Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ትግራዋይ መንነት? ማእኸልማሕበረሰባዊ ሙህዞ ትግራይ ግንቦት 3/2010

ትግራዋይ መንነት?
I. መበገሲ ሓሳብ
ትግራዋይነት እንታይ እዩ? መቦቆሉ ካበይ እዩ? ናበይ ገፁኸ የምርሕ ኣሎ? በየናይ መንፊታዊ መዐቀኒ ንምዝኖ? ብተግባር ከመይ ንገልፆ? ሓቂን ሓሶትን ከመይ ንፈልጥ? ስርወ መሰረቱ እንታይ እዩ? ዝብሉ ናይ ፍልስፍና ሕቶታት ኣልዒልካ መልሲ ምእላሽ መሰረት ስልጣነና ዝኾነ መንነትና ኣለሊና ንቕድሚት ክንምርሽ ካብ ዘኽእሉና ናይ ኩሎም ፃዕሪታት እቲ ዝዓበየ ርእሰደብሪ ጉዳያት እዩ ምባል ምግናን አይኸውንን። ደቂ ሰባት ክፈልጡወን ላሕ ካብ ዝብሉለን ሓቅታት ውሽጢ እተን ክልተ ወሳናይ ቦታ ሒዘን ይረኣያ። እታ ሓንቲ መንነቶም ንምፍላጥ ዝገብርዎ ፃዕሪ እንትትኾን እታ ካልአይቲ ድማ ተፈጥራዊ ሕጊታት ኣለሊዮም ናብ ረብሐኦም ብምውዓል መንነቶም ንምቕፃል ዝገብርዎ ምርምር እዩ። መንነት ናይ ደቂ ሰባት ህልውና መሰረት፣ ናይ ቐፃሊ ጉዕዞ ሓባሪትን፣ መራኻቢት ሓረግን ብምኻና ክትእለሽ፣ ተለሊያ ክትለምዕ፣ ብወለዶታት ክትውረስን፣ ሞተር ስልጣነ ክትከውን ዝግባአ ሓቂ እያ። መንነቱ ኣለሊዩ ንባዕሉ ዘየልምዕ ህዝቢ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ከም በረድ ሓቓቒ እዩ። ኣብ ዓለምና እስካብ ሐዚ ዝተርአዩ ስልጣነታት ውን ኣብ ሑሉፍ መንነቶም ተሞርኩዞም ዝተሃነፁ ወይ ከዓ ሓዱሽ መንነት ንምህናፅ (ከም አሜሪካውያን) ኣብ ዝተገበሩ ገድልታት ዝተገለፁ እዮም። ኮይኑ ግን ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ተደጋጊሙ ብዝተርአየ ዘይምዑሩይ ማሕበረሰባዊ ርክባት ምኽንያት ናይ መንነት ምውሕሓጥ፣ ምጥፍፋእ፣ ምፅቕቓጥን ምውርራስን መስርሕ ሓሊፎም ህልውንኦም ዘረጋገፁ መንነታት ውሑዳት እዮም። ትግራዋይነት ድማ ካብኦም ሓደ እዩ።
ናይ ትግራዋይነት መንነት ካብ ቅድሚ ክርስቶስ ሓደ ሺሕ ዓመት ጀሚሩ እስካብ ዓሽራይ ክፍለዘመን ብስልጣነ ምሕዋር ዝተሓምበበ እንተኾነ ውን ብፍላይ ካብ ልደት ክርስቶስ ዓሰርተወክልተ ክፍለዘመን ጀሚሩ ኣብ ሀገርና ብዝተፈጠረ ዝተዛብዐ ማሕበረሰባዊ ርክባት ምኽንያት ግን ከምዘይትስእ ክድቆስን ብድኽነት ዓለባ ተሸሚሙ ንኽቕበርን ተበይንሉ ዘይዛሪ ጥቕዓታት እንተበፅሖ ውን ሓደ ግዘ እናተሰአ ካሊእ ግዘ እናተዓብለለ ከምዝተደጎለ ሓዊ ፍሕም እናበለ ናይ ሕልኽላኽ ጉዕዞ ሓሊፉ ኣብዚ በፂሑ አሎ። ድሕሪ ምንቁልቋል ናይ አክሱማዊት ስልጣነ ትግራዋይነት ካብተን ርእሱ ዘቕነዐለን እዋናት ንምጥቃስ ዝአክል እስጢፋኖሳውያን ብልምዓታዊ ኣተሓሳስባን መንግስታዊ ኣምርን ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ክፍለዘመን፣ ዘርአያቆብ ብፍልስፍና ኣብ መበል ዓሰርተ ሹድሽተ ክፍለዘመን፣ ኣሉላ ብወታደራዊ ሳይንስ ኣብ ዓሰርተ ትሽዓተ ክፍለዘመን፣ ገብረሂወት ባይከዳኝ ብልምዓታዊ ኢኮኖሚክስ ኣብ መበል ዒስራ ክፍለዘመን፣ ቀዳማይ ወያነ ብዲሞክራሲ (ቅንጪ ማዕርነትን መሰል ርእሰውሳነን) ኣብ መበል ዒስራ ክፍለዘመን፣ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፌደራለዊ ስርዓት ብምህናፅን ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብምብሳርን ኣብ መበል ዒስራን ዒስራን ሓደን ክፍለዘመን