Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ንመበል 43 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኣመልኪቱ ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ

ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ኩለመዳያዊ ወፅዓን ሰእነት ፍትሒን፤ ከምኡውን ኣንፃር ድሕረትን ዓፈናን ዝተወደበ ቃልሲ ካብ ዝጅምር እነሆ ኣርባዓን ስለስተን ዓመታት ገይሩ’ሎ። ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እናተመርሐን ምስ ካልኦት ኣሓት ህዝብታት ኢትዮጵያን ብምዃን ኣንፃር ፋሻስታዊ ስርዓት ዝገበሮ ቃልሲ ድሕሪ ብዓወት ምዝዛሙ ኣብ ዝሓላፉ ዕስራን ሽዱሽተን ዓመታት ድማ ኣንፃር ድኽነትን ድሕረትን ኣብ ዝግበር ቓልሲ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብምዃን ብርክት ዝብሉ ዓወታት ንምሕፋስ ክኢሉ’ዩ።

ኣብ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ካብ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብተወሳኺ ማዕርነት ህዝብታት ዝተረጋፀገላ ዴሞክራሲያዊት ፌዴራላዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ’ውን ልዑል ታራ እናተፃወተ’ዩ መፂኡ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተገበሩ ኩለመዳያዊ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ምንቅስቓሳት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህወሓት ዓሲሉ ንካልኦት ህዝብታት’ውን መርኣያ ክኸውን ዝኻኣለ መስንተክር ፈፂሙ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ዝጀምሮ ዕውት ቃልሲ ብጋህዲ ዝተራእዩ ገዘፍቲ ለውጥታት ኣብ ምርግጋፅ ዋላ’ኳ ብዙሕ እንተነጠፈ ሐዚ’ውን ድሕሪ ናይ ዒስራን ሽዱሽተን ዓመታት ድኽነትን ስእነት ስራሕን ናይ ህዝብና ሱር ዝሰደዱ ሽግራት ምዃኖም ኣይተረፈን። ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀር ህዝብና ሕዚ’ውን ኣብ ሕሱም ድክነትን ከርፋሕ ናብራን ይርከብ፡፡

መሪሕ ውድብና ህወሓት ልኡኹ ንምፍፃም ኣብ ዝገበሮም ምንቅስቓሳት ዘጋጠምዎ ሽግራት ብቃልስን ብርሱን ወነን እናፈትሐ ዝመፀ ውድብ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ በብእዋኑ ብዘጋጠምዎ ናይ መሪሕነት ጉድለታት ቀፃሊ ለውጢ ናይ ምርግጋፅ ዓቕሙን ህዝባዊ ውግንናኡን እናተሸርሸረ ህዝብና ኣብ ስእነት ፍትሕን ሰናይ ምምሕድዳርን፤ ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ፀረ ዴሞክራሲን  ንክወድቕ ኣብ ምግባር ግሁድ ታራ ዝተፃወተሎም ኣጋጣሚታት እናተረኣየ መፂኡ እዩ። ድሕሪ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ድማ ካብ ህዝባዊ እምነቱን መስመሩን እናራሓቐ ዝኸደሉ ኩነታት’ዩ ተራእዩ፡፡

ህወሓት ብህዝቢ ተወሊዱ ዓብዩ ንህዝቢ ናብ ዓወት ዘብፅሐ ውድብ ኮይኑ እንተብቅዕ በብእዋኑ ብዝጋጠሙ ናይ ፀረ-ዴሞክራሲን ብልሹው ኣሰራርሓን ዝንባለታት ምኽንያት ናይ ህዝብና ሽግር ኣብ ምፍታሕ ክንዲ ብሙሉእ ትኩረት ዝነጥፍ ኣብ ሸግር ኣትዩ ፀኒሑ ‘ዩ። እንተኾነ ግን ውደብና ህ.ወ.ሓ.ት ከምቲ ልማዱ ከቢድ ፈተና እንተጋጥሞ ደው ኢሉ በቲ ሳይነሳዊ መስመሩ መነፅር ሽግር ናይ ምፍታሕ መለለይ ባህሪኡ መሰረት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ሕዚ ዘሎ ሽግር ብዕምቆት ብምግምጋም ብተከታታሊ ናይ ፅሬትን ምትዕርራይን ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ውድብና ናይ ምዕራይን ምህዳስን ከይዲ ናይ መላእ ተቓላሳይ ህዝብና ተሳትፎ ብምሕያል ተጠናኺሩ ክወፅእ ኣበርቲዕና ክንምርሽ ኢና፡፡

ብምዃኑ’ውን መሪሕነት ህወሓት ሎሚ’ውን ከምቀደሙ ህዝባዊ ውግንናኡ መሊሱ ንምዕታር ዘኽእሎ ናይ ብዕምቆት ምህዳስ ምንቅስቓስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኾይንና ነዛ ወርቃዊት ዕለት 11 ለካቲት እንትንዝክር ልዕሊ ዂሉ መሪሕነት ህወሓት ብምኽንያት ዘርኣዮም ድኽመታት ኣብ ህዝብና በፂሑ ዘሎ ብርኽት ዝበለ ሽግራትን ናይ ታኣማንነት ምጉዳልን ተዓርዩ ናብ’ቲ ልሙድ ህዝባዊ መስመሩ መሊኡ ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጠር ክረባረብ ቃሉ ብዕቱብ ዘህድሰሉ ክኸውን ’ዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፤

