Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ቕዋም ተሳተፍቲ 7ይ ውድባዊ ኮንፈረንስ ህወሓት

ንሕና ልዕሊ 2000 እንኸውን ካድረታትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ህወሓት ከምኡ እውን ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተወከልቲ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ካብ ዕለት 03-09/05/2010 ዓ/ም ን7 መዓልቲ ኣብ 7 ውድባዊ ኮንፈረንስ ብምርካብ ዓሚቕ ገምጋም ብምስላጥ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዘይንሕስያ ዝገምገሞን ዝሃቦ ውሳነን መሰረት ገይርና ዝጐደለ እንተልዩ ክንምልእን ክነዕሙቕን፤ ካብዚ ሰጊርና ድማ  ብኣንፃር ኣብ ህዝቢ፣ ውድብ፣ ክልልን ሃገርን ዘብፅሖናዮ ፀገም ብልክዑ ክንወስድን ምስ ነብስና ክነጣብቕን ክኢልና ኣለና፡፡ እቲ ልዑል ትዕግስትን ተፀዋርነትን ዘለዎ ህዝብና ኣብ ውድቡ ፅኑዕ እምነት ብምሓዝ ካብ እምነቱን ልምዱን ተበጊሱ ነዚ ዕድል ስለዝሃብና ልዑል ምስጋና ከየቕረብና ኣይንሓልፍን::

ክሳብ ሐዚ ኣመዝጊብናዮም ዘለና ክልላውን ሃገራውን ዓወታት፣ ሃገርና ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመር እናተመርሐት ዘመዝገበቶም ድሙቓት ፍፃመታት ምዃኖም ዘይካሓድ ሓቂ እዩ፡፡ ህዝብታት ክልልና፣ ሃገርናን ዓለምን ዝመስከሩሎምን ዝብህጉዎምን ዓወታት እናረገገፅና ንቕድሚት ንምርሽ ከምዘለና ፍሉጥ እዩ፡፡ ነዙይ ድማ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘረጋግፅዎ ሓቂ እዩ፡፡

ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ብምትሕብባር ኣብ መትከላዊ ሓድነትን ምትእስሳርን ዝተመስረተ ሓድነትና ብምጥንኻር ብሄር ብሄረሳባትን ህዝብታትን ሃገርና ብሓባር ኣብ ፅላል ህገ መንግስታዊ ስርዓትና ብምዕሳል ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ተሃድሶን ምርግጋፅ ትራንስፎርሜሽንን ንምዕዋት ለሚውን ከም ቀደምና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ከምንዐውቶ ኣይንጠራጠርን፡፡

እዚ ከምዘሎዎ ኮይኑ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ዘስክፍ መፃብብ ኣብ ዝኣተወትሉን ብዝፈጠርናዮ ፖለቲካዊ ሽግር ህዝብን ሃገርን ብልክዕ እቶም ዘመዝገብናዮም ዓወታት ኩለመዳይ ዓፀባ፣ ዕንወት ፣ ሞትን ምፍንቓልን ከምዘስዐበ፣ ህዝቢ ኣብ ውድቡን መንግስቱን ዝነበሮ ተስፋን ከጠዓዕሞ ዝጀመረ ልምዓትን ሰላምን ክስእንን መፃኢ ዕድሉ ፀልሚቱ ክረኣዩን ኣኽኢልናዮ ኢና፡፡ ተሳተፍቲ 7 ውድባዊ ኮንፈረንስ እውን እዚ ከምዚ ዝበለ ጥልመትን፣ ህዝባውነቱን ወያናይ ስብእንኡን ዝሸርሸሮ ሕመቕ ኣዝዩ ከምዘሐዘነናን፤ ብዝፈፀምናዮ ፀገም ልክዕ ድማ ህዝቢ ብተግባር ክንኽሕስ ቃልኪዳንና ኣሐዲስና ንርከብ፡፡ እዚ እንተዘይገይርና ድማ ተመሳሳሊ ዕድል ምሕዳስ ከምዘይንረክብን፤ ኣብ 1993 ዓ/ም ተሃድሶና ዘነፀርናዮ ኣርማገድዮን፣ ምጥፍፋእን ምትህልላቕን ከምዝስዕብ ብልቢ ኣሚና ተቐቢልና ኣለና፡፡