ወዘተረፈ የካትት። ናይ ኣኽሱም ስልጣነ አብቲ መዋእል ምስዝነበሩ ናይ ሮምን ቻይናን ስልጣነታት ዝወዳደር ናይ ወዲሰብ ዕብየት ብራኸ ዘመስከረን እቲ አብአፍሪካ ብሕታዊ ናይ ፅሕፈት ቋንቋ (Writing language) ዘበርከተ ስልጣነ እንትኾን እኒ ዘርኣ ያቆብን እስጢፋኖሳውያንን ድማ ቅድሚ እቲ ኣብ አውሮጳ ዝተርአየ ናይ አብርሆት (enlightenment) ዘመን ዝተገለፁ ሓቂታት ኮይኖም ብታሪኽ ተመዝጊቦም ይርከቡ። ኣሉላ ናይቲ መዋእል ብሕታዊ አፍሪቃዊ ጀነራል ተባሂሉ እንትስየም ገብረሂወት ባይከዳኝ ድማ ንአውሮፓውያን ልሂቃት ሰለሳ ዓመታት ቀዲሞም አምር ልምዓታዊ ኢኮኖሚክስ ንዓለም ዘፋለጡ ምሁር ከምኡ ውን ብህወሓት ዝተመርሐ ብረታዊ ቃልሲ ትግራይ አብ ዓለም ዝተዓወተ ብሕታዊ ናይ ገባር ወያነ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ይርከብ። እሞ ደኣ ከምዚ ዝበለ መስተንክር ዝሰርሕ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ብኸመይ ኣብጭራ ናይ ዓለም ሃገራት ተሰሊፉ ንሪኦ?
መንነትና ብሰንኪ ዝበፅሖ ናይ ሓደ ሺሕ ዓመታት ዕብለላ ጠቕሊሉ እንተዘይሞተ ውን ገሊኡ ክፋሉ ተቐቢሩ ገሊኡ ብጠቐር ተሸፊኑ ገሊኡ ተጨዊዩ ዝተረፈ ድማ ብፃህያይ ግዳማዊ እታዎታት ተድጉሉ ፍሕም ይብል ኣሎ። ኣብዚ መዋእል እዚ እቲ ካብ ሓደጋ ዝተረፈ ናይ ትግራዋይ መንነት በቲ ካብ ባዕዲ ዘተአታተናዮ ዕወል ይዕብለል ብምህላው ምስዓቕምና ክንለምስ፣ ምስክብርና ክንዋረድ፣ ንባዕልና ሙኻን ጠንጢንና ንኻልኦት ክንመስል ሑኽ አብ እንብለሉ ናይ ዒንኪልልን ሑቱኽቱኽ ግዘ በፂሕና ንርከብ። ሐዚ ግን ክንርድኦ ዝግበአና ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ኸዓ ድሕሪ ሐዚ ከምቲ ዝሓለፈ ሓደ ሺሕ ዓመት ኣብ ዒንኪልል ኣቲና እንፀንሐሉ ግዘ ዘይብልና ሙኻኑ እዩ። በዚ ሐዚ ዘለናዮ ክንቅፅል እንተፈቒድና ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ኢድና እንህበሉ ግዘ ነዊሕ ኣይኸውንን። ስለዚ እዚ ወለዶዚ ንትግራዋይነት ካብ ሞት ሓደጋ ኣውፂኡ መሊሱ ንኽዕምብብ ክህደስን ኢሉ ውን ናይ ስልጣነና መስረት ክኸውንን ከውሕሶ ኣለዎ። ትግራዋይ ሃገራዊን ዓለምለኻውን ተደላይነት እንተደኣ ክህልዎ ኮይኑ ኣብ ትግራዋይነት ዝሙርኮስ ውሑስ ስልጣነ እንተፈጥር፣ ካብ ዒንኪልል ወፂኡ ናብ ርሑብ ምዕባለ እንትሰግር፣ ክብርታትና ደረት አልቦ ፍልፍል ሃፍቱ ጌሩ ኽጥቀም እንትኽእል ጥራሕ እዩ። ብኻልኦት እንኽበር ንባዕልና እንትነኽብር ስለዝኾነ እዘን አብ ላዕሊ ዝተወከሳ ፍልስፍናዊ ሕቶታት ትግራዋይነት መመሊስና ክንምርምር ዘገድድ መድረኻዊ ውራይ ተፈጢሩ ኣሎሞ ኩለና ንወከስ።
ትግራዋይነት ዝምልከቱ ፍልስፍናዊ ሕቶታት ንምምላስ ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ሳይንሳዊ ናይ ምርምር ስነ ብልሓት ዓብዩ ግደ ክፃወት እዩ። እቲ ሳይነሳዊ ምርምር ውፅኢት ክህልዎ ዝኽእል ድማ ንትግራዋይነት ኣመልኪቶም እስካብ ሐዚ ዝተገበሩ ፅንዓታት ብአግባቡ ክጥርነፉ፣ ተመዓራሪዮም ብላይብራሪ መልክዕ ንመንበብቲን ተመራመርቲን ተበፃሕነት ክህልዎም ምግባር ተደላይነቱ ዝዓዘዘ እዋናዊ ውራይና ክኸውን ኣለዎ።
