Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብኣንፃር መድረኻዊ ሉኡኹ ዘለዎ ጥንካረን መሰረታዊ ድኽመታትን ዝጀመሮ ዓሚቕ ገምጋም ብዓወት ድሕሪ ምዝዛም መድረኽ ዓርሰ ነቐፌታን ነቐፌታን ጀሚሩ ኣሎ።

ንሕሉፍ ተኸታታሊ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋም ናይቲ ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ኩነታትን፣ ብኣንፃር ምርግጋፅ ኩለ መድያዊ ልምዓታዊ ትራንስፎርሜሽን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዘሎ ኩነታት ብዕሙቆት ብምግምጋም ዘለውዎ መሰረታዊ ድኽመታት ብዝርዝር ፈትሹ ኣሎ።

በዚ መሰረት ኣብቲ ስትራተጅካዊ ኣመራርሓ ዝኾነ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ መትከላዊ  ሓድነት ከምዘይብሉ፣ ኣብ ምጥቕቓዕን ምክልኻልን ዝተመስረተ ዝምድና ከምዝነበሮ፣ ዓሚቕ  ናይ ፀረ-ዴሞክራሲ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ከምዘለውዎ፣ ናይቲ ሓዱሽ ወለዶ መንእሰይን ሙሁሩን ዓቕምታት ኣብ ምህናፅ፣ ኣብ ምስላፍን ምጥቃምን መሰረታዊ ጉድለት ከምዘሎን ምስ ናይ ቃልሲ መሓዙት ዝኾኑ ውድባት ዝነበሮ ርክባት ሽግር ከምዝነበሮን ብዕምቆት ገምጊሙ ኣሎ ።  በዚ ምኽንያት እውን ብናይ ትምክሕትን ፀበብትን ሓይልታት ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ኣብ ሓደጋ ዘውደቑ ዝንባለታትን ተግባራትን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ብፅሒት ከምዝነበሮ ምርድዳእ በፂሑ እዩ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካሊእ ብዕምቆት ዝገምገሞ ኩነታት ልምዓት ትግራይ ብኣንፃር ምርግጋፅ ትራንስፎርሜሽን እንትኸውን ኣብዚ እውን መሰረታዊ ናይ ስትራተጅክ ኣመራርሓ ሽግራት  ከምዘለውዎ ሪኡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ኣብ ልምዓት ገጠርን ከተማን ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ከምዘለው ዘረጋገፀ እኳ እንተኮነ  ብኣንፃር ኣብ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ተታሒዞም ዝነበሩ ሽቶታት ምዕዋትን፣ ናይ ህዝብና ረብሓታትን  ጠለባትን እንትምዘን ግን  መሰረታዊ ሽግራት ከም ዘለዎ ገምጊሙን ኣረጋጊፁን እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ስትራተጅካዊ ኣመራርሓ ዝነበረ ብተደማሪ ዓወታት ጥራሕ እናዓገበ ካብኡ ትፅቢት ዝግበረሉ ብቕዓት ዘለዎ ስትራተጅካዊ ኣመራርሓ ከዕርፍ ከምዘይካኣለ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።

ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ናይ ገምጋም መደምደምታታት መሰረት ብምግባር እውን ንዝተተከአ ነባር ስትራተጅካዊ ኣመራርሓ ውድብና  ሓዊሱ ኩሉ ማእኸላይ ኮሚቴዝጀመሮ ምንቕቓፍ ዝቕፅል ሰሙን ከምዘጠቓልል ትፅቢት ይግበር ፤፤  ድሕሪ ምጥቕላል ናይ  ምንቕቓፍ መድረኩ ድማ   ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ናይ ኣመራርሓ ዳግመ ውደባን ምትዕርራይን ብምግባር ፣ ነቲ ዝገምገሞ ሽግራት መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅኡ ናይ መደብ  ኣንፈታት ብምሕንፃፅን ክልላውን ሃገራውን ተልእኽኡ ብብቕዓት ንምፍፃም  ዘኽእሎ ዓቕሚ ፈጢሩ ከምዝወፅእ  ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የረጋግፅ ።

 

ውድብና ንመድረካዊ ተልእኸኡ ንምብቃዕ ንረባረብ!!

ሕድሪ ሰማእታትና ኣይነዕብርን!!

 

 

ሕዳር 2010 ዓ/ም

መቐለ