ብመሰረት እዚ ካብዚ ተጌሩ ዘሎ ገምጋም ብምብጋስ በብደረጅኡ ብገምጋምን ዓርሰ ነቐፌታን ብምዕሟቕ ብቐፃልነት መስተኻኸሊ ስጉምቲ ብምውሳድ  ዝተሰጣጠመ ምንቅስቃስ ከምዝገብር ተረዳዲኡ ኣኼብኡ ዛዚሙ ኣሎ፡፡

ከምቲ ዝፍለጥ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቅድሚ 43 ዓመታት ቓልሱ እንትጅምር ፤ እቲ ቓልሲ ነዊሕን መሪርን ዓወት ድማ ግድን ከምዝኾነ ኣሚኑ ኩለመዳይ ቓልስን መስዋእትነትን ብምኽፋል ሓያልነቱ፣ ህዝባውነቱን ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመሩ ብተግባር ዘመስከረ ውድብ እዩ፡፡

ኣብ ጉዕዞ ቓልሱ እውን ደውታን ዕንክሊልን እንተጓንፎ ስትራተጅካዊ ኣመራርሓን ራኢን እንዳቐመጠ ንውሽጣዊ ድኽመታቱ ብዘየላጢ ብምግምጋም ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ እንዳተሰጋገረ፤ እቲ መድረኽ ዝሓቶ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት እንዳኸፈለን ኣብ ህዝብን እቲ ተጋዳላይን ዘሉዎ ተቐባልነት የመና እንዳኾለዐ፤ ኩሉም ዓይነታት ድሕረታትን ውድቀታትን ብብልሓት እናሰገረ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስሰዐን ሰጋእ መጋእን፤ መስዋእቲ እንዳኸፈለ ምሩፃት ቐቢሩ ምሩፃት እንዳተከአ  ዝመፀ ውድብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዴሞክራሲን ሰላምን ልምዓትን በብደረጅኡ እናረጋገፀ እንተመፀ እውን  ሰኣን በብደረጅኡ ዝርከብ ስትራተጂክ መሪሕነትን ተራኡ ዘይምፅዋቱ ዳግም ናብ ፅግዕተኛ ምብስባስ፣  ሕመቕን ብልሽውናን ጥሒልና ህዝቢ፣ ውድብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ጫፍ ምብትታንን ምትህልላቕን ክኣቱ ጌርናዮ ኢና፡፡

በቢደረጅኡ ዝርከብ ካድረን ኣመራርሓን ልዕሊ ዕላማኡ ህዝቡን መስመሩን ውልቃውነት ወሪርዎ፤ ነቲ ቦኽርን ሕሳስ ልደን ሓንኩኹ ዝሃቦ ህዝቢ የመና ኣቖጢዕዎን በዲልዎን ከምዝኾነ ኣሚኑ ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ መጀመርታ 2009  ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቃስና ዓሙቑን ናብ ሰብ ተላጊቡን ብዘይምኻዱ ሕመቓት ፅግዕተኛ ምብስባስ ደጊሱ፣ ኔትዎርክን ምጥቕቓዕን ገንጊኑ፣ ስልጣን ከም መንበሪ ተወሲዱ ነቲ ኣመራርሓ ዘሪጉን ቀይዱን ስለዝሓዞን የግዳስ ብሓሶታዊ ፀብፃብ ልቡ ዝነፍሕን ዝጃሃርን ብውስን ዓወታት ዝሰኸረ ኣመራርሓን ከምዝተፈጠረ እቲ ኮንፈረሰኛ ብዝርዝር ተመያይጡን ተኻቲዑን ደምዲምዎ ኣሎ፡፡

መድረኻዊ ተልእኾናን ፖለቲካዊ ስብእናናን ረሲዕና፤ ሕመቓት ፅግዕተኛ ምብስባስ ናብ ነርእየሉ መድረኽ ዝተሰጋገርና ሙዃና ብጉድለትና ልክዕ ኣሚና ተቐቢልናዮ ኣለና፡፡ ከም ውፅኢት እውን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ፀረ-ዴሞክራሲ፣ ኔትዎርክን ዝዓብለሉ፤ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳር ዝተጓደለሉ፣ መትከላዊ ሓድነት ኣመራርሓ ዝለመሰሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ፡፡ ብሙኻኑ  ድማ ንፅግዕተኛታት፣ ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርናሎም ኢና፡፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝነበሮ ብደም ዝተኣሳሰረን ከም እምኒ ዓረ ዝፀንዐን ርክብ ክሕርፍፍ ጌርዎ እዩ፡፡