ኮይኑ ግን ሕቶ ትግራዋይነት ውሁልል ማሕበራዊሰባዊ ፍልጠት ደአምበር ካብ አእምሮ ሊቃውንቲ ፈልፊሉ ንህዝቢ ዝፈስስ ገፀበረኸት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ውን ካብቲ ብውልቀሰባት ዝግበር ምርምር ንላዕሊ ኣብ ህዝብና ብፍላይ ድማ ኣብ ገባር ትግራዋይ ዘሎ ዐሙቕ ፍልጠትን ጥበብን (Wisdom) ንምርዳእን ስርዓት አትሒዝካ ንወለዶታት ንምውርራስን ክግበር ንዝለዎ ፃዕሪ ልዑል ቆላሕታ ክወሃቦ ኣለዎ። ትግራዋይነት እንታይ እዩ? ካበይከ መፂኡ? ወዘተረፈ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ዝግበሩ ምርምራት ብዝንተሞገታዊን ዝተወሳሰበ ስነሓሳብ ስርዓታዊ ምልከታን (colplex adaptive system & dialectics perspective) ኽረአ አለዎ። ዋና ዕላምኡ ድማ መንነት ምልላይ እንተይኮነስ ትግራዋይነት ከም ሞተር ናይ ኩለመዳያዊ ስልጣነ ጌሩ ዝጥቀም ማሕበረሰባዊ ምንቅስቃስ (Social discourse) ምፍጣር ክኸውን አለዎ። ስለዚ ኩሉ ግዱስ ትግረዋይ እተን አብ ላዕሊ ዝተልዓላ ሕቶታት ንምምላስን እቶም መንነትና ዘይውክሉ ባዕዳዊ እታዎታት ቐንጢጡ ንምድርባይን ክዋሳእ ይግባእ። አሽዑ እዩ ኸዓ እቲ ሓቀይና መንነትና እናተኾለዐ ንቑጠባዊን ኩለመዳያዊን ሓርነት ተጋሩ ዘይነፅፍ ዓቕሚ እናፈጠረ ልዑል ስልጣነና ክነምልስ እንኽእል።
II. ነፀብራቕ ኣብ ትግራዋይነት (Reflection on tigrian identities & values)
ትግራወይነት ኣምር፣ እምነትን ሓቂን እዩ። ምስ ዘርኢን ደምን ዝተሓሓዝን ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝፍጠርን ፐርሴፕሽንን ኣይኮነን። ትግራዋይነት ኣምር ጥራሕ እንተይኮነትስ ናይ ኣምራት ኣዶ እውን እያ። ምኽንያቱ ንኣሸሓት ዓመታት ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰባት ኣብዝተኻየደ ናይ ፖለቲካዊ፣ ፍልስፍናዊ፣ ማሕበረሰባዊ፣ ታሪኻዊ፣ ስነልቦናዊ፣ መንነታዊ፣ ባህላዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሳይንሳዊ፣ ቴክኖሎጂካዊ ወዘተርፈ ዝግመታዊን ቅፅበታዊን መስተጋብራትን ለውጥታትን ውፅኢት ስለዝኽነ። ትግራዋይነት ኣብዞም ንልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዓመታት ዝተኻየዱ ማእለያ ዘይብሎም ናይ እንዳታት፣ ዓሌታትን ብሄረሰባትን ምዝማድን ምትእስሳራትን ዝተፈጠረ ልዑል ብህራዊ ውዳበ መግለፂ ውን እዩ። ብሓፂሩ ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት መግለፂን ህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሉም ደቂሰባትን ዝካፈሎም ክብርታት (Shared values) ፣ እምነታትን ፍልስፍናን ትሕዝቶን እዩ። ትግራዋይነት ቋንቋ ብጂኦግራፊን ኣይውሰንን።ቋንቋ መንነት ዝግለፀሉ ሓደ መልኽዕን ትሕዝቶን ዋላ ይኹን እምበር ናይ ትግራዋይነት ደራቲ ሓፁር አይኮነን። ስለዝኾነ ውን ትግራዋይነት ኣብ ትግርኛ፣ ኩናማ፣ ሳሆ፣ አገው፣ ዓፋር፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ሶማልን አብ ሃገርና ኣብ ዝርከቡ ኩሎም ቋንቋታት ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዓረብኛ፣ ሂብሩ፣ እንግልዝኛን ካልኦትን ውሽጢ እንረኽቦ ኣምርን ሓቂን እዩ። ንኣብነት ናይ ያሬዳዊ ጥበብን ናይ ዘርኣያቆብ ወዲ ሰብ ዘለዎ ናይ ምስትውዓል ልዑል ዓቅሚ ተጠቒሙ ሓቂ ንምርካብ ክመራመር ኣለዎ፣ መንግስቲን ሃይመኖትን ክፈላለዩ ኣለዎም ዝብል ፍልስፍናን ትግራዎት ንወዲሰብ ካብ ዘካፈልናዮም ብዙሓት ክብርታትና እቶም ውሱናት እዮም።