ተደጋጋሚ ሽግራት እናጓነፈካን ኣብ የዐሪዩ ፅንኩር ኩነታት ተሳጢሕካ ከይተረፈ ኣብ ወድብኻ ዘላካ እምነት መሊኡ ከምዘይጠፍኣ ህወሓት ይርዳእ። ኣብ ልምዓትን ዴሞክራሲን ይኹን ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዘለውኻ ሕቶታት ሕዚ’ውን ከምዘይመለስናዮምን ትሕቲ ትፅቢትኻ ከምዝሰራሕናን ኣፀቢቕና ንፈልጥ ኢና። ህዝብና ኣብ ውድቡ ዝነበሮ እምነት መሊሱ ንክጥጥዕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕውን ቃልና ነሐድሰሉ ዕለት’ዩ።

መበል 43 ዓመት ልደት ህወሓት እንትንዝክር ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ ካሊእ ጉዳይ’ውን ኣሎ። እዙይ’ውን ብትምክሕትን ፀቢብነትን ዝግለፅ ሕመቅ ኣብ መሪሕነት ኢህወዴግ ዓብይ ሓደጋ ኮይኑ ብምውፅኡ ምኽንያት ኣብ ዕሽል ዴሞክራሲያዊ ፌዴራላዊ ስርዓትና ኣዚዩ ኺቢድ ናይ ጥፍኣት ደበና ኣንፀላሊዩ ምህላው’ዩ። ፀላእትና ነቲ ስርዓት ንምጥፋእ ከም ሓደ መንገዲ ዝወስድዎ ድማ ንህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን ፈሊኻ ብምውቃዕ ሓድነት ኢህወዴግ ኣብ ሓደጋ ንክወድቕ ብምግባር ፌዴራላዊ ስርዓትና ምፍራስ’ዩ። ዋላ’ዃ እዙይን ወዲዙይን ሓደጋታት ይሃሉ ስርዓትና ንምድሓን ዘለና ብሕታዊ መማረፂ ምስ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ብምዃን ብፅንዓት ጠጠው ብምባል ኣንፃር ስርዓትና ዘቕንዐ ናይ ፀላእትና ወፍሪ ብሓባር ምምካት ’ዩ።

ኣብዚ ከይዲ እዚ እቲ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ስርዓትና ዘቕንዐ ምኳኑ ምግንዛብ የድሊ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ጥራሕ ዘተኮረ፣ ኩሉ ኣባና ዝረባረብ ዘሎ ጌርካ ብምርኣይ ተስፋ ምቑራፅን ናይ ተናፀል መፍትሒ ምንዳይ መፍትሒ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ሎሚ ሓዳሽ  ኢትዩጵያ ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት መሰረትን ባዓል ቤትን’ዮም። ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን እቲ ስርዓት’ዮም። እቲ ጉድለት ተሓባቢርካ ዝፍታሕ’ምበር ብተናፀል ዝምከት ነገር የለን። መፃኢ ዕድልና ሓደን ሓደን ጥራሕ’ዩ፣ ንሱውን ህንፀት ዝማዕበለት ዴሞክራሲያዊትን ፌዴራላዊትን ኢትዮጵያ ምጥንኻር እዩ፡፡

ሕዚ’ውን ጅግና ህዝብና ከምቲ ትማሊ ማእለያ ዘይብሎም ዝመስሉ ፈተናታት ብፅንዓት ሰጊርካ መሰላትካ ዝረጋገፀሉ ስርዓት ከምዘረጋገፅካ ኩሉ ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ ፈተናታት ምስቶም ከማኻ ዝቃለሱ ኣሓትካ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኾይንካ ከምቲልሙድ ክትቃለስ ህ.ወ.ሓ.ት ውድብና ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓትን ተጋደልትን

ንብርክት ዝብሉ ዓመታት ዓወታት ብምምፃእ ዝፍለጥ ዝነበረ ውድብና በብእዋኑ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ብዝረኣዩ ሽግራት እምነትዂም ዋላ’ዃ ኣብ ሐዳጋ እናወደቐ እንተመፅአ ኣብ ውድብዂም ዘለኩም እምነት ሕዚ’ውን ኣብ ቦትኡ ምዃኑ የሕብነና። ሕዚ’ዉን ናይ ህዝብና ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራሲን ሽውሃት ንምርዋይ ዝጀመርናዮ ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ኣጠናኺርና ንክንቕፅልን ኣብ ህዝባዊ መስመርን ዕላማን ዙርያ ንክትዓስሉ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዓውዒት የቕርብ!

ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣጋርን ውድባት

ኣብ ውድብና ይዂን ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ክፍታሕ ዝኽእል ብቓልስን ብመትከላዊ ቃልስን ጥራሕ’ዮ። ሕዚ’ውን ኣንፃር ስርዓትና ዝግበር ዘሎ ናይ ፀላእቲ ዘመተ ብሓባር መኪትና ብልፅግናን ልምዓትን ሃገርና ንምርግጋፅ ሎሚ’ውን ከምቀደም ኣብ ጎንዂም ምዃና ማእከላዊ ኮሚቴ ህወሓት ከረጋግፅ ይፎቱ፡፡

ዝኸበርኹም መላእ ህዝበታት ኢትዮጵያ

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ኣንፀላልዩ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደበና ንክቕንጠጥ ብሓያልነት መስመር ህወሓት/ኢህወዴግ/ ክፍታሕ ዝካኣለና ኹሉ ክነበርክት ድልዋት ምዃና ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ደጊሙ እናረጋገፀ ሐዚ’ውን ከምቲ ልሙድ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝዓሰላ ምዕብልቲ ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ጉዕዞና ንክነሐይል ፃውዒቱ የቕርብ ።

 

ህዝባዊን ዴሞክራሲያዊን ባህሪና ብምሕላው ዕለማታት የካቲት 11 ኣብ

ሽቶኡ ክነብፀሖ ኢና!!

 

 

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!

ማእከላይ ኮሚቴ ...

09 ለካቲት 2010 .

ን ህወሓትን