ብዝኸፍኣ መልክዑ ድማ እቲ በቢደረጅኡ ዝርከብ ካድረን መሪሕነትን ናብ ሽኩትን ምንጥልን ስልጣን ኣትዩ ናብ ጫፍ ገዛኢ ደርብነት ዘስግር ዓቕምታት ኣዋህሊሉ ዝፀንሐ ምዃኑ ተሳታፋይ እዚ 7 ውድባዊ ኮንፈረንስ ዝኾነ ካድረን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ህወሓት ብዘይንሕስያ ገምጊሙ ኣረጋጊፁዎ ኣሎ፡፡ ስልጣን ከም መንበሪ ብምውሳድ ንፅግዕተኛ ምብስባስ ዝተሳጠሐ ሙዃኑ ብምእማን ነዚ ዝፈፀሞ ታሪኻዊ ስሕተት ኣሚኑ ህዝቡ ክኽሕስ ቃሉ ዘሀድሰሉ መድረኽ ኮይኑ ረኺብዎ እዩ፡፡

ስትራተጅካዊ ልእኽቱኡ ዝመኸነ ኣመራርሓ ቅድሚ ሐዚ ዝፀንሐ ዱፉን ትራንስፎርሜሽን ኣይተዓወተን ዝብል ልሙድ መዐሸዊን ለውጢ ዘየምፅእን ኣገማግማ ኣብ መሬት ዘየለ ፀብፃብን መረዳእታን ብምርኣይ፤ ብውስን ዓወታት ዝሰክር ብዝፈጠሮም ሕፅረታትን ብልሽታትን ድማ ክልልናን ሃገርናን ብዝኸፍአ ክትሕቆንን ክትዝረግን ናይ ባዕልትና ብፅሒት ኔርዎ እዩ፡፡ ብዓብዩ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብዘይበልዖን ዘይተቐየሮን ከምፅጉቡን ዝሓለፈሉን ዘምስል ቅጥፈታት እቲ ካድረ ንላዕለዋይ መሪሕነት እንዳመገቦ ምምፅኡ ንውሽጡ ፈትሹን ረጊሙን ንኸይድገም ንኽቃለስ ኣብ ስምምዕ በፂሑ ኣሎ፡፡ ልዕሊ 27.7% ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝነብር ህዝቢን ብኣውርኡ ድማ ብሚልየን ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ብሴፍቲኔት ዝመሓደርን፤ ኣብ ከተማ እውን እንተኾነ መሊኡ ካብ ድኽነት ዘይወፀ ህዝቢ ፀይሩ ኣብ ፍፁም ፀረ ህዝቢን መስመርን ቁርቁስ ዝኣተወ ካድረን መሪሕነትን ከምዝነበረ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኣየ መድረኽ ኮይኑ ኮንፈረንስና ተዛዚሙ ኣሎ፡፡

ተሳታፊ 7 ውድባዊ ኮንረፈንስ ብዝነበረ ዘይመትከላዊ ሓድነት ነቲ ጥሙርን ድልዱልን ሓድነትን ክብርታት ውድብና ከም ዝጐድኦ እቲ ተሳታፊ ካድረ ኣሚኑ ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡ ነዚ ክብርታት ውድብ እዙይ ምሽርሻር ቐንዲ ምንጩ ባዕሉ እቲ ላዕለዋይ ካድረን መሪሕነትን ሙዃኑ ብዘይንሕስያ ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡

ኣፍቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እውን እንተኾነ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ጐልቢቱ ከይወፅእ ተራ ዝነበረና ኮይኑ እዚ ድማ ዓቕሚ ውድብና ኣልሚሱ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዘይግቡእን ዘሕፍርን ተግባራት ክፍጠር ምኽንያት ኮይንና ኢና፡፡ ጥሙር ውሽጣዊ ዓቕሚ መሪሕነትናን ካድረናን ደኺሙ፤ ፀገም ህዝቢ ብቕልጡፍ ምፍታሕ ዝሰኣናሉን ብዕግበትን ግጉይ መረዳእታን ሓቀኛ ተጠቃምነት ህዝብና ኣብ ምጉዳእ ግደ ካድረና ዕዙዝ ምንባሩ ብዝርዝር ተገምጊሙን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑሉ ኣሎ፡፡

ኣብዘለናዮ ኩነታት ሰላም ተባራዒ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ንዓድን ህዝቢን ንምድሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዓልትና ንምድሓን እውን እንተዘይሰሪሕና፤ ኩነታት እንዳኸፍአን እንዳተዃስሐን ከይዱ ብህውከትን ዕግርግርን ከምንህሰን እቲ ዝኸፍእ መጉዳእቲን መከራን ኣባና ከምዝገድድ ርዱእ ሙዃኑ ተሳተፍቲ 7 ውድባዊ ኮንፈረንስ ብሙሉእ እምነት ተቐቢልዎ ኣሎ፡፡  እዚ ሕቶ ምድሓን ዓዲ፣ ህዝብን ውድብን ኣጀንዳ ህወሓት ጥራሕ ዘይምዃኑ ብምእማን ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባት ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ብምፍጣር ነቲ ክሳብ ሐዚ ዝበደልናዮን ዘጉደልናዮን ንምክሕሓስን ርኡይ ለውጢ ንምምፃእን ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ነናይ ባዕልና ገዛ ዕዮ ብምፍፃምን ጉሓፍና ብምእላይን ንቕድሚት ክንምርሽ ኣለና፡፡ እዚ እንተይኮነ እንተተሪፉን ሓደ ውድብ ንቕድሚት እቲ ኻልእ ንድሕሪት ክስጉም እንተፈቲኑ ተተሓሒዝና ናብ ገደል ከምንኣቱ ፈሊጥና ካብ ምንቋርን ምውንጅጃልን ብምውፃእ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ክንሰጋገር ሙሉእ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ኣመዝጊብናዮም ዘለና ክልላውን ሃገራውን ዓወታት፣ ሃገርና ብልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመር እናተመርሐት ዘመዝገበቶም ድሙቓት ፍፃመታት ንድሕሪት ከይምለሱ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ ህዝብታት ክልልና፣ ሃገርናን ዓለምን ዝመስከሩሎምን ዝብህጉዎምን ዓወታት ናብ ዘይኽበሱሉ ደረጃ ክነብፀሖም ሕድርና ክነጠናኽር ይግባእ፡፡ ዝጀመርናዮ ዘብህግ ልምዓትን ዕብየትን ሐዚ እውን ናይ ሞትን ሕየትን ገይርና ንምዕዋቱ ክንረባረብ ይግባእ፡፡

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ገምጋም 7 ውድባዊ ኮንፈረንስና ካፍቲ ዝተለመደ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ከም ውፅኢቱ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውድቡ ህወሓት መሊኡ ተስፋ እንተይቆረፀ፤ እኳ ድኣስ ውድብና ከምታ ልማዳ ክትዕርን ክትበራበርን ንዝብሎ ዝነበረ ባህጊ ኣለምሊምዎ ኣሎ፡፡ ብመሰረት ነቲ ዓቃል ፃዕራምን ርሑቕ ኣማትን ህዝብና ደጊምና ልዑል ምስጋናና እንዳቕረብናን ይቕሬታ እንዳሓተትናን ቃልና እንተየዕበርና ከምንክሕስ እናረጋገፅና ነዚ በዓል 12 ነጥቢ መግለፂ ቕዋም ኣውፂእና ኣለና፡፡

 

