Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ጎንፂ ሃገርና ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ዝደልዩ ዝፈጥርዎ’ዩ-ምሁራን


መቐለ 13/2010 ኣብ ሃገርና ሓልሓሊፎም ዝረኣዩ ዘለው ጎንፅታት ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምልጡ ብዝደልዩን ኣብ ግዕዝይና ብዝጠሓሉን ፓለቲከኛታት ከምዝፍጠሩ ገለ ምሁራን ገሊፆም፡፡

ምሁራን ሕጊ፣ፀጥታን ድሕንነትን ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝረኣይ ህውከት ግዕዙያትን ኣከብቲ ክራይን ኣብቲ ሕብረተሰብ ክሕብኡ ዝፈጥርዎ ምንቅስቃስ’ዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ድኹም ቁፃሮ እናፅንዑ ኮነ ኢሎም ዝፈጥርዎ ዘለዎ ውዲት ምኳኑ ይገልፁ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ኣብ ግዕዝይና ዝጠሓለ ውሑድ ኣካል ንፁሃን ዘሳድደሉ ኩነታት ይረአ’ሎ ዝበሉ እቶም ምሁራት መንነቶም ከይቅላዕ ህውከት ዘላዓዕሉ ስራሕቲ እናፈሓሱ ሕብረተሰብ ከይረጋጋዕ ይገብሩ ከምዘለው ሓቢሮም፡፡

እዞም ሐዚ ዝረኣዩ ጎንፅታት ድንጋገታት ሰዓት ፊደራሊዝም ብብስለት ካብ ዘይምፍፃምን ንፓለቲካዊ ረብሓ ብዝብል ብምሽርራፎምን ዝፍጠሩ ከምዝኮኑ ብምሕባር ዴሞክራሲያዊ ተሓታትነት ምርግጋፅ ፍታሕ ከምዝኮነ ሓቢሮም፡፡
ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብኣግባቡ ክትግበር ድማ ይመክሩ እቶም ምሁራት፡፡