ትግራዋይነት እምነትን ሓቂን ውን እዩ። ንኣብነት ሓደ ኩናማ ወይ ድማ ሓንቲ ናይ ኢሮብ ተወላዲት ዝርኦምን ቋንቁኦምን እንትሕተቱ ናይ ኩናማን ሳሆን መቦቆሎም የብራህርሁ። መንነቶም እንትሕተቱ ድማ ትግራዎት ኢና ይብሉ። ስለዚ ትግራዋይነት ዓሌት እንተይኮነስ እምነት እዩ። ትግራዋይነት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ውን እዩ። ብትግራዋይነቱ ዝተኣማመን ዝኽነ ሰብ ኣብዝኸደ ኸይዱ እተን ናይ ትግራዋይነት መግለፂ ዝኾና ክብርታት (Values) ባዕሉ ኮይኑወን ይርከብ። ንኣብነት ሓላፍነት ምውሳድ፣ ብፅፍርኻ ምዕባይ፣ ሰብኣዊነት (ንፀላኢ ማሪኹ ዝሕብሕብ) ፣ ምትእምማን (Trust) ፣ ሓቀይናነት (Integrity) ፣ ምትሕልላይ፣ ሓቦ፣ዓድኻ ምፍታው፣ ስዕስዒት፣ ትብዓትን ዓርሰ ምትእምማንን ብተግባር ይገልፀን። ትግራዋይነት ካሊእ መግለፂ ውን ኣለዎ። አብ ስርዓትን ሕግን ምትእምማን፣ ነዊሕ አጠማምታን ቅሳነትን፣ ናይ ተዋረድ ስርዓትን ስሩዕነትን (Formal hierarchy)፣ ንፍትሒን ማዕርነትን መስዋእቲ ምኽፋል፣ ንሽግር ዘይምብርካኽ፣ ልባምነትን ምዕጋስን፣ ጭቆና ዘይምቕባል ወዘተርፈ ተባሂሉ ክዝርዝር ይኽእል። ናይ ቀዳማይ ወያነ ቅንጪ ማዕርነትን ዓርሰ ምሕደራን ሕቶ፣ ናይ ካልአይ ወያነ ማዕርነታዊ ሓድነት ሕቶን ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ተጋድሎን ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ መዝገብ ዝሰፈሩ ናይ ትግራዋይነት መርአያታት እዮም።
ትግራዋይነት ኢትዮጵያውነት ውን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብታሪኹ ትግራዋይነቱ ካብ ኢትዮጵያውነት ነፂሉ ሪኡ አይፈልጥን። ኣብ ኩለን ፀረ ወፅዓ ዘካየደን ወያነታት እውን ንኢትዮጵያውነቱ ኣብ ሕቶ ኣእትዩ ኣይፈልጥን። ገረብና ንሓሉ ቕንጪ ማዕርነት ኢሉ ኣብዝተለዓዓሉ ኣብ ቐዳማይ ወያነ ውን እንተኾነ ኣብክሊ ኢትዮጵያውነቱ ኮይኑ ዘዐሎ ናይ ፍትሒ ሕቶ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያውነቱ ፍሉይ መስዋእቲ ውን ከፊሉ እዩ። ኢትዮጵያ ንምጉዕፃፅ ዝተኻይዱ ካብ ቴስዓ ፐርሰንት ንላዕሊ ኩናታት ኣብ ትግራይ እዮም ተኻይዶም። መብዛሕትኦም ግጥማት ድማ በይኑ ኮይኑ ዘካይዶም እዮም። እቲ ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ሂወት ዘኽፈሎ ናይ ሓርነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያውነት ህያው ምስክሩ እዩ። ሕዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያውነቱ እንትዋደቕ ግን ሕልፊ ሓቲቱ ኣይፈልጥን። ባህጉ ኩሎም ብማዕረ ዝነብሩላ ሃገር ክትህሉ ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ውን እምነቱ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብማዕረ ዝነብሩሉ ፈደራላዊ ድልሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺሉ እዩ።