  1. ንሕና ላዕለዎት ኣመራርሓን ካድረታትን ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ኣብ ዉድብና ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓደጋን ናብ ገዛኢ ደርቢ ናይ ምልዋጥ ዝንባለን ነዙይ ዱኽዒ ኾይኖም ከም መሳርሒታት ዘገልግሉ ምጉጅጃል፣ ኔትዎርክ፣ ምጥቕቓዕን ምክልኻልን፤ ዕላመኦም ድማ ሽኩት ስልጣንን ናይ ዉልቀ ክብሪን ልዕሊ መስመርን ህዝቢን ብምግባር ናይ ፀረ ዴሞክራሲን ፀረ ህዝቢን ተግባራት ምዃኖም ብምርዳእ፤ ካብ መትከላት ወያናይ ዴሞክራሲ እንዳተበገስና ንህዝብናን መስመርናን ኣቐዲምና ብምርኣይን ዓትዒትና ብመሓዝን ብትረት እናተቓለስና መስመር ወያናይ ዴሞክራሲ ዝጉልብተሉን ህዝብና ካብ’ዙይ ብዝለዓለ ተረባሒ ንክኸዉን ብወነን ብዝለዓለ ሕራነን ከም እንቃለስ ቃል ንኣቱ።
  2. ንሕና ላዕለዎት ኣመራርሓን ካድረታትን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፤ ነቶም ህዝባዊ ዉግንናናን ህዝባዊ ባህሪያትናን ዝሽርሽሩ፤ ኣብ መትከላዊ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ከይህልወና ዝገብሩ ሕመቓት፤ ካብ እዋን ናብ እዋን ተደማሪ ዓቕሚታት እናፈጠርና ሕቶ ህዝብና ከይንምልስ ዝዓግቱና፤ ንስልጣን ካብዘለና ዝተዛበዐ ኣራእያ ዝብገስ ምጥቕቓዕ፣ ምጉጅጃል፣ ኔትዎርክን ዘይተደለየ ምትእስሳርን ፀገማት ብሰፊሕ ኩለመዳያዊ ናይ ህዝብና ተሳትፎ ብምዕጃብ ነቶም ፀገማትና ብዝፈትሕ መንገዲ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተቐፃፀለ ቃልሲ ከም ንዉልዕ ቃል ንኣቱ።
  3. ዘይትብተኽ ፈትሊ ሓቂ መስመር ህ.ወ.ሓ.ት ተጠቒምና ዳግም ንከምዙይ ዝበለ ዕንክሊልን ምብልሻዉን ዕድልን ጊዜን ዘይብልና ምዃንና ተረዲእና ንምእማኖም ዘፀግሙ ሕሉፍ መስተንክራዊ ቃልሲ ዉድብና ዓቂብና፤ ናይ ዉልቀ ጉዳይ ትሕቲ መስመርን ህዝቢን ጌርና፤ ዝመዓራረ ኣመዓራሪና፤ ዓቕሚታትና ወዲብናን ተጠናኺርናን ክንሰርሕን፤ ነዚ ለባም፣ መስተዉዓሊን ተቓላሲን ህዝቢና ክንክሕስ ቃል ንኣቱ።
  4. ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብምኽኒያት እቱ ኣጋጢሙና ብዝፀንሐ ፀገም ዘባኸንናዮ  ናይ ልምዓት ሓይሊ፣ ጊዜን ካልኦት ፀጋታትን ከምዘለዉ ብዕሊ ንርዳእ ኢና። ንሕና ካድረታትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ነቲ ተቓሊሱን ኣቃሊሱን ኣብ’ዙይ ዘብፀሐና በዓል ሃፍታም ተሞክሮ ህዝቢ ትግራይ ነባር ኣመራርሓ፣ ተጋዳላይ፣ ጉዱእ ኵናትን ስድራ ስዉኣትን እቱ ዝግበኦም ክብሪ እንተይሃብና ብኣናእሽተይ ዓወታት ሰኺርና፣ ብናይ ሓሶት ፀብፃብ ነንባዕልትና እናተሞጋገስና፤ ዘይበልዐ ህዝቢ ዝበልዐ እናምሰልና ብምፅናሕና ምኽኒያት ክንሰርሖም ዝግበአና ስራሕቲ ብዘይምስራሕና ኣስታት 27 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ክነብር ምኽኒያት ኮይንና ፀኒሕና ኢና። ብምዃኑ እዉን እዙ ከቢድ ክሕደት እዙይ ብቕልጡፍ ክእረምን ህዝቢ ካብ ድኽነት ክናገፍን ስለዘለዎ ህዝብና ንምኽሓስ ጠንኪርና ክንሰርሕ ምዃንና ቃል ንኣቱ።
  5. ዉድብና ህ.ወ.ሓ.ትን ህዝብናን ኣብ ከይዲ ልምዓትን ትራንስፎርሜሽንን ዝገበሩዎ ፃዕሪ ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ክልልና ዘመዝገብናዮ ድሙቕን ኣፍልጦ ዝረኸበ ዓወትን ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ነቲ ናይ ዕቤትን ስግግርን ዕድላት ዝስንከለሉን ናህሩ ዘዓገተሉን፤ ጉዕዞ ማኑፋክቸሪንግ ትራንስፎርሜሽን ትርጉም ዘለዎ ስራሕቲ ዘይተፈፀመሉ ከምኡ’ዉን ኣብ ፅሬት ትምህርቲን ግልጋሎት ጥዕናን ዓብዪ ጉድለታት ዝተራእዩ ምዃኖም ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ማእከላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ዝገምገሞ ፈተናታት ኣብ’ዙ ኮንፈረንስ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ። ስለዝኾነ እውን ንሕና ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ካድረታትን ህ.ወ.ሓ.ት ነዘን ጉድለታት ብህፁፅ ንምእራም ብሙሉእ እምነትን ድሉውነትን ብተግባር ንህዝብና ክንክሕስ ቃል ንኣቱ።
  6. ንሕና ካድረታትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፤ ሙሉእ ዘይጎደሎ ተሳታፋይነትን ተጠቃምነትን መናእሰይን ደቂኣንስትዮን ዘዕንቅፍ ዝኾነ ይኹን ኣረኣእያን ተግባርን ብምቅላስ ቀንዲ ናይ ልምዓት ዓቕሚ ክትኮኑ ብቑዕ ኣመራርሓና ከምእነዕርፍ እናገለፅና ንስኻትኩም እዉን ከም ወትሩኹም ፃዕሪታትኩም ብምሕያል ኣብ ጎኒ ዉድብኩም ክትዓስሉ ፃዉዒትና ነቕርብ።
  7. ዓቕሚታት ምሁራትና ፀንቂቕና ክንጥቀምን ኩሎም ስራሕትና ኣብ መፅናዕቲን ምርምርን ክምስረት ከምዝግባእን ካብ መፈለምታ ትልሚታትና ኣትሒዙ እቱ ምሁር ክሳተፍን ሪኢቶ ከቐምጥን ከተግብርን ነቲ ለዉጢ ህዳሰና መሪሕ ኮይኑ ከዕዉተሉ ዝኽእል ኣካይዳ እንዳስፋሕናን እንዳዕሞቕናን ክንከድ ነዙይ ዘዕንቅፍ ኣረኣእያን ተግባርን ድማ ብዘይ ንሕስያ ክንእርም ቃል ንኣቱ።
  8. ኣመራርሓና ዋና ጉዳዩ ዕላማን ህዝቢን ምዃኑ ተሪፉ ህዝባዊነቱ ተሸርሺሩ ስልጣን እናተቐራመተ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ብስግኣትን ኣንፀርፅሮትን እናነበረ ከም መንግስትን ዉድብን ህዝቢ ናይ ምድማፅን ጉቡእ ምላሽ ናይ ምሃብ ዓቕሚታቱ እናተዳኸመ ልዕልነት ሕጊን ፍትሒን ብሙሉእነት ኣብ ክንዲ ምርግጋፅ ሓሓሊፉ መሓዉራት ፍትሒ መጠቓቕዒ መስርሕ ኮይኑ ዝረኣየሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ብዑምቆት ብምርዳእ ጉዳይ ምንጋስ ሰናይ ምምሕድዳር ብመንፈስ ጊዜ የለን ደረጃ ብደረጃ ክንፈትሖ ቃል ንኣቱ።
  9. ብሽም ትግራዋይነትን ዉድብናን ዝሽቅጡ ኣከብቲ ክራይ፣ ትምክሕቲን ፀቢብነትን ሓይልታት ኣብ ዉድብና፣ ህዝብና፣ ክልልናን ሃገርናን ዝበፅሕ ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈጠረን ኣብ መሬት ዘየለን ሕገመንግስታዊ ስርዓትና ዘይፈቕዶን ኮይኑ እናሃለወ፤ ልዕልነት ህዝቢ ትግራይን ዉድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ኣሎ ብዝብል ኮነ ተባሂሉ ብዝተቐረፀ ኣጀንዳ ፌዴራላዊ ስርዓትና ንምብታን ዝተኣልመ ሸርሒን ዉዲትን ምዃኑ ተሪድእና ብፅንዓትን ብትረትን ከምእንቃለሶ ቃል ንኣቱ።
  10. እቱ ዉድብና ሒዛቶ ዘላን ጀሚራቶ ዘላን ከይዲ ምትኽኻእ ወለዶታት ዝያዳ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ክንከደሉን ንድሕሪት ዘይምለሰሉ ኩነታት ክንፈጥር ምዃንናን እናረጋገፅና ሕድሕድ ወለዶ እዉን ካብ ሃፍታም ተሞክሮን ታሪኽን ኣያታቱን ኣዴታቱን ተማሂሩ ምስ ህሉዊ ኩነታቱ ኣገናዚቡን ዘለዎ ሙሉእ ዘይጎደሎ ዉግንና ህዝቢን ብልሒን ተጠቒሙ ሕድሕድ መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ፍልጠት፣ ክእለትን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ህዝባዊ ኣረኣእያን ዓቕሚ ክህሉዎን ክዉንንን ብምግባር ብተግባር ዝተፈተኑ ብሉፃት መራሕቲ መፃኢ እዋናት ክፍጠሩ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና።
  11. ኣመራርሓና ዉልቀ ረብሓ ብምቕዳሙ ኣብ ኣካብነት ክራይን ብልሹዊ ኣሰራርሓን ከምዘሎ ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ዉድብና ኮነ ንሕና ላዕለዎት ኣመራርሓ ገምጊምና ኣለና። ይኹን’ምበር ሓደጋ ኣካብነት ክራይን ተግባርን ብጉቡእ ክረአ ከምዘለዎን ቀፀልቲ ቃልሲታት ከምዝጠልብን ኣብ’ዙይ ኣትዩ ዝተረኽበ ኣመራርሓ ተሓታቲ ንክኸዉን ኣትሪርና ከም እንቃለስ ቃል ንኣቱ።
  12. ነፃነት ሓፋሽ መሕበራት፣ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ሚድያታትን ብምርግጋፅ ዓርሰን ኪኢለን ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትና ነፃ ተሳትፎ ክገብራን ብፅሒተን ክወፃኣን ከምኡ እውን ዝቖማሉ ዕላማ ንኸዐውታ ልዑል ሓገዝን ደገፍን ከምንገብር እናረጋገፅና ዓቕሚ እዘን ውዳበታትን ትካላትን ዘልምስ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣታውነት ብትረት ከምንቃለስ ቃል ንኣቱ፡፡

