Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነቲ ከም መቐፀልታ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና ገይሩ ዝወሰዶ ካብ 22-28 መስከረም 2010 ዓ/ም ክካይዶ ዝፀንሐ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ውድብን መንግስትን 2009 ዓ/ም ብዓወት ዛዚሙ ኣሎ::

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንናይ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ መደብና መበገሲ ዝኾኑና ናይ ውሽጢ ውድብናን ስርዓትናን ሓደጋታት ዝኾኑ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፅንዓት እናተቓለስና ዝሓዝናዮም ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን መደባትና ኣብ ምዕዋት ዝነበሮ ጥንካረታትን ጉድለታትን ብዝርዝር ገምጊሙ ኣሎ::

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሕሉፍ ዓመት ዝጀመርናዮ ብዕሙቀት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ምስ ኣብ ተግባር ምዕራፍ ዝነበሩና መደባት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምዝማድ ኣብ ትሕቲ “እናተሃደስና ንሰርሕ፤ እናሰራሕና ድማ ንህደስ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓሲልና ዘካየድናዮ ውድብ ዝመርሖ ምህዳስ ፈፀምቲ ዓቕምታት ለምዓታዊ ሰራዊት ዝነበርዎ ጥንካረታትን ጉድለታትን ብዕምቆት ገምጊሙ ኣሎ::

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢን ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ውዳበታቱን ኣቢሉ መሓውራት ውድብን መንግስትናን ንምፅራይ ዝገበሮ ዘይተሓለለ ቃልሲን ምንቅስቓስን መረኣያ ውሁሉል ተሞኩሮን ፅንዓትን ቃልስን ከም ዝኾነ ደምዲሙ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል መስመር ውድቡ ዓሲሉ ሎሚ ውን ከምቲ ናይ ትማሊ ፅኑዕ ዕርዲ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ውድቡ ብምዃን ይቃለስ ከምዘሎን መምህር ቃልስና ናይ ምዃን ተግባሩ ይቕፅለሉ ምህላውን ዘመስከረሉ መድረኽ ከምዘለና ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣስሚርሉ ኣሎ።

ካብዚ ብምብጋስ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነዚ በዓል ዋና መስመር ውድብናን ናይ ቃልሲ መምህርናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዘለዓሎም ጉዳያትን ትሕዝቶኦምን ብምፍታሽ ውሽጢ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ሂወትን ቃልስን መሰረት ዝገበረ ኣብ ህዝብና ከይዲ ምዕሟቕን ምስፋሕን ዴሞክራሲ እንታይ ከምዝመስልን ዘሎ ጭቡጥ ኩነታትን ብዕሙቀት ገምጊሙ ኣሎ። እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ መትከላዊ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነቱ ብምጥንኻር ንጠለባትን ሕቶታትን ህዝቢ ትግራይ ብብቕዓት ንምምላስ ዘኽእል ዝተወደበ ኣመራርሓ ኣብ ምዕራፍ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ብዕሞቆት ብምግምጋም ዝለዓለ ናይ ቃልሲ ሕራነ ብዝተመልኦ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ውድብ ውዑይ ዴሞክራሲያዊ ቃልሲ ብምጉህሃር ጥራይ ከይተሓፀረና ብናይ ባዕሉ ዝተወደበ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝብና ዝምስክረሉ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምርግጋፅ ዝተኸየደ ርሕቐትን ጉድለታቱን እውን ብዕምቆት ብምግምጋም ንዝተጠናኸረ ቃልሲ ደልውነቱ ኣብ ዘረጋገፀሉ መደምደምታ በፂሑ ኣሎ።

ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ንናይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ዝፃብእን ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ እናማዕበለ ዝመፅእ ዘሎን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለፅ ከባቢያዊት ብመንፅር ኣብ ቀፃልነት ጉዕዞ ህዳሴና ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብምርኣይ ቀፃሊ ዝተጠናኸረ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ንኽግበረሉ ወሲኑ ኣሎ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ውድብ ኣብ ዝመርሖ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ዝርዝር ኣፈፃፅማን ውፅኢቱን ከይተሓፀረ እቲ ኣብ ትግራይ ብመሪሕነት ውድብና ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኩለመደያዊ ዘይተሓለለ ቃልስን  ምንቅስቓስን ምስ ጭቡጥ ሃገራውን ዓለማዊን ኩነታትን ምስ ኣጠቓላሊ ቀፃልነት ፌዴራላዊ ስርዓትናን ጉዕዞ ህዳሴናን ብምትእስሳርን ዝህልዎ ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ትርጉምን ብዕምቆት ገምጊሙ እዩ።

በዚ መሰረት ዛጊድ ብዝተገበረ ቃልሲን ምቅስቃስን ኣብ ውሽጥና ዝነበረ ጉድለታት ምስ ህዝብና ኮይና ብምስትኽኻል ምስ ኣሓትን መሓዙቱን ውድባት ዝነበረና ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነት ዝነበርዎ ጉድለታት እናተስተኻኸሉን እናተጠናኸረን ይኸዱ ከምዘለው ኣብ ገምጋሙ ኣረጋጊፁ ኣሎ ።

ናይዚ መረኣያ ኣብ ወረዳ ጠገዴ ኣምሓራን ወረዳ ፀገዴ ትግራይን ምስ ጣብያ ግጨው ብዝተኣሳሰረ ዝለዓል ዝነበረን ብእዋኑ ክፍታሕ ዝነበሮን ሕቶ ምኽላል ወሰን ከይተፈትሐ ብምፅንሑ ምስ ብኣዴን ተፈጢሩ ዝነበረ ውሱን ክፍተት ብናይ ክልቲኦም ውድባት፣ መንግስታትን ህዝብታትን ንጡፍ ተሳትፎን ምድግጋፍን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክፍታሕ ከምዝተገበረን ኣብ ክልቲኦም ውድባትን ህዝብታትን ዝፀንሐ ብደምን ብዓፅምን ዝተነደቐ ሓድነት ዘጠናኽር ስራሕ ከምዝተሰርሐን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ነዚ ከም ፅቡቕ ተሞኩሮ ብምውሳድ ኣብ ሃገርና ብፀበብትን ትምክሕተኛታትን ፌዴራላዊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ንምፍራስ ዝተቐያየረ ስልታት ብምሕንፃፅ ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓስ እውን ብዕሞቆት ፈትሽዎ ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮሚያን  ኢትዮጵያ ሶማሊን ብዝተፈጠረ ግጭት ዝበፅሐ ናይ ሂወትን ንብረትን ጉድኣት ከም ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝተሰመዖም ሓዘን ዝለዓለ ከምዝኾነ ብምግላፅ ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ካብ ፍፁም ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መትከል እናተበገስና ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ኣሓትን መሓዙቱን ውድባትን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ሎሚ ውን ከምቲ ናይ ትማሊ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ብፅንዓት ከምዝምክቶ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ ዝዘተየሎም ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ኣብ ምሕያል ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብ ምሕያል ተሳትፎ ሙሁራት ዘሎ ኣፈፃፅማን ዝጎደልዎ መደያትን እውን ብዝለዓለ ትኹረት ገምጊምዎ ኣሎ።

በዚ መሰረት መናእሰይ ትግራይ ሕድሪ ኣያታቶም ተሓንጊጦም ከም ቁልፊ ናይ ልምዓት ዓቕሚ ብምውሳድ ንኹሉ መደያዊ ተሳትፍኦምን ተጠቃምነቶምን ዝተገበረ ምንቅስቓስን ህንፀቶምን ብዕምቆት ገምጊምዎ ኣሎ። ዝሓዝናዮ ምርግጋፅ ዕብየትን መሰረታዊ ለውጢን ህያው ንምግባር ካብ ፍልጠትን ብቕዓትን ወፃኢ ከምዘይዕወት ተረዲእና ነቲ ናይ ሙሁር ዓቕምና ዘይትካእ ተራን ዓቕምን ንምጥቃም ዝተወደበ ተሳትፍኡ ብምሕያል ዓቕምታቱ ኣብ ምጥቃም ዘሎ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ገምጊምዎ ኣሎ።

ብድምር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስና በፂሕዎ ዘሎ ደረጃን ዝጎደልዎ መዳያትን ብዝርዝር ገምጊሙ ኣሎ። ንርከበሉ መድረኽ ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ንምብቃዕን በቢእዋኑ ንዝራኣዩ ናይ ውሽጥን ግዳምን ማሕለኻታትን ፈተናታትን ብፅንዓት ብምቅላስ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ህዳሴና ክጉልብትን ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምድያብን ፍሉይ ርብርብ ንገብረሉ ምዕራፍ ከምንርከብን ነዚ ዝጠልብ ብቕዓት ኣመራርሓ ከምዝሓትትን ኣስሚርሉ ኣሎ። ፅሩይ መስመርና ሒዝና በቢእዋኑ እናተሃደሰ ዝጉውድ ውድብ ሒዝና ብቐንዲ ከዓ ነቲ መስመር ሓብሒቡ ዝሕልዎ ዘሎ ህዝብና ሒዝና ቀፃሊ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና መንገዲ ተደራራቢ ዓወት ንምግባር ብዝለዓለ ቁርፀኝነት ከምዝመርሕ ኣብ ገምጋሙ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ኣፍሪቕናዮ ዘለና 2 ትልሚ ዕብየትን ስግግርን መሰረት ብምግባር ኣብ 2010 ዓ/ም ዘለውና መደባት፣ ኣብ ሕሉፍ ዘይመላእናዮምን ናይ ቕድሚት ስራሕትናን ንምፍፃምን ንምስላጥን ካብቲ ዝፀናሕናዮ ኣካይዳ ተወሳኺ ዋዕይን ርብርብን ንምግባር እውን ወሲኑ ኣሎ። ኣብዚ መስርሕ ቃልስን ፍሉይ ርብርብ ዝግበረሉ ዓመትን መላእ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ናይ ቐደሙ ኣብ ፅላል መስመር ውድቡ ህወሓት ዓሲሉ ንውንጩፍ ምዕባለን ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ንምርግጋፅን ኣብ ዝግበር ርብርብ ሎሚ እውን ከምታ ልማዱ “ወፈር ተበገስ” ኢሉ ቃልሱ ከጎሃህር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።

ናይ ቃልሲ ኣሓትናን መሓዙትናን ዝኾኑ ውድባትን ብሄር፣ ብሄር ሰባትን ህዝብታትን እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ብጥሙር ሓበራዊ ቀላፅምና ውዲታት ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ብምብትታኽ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ህዳሴ ሃገርና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ከምነሰጋግሮ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ የረጋግፅልኩም።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና!!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

29 መስከረም 2010 ዓ/ም

መቐለ፤