III. ሐዚ ትግራዋይነት ናበይ የምርሕ አሎ?
ኣብ ታሪኽና ትግራዋይነት ኣብ ልዑል ብርኪ ዝበፅሐሉ ወርቃዊ መዋእል እንተሃልዩ ኣብ ናይ ደኣማትን አክሱማዊን ስልጣነ ግዘ እዩ።ካብኡ ንደሓር ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተን ዓሰርተ ሹዱሽተን ክፍለ ዘመናት ብዘርኣ ያቆብን እስጢፋኖሳውያንን ቅልቅል ኢለን ዝሃሰሳ ፍልስፍናዊ ምዕባለታት ምስቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ክፍለዘመን ኣብ ኣውሮጳ ዝተርኣየ ናይ ንቕሓትን ዝላን ምዕባለ (enlightnment) ዘመን ዝመሳሰል ባህሪ ዝነበሮ እዩ። ድሕሪኡ ትግራዋይነት ርእሱ ዘቕነዕሉ ግዘ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ካልአይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ናይ ትግራዋይነት ክብርታትና እቶም ቐንዲ ፍልፍል ዓወት ብረታዊ ተጋድሎና ነይሮም። እቲ ዕጥቃዊ ቓልሲ ብወገኑ ትግራዋይነት ተኾሊዑ ክረአ ዕድል ዝኸፈተ መድረኽ ነይሩ። ንኣብነት እቲ ንዘመናት ተረጊፁ ዝፀንሐ ቋንቋ ትግርኛ ብመንገዲ ዕጠቕ፣ ወይን፣ ተጋደልን ማዕበልን ዝተብሃላ ጋዜጣታትን ከምኡ ውን በቲ ናይ ውድብ ሕትመት ዝነበረ ባዶ አርባዕተን ብዝብል ዝፅዋዕ ዝነበረ ሐዚ ሜጋ ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል አቢሉ ናይ ስነፅሑፍ ቋንቋ ክኸውን በቒዑ እዩ። አብ ሓራ መሬትና ብናይ ሀዝቢ ሙሉእ ተሳታፍነት ህዝባዊ ባይቶታት ተጣይሸን ናይ ሀዝቢ ትግራይ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ምሕደራ ጥበብን ኣምርን ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ዳርጋ ህልውንኡ ጠፊኡ ዝነበረ ትግረዋይ ኪነጥበብ ብባህሊ ህወሓት ጠጢዑ ኣብ ምዕባለ መንነትናን ሓድነትናን መስተንክራዊ ግድኡ ዝፃወተሉ ብርኪ በፂሑ ነይሩ። ህዝባዊ ፍትሒ ጠጢዑ ናይ ህዝብና ናይ ዘመናት ናይ ፍትሒ ፃምእ አብ እግሪ ዳዕሮ፣ ሳግላ፣ ሞሞናን ኪሊዖውን እንተርዊ ተራእዩ። ናይ ዓርሰ ሙርኮሳ ፍልስፍና፣ ኣተሓሳስባን ተግባርን ትግራዋይነት ገዊዱ ኣብ ህዝቢ ዝአምን ንህዝቢ ዝስዋእ ተጋደላይ ሃኒፁ መስተንክራዊ ዓወት ኣመዝግቡ። ህዝቢ ትግራይ ብኹናት ፀት ዝበለ ናይ ተፋጥሮ ሀፍቱ ሓደ ኢዱ መዋሮ ሓደ ኢዱ ብረት ሒዙ ብፅፍሩ ከሕዊ ተራእዩ። እቲ ካብ ይሓ ስልጣነ ጀሚሩ ዝተሃነፀ ብዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቃስ ታሪኽ ናይ ምስራሕ ትግረዋይ ባሕልና ኣብ ዝለዓለ ፀፍሒ በፂሑስ ነቲ ኣብ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ናይ ደርጊ ሓይሊ ምድምሳስ ክኢሉ። ወያነ ናይ ባዕሉ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ዘርጊሑ መበቆለዊ ፍልጠት ምስ ሳይንስ ኣወሃሂዱ ከስፋሕፍሕ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብ ፅፉፍ መፅናዕቲ ናይ ሓፋሽ መበቆላዊ ጥበብን ፍልጠትን ተሞርኩዙ ምስ ዘመናዊ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣተአሰሲሩ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝፈጠሮ ዓቕሚ ንትእምት ምፍጣር መሰረት ኣንፂፉ ሓሊፉ። ቁሸት እምቢታት ዓምቢበን ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ዘመሓዳድረሉ፣ ማዕርነት ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ኣብ ፖለቲካን ቑጠባን ዘረጋገፀሉ፣ ድሑር ልምድታትን ባህሊን ዘምበርከኸሉ፣ ናይ ልምዓት ንጥፈታቱ ዘወሃህደሉ፣ ፀጥታን ፍትሒን ዘንግሰሉን ተፀባይነት ወጊድ ኢሉ ኣብ ባዕሉ ዝተአማመነሉን ስርዓት ዝፈጠረሉ ኩነታት ነይሩ።