ዝኸበርኩም ኣሓትን መሓዙትን ዉድባት፤ እቱ ዉድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣጋጢሙዎ ዝፀንሐ ፀገም ናትና’ዉን ፀገም እዩ ኢልኩም ካብ ልቢ ብምእማን ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልቲታት ምሳና ኾይንኩምን ካብ ጎንና ከይተፈለኹምን ኣካል ከይዲ ገምጋማትና ብምዃን ንዝሃብኩምና ነፃነት ዝተመልኦ ሃናፂ ሪኢቶታትን ሓሳባትን ካብ ልቢ እናመስገንና፤ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፅግዕተኛ ሓይሊ፤ ብህዝቢ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን ዝንግድ፤ ናብ ካልኦት ዉድባት ብዘይ መትከላዊ መንገዲ ኢዱ ዝሰድድ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከም እንቃለሶን ከም ዘይንፃወሮን እናገለፅና ኣብ በቢ ከባቢኹም ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ ብሄርን ሃይማኖትን ብዘይፈሊን ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ብዘይልክምን ክትቃለሱ ፃዉዒትና ነቕርብ።

 

ክብሪን ሞገስን ንስዉኣትና!

ንህዝብን ንመስመርን ዝወገነ ይጉየ ዘይወገነ ይተኣለ !

ተሳተፍቲ 7 ውድባዊ ኮንፈረንስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

9 ጥሪ 2010 .

መአከቢ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ

መቐለ