገር ዝባሃል ነገር ክህሉ የብሉን። ሕዚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ቅኑዕ መስመርና ኮይና…. ዘይንድይቦ ጎቦ……ዘይንፍንጥሖ ክባ ኣይሕሉን ኢልና ንሕበር ንስጠም። እታ መኺና ነዉሕ ርሕቐት ዘኽይድ ኣቅሚን ጥንካረን ኣለዋ። እቲ ሽግር እቶም መካኒክን እቶም እንዳተባረዩ ዝዝውርዋ ዘለው ገናሕቲ መኪናን እዮም። እቶም ተሳፈርቲ እውን ገልታእታእ በዚሑና እንታብ ዝብሉ ሓያሎ ጌሮም እዮም። ሕዚ ዘድሊ ነቶም ዘበላሽው ዘለው መካኒክን ገናሕቲ መኪናን ኣራጊፍካ ጥቑዋትን ጥንቑቛትን ምትካእ እዩ። እምበር መኺናማ ነዊሕ ….. ኧረ. … ነዊሕ ……ክትወስደና እያ።

ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ታሪኹ ማእከል ስሕበት ናይዛ ሃገር ኮይኑ እዩ መፂኡ። ሕዚ ናብ ቐራን መንገዲ ሕሩግ ኢልና ኣለና። ምእንታን ናበይ ፣ በበይን ብኸመይን መንገድና ክነሳሲ እቲ ሕሉፍ ንምክሳስ ዘይኮነስ ክንማሓረሉ ብዝርዝር ምፍላጥ ፣ ፀፅቡቑ ወሲድና ምእንታን ሕሕማቑ ከይንደግሞ ርግእ ኢልና ንሕሰብ። ማለትይ ኣብ እዋን ክረምቲ ሓያል ማይ ኣብ ዝዘንበሉ ስዓት ማይ ሊሒኹ ኣትዩ ኢልካ ሙሉእ ገዛ ኣይተፍርስን፣ እንታይ ዳኣ እቲ ዝከፍኤ ዓቢስካ ሓጋይ ምስ ወፀ ኢካ ብደንቢ ትሰርሖ ክብል ደልየ እየ። ከም ኩሉ ሰብ ሓንቲ ኣዶ ዘላቶ ኩላትና ተጋሩ ሓንቲ ወላዲት ትግራይ እያ ዘላትና። ዴሞክራሲ ዝሰፈና ትግራይ ከይሓዝካ ብዛዕባ ዴሞክራሲ ዘሰፋና ኢትዮጵያ ኣይሕሰብን ፣ ከምኡ እውን ዴሞክራትክ ህወሓት ከይሓዝካ ዴሞክራቲክ ኢህወደግ ኣይሕሉን። ብናተይ እምነት ናትና ናይ ተጋሩ ቀዳማይ ስራሕ ዝኸውን ትግራይን ህወሓትን ዴምክራስያዊያን ምግባር እዩ። ደጊም ዛይዳ ተሓለቕትን መስዋዕቲ ከፈልትን ምዃን ኣየድልን። ሓቢርና ንነብረላ ኢትዩጵያ እንተሃልያ ግርም እንተዘየለ ትግራዋይ በይኑ ርእሱ ዝሓመሉ ጉዳይ የለን። ብናተይ እምነት።

ኣብ ትግራይ ዘለኹም ተወዳደርቲ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ነታ ትጭነቑላ ትግራይን ትሓስብሉ ህዝብን መመረፂ ፖለቲካዊ እምነት ሒዝኩም ምውዳብኹም ብወገነይ እንእደኩም። በቢ እምነትና ብዝሰልጠነ መንገዲ ንከራኸር እቲ ውሳነ ንህዝቢ ንግደፈሉ። ዴሞክራሲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኮላይ ብንጡፍ ተሳትፎ ተወዳደርቲ ሰልፍታት እውን እዩ ዝረጋገፅ። እቲ ሕሉፍ መንገዲ ሓርፋፍ ኮይንኩም ገልታዕታዕ እውን ተወሲኹዎ ይነብር እዩ። እንተኾነ ግን ሕዚ ናይ ሕሉፍ ኣልዒልካ ምክሳስን ምውንጅጃልን ንህዝብና ዝህቦ ረብሓ የብሉን። ሕዚ ዘድሊ ኣብ ዘራኽበና ብሓደ ንስራሕ ኣብ ዘፈለልየና ድማ ውሳነ ንህዝቢ ሂብና ሓቢርና ንምስራሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ንኽፈት።

ኣብ ትግራይ ፣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ኣብ ወፃእን ዘለኻ ትግራዋይ እቲ ሕዚ ትሪኦ ዘለካ … ካብያ ዘገልገለስ. .. ዘውደልደለ…. ዝዓይነቱ ፣ እንተ ንሕና ታሪኽ ምስራሕ ፍሉይ ባህርያትና…. እንተ ንሶም ታሪኽ ምስራቕ ተፈጥራዊ መንነቶም እዩ።
ደቐይ … ጋዳ ንሕናስ ዘይንሕለል።
ኣሽሓት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ መስዋእቲ ከፊሎም ካብ ምብታን ዘድሓናያ ሃገር ፣ ፈታዊን ፀላእን ኮላይ ( ኢሳያስ ኣፈወርቂ ) ዝመስከረሉ ልምዓት ኣረጋጊፅና እንትነብቅዕ ፣ ሕዚ ኩሉ ተረሲዑ ታይዶስ ከመይዶስ እንዳተባህለ ኣዲስ ኣበባ ናይቶም ትማሊ ዝጎብጡና ዝነበሩ ናይ ትምክሕቲ ሓይልታትን መዋፈርቶምን መአከቢ ኮይና ኣላ። እዙይ ማለት እንታይ ማለት ከምዛኮነ ንኩላትና ብሩሕ እዩ። ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ክባ ምእታው እዩ እቲ ተፋሒሱ ዝንሄ ተንኮል።
ታይ ከ ዘገበሩ. ….. ንሕና እውን ፍልጠትናን ርዕሰ-ማልናን ኣብ ትግራይ ኣየውዓልናዮን ፣ መብዛሕትኡ ባዓል ሃብቲ ካብ ትግራይ ወፃኢ እዩ ኣዋፊርዎ። ኣብቶም ሰብ ሃብቲ ምርጫ ኣትየ እዙይን እቱይን ግበሩ ኣይብልን። ልክዕ ከምታ ኣብ ፖለቲካ ውድባት እዙይ ግበሩ እዙይ ኣይትግበሩ ናይ ምባል መሰል ዘየብለይ ኣብዚኣ እውን ከምኣ። ሓደ ነገር ብርግፀኝነት ንምዝራብ ግን ትግራይ ብማዕዶ ኮይንካ ኣይትምዕብልን ፣ ትግራይ ትምዕብል ሙሑራት ብኽእለቶም ሰብ ሃብቲ ተጋሩን ካልኦትን ሰራሕ እንትፈጥሩን ፀጋታት ትግራይ ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ እንትውእልን እያ ትግራይ ትልወጥ። ስለ ዝኮነ ዳግም ሕሰብሉ። እንተንኣሰ ናይ ትግራዋይ ንብረት እዩ ተባሂሉ እዃ ኣይቃፀልን። ጨጉሪ ለወጥ ዝብለካ እውን የለን።

ደጊም ኩሉ ዓቕምና ንትግራይና። ኢትዮጵያ መርዘን እንተሒዝዋ ትግራይ ርእሳ ክትሓምም የብላን። ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ርእስና ኣቕኒዕና ንትግራይና ንሓሉ ፣ ትግራይና ነልምዕ ፣ ትግራይና መራኣያ ዴሞክራሲን ሰላምን ንግበራ። እንተ ሓቢርና ከምዘይንስኮን ዝፈልጡ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ሓድነትና ንምሽርሻር ዘይፍንቕልዎ እምኒ ኣይክህልዎምን። ቕድሚ ሕዚ ኣቦሓጎታቶም ዝፈሓስዎ ተንኮል ኣብ ታሪክና ሓድነትና ሕማቕ ፍፅሜ ነይርዎ እዩ። ክባር ዋጋ ድማ ኣክፊሉና ሓሊፉ። ሕዚ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ንሳ ክደግሙ እዮም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ። ሎሚ ግን ወይ ከ ኣይንጋገይን። ድላዩ ጥጅእ ይጠጃእ ፣ ድላዩ ዓይነት ሸርሒ ይፈተል ብሓድነትናን ብሄራዊ ክብሪ ትግራይን ክንዋገ የብልናን። እቲ ምንታይ ዳግም ክባር ዋጋ ከይንከፍል።

ዝኹሉስ ተዛረብካ ምፍቲሕኡ ከ እንታይ እዩ እንተ እልኹምኒ……?

ንኣይ መፍቲሒ ዝመስለኒ ቅድም ቀዳድም ህወሓት ጉርዳን እኽላን ክትፈሊ ንሓግዝ። ጉርዳን እኽላን ዝፈለየት ህወሓት ጥቑዊ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ይሕልዋ ፣ ጥቑዊ መንግስቲ ዘለዋ ትግራይ ድማ ናይ ሕጊ ልዕልነት ፣ ፍታሒ ፣ ዴሞክራሲ ፣ ሰላም ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን የረጋግፅ። እዚ ንምትግባር ቀፃሊ ጉባኤ ህወሓት ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍሉይ ክኮን ምግባር። ምእንተ ምንታይ …..ነቲ ውድብ ዝመርሕ ኣብ ጉባኤ ስለዝምረፅ ፣ እቲ ኣብ ጉባኤ ተመረፀ ኣካል ኣብ ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ፈፃሚ ኣካል ኮይኑ ስለ ዘግልግል። እዚ ኣካል እዙይ ብፁሩይ መንፍት ተነፍዩ ክሓልፍ ኣለዎ። እዙይ ናይ ምግባር ሓላፊነት ድማ ናይ ህወሓት ጉባኤ እዩ። ይርድኣኒ እዩ ናብ ጉባኤ ዝውክል ኩሉ ብመረፃ ከምዝኮነ ፣ ግን ድማ ኣብ ፉሉይ ኩነታት ስለዘለና እሞ ድማ መሪሕነት ህወሓት ቕድም ኢሎም ክሰርሕዎ ዝነበሮም ናይ ምብቓእ ስራሕ ስለዘይሰርሑ ኣቕሚ ዘለዎም መናእሰይ ብበዛሒ ዝሳተፍሉን ናብ ኣመራርሓ ዝመፅሉን መንገዲ ፍሉይ ኣሰራራሓ ክምሓዝ ኣለዎ።

በቢ ደርጅኡ ዘሎ ማለት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንውድብን መንግስትን ከም ፈረስ ተጠቒሞም ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ዘባኹኑን ንውልቆም ዝእምሙ ዝውዕሉን ዘለው ብዘንሕስያ ምቅላስ። ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ስልጣን መጥቀሚ ውሑዳት መጉድኢ ብዙሓት ዝገበረ ብመርትዖ ብሕጊ ንክጥየቕ ምግባር። ካብ ክልል ኣመራርሓ ጀሚሩ ክሳብ ጣብያ ምምሕዳር ዘይናትካ ምብላዕ ዝፅየፍን ነውሪ እዩ ዝብልን መሪሕነት ክሕሉ ምግባር። ንኹሉ ትግራዋይ ብማዕረ ዘግልግል ፣ ንሕግን ሕግን ዝግዛዕ በብደርጅኡ ምሕላው ምርግጋፅ። ሓደ ወዲ ኣሚን ሓደ ወዲ ጓና ዝገብር ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምውጋድ። ፖለቲካዊ ምሕደራ ትግራይ ብምግፋሕ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ እምነት ብሕጋዊ መንገዲ ብነፃ ክንቀሳቀስ ምግባር። ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ ናይ ትግራዋይ ኣቕሚ ምፍላጥ ፣ ብኡ ኣቢልካ ኣብ ጥቕሚ ትግራይ ንክውእል ጭቡጥ መደብ ሒዝካ ናብ ተግባር ምእታው። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፣ ማረትን ክልኦት ናይ ልምዓት ውዳበታትን ዳግም ኣቕመን ኣጠናኪረን ኣብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክረባረባ ምጥንካር። ኣብ ኢድ ህወሓትን ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘለዋ መራኸቢ ሓፋሽ ብምእሩይ ኣመራርሓ ክምርሓ ምግባር ፣ ኣብዚ መንግስቲ እንዳሸመን እንዳፍረሰን ዝውእል ዘሎ ዘበን ዘምፅዖ ሶሻል ሚድያ ብንጥፈት ምስታፍ። ኩሎም ዝስርሑ ስራሕቲ ኣብ ሰናይ ድልየት መራሕቲ ተደረኸ ዘይኮነስ ብተቛም ፣ ብሕግ ፣ ብሓይሊ ሰብን ባጀትን ተጠናከረ ክኽውን ኣለዎ። ንሕና ዜጋታት እውን ዘይግባኣና ብዘይ ኣግባብ ክሕልወና ኣይንድለ ፣ ጉዳይና ብሕግን ሕግን ጥራሕ ክንውድእ እዩ ዝግባኣና ፣ እቲ ጉቦ ዝቕበል ዘሎ እኮ ዋሓባይ ሰልዘሎ እዩ ንሱ ድማ ንሕና ዜጋታት ማለት እዩ። ኣብ ዚኣ እቲ በደል መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጥየቐላ ንሕና እውን ብኣቛራጭ ዘይግባኣና ንደሊ ዜጋታት። ካብዙይ ንተኣረም ዝይናትካ ምብላዕ ነውሪ ንበል ፣ ሰናይ ምምሕዳር ክረጋገፅ እጃምና ነውፊ ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ሕዚ ዘለው ይኹኑ ንቕድሚት ዝመፁ ላዕለዎት ኣመራራሓ ህወሓትን ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይን እዚ በቢ ሰለስተ ዓመት ዶ ክብሎ በብ ሓሙሽተ በስቢስና ዶ መቕነት ሓማተይ ኣዕንቂፉኒ ፣ ገምጋም ዶ ኣሟቕ ተሓድሶ ዝብል ዘይምኹንይ ህዝቢ ላሕ ዘበለ ዳግም ክንሰምእ ኣይንደልን። ብስሩ እባ ናይ ምብሳባስን ምሕዳስን መሰል መን እዩ ሒብኩም? እዃ ዳኣስ ናይ ዘይምብስባስ ግዴታ እምበር። ደጊም ፅፍርኹም ከሊእኩም ፣ ኢድኩም ሓፂብኩም ንህዝቢ ትግራይ ኣገልግልዎ። ድህሪ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ሳእን ሰናይ ምምሕዳር ገልታዕታዕ ክብል ጋዶ እዩ። ደጊም እንግዳዕ ህዝቢ ትግራይ እንትርፊ ዴሞክራሲ ፣ ፍትሒ ፣ ሰላም ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ካልእ ክሽከም ዓቕሊ የብሉን።

ሰሰላሙ ንዓኹም
ዋካ ብርሃነ
ሑመራ, ትግራይ
ንማዕዳኹምን ተግሳፅኩምን ቕሩብ እየ።
[email protected]

One Response to ንሕበር ኧረ ንስጠም :ብዋካ ብርሃነ