ኮይኑ ግን ድሕሪ ዓወት ዕጥቃዊ ቃልስና እቲ ቅድም ኢሉ ክዕምብብ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ትግራዋይነት ክብርታት በቲ ዝጀመሮ ናህሪ ብዘይ ምቕፃሉ መሊስና ንአሉታዊ ባዕዳዊ እታዎታት ኢድና ክንህብ ዘቃለዕና ኩነታት ተፈጢሩ። ደርጊ ምስተደምሰሰ ትኹረትና ኩሉ ናብ ሃገር ምቕናዕ ዘይሩ ንባዕልና ክንህቦ ዝግበአና ትኹረት ዘንጊዕና። እቶም ክዕምብቡ ጀሚሮም ዝነበሩ ክብርታትና ክዕቀቡን አብ መንገስታዊ አሰራርሓታት ገዛኢ ቦታ ረኺቦም ክቕፅሉን ምግባር ተሳኢኑናስ ብላዕሊላዕሉ ሓዱሽ ካባ ብዝለበሰ ብትሕዝቶኡ ባዕዳዊ ብዝኾነ መንግስታዊ ቢሮክራሲ ተዓምፂፆም ተሪፎም። ኽብርታትና ብሕገመንግስትና ኣቢልና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምክፋል ዝተገበረ ሙከራ ናይ ዓወትና እቲ ቐንዲ መግለፂ እንተኾነ ውን እቶም ነቲ መንግስታዊ መሓውር ዝገዝኡ ዝርዝር ሕጊታት፣ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ስለዘይተቐየሩ ሕገመንግስታዊ መትከላት ኣብ መሬት ክስጉሙ ኣይከአሉን። ስለዝኾነ ናይ ህዝባዊ ትምህርቲ፣ ህዝባዊ ሕክምና፣ ህዝባዊ ፍትሒ፣ህዝባዊ ምሕደራ፣ ህዝባዊ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን፣ መበቆላዊ ቴክኖሎጂ፣ማሕበራዊ ልምዓትን ወዘተርፈ ስርዓታትና ብጥርኑፍን ደረቕን ቢሮክራሲያዊ ኣስራርሓታት ዝተዓብለልሉ ኩነታት ተፈጢሩ። ድሑር ልምድታትን ባህሊን እንደገና ደጊሶም። ከየንቲ ተጋሩ ምስ ካልኦት መሲሎም እንትሓድሩ ነታ ዝፈጠረቶም መቦቆላዊ ጥበብ ርሒቖም እንጀራ አብ ምብሳል ተበቲኖም አብዘይባሕሮም እንትሕምሱን ምርአይ ዕለታዊ ጋህዲ ኮይኑ። ወዮ ብፅፍሩ ዝተኣማመን ዝነበረ ህዝባዊ ዓርሞሸሽ ብናይ ሰበስልጣናት መፅብዓ ሰንሰን ኢሉ እግሩን ኢዱን አጣሚሩ ናይ ተፀባይነት ሓሳብ ኣዕቢዩ። ህዝቢ ናይ ኩሉ ነገር በዓል ዋና ምኻኑ ተሪፉስ ረብሕኡ ኣብ ኢድ ተራ ቢሮክራታት ወዲቓ ፍትሒ ንምርካብ በሮም ኣብ ምንኹሕካሕ ተፀሚዱ። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልስና ፍንኽንኽ ምባል ዝጀመሩ ህዝባዊ ምህዞታት ተኸቲሮም። ቋንቋታትና ብጉርዲታት ቋንቋ ባዕዲ ለዝኦምን ትሕዝትኦምን ፀምልዩ። ነውርታት ምጥሓስ ልሙድ ተግባር ሙኻን ጀሚሩ። ኮታስ ትግራዋይነትና ኣብ ሕቶ ዘእቱ ብርኪ በፅሕና ግን ድማ ዘይወደቕናሉን ሕራነ ዝረአየሉን ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዝኒሀ ።
ስለዝኾነ ሐዚ ዘለናዮ መድረኽ ናይ ትግራዋይነት ቀፃሊ ዕድል ብዝምልከት ፓራዶክስ ጎሊሁ ዝርኣየሉ እዩ። ብሓደ ገፅ ናይ ህልውናን ቀፃልነትን ስግአት ብኸሊእ ገፅ ድማ ናይ አብርሆትን ሕዳሰን ተስፋ። ፈተና እንተሓየለ ውን ሐዚ ውን እቲ ግዘ አይመሸየን። ቃልስና ውን ክንቱ አይኮነን። ፍሕምሕም ዝብልን ተስፋ ዘስንቕን ብርሃን ውን አብ ቅድሜና እኒሀ። ካብቶም ተስፋታት ዘስንቑና ዓወታት ውሽጢ ብቋንቋና ክንመሓደር ብባህልና ክንኮርዕን ባዕልና ንባዕልና ክነመሓድርን ጉዳይና ክንውስንን ዘኽእል ናይ ሕገመንግስቲ በዓል ዋናታት ሙኻና እዩ። እቲ ሕቶ ሕገመንግስትና ዝፈጠረልና ዕድላት ከመይ ተጠቒምናሉ ዝብል እዩ። እቲ ካልእ ዕድል ብመሰረቱ መንነቱ ዘይለቐቐ ልባም ህዝቢን ክብርታትና ንጥቕዓት ይቃልዑ አለው ኢሉ ዝሓረነ ትግራዋይ ኢንተሌክት ዘበጋገሱዎም ተበግሶታትን ምህላዎም እዩ። እቲ ሕቶ ነዚ ዕድል መዝሚዝና ከመይ ንመርሽ ዝብል እዩ። እቲ ሳልሳይ አብ ትግራይ ብዘለዋ ዩኒቨርስቲታት አቢለን ዝተጀመራ ግን ድማ ዝተበታተና መፅናዕቲታትን ከምኡ ውን ብብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቢለን ዝተጣየሻ ኣብስነ ቋንቋታት ትግራይን ስነጥበብን ዝነጥፋ ዘሕብን አጀማምራ ዘርኣያ ዘለዋ ናይ መፅናዕቲ ትካላት ምህላወን እዩ። ኣብዚ ውን ክለዓል ዘለዎ ሕቶ እዘን ትካላት ምስቲ ናይቲ ጥበብ ብዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ማይንፀባን ኮይነን ከመይ ይዕንብባ ዝብል እዩ።
IV. ከምተጋሩ እንታይ ንግበር?
ቕድሚ እንታይ ንግበር ምርኣይና ትግራዋይነት ኣመልኪቶም ዝርአዩ ናይ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ዝንባለታት ፈሊኻ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ብቐንዱ ኣብቲ እናዓምበበ ዝኸይድ ምይይጣት (Discourse) ዕምቆትን መልኽዕን እናሓዘ ዝኸይድ ኮይኑ ንመበገሲ ክኸውን እንተኽኢሉ ትግራዋይነት ብዝምልከት ዘለዋ ኣጠማምታ (World views) ብዘን ዝስዕባ ክግለፃ ይኽእላ እየን። ንሰን ውን፥
1. ንትግራዋይነት ከም ናይ ትግርኛ ተዛራቢ መንነት ጌርካ ምርአይ፣
2. ምስ ዘርእን ደማዊ መበቆልን አተአሳሲርካ ምርአይ፣
3. ብቐንዱ ከም መግለፂ መንነት፣ስልጣነ፣ ክብርታትን ፍልስፍናን ህዝቢ ትግራይ ተወሲዱ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ውን ዝካፈሎም እሴታት (Shared values) ጌርካ ምርአይ፣
4. ከም ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝብትን ፀቢብ፣ትምክሕተኛን ህዝበኛን አተሓሳስባ ምርአይ ወዘተርፈ.
እዞም ኣብላዕሊ ዝተገለፁን ካልኦትን ትረኻታት ፈሊኻ እንተይፈለጥካ ብዛዕባ ትግራዋይነት ምስባኽ ሓይሊ ዝፈጥር ኣይኸውንን። ትረኻታት (Narratives) እንተይተተረዳእኻ እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ምምላስን ተመሳሳሊ ቅዋም ሒዝካ ናብ ተግባር ዘእቱ ምንቅስቃስ ምፍጣርን ኣይከአልን። ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ትግራዋይነት ክንብል እንተለና ነቲ ኣብቁፅሪ ሰለስተ ዝተጠቕሰ አጠማምታ መበገሲ ጌሩ እዩ። ካብዚ አንፃር እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ምይይጣት (discourse) መበገሲ ክኾና ዝኽእላ ዝስዕባ ነጥብታት ምቕማጥ ይከአል።
1. ብመጀምርታ ክብርታት ትግራዋይነት ብዝምልከት ከምተጋሩ እንታይ ጌጋታት ኢና ፈፂምና ዝብል ሕቶ ምፍታሽ የድሊ። ድኽመታትና ክንፍትሽ እንተለና ድማ ብዝነኣሰ ኣርባዕተ መዐቀንታት ከምዘማላእና ክነረጋግፅ ይግባእ። እቲ ሓደ ፍተሻና ካብቶም ተናፀላዊን ፀበብቲን መዐቅንታት (Reduced unit of analysis) ማለት ውን ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ውልቀሰብ ወዘተርፈ ወፂኡ ካብ ልዑል ናይ ሓሳብ ድራኸ (Consciousness) ይብገስ ምህላው ነረጋግፅ። እቲ ካልኣይ ናይ ፍተሻና ወሰን (Scope) ክንዲዝኸኣልናዮ ንድሕሪት ተመሊስና ንዕድመ ትግራዋይነት ዘካትት ናይ ግዝ ክልል ዝሓቁፍን ንቕድሚት ብዝሕንበብ አጠማምታን ክግዛእ ኣለዎ። እቲ ሳልሳይ ዕላማ ፍተሻና ንቐፃሊ ስልጣነና ብዝህልዎ ዋጋን ረዚንነትን አንፃር ብዓይኒ appreciative inquaiery ኽረአ አለዎ። እቲ ራብዓይ ነጥቢ ድማ እቲ ቐንዲ ጉዳይ ንቕሓታዊ ሕቶታት እናተልዓሉ ቐፃሊን ህዝባዊን ምይይጣት (dialogue & discourse) ምውልዖም እምበር እቲ መልሲ ክኸውን የብሉን።
2. ትግረዋይ ክብርታትና ፈሊና ክነልምዕ አለና። እዚ ሰለስተ ነንባዕሎም ዝመጋገቡ ውራያት ዝሓዘ እዩ። ብሓደ ገፅ እቶም ንአሸሓት ዓመታት ከም አልማዝ ብሓይሊ ፀቕጢን ሓዊን ተፈቲኖም ዝሓለፉ ክብርታትና ኣለሊኻ ንኹለመዳያዊ ሕዳሰና ፀዓታዊ ፍልፍል ኮይኖም ከገልግሉን ናብ ጭቡጥ ቁጠባዊ ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ሳይንሳዊን ቴክኖሎጂያዊን ዓቕሚታት ተለዊጦም ዓለምለኻዊ ቦታና ከዕብዩ ምግባር እዩ። ብኻሊእ ገፅ ድማ መንነትና ዝዕብልሉ ዘለው ባዕዳዊ ፃህያያትን ጠቐራትን አብ ኩሉ ስርዓታዊ ብርክታት ማለት ውን አብ ዓለማዊ አጠማምታን አተሓሳስባን (World views & paradaigms) ፣ አብ ሕጊታትን አሰራርሓታትን፣ አብ ቴክኒካዊን ናይ ስራሕ ከይዲታትን ከምኡ ውን ብውልቀሰብ፣ ብጉጅለ፣ ብትካላትን ብሕብረተሰብን ደረጃታት ናይ ምፅራግ ዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቃስ ምውላዕ እዩ። እቲ ካሊእ ክብርታትና ናይ ምልማዕ መልክዕ ድማ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮነ ተባሂሉ ዝተጨወዩን ዝተረገፁን ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መፅናዕቲ ብዝተደረኸ መንገዲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ምንቅስቓስ ምውላዕ እዩ።
3. አብዝኾነ እዋን ዝኾነ ዓይነት አፈላላይ ይሃሉ ትግራዋይነት አብ ምድርዳር ዘይአቱ ናይ ሓድነትና ሰረት ጌርካ ምጥቃም የድሊ። ሰባት ስለዝኾና ብፖለቲካ፣ ብእምነት፣ ብውልቃዊ ስብእናን ድሌትን ከምኡ ውን ብኻልኦት ጉዳያት ክንፈላለ ይግባእ። ኩሎም ኣፈላላያትና ግን ካብ ትግራዋይነትና ተበጊሶም አብ ትግራዋይነትና ዝዓልቡ እምበር ሓድነትና ዘፍርሱ ክኾኑ የብሎምን። ስለዝኾነ ውን ትግራዋይነት ንኹሎም አፈላላያትና ዝሓቖፈ ልዑል መተአሳሰሪ ዘይብጠስ ናይ ሓድነትና ገመድ እዩ። እዚ ማለት ዘርኡ ብዘየገድሽ ትግራዋይነትና ዝተኻፈለ ሰብ ከም ባዕልና እንሓቑፎን መሓዛናን እዩ። ደሙ ብዘየገድሽ ትግራዋይነትና ዝፃረር እሴት ዝተላበሰ ሰብ ከም ዕንቅፋት ሪኢና እንተኺእልና ብማዕዳን ትምህርቲን ክንመልሶ እንተዘይኺእልና ድማ ክንቃለሶን ክነግልሎን ኣለና።
4. ትግራዋይነት ፍልፍል ዘይነፅፍ ሃፍቲ ጌርና ንኹለመዳያዊ ዕብየት ክነውዕሎ ይግባእ። ብፍላይ ሕርሻ ካብቶም ንአሽሓት ዓመታት ዝተሃንፁ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ እቲ ወሳኒ ስለዝኾነ ህንፀት ናይ ሕርሻ ኢንዳስትሪ ትግራዋይነትና ኣብዱልዱል ሰረት እነቕምጠሉ ናይ ተነፃፃሪ ቁጠባ ህንፀት መረጋገፂ ዓቕሚን ጌርና ክንረባረብ ይግባእ።
5. ኣብ ህንፀት ትግራዋይነት ዝዓስላን ብናይ ትግራዋይነት ገመድ ዝተአሳሰራን ኩለመዳያዊ ተበግሶታት ምውላዕ።

ማእኸልማሕበረሰባዊ ሙህዞ ትግራይ
ግንቦት